2014-10-04 17:17:02

ዓመታዊ ክብረ በዓል ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል ሰማዕት


RealAudioMP3 RealAudioMP3 ዓመታዊ ክብረ በዓል ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል ሰማዕት ብ23 መስከረም 2007 (3/10/2014) ብክብ ዝበለ። ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ቅ.ሚካኤል ከረን ተባዒሉ፣ ማሕበር ካህናት ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል ሰማዕት። ሰበኻ ከረን። ነዚ በዓል ንምድማቕ ካብ ረቡዕ 21 መስከረም2007 ዓ.ግ (1/10/2014) ጀሚሮም ፍሉይ መደባት ብምስራዕ። ኣብ ከተማ ከረን ነቲ በዓል ተሰናድዮምሉ፣
መደብ ክብረ በዓል ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል ሰማዕት። ካብ ረቡዕ 1/10/2014 ክሳብ ዓርቢ 3/10/2014 እዩ ተሰሪዑ። ዝነበረ። እዚ ከኣ ካህናት ማሕበር ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል ሰማዕት። ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዝተኮረ። መደብ ብምግባር ምእንቲ ቅድስና ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤልን። ምእንቲ ቅድስና ካህናትን። ብሕብረት ምእንቲ ክንጽሊ ብምባል ዝተገብረ እዩ፣
ኣብ ዕለተ ረቡዕ ዝተገብረ መደብ። ካብ ሰዓት 5።00 ድ.ቀ ብጸሎት “ናብ ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል ዝተደርሰ” ጀሚሩ፣ ክቡር ጸሓፊ ማሕበር ኣባ መርሃዊ ሃብታይ ናይ ዕንቋዕ መጻእኩም ሰላምታ ድሕሪ ምቅራብ። ናብ ናይ ዕለቱ መደብ ተኣትዩ፣
ዝሰዓበ መደብ ኣስተምህሮ ብኣባ ሰምሓራይ ዘርኣስላሴ ኣቦ መንበር ማሕበር ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል እዩ ቀሪቡ፣ ኣባ ሰምሓራይ ኣስተምህርኦም። ብቃል እግዚኣብሔ። “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳን ኩኑ፣”(1ጴሮ.1።15) ዝብል ካብ መልእኽቲ ቅ.ጴጥሮስ ጠቂሶም። ብዛዕባ ጸዋዕታ ከነስተንትን። ሚዒዶምና፣
