2014-09-27 18:46:05

ንክርስቶስ ክርንርደአሉ እንኽእለሉ እንኮ መንገዲ ከም ስምዖን ቄረናዊ መስቀልካ ብምሽካም ኢዩ፣


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ትማሊ አብ ቤተ መቅደስ ቅድስት ማርታ አብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ “ሓደ ክርስትያን ማለት ምስ ኢየሱስ ኮይኑ መስቀሉ ተሸኪሙ ክጐዓዝ ቅሩብ እንተዘይኮይኑ ንመድኃኒ ዝኾነ ክርስቶስ ብዘይ መስቀል ክርደኦ አይ
ክእልን ኢዩ” እንክብሉ ሰበኾም፣
ተኸታሊ ክርስቶስ ምዃን ክርስትያን ምዃን ማለት ከም ስምዖን ቄረናዊ ምዃን ማለት እንክኾን ብሓቂ እምነት ከምዘሎካ መረጋገጺ ከአ ምስ ኢየሱስ ሓቢርካ ነቲ ክበድ መስቀል ክትጻወር እንተኸአልካ ኢዩ፣ እንተዘየለ ሓቅነት ዘይለበሰ ናይ ማዕዶ ሕያዋይ ክርስትያን ብምዃን ካብ ግብዝነት ክትወድቅ ከምዝከአል ዘመልከቱ ቅዱስነቶም ንክርስቶስ ወዲ እቲ ሕያው እግዚአብሔር ምዃኑ ምፍላጥን ምምስካርን ዕለት ዕለት መስቀሉ ጸርካ ምኽታሉን ከምዘድሊ ገሊጾም፣
ዝኸበርኩም ሰማዕትና አብ ሥርዓተ አምልኾና ሎሚ በዓለ መቀል ብምዃኑ ርሑስ በዓለ መስቀል ክኾነልኩም እናተመነና ጥቀ ክቡር አባ ሙሴ ተስፋዮሓንስ ዘማኅበረ ሲታውያን ካብ አመሪካ ዝለአኹልና ነቅርበልኩም፣
በዓለ መስቀል - 2014
‘እስመ መስቀል ሞዐ፣ ሞት ተሞዐ፣ ኃይለ መስቀሉ ኣብርሃ መስቀል ብርሃን ለኵሉ ዓለም ”
“መስቀል ስለ ዝሰዓረ፣ ሞት ተሳዕረ፣ ሓይሊ መስቀሉ ኸኣ ኣብ ኵሉ ኣብርሀ።”
ኣብ ጊዜ ሰሙነ ሕማማት፡ ብዛዕባ ስቑል ኢየሱስ ክርስቶስ ኢና እነስተንትን። መስከረም 17፡ በዓለ መስቀል ክነብዕል አንከሎና ግን ክብሪ መስቀልን ዓወት ኢየሱስን ኢና እነብዕል። ኣብ ጊዜ ክርስቶስ፡ መስቀል ናይ ስቓይን፡ ውርደትን፡ ሐፍረትን መሣርሒ እዩ ነይሩ። ሮማውያን ነቶም ዝኸፍኡ ገበይነኛታትን ጸላእቶምን ብሞት መስቀል ይቐጽዕዎም ዝነበሩ። ኢየሱስ ግን ንውርደት መስቀል፣ ናብ ምልክት ዓወትን፡ ተስፋን፡ መሥዋዕትን፡ ደረት ዘይብሉ ፍቕርን ለዊጥዎ። እቲ ብ313 ዓ.ም.ፈ.፤ ንክርስትና ሕጋዊ ሃይማኖት ዝገበረ፣ ንጉሥ ቆስጠንጢኖስ፤ ንመቕጻዕቲ ሞት-መስቀል ምስ ሰረዞ፣ ሮማውያን፡ ንሰብ ብስቕለት ምቕጻዕ ኣቋረጽዎ።
