2014-10-04 16:51:25

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ስለ ሰናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ብፁዓን ጳጳሳት ጸዋዕታ በስተውዕሎ ክቆጻጸሩ ሓደራ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ናይ ካህናት ጉዳይ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ዝተስተፉ ብናይቲ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል በኒያሚኖ ስተላ ዝተመርሑ ተቐቢሎም ጸዋዕታ፣ ሕንጸት፣ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ዝብሉ ሰለስተ ነጥብታት ዘማእከለ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዝለገሱ ነቲ ዝተኻየደ ርክብ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።
ካህናን ኣብ ምብዛሕን ጸዋዕታ ክህነት ኣብ ርኽበትን ካብ ምቱካር ንሕዝበ እግዚኣብሔር ምሕሳብ ኣዚዩ ብሉጽ ዕላማ ከምዝኾነ ቅዱስ ኣቦና እንክገልጹ፣ ርግጽ እዩ ዋሕዲ ጸዋዕታን ዋሕዲ ካህናትን ዝረአይ ዘሎ ዓቢይ ሽግር እዩ፣ ይኹን ደኣ እምበር ነዚ ቅልውላው ጸዋዕታ ንምብዳህ እናተባህለ ማዕጹ ኣባይቲ ትምህርቲ ዘርአ ክህነት ብዘይ ምልላይ ጋህ ምባልን ዝመጸካ ምቕባልን ዓቢ ጌጋ እዩ። ሰለዚህ ብዋሕዲ ጸዋዕታ ምኽንያት ዘጋጥም ዓቢይ ፈተና “ነቶም ዝመጹኻ መንእሰያት ከይመመኻ ምቕባል” ምዃኑ ገሊጾም “እዚ ንቤተ ክርስቲያን ዝጐድእ ዓቢይ ግብረ ክፍኣት እዩ። በጃኻትኩም ናይ ዝጽዋዕ ከይዲ ብቐረባን ብጥብቅን ተኸታተሉን ኣጽንዑን፣ እቲ ጸዋዕታ ካብ እግዚኣብሔር ድዩ ኣይኰነን እቲ ተጸዊዔ ዝብል ጥዑይ ድዩ ኣይኰነን፣ ሚዛኑ ዝሓለወ ድዩ ኣይኰነን፣ ሕይወቱ በጃ ኣሕሊፉ ክህብ ዝኽእል ስንድው ድዩ፣ ቅንኣት ኣስፍሆተ ወንጌል ዘለዎ ድዩ፣ እቲ ተጸውዔ ዝብል ቤተሰብ ክምሥርት ብቕዓት ዘለዎ ክነሱ ንኢየሱስ ንምስዓብ ቢሉ እቲ ቤተሰብ ናይ ምምስራት ብቖኣቱ ዝኽሕድ ድዩ? ዝብል ሕቶ ብፁዓን ጳጳሳት ኣልዒሎም ብሓቂ ጸዋዕታን ጽውዑን ብሸልተይናነት ከይርእይዎን ጸዋዕታ ንምቕባል ምኽንያት ነቲ ዝረአይ ዘሎ ቅልውላው ጸዋዕታ ንምብዳህ ዝብል ሰብኣዊ ድላይ ክኸውን ከምዘይብሉ ኣተሓሳሲቦም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ብዙሓት ሰበኻታት ብዙሕ ጸገም ኣሎና፣ ብዙሓት ጳጳሳት ዋሕዲ ጸዋዕታ ክህነት ክፍታሕ ቢሎም እቲ ግቡእን ብቑዕን መምዘኒ ጸዋዕታ ዘንጊዖም ዝኸተልዎ ውሳኔ ዘስዓቦ ዘሎ ጸገምን ሽግርን ዝረአይ ዘሎ እዩ፣ ገሊኣቶም ካብ ገዳማውያን ማሕበራት ዝወጹ ምእንቲ ቅልውላው ጸዋዕታ ንምፍታሕ እናተሃብል ምቕባሎም ዝፈጥሮ ዘሎ ጸገም ዓቢይ እዩ’ሞ በጃኻትኩም ብፁዓን ጳጳሳት ከምቲ ቅዱስ ማቴዎስ ዝብሎ ጸዋዕታ ልክዕ ከምቲ ኣብ ግራት ዝተሓብአ ክቡር ዕንቍ ምዃኑ ከይትዝንግዑ እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም ምሥጢረ ማዕርገ ክህነት መሰረታዊ እዩ ስለዚህ እዚ ክቡር ዕንቍ ንገለ ገለ መጋበርያ መደለቢ ሃብቲ ከይኸውን እንከጠንቅቑ፦ “እቲ ንምሥጢረ ክህነት ዝተጸውዐ፣ ወናኒ በዓል ንብረት ጸዋዕታ ኣይኰነን፣ ኣንታይ ደኣ ናይቲ ጸጋ እግዝኣብሔር ዝኾነ ጸጋን ብሓላፍነት ዝወሃቦ ምእቲ ሰናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣገልጋልን ኣመሓዳርን እዩ፣ ነቶም ቀረባን ርሑቕን ዘለዉ ነቶም ዝኣምኑን ነቶም ዝኣምኑ ክነሶም ካብ ሃይማኖታዊ ሱታፌ ንዝረሓቁ ሰናይን ንመላእ ዘርኢ ሰብ ሰናይ ኣሚቱ ዘመሓድሮ ጸጋ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም፦ “ኢየሱስ ነቶም ዝጸወዖም ንዓ ሰዓበኒ’ሞ ደሓር ከረድኣካ እየ ወይ ከኣ ሰዓበኒ እሞ ክምህረካ እየ ኣይኰነን ዝበለ፣ ኣንታይ ደኣ ነዓ ሰዓበኒ እዩ ዝበለ፣ እዚ ማለት ድማ ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ግበር ዝብል ጸጋ እዩ። ሎሚ እውን ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዳይ ጸዋዕታ ክትግብሮ ዝግብኣ ሜላ ንሱ እዩ። ኣቲ ሕንጸት ሓዋርያውነት ተመክሮ እዩ። ናብ ክርስቶስ ዘቕርብን ንዓኡ ኣብ ምምሳል ምዕባይን ማለት እዩ። ብዙሓት ተግባሮም ወንጌላዊ ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝዓዩ ኰይኖም ይርክቡ፣ ብሓቂ ኣብ ጸዋዕታኦም ርጉኣትን ህዱኣትን ኣብ ድኻምን ላዕልን ታሕትን ዘይቕሕም ሓጐስ ዘጉልሑ ካህናት ምርኣይ ክንደይ ባህ የብል፣ እዚ ዝኸውን ድማ ብጸሎት እዩ። በቲ ልባዊ ጸሎትን በቲ ምስቲ ናይ ጸዋዕታ ክህነት ልቢ ዝኾነ ኢየሱስ ዝነብርዎ ዘተ እዩ ዝከኣል” እንክብሉ ዝለገስዎ ሥልጣናዊ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.