ኣብ መጀመርያ ትምህርቶም ብሕጽር ዝበለ። ታሪኽን መንፈሳውነትን። ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል ድሕሪ ገሊጾም፣ ቀጺሎም ምስኡ ብምትሕሓዝ ስለምንታይ ኣነ ካህን ኰይነ? ዝብል መሪሕ ሕቶ። ብዛዕባ ናይነፍሲ ወከፍና። ጸዋዕታ ክንምርምር ዝሕግዝ። ኣቅረቡ፣ ነዚ ከኣ ካብ መዕበያ ጸዋዕታ ናይ ስድራ ቤትና ጀሚሩ ክሳብ ኣብ መዓርገ ክህነት እንበጽሕ። ዘሎና ርድኢት ናይ ዕላማ ክህነት። ብዙሕ ወረድ ደይብ ዘለዎን። ምዃኑ ኣገንዚቦም፣ ስለዚ ክንዳይ ኢና። ኣብ መዓርገ ክህነት ምስ በጻሕና። “ኣነ ንቅድስናይን ንድሕነት ነፍሳትን” ዘገልግለሉ ዕላማ በጺሓ ኢሉ። ንሓቀኛ ጸዋዕትኡ ዘለሊ? ይብሉ ኣባ ሰምሓራይ፣
ኣባ ሰምሓራይ ቀጺሎም። ነቲ ቀንዲ ናብ መንገዲ ቅድስና ከይንበጽሕ ዝኽልክለና። ክንኣልዮ ኣሎና፣ ድሕሪ ኢሎም፣ ጸሎት ክንገብር፤ ንፍቃድ እግዚኣብሔር ክንቅበል ከምዘሎና ሚዒዶም፣ ቀጺሎም ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል መምህር ሓቀኛ እምነት፤ መም. ትብዓትን ጽንዓትን፤ መም. ተጋድሎን ሰማዕትነትን ብምኻኖም። ኣብነቶም ክንወርስ። ኣተሓስሲቦምና፣
ድሕሪዚ ናይ ሕቶን። ርኢቶን። መንፈሳዊ ተመክሮን ምልውዋጥን ንዝብል። ንማሕበር ዕድል ተዋሂቡ፣ ጽቡቕን ሃናጺ ሓሳባትን ቀሪቡ። ሰዓት 6።30 ድ.ቀ ምስ ኮነ ናይ መቍጸርያን። ዳዊትን መደብ ተጌሩ። ብድራር ተዓጽዩ፣
ኣብ ናይ ሓሙስ መደብ። ካህናት ቅዳሴ ድሕሪ ቀዲሶም። ቍርሲ ኣብ መንበረ ጵጵስና ቆሪሶም። መደብ ሰዓት 8።30 ቅ.ቀ ብ2ይ ኣስተምህሮ ጀሚሩ፣ ኣብዚ ካልኣይ ኣስተምህሮ ኣባ ዑቕበጋብር ወልደጊዮርጊስ። “ ኣምላኽ ግና ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼኅፍር ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ኃረየ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ከሕፍር ንዕሽነት ንድኻም እዛ ዓለም ሓረየ። ነቲ ዘሎ ከንቱ ምእንቲ ክገብር ከኣ ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቅን ዘየለ ሓረየ፣ (1ቆሮ.1።27-28) ዝብል ቃል ቅ.ጳውሎስ ብምጥቃስ ትምህርቶም ጀመሩ፣ ንሶም ነቶም ናይዛ ዓለም ጠቢባን ዝበሃሉ። ከመይ ዝበሉ እዮም። ኢሎም ናይ ሰለስተ ዓይነት ሰባት ባህሪ ድሕሪ ገሊጾም፣ ብዛዕባ እቶም ድኻታትን ንዑቓትን ዝበሃሉ ድማ። ከም በዓል ብጹዕ ኣባ ገብረሚካኤል ዝኣመሰሉን። ካልኦት ኩሎም ኣብ ኣገልግሎት ኣምላክ ዝተዋፈሩ ምዃኖም። ኣረዲኦም፣
ስቓይን ፍቅርን ክልተ ኣብ ምልኣት ቅድስና ዘብጽሓና ከምዝኾና። ብብዙሕ ኣብነታት ድሕሪ ኣረዲኦምና፣ ንሕና ካህናት። ኣብ ስቃይ ሕዝብና ክንካፈል። ናይ ፍቅሪ ስራሕ ከነተግብርን ምስ እንክእል። ናብ ቅድስና ክንበጽሕ ንክእል። ክርስቶስ እቲ ዝተሸንከሮ። ሽንካር ዘይኮነ ዝያዳ ዝኸበዶ። በታ መስቀል ዝተሰከመት ክሳዱ። ዝተቀበሎ ስቃይ። ብሙኻኑ። ካህንውን ስቃይ ሕዝቡ ክጸውር ቀዳማይ ጸዋዕታኡ እዩ፣