ንጉሥ ቆስጠንጢኖስ ናብ ክርስትና ዝኣተወሉ ምኽንያትውን፣ ብራእይ መስቀል እዩ። በቲ ዝረኣዮ ምልክት መስቀል፣ ነቲ ኣብ መንበር ዝወዳደሮ ዝነበረ ንጉስ ማክሰኑስ ስዒሩ፣ ናይ ሮማ ንጉሥ ከምዚኸውን ርግጽነት ተዋህቦ። ቆስጠንጢኖስ፣ ኣብ ግዝኣት ሮማውያን ሥልጣኑ ምስ ኣረጋገጸ፤ ምስታ ነጊሣ ዝነበረት እለኒ ኣዲኡ፣ ነቲ ኢየሱስ ዝተቐመጠሉን ዝሞተሉን ቦታ ንምፍላጥን ምንርኣይን ናብ ቅድስቲ ሃገር ከደ። ቆስጠንጢኖስን ኣዲኡን ከኣ፤ ኣብ ቤተልሄምን፡ ኣብ ደብረ ዘይትን ቤተክርስቲያን ሓነፁ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ጎቦ ቀራንዮን ኣብቲ ቅዱስ መቓብር ኢየሱስን፣ ነቲ ሰፓልቸር ተባሂሉ ዚጽዋዕ፡ ወሩይ ቤተክርስቲያን ሰርሑ።
ነቲ ናይ ጐይታ ቤተክርስቲያን፡ ኣብቲ ቅዱስ መቓብር እናሰርሑ እንከለዉ እዩ፤ መስቀል ክርስቶስ ዝተረኽበ። ሕራይ፣ መስቀልስ ተረኺቡ። ናይ ክርስቶስ መስቀል ምዃኑን ዘይምዃኑን ከመይ ገይሮም ፈሊጦምዎ፧ ዚብል ሕቶ ኪልዓል ናይ ግድን እዩ። ኣፈ ታሪኽ ከምዝነግረና፤ እቶም ኣብዚ ኵዕታ ዳህሳስ እዚ ተመዲቦም ዚሰርሑ ዝነበሩ ሰባት፤ ሠለስተ መሳቕል ብሓንሳብ፡እዮም ረኺቦም። ግን ካብኣተን፡ እታ ናይ ኢየሱስ መስቀል ኣየነይቲ ምዃና ከለልዩ ኣይከኣሉን። መንፈስ ቅዱስ ኣብሪህሎም ኣብ ኣንፊ ሞት ንዝነበረት ሰበይቲ (ሰብኣይ ዝብሉውን ኣለዉ) ኣምጺኦም ነታ ሣልሰይቲ መስቀል ምስ ኣስዓምዋ፤ እታ ሰበይቲ ሽዑንሽዑ ብድድ ኢላ ተንሥኣት። በዚ ተኣምር እዚ ኸኣ፣ መስቀል ክርስቶስ ምዃና ኬረጋግጹ ከኣሉ።
እዚ ሎሚ እነብዕሎ ዘሎና በዓለ መስቀል እምበኣር፣ ካብ 320 ዓ.ም.ፈ. ኣቢሉ ዝጀመረ እዩ። እዚ በዓል እዚ፤ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበሉን፣ ኣብ ቅዱስ መቓብር-ጐይታ ዝተሓንፀ፡ ቤተክርስቲያን ቅዱስ መቓብር፣ (ወይ ድማ ብናይ ምሥራቓውያን ኣጸዋውዓ፤ ቤተክርስቲያን ትንሣኤ) ዝተጸንበለሉን ዕለት ንምኽባር ኪኸውን እንከሎ፤ እቲ ኣብ ሃገርና ብ17 መስከረም እነብዕሎ በዓለ መስቀል መሠረቱ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝበልናዮ ኮይኑ፣ ግማድ ናይቲ ሓቀይና መስቀል ክርስቶስ፣ ብጊዜ ሓፀይ ዳዊት ዳግማዊ፣ ካብ ቤተክርስቲያን ግብጺ፣ (ኣለክሳንድርያ) ኣብ ሃገር ሓበሻ ዝኣተወሉ ዕለት ንምኽባር እዩ። እዚ ዝኾነ ብ10 መስከረም እንኪኸውን፣ ካብ 10 ክሳብ 17 መስከረም፡ ምእንቲ ክብሪ መስቀል፡ ምሉእ ሰሙን ብዓጀብ ይኽበር ከምዝነበረ ታሪኽ ይነግረና። ካብኡ ንድሓር በዓለ መስቀል ኣብ ክልተ ተኸፊሉ፣ 17 መስከረም ግማድ መስቀል ካብ ግብፂ ናብ ሃገርና ዝኣተወሉ፤ 10 መጋቢት ከኣ መስቀል ክርስቶስ ዝተረኽበሉን፣ ኣብ ቅዱስ መቓብር ዝተሓንፀ ቤተክርስቲያን ትንሣኤ ዝተጸንበለሉን፣ ይኽበር ኣሎ።
