2014-09-27 15:28:08

ኣዋጅ ብጽዕና


RealAudioMP3 ዕለት 27 መስክረም 2014 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ማድሪድ ናይ ማሕበር “Opus Dei-ስራሕ እግዚኣብሔር” እተሰምየ ማሕበር መስራቲ ቅዱስ ኾሰማሪያ ኤስክሪቫ ደ ባላገር ቀጺሎም ናይቲ ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ኰይኖም ቤተ ክርስቲያንን ሕዝበ እግዚኣብሔር ዘገልገሉ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ብፁዕ ኣቡነ ኣልቫሮ ደል ፖርቲሎ ናይ ቅዱስና ጉዳይ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኣማቶ ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብፍቓድን ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብጽዕና ከምዝኣወጀትሎም ልኡኽ ጋዜጠይና ራድዮ ቫቲካን ፈደሪኮ ፒያና ሓቢሮም።
ናይ ብፁዕ ኣልቫሮ ደል ፖርቲሎ ንቕድስና ዘብቕዖም መስረተ ሓሳብ ዘቕርቡ ኣባ ኻቪየር መዲና ባዮ፣ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ፦ ሓድሽ ብፁዕ ኣልቫሮ ደል ፖርቲሎ ካብ ክርስቲያን ስድራ ዝተወልዱን ሸሞንተ ኣሕዋት ዝነበርዎምን ብእንጅነር ስነ ምጽናዕቲ ዝተመረቑን ድሓር ብቐረባ ንመስራቲ ማሕበር ስራሕ እግዚኣብሔር ቅዱስ ኾሴ ማሪያ ኤስክሪቫ ክፈልጡ ዕድል ረኺቦም ናይቲ ማሕበር መንፈሳውነት ናይ ምስዓብ ጸዋዕታ ተዓዲሎም ቅድስና ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ዝብል መንፈሳውነት እናነበሩ እንከለዉ፣ ደሓር እውን ጸዋዕታ ክህነት ተዓዲሎም ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም ኣብ ማሕበር ስራሕ እግዚኣብሔር ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ተልእኾ ሓላፍነት ተመዲቦም ብዙሕ ዘገልገሉ ድሕሪ ቅዱስ ኤስኪሪቫ ድማ ናይቲ ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ኰይኖም ዘገልገሉ ከምዝነበሩ ገሊጾም።
እቲ ዘገድስ እሙን ክርስቲያን ኣብ ክርስትናኡ ዝእመን ዝኣምኖን ዝነብሮን ክርስትና ዘእምን ክርስቲያን ምዃን እዩ እቲ ዓቢይ ሕይወት፣ ካልእ በዓል ሓዳር ኩን ካህን ኩን ድንግል ምዃን ኣይኰነን ዘገድ፣ እቲ ክርስትና ሕይወትካ ንኽትነብረሉ ኣብ እትጽገዎ ጸዋዕታ እሙን ምዃን እዩ ወሳኒ። እዚ ማለት ድማ ንእግዚኣብሔር እሙን ምዃን እሙን ብእግዚኣብሔር እንተድኣ ኰይንካ ብሰብ እውን ከምእትኸውን ስራሕ መንፈስ ቅዱስ የረጋግጾ፣ ብፁዕ ደል ፖርቲሎ እሙን ንእግዚኣብሔር እሙን ንቤተ ክርስቲያን እሙን ንሕዝበ እግዚኣብሔር እሙን ንመንፈሳውነት ማሕበር ስራሕ እግዚኣብሔር ኰይኖም ዝነበሩን እዚ ኹሉ ድማ ክርስትና ብቓል ሕይወትን ብምንባር ዝነበርዎ ጸዋዕታ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.