ኣባ ዑቅበጋብር። ንኩሎም ካህናት። ከም ቀንዲ ናይ ቅድስና መንገዲ ዝኾነና። ንሕሙማት ምብጻሕ ዝበለጸ ከምዝኾን ምኽንያቱ ከኣ። ኣብ ሕሙማት ንክርስቶስ ክንረኽቦ ንክእል። ስለዝኮና። ከምኡውን ነቶም ተጻባእቲ ንቅንኣት ነፍሳት ዝኾኑና። ድቃስ ምብዛሕ፤ካብ ቦታ ስራሕ ምህዳም ወይ ምኽዋል፤ ምንባብን ተለቪጅን። ወይ ፊልም ምርኣይ ዝያዳ ጊዜና ከይነጥእ ንጠንቀቕ፣ ንሶም ቀጺሎም። ተኣማንነት ካህን ኣብ ክርስቶስ፤ ኣብ ቤተ ክርስትያን። ኣብ ጸዋዕታና። ክህሉ ኣገንዚቦም፣
ኣብ መወዳእታ። ትምህርቶም ኣባ ዑቅበጋብር። ንጽሕና ሕይወትና ንኽርስቶስ ኣገዳሲ ።እዩ፣ እዚ ከኣ መጀመርያ ታቦት ልብኻ ምንጻሕ። ቀጺልና እቲ መስዋእቲ እነቅርበሉ ታቦት ከኣ ከነንጽሕ ኣለና ኢሎም፣ ከም ለበዋ ዘቅረብዎ። ሓሳብ ቀጻሊ ናይ ስነ መዕበያ ትምህርቲ ክህሉ፤ ንኣቦ ነፍስና ክንእዘዝ፤ ትውፊት ክንኣምንን ክንእዘዘን፤ ናይ ኣቦው ቃል ታሪኽ ክንወርስ፤ ንሰበስልጣን ክንእዘዝ፤ ምስ ድንግል ማርያም ሓቢርና ንጉዕዞ ክህነትና ናብ ቅድስና ክንበጽሕ ንጽዓር። ብምባል ትምህርቶም ፈጺሞም፣
ድሕሪእዚ። ማሕበር ኣብቲ ዝተዋህበ። ዓሚቕ ትምህርቲ ብምስትንታን። ናይ ሕቶ። ርኢቶን ከምኡውን መንፈሳዊ ተመክሮታት ምልውዋጥን ጌሮም፣ ካብኡ ቀጺሉ። ብዛዕባ ሕጊ ማሕበርን። ናይ ማሕበር ጉዳያት ተዘትዩ። ብናይ ሓባር ምሳሕ። ተዛዚሙ፣
ኣብ ድሕሪ ቀትሪ ዝቀጸለ። መደብ ናይ ዋዜማ ጊዜ እዩ ዝነበረ፣ ኩሎም ካህናት ጻዕዳ ልብሲ ተክህኖ። ምስ ጻዕዳ ጋቢ። ተላቢሶም። ምስ ብጹዕ ጳጳስ። ከምኡውን መረጌታ ኤርምያስ (ዳጀው) ኣካላይ። ብሙዃን ልክዕ ሰዓት 4።00 ድ.ቀ ዋዜማ ናይ ክብረ በዓል ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል ሰማዕቲ። ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ቅ.ሚካኤል ከረን። ብውዕዉዕ መንፈስ ተጀሚሩ፣ ኣብዚ ዋዜማ። ተመሃሮ ንኡስ ገዳም ዘርኣክህነትን። ምእመናን። ተረኺቦም ፍሉይ ድምቀት ሂቦሞ። ኔሮም፣ ዋዜማ ክሳብ 7።30 ድ.ቀ ጸኒሑ፣ ድራር ኣብ ርእሰ ኣድባራት ቅ.ሚካኤል ተደሪሮም። ነናብ መዳቅሶኦም ከይዶም፣
ንግሆ ዓርቢ ልክዕ ሰዓት 3።00ቅ.ቀ ደወል ተደዊሉ። ማህሌት ሰዓት 3።15 ቅ.ቀ ተጀሚሩ፣ ከምቲ ናይ ዋዜማ። ኩሎም ካህናት ብትግሃት ብምንቃሕ ምስ ተመሃሮ ዘርኣክህነት ከረን። ብሙዃን ምውቕ ማህሌት ኣዕሪጎም፣ ጳጳሳዊ ቅዳሴ ልክዕ ሰዓት 5።30ቅ.ቀ ጀሚሩ፣ ኩሎም ካህናት ደቂ ማሕበር ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል ብጳጳስ ተማእኪሎም ብኁባሬ። ቀዲሶም፣ ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ። ናይ ዕለቱ ቃለ እግዚኣብሔር። ከምዚ ዝስዕብ ኣመሓላሊፎም፦“ነቶም ቃለ ኣምላኽ ዝሰበኹልኩ።