በዓለ መስቀል እቲ ዝጠንተወን፡ ኣብ መላእ ዓለም ብዅላቶም ክርስቲያን ዚኸብርን ዓቢይ ብዓል እዩ። ንምንታይ እዮም ክርስቲያን ንበዓለ መስቀል ብዓቢ ኽብሪ ዜብዕልዎን፧ ኣብ ቤተክርስቲያናቶምን፡ ቤት ጸሎቶምን፡ ገዛኦምን፣ ኵሉ ሰብ ኣብ ዝርእዮ በሪኽ ቦታ ዜቐምጥዎን፧ ከምኡውን ኣብ ክዳውንቶም ዚኣልምዎን፣ ኣብ ሰብነቶም ከይተረፈ ብዘይ ሃስስ ምልክት ዚውቅጥዎን፧
ቅዱስ ጳውሎስ፤ “ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድ ዕንቀፋት፣ ንኣሕዛብ ከኣ ዕሽነት ዝኾነ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና።” ነቶም ጽዉዓት፣ ኣይሁድ ኮነ ግረኻውያን፣ ክርስቶስ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ፣ ጥበብ ኣምላኽውን እዩ። ከመይ ዕሽነት ኣምላኽ ካብ ጥበብ ስብ ይበለጽ፣ ድኻም ኣምላኽ ከኣ ካብ ሓይሊ ሰብ ይብርትዕ” (1ቆሮ.1፡23-25) ይብለና። ሓይሊ መስቀል፡ ኣምላኽ ዝመሃዞን ዝመረጾን፣ ኢየሱስ ብደሙ ዝቐደሶን፣ እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ፣ ካብቲ ኣሎ ዚበሃል ሓይሊ ኣቶሚክ ቦምብ፡ ዝበርትዐ ኣጽዋር ድሕነት እዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ኢና፤ “መስቀል ኀይልነ፣ መስቀል ጽንዕነ፣ መስቀል ቤዛነ፣ መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ፤” መስቀል ሓይልና፣ መስቀል ወልታና፣ መስቀል ቤዛና፣ መስቀል መድኃኒት ነፍስና፤ እናበልና ብመስቀል እንምካሕ።
መስቀል፡ ከመይ ኢሉ እዩ፡ እዚ ሓይሊ እዚ ኪረክብ ኪኢሉ፧ ኣብ መስቀል እንታይ እዩ ተፈጺሙ፧ እቲ ጸላእ እግዚኣብሔርን ጸላእ ሰብን ዝኾነ ሰይጣን፤ ንኽርስቶስ ወልደ እግዚኣብሔር ንምድምሳስን፣ ግዝኣቱ ንምርግጋጽን እቲ ዅሉ ዘለዎ ሓይሊ እዩ ተጠቒሙ። ሰይጣን፤ ንኽርስቶስ በቲ ውርደትን ሓፍረትን ዝኾነ ሞት መስቀል ምስ ቀተሎ፣ ሕይወት ክርስቶስ ካብኡ ንድሓር ከብቅዕ እዩ ኢሉ እዩ ሓሲቡ ነይሩ።
ክርስቶስ ግን ንመስቀል (ነቲ ዜስካሕክሕ ስቓይ) ብፍቕሪ ሓቝፉ ብምቕባል፤ ነጽዋር ሰይጣን ብዘየዳግም ሓምሽሹ፣ ኣብ ልዕሊ ሰይጣን ምሉእ ዓወትን ስዕረትን ተጐናጺፉ። ንኢየሱስ መድሓኒ፣ ካብ ፍቕሪ ኣቡኡን ካብ ፍቕርናን ኪዓግቶ ዚኽእል ሓይሊ ኣይተረኽበን። ከምቲ እቲ ቅዱስ ጽሑፍ፤ “ፍቕሪ ኸም ሞት ሓያል እያ፣…ንፍቕርስ ብዙሕ ማያት እኳ ኼጥፍኣ ኣይክእልን፣ ወሓይዝ ከኣ ኣየስጥማን እዩ።” (መሃልየ መሃልይ፡ 8፡6-7) ዚብሎ፤ ንሰይጣን፣ ሞት-መስቀል ኢየሱስ፡ መደምደምታ ዓወቱ እዩ ነይሩ፣ ኢየሱስ ግን ብፍቕሪ ገሊቢጥዎ፤ ብገዛእ ሥልጣኑ ካብ ሞት ብምትንሣእ፤ ንሞት-መስቀል፡ ናብ ሕይወት፣ ንውርደትን ሓፍረትን መስቀል፡ ናብ ክብሪ፣ ንፍሽለትን ስዕረትን መስቀል፡ ናብ ወሳኒ ዓወትን፡ ምልክት ምርኮን ለዊጥዎ።
ካብ ትንሣኤ ክርስቶስ ንድሓር፣ መስቀል፣ ንኣና ንኽርስቲያን፡ ምልክት ባንዴራ ሓርነትናን ክብርናን እዩ። በዚ ምኽንያት ከአ ኢና ናብ ክብ ዝበለ በሪኽ ቦታ እንሰቕሎ። ኵላትና እቶም ብመስቀል ኢየሱስ ሓራ ወጺእና፡ ሓዲስ ሕይወት ዝለበስና፤ ምስ ጳውሎስ ሓዋርያ ሓቢርና፤ “ኣነ ግና፣ በቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል እንተ ዘይኮይኑ ኣይምካሕን እየ። ከመይ በዚ መስቀል እዚ ዓለም ኣብ ቅድመይ ምውቲ እያ፣ ኣነ ኸኣ ኣብ ቀድሚ ዓለም ምዉት እየ።” (ገላ.6፡14) ክንብል መሰልና ጥራይ ዘይኮነስ ግቡእና እውን እዩ። ነፍስ ወከፍና፡ ዓለም ንኣይ እንታየይ እያ፧ ጣዕሚ ዓለም፣ ምቾት ዓለም፣ ደስታ ዓለም፣ ናብራ ዓለም ንኣይ እንታየይ እዩ፧ ንኣይ ምንባር ማለት፤ሕይወትን ሞተን ኢየሱስ እዩ ኪብል ይግባእ።
ዓለምን ኢየሱስን፣ ፍትወት ዓለምን ሕይወት ክርስትናን ተጻይ ኣድሕድ እምበር መኻይዲ ኣይኮነን። ቅዱስ ሓርያ ያዕቆብ፤ “ኣቱም ከሓድቲ! ንዓለም ምፍቃር ንኣምላኽ ምጽላእ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እቲ ዓርኪ ዓለም ኪኽውን ዚደሊ ሰብ ጸላእ ኣምላኽ ይኸውን።” (ያዕ.4፡4) እናበለ፤ ካብ ድንገት ፍትወት ዓለም ክንርሕቕ ይምዕደናን የጠንቕቐናን።
ኣብ መስቀል ኢየሱስ ብምትኳር፣ ነቲ ካብ መስቀል (መዓልታዊ ሥቓይ) ዚርከብ ነባሪ ታሕጓስን፣ ክብሪ መጻኢ ዘለዓለማዊ ሽልማትን ደኣ ንርአ እምበር፣ ብሓላፍን ጊዜያውን ደስታ ዓለም ኣይንታለል። ነቲ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ፤ “ንዓለም ወየስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ ፍቕሪ ኣቦ ኣብኡ የብሉን። ከመይ ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፣ ፍትወት ሥጋን ክፉእ ትምኒት ዓይንን ብሃብትኻ ዕቡይ ምዃንን፣ ካብ ዓለም እዩ እምበር ካብ ኣቦ ኣይኮነን። ዓለምን እቲ ኹሉ ፍትወታን ሓላፋይ እዩ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዝለዓልም ይነብር።” (1ዮሓ.2፡ 15-17) ንዚብለና ኣባታዊ ምኽሪ ብምስትውዓል ንዘክሮን ንሓልዎን።