መራሕቲ ዘክርዎም። ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩን። ከምዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን።ንዘለዓለም ዓለም። ንሱ እዩ” ዝብል ቃል ቅ.ጳውሎስ ናብ ሰብ ዕብራውያን(ዕብ.13።7-8) ጠቂሶም ስብከቶም ጀመሩ፣ እዚ ሎሚ ነብዕሎ ዘሎና። ዕለት ናይቶም ብሕይወቶምን ብሰማዕትነቶምን ዝሰበኹልና ብፁዕ ኣቦ ኣባ ገብረሚካኤል እዩ፣ ንሶም ሰማዕት እዮም፣ ሰማዕት ማለት ከኣ “ንክርስቶስ ዳጋም ኣብ ሕይወቱ ከምዝርኤ ዝገብር እዩ” ወይ ከኣ ንክርስቶስ ብሕይወቱ ዝሰብኽ እዩ፣ ብጹዕ ኣባ ገብረሚካኤል ቃለ እግዚኣብሔር ጥራሕ ኣይኮኑን ሰቢኾምልና፣ ፍቅሪ እውን ብምልኣት ኣርእዮምና እዮም፣ ብፁዕ ኣቦና። ካብቲ ድርሳን ናይ ክብረ በዓሎም። ብምጥቃስ ድሕሪ ኣስተንቲኖም። “ንጨካን ፈራዲ ብጨካን ትዕግስቲ ገጠምዎ” ብምባል ነቲ ብእምነትን ትዕግስትን ዝሰዓርዎም ጨካናት ናይዚ ዓለም ገዛእቲ። ሎሚውን ንሕና ናይዘመና መሰኻኽር ክርስቶስ ብሙዃን። ብሕይወትና ከነገልግልን ወረስቲ መንግስተ ሰማይ ክንከውንን። ሚዒዶምና፣
ድሕሪ ቅዳሴ። ካህናት ኩሎም ደቂ ማሕበር ብሓባር። ቍርሲ ኣብ መንበረ ጵጵስና ተሰናድዩ ስለዝነበረ። ኣብኡ ቆሪሶም። ድሕሪ ናይ ሓደ ስዓት ዕረፍቲ። ብዛዕባ ማሕበሮም ዘትዮም። ለበዋን ማዕዳን ብምቅራብ ከኣ። ብናይ ሓባር ምሳሕ። ተዛዚሙ፣
እግዚኣብሔር ኣምላኽ። ኣብነት ብፁዕ ኣባ ገብረሚካኤል ሰማዕቲ ከም እንስዕብ ይግበረና። ቅድስናኦም ከኣ ይግለጸልና፣
አብ ዕለቱ ዝፈሰሰ ቅኔ እነሆሕዝበ ሳሌም ገድላተ ኬፋ ለገብረሚካኤል ብፁዕ ካህነ ልዕልት ሶፍያ
ሰመይዎ ለሓኒፀ ዛቲ ቤተኤል ነያ
መንግሥተ ሰማይ ደብረ እንተ ያዕቆብ ዘርእያ
እምቅድመ ዓለማተ ኤልማስ እደ ኬንያ
ዘሓነፀ ለአዳም ኖትያ
(መ/ታ ኤርምያስ ፳፻፯/2014)
ኣንባህብሃ ደመ ሰማዕት ከመ ማየ ዘዮም በምድረ ወንጌል ገነት
ክሕደት ሥልጣነ ተቀንዮ ኢረክበ ቤት
አንቅጸ ግዕዛን ወንጌል ሰብለ ዘኬፋ ሜላት
ወገብረሚካኤል ሊቅ ዘይስጢኖስ ዕፍረት
ሓውጸነ በዛቲ ዕለት
(ኣባ ሃብተልዑል ገብራይ ፳፻፯/2014)ቅኔ ሥላሴ
ሓወጹ በኢያሪኮ መዋግደ ባሕር ማዕበላቲሁ ገድላተ ዓቢይ ጻድቅ ገብረሚካኤል ደመና
ነጐድጓደ ወፀሓየ ራማ አመ ዘንመ ፍና
ሕይወተ ዝንቱ ጸሓፉ መቅበርቱ በኢትዮጵያ መካና
በደብረ ሚካኤል ምስጋደ ዮና
ካህናቲሃ ጸውዑ ቃለ ትሕትና
ለብፁዕ ለስሙ መስግና
(መ/ታ ኤርምያስ ፳፻፯/2014)

ኣባ መርሃዊ ሃብታይ
ጸሓፊ ማ/ብ/ኣባ ገብረሚካኤል ሰማዕት
ኤጳርቅና ከረን፣








All the contents on this site are copyrighted ©.