ነታ ክብሪ ሃገርን፣ ነጻነትን፣ መንነት ሕዝባን ወኪላ፤ ኣብ ላዕሊ ተሰቒላ እተውለብልብ ባንዴራ ንሕሰብ። እታ ሓርነት ዘልበሰትናን፣ ንዘጥፋእናዮ፣ ክብሪ ዝመለሰትልናን፣ ካብ ሞትን ኵነኔን መዚዓ ሕይወት ዝዓደለትናን፣ ክብርና ዝኾነት፡ ባንዴራ መስቀልና ኣበይ ኣቐሚጥናያ ኣሎና፧ ኵሉ ኣብ ዝርእያ ኣብ ላዕሊዶ፧ ወይስ ኣብ ፍርቂ፧ ወይ ድማ ብሱሩ ጠቕሊልና ኣቐሚጥናያ፣ ወይ ድማ ዝገደደ፡ ሓቢእናያን ደርቢናያን ከይንህሉ፧ ብዘይ መስቀል ድኅነት የልቦን። እታ ናብ መንግሥተ ሰማይ እተእቱ እንኮ መገዲ፣ መገዲ መስቀል ጥራይ እያ። ኢየሱስ ብኣኣ እዩ ሓሊፉ፣ እታ ክሳብ መስቀል ቀራንዮ ዘሰነየቶ ኣዲኡን ኣዴናን እግዝእትነ ማርያም ብኣኣ እያ ሓሊፋ፣ እቲ ብመስቀል ዚሕበን ዝነበረ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ብኣኣ እዩ ሓሊፉ፤ ኵላቶም ሰማዕታትን ቅዱሳንን ብኣኣ እያቶም ሓሊፎም። ኣነን፡ ንስኻን፡ ንስኽን፡ ከኣ ኣብቲ ንሳቶም ዝጽበዩና ዘለዉ ክንከይድ እንተ ደኣ ኮይኑ፣ ካልእ መገዲ የብልናን። ብኣኣ ክንሓልፍ ናይ ግንድን እዩ። በዚ ኸኣ እዩ ኢየሱስ፤ “እቲ ክስዕበኒ ዝደሊ ዕለት ዕለት መስቀሉ ተሸኪሙ ይስዓበኒ ዚብለና።”
መስቀልና ነልዕል
ነፍስ ወከፍና፣ ነዚ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኾነ ሕቶዚ ኪሓትት፣ ኣድላይን ወሳንን እዩ። ንመዓልታዊ መስቀለይ ብኸመይ እርእዮን እቕበሎን፧ መስቀል ክንብል እንከሎና፤ እቲ ንኢየሱስ ካብ ሕፃንነቱ ጀሚሩ፣ ኣብ ስደትን ምሉእ ሕይወቱ ዝረኸቦ ውርደትን፣ ነቲ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዝተደምደመን፡ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ቀራንዮ ዝተፈጸመን ሥቓይ ማለት እዩ። ንኣና ኸኣ ዕለታዊ መስቀልና፤ እቲ ኣብ ሕይወትና ብነፍስን ብሥጋን ዝጓነፈና፣ ናይ ውሽጥን ወጻእን ሥቓይ ማለት እዩ። እዚ መስቀል እዚ ኪገጥኒ እንከሎ፤ እዚ ዅሉ እንታይ ምስ ገበርኩ እየ፧ እንታይ ሕማቕ መዓልቲ ወረደኒ፣ ኣታ ኣምላኽ እንታይ በዲለ፧ ብምባል፤ እናተጻረፍኩን፡ እናጉረምረምኩን፡ እናተማረርኩንዶ እነጽጎ፧ ወይስ ብህድኣት ተቐቢለ፣ ሓገዝ ጸጋ ለሚነ፡ ሓይልኻ ሃበኒ ጐይታይ፡ እናበልኩ ትርጉምን ዋጋን እህቦ፧
መዓልታዊ መስቀል ዚወሃበና፣ ብሚዛን ሓጢኣትና ኣይኮነን። ሕማቕ ስለ ዝገበርና፣ ወይ ሕሱማት ስለ ዝኾና ኣይኮነን። ከምኡ እንተ ዚኸውን ቅዱሳን ሕልፊ ኣይምተሳቐዩን ነይሮም። እቲ ንጹሕ ክርስቶስውን ክሳቐ ኣይምተገብኦን። ምንትዚ እታ በብዕለቱ እትውሃበና መዓልታዊ መስቀል፣ ቀዳዊትና ደኣ እምበር መርገም ኣይኮነትን፤ ነቲ ዝጽበየና ዘሎ ዘለዓለማዊ ሽልማት ብዓወት ንምጭባጥ እተለማምደናን እትዕልመናን መንፈሳዊት ልምምድ (ጂምማስቲኽ) ደኣ እምበር ከሕስረናን ከዋርደናን ኣይኮነትን ዝፈቕደልና።
ቅዱስ ጴጥሮስ “ሓደ እኳ ተዓሚጹ ኸሎ ምእንቲ ኣምላኸ ኢሉ እንተ ተዓገሠ፣ ብኣምላኽ ቅቡል እዩ። በደል እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዓገሥኩምከ እንታይ ሓበን ኣለዎ፧ ሠናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዓገሥኩም ግና እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ። ንስኻትኩምውን ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም፣ ክርስቶስ ድማ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ፣ ኣርኣያውን ሓደገልኩም።” (1ጴጥ.2፡19-21)። እናበለ፤ ዓወት ክርስቶስ ዓወትና፣ ታሕጓሱ ታሕጓስና፣ ኪኸውን፣ ምስኡ ተሳቒና፣ ምስኡ ውረስትን መዋርስትን ኮይና፣ ነቲ ዓስቢ ዓወት ክንጭብጥ፣ ንመዓልታዊ መስቀልና ሓንጐፋይ ኢልና ክንቅበሎ፣ ይዕድመናን ይተባብዓናን።
ፍቁራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን፤ ዕለታዊ መስቀልና ብዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ፤ ብሕማምን ፈተናን ካብ ውሽጥና፣ ወይ ሽግሮም ብምክፋልን ብምጻርን፡ ካብ ስድራ ቤትናን፡ ኣዝማድናን መቕርብናን፣ ወይ ብጐነጽን ዓመጽን ካብ ጓኖት፣ ወይ ድማ ብሰንክና ተፈጥሮ ካብ ዜስዕቦ ሓደጋታት… ወዘተ፤ ብዝኾነ መልክዕ ይምጻእ፤ ንረብሓናን ጥቕምናን ደኣ እምበር ንጕድኣታና ኣይኮነን፣ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ዜምልጥ ነገር ከኣ ሓንደኳ የለን።
ምንትዚ ምስ ኢየሱስ ሓቢርና፣ ነቲ ኣብቲ ዝጸንከረ እዋን ሥቓዩ፤ “ኦ ቅዱስ ኣቦይ፤ ፍቓድካ ደኣ እምበር ፍቓደይ ኣይኹን” እናበለ ዝጸለዮ ጸሎት፣ ኣብቲ መሪር ስቓይና እናቃላሕና፣ ንቕድሚት ንመርሽ። መስቀል ዓቲርና፣ ንቕድሚት ደኣ እምበር፡ ንድሕሪት ኣይንጠምት። መስቀልና ብሓጐስ ንምሽካም፣ መስቀል ኢየሱስ ሓይልን ትብዓትን ጽንዓትን ይሃበና። ብሓይሊ መስቀሉ ኸኣ ይዕተበናን ይባርኸናን። ኣሜን።
ካብ ኀውኹም ኣባ ሙሴ ተስፋዮሓንስ -








All the contents on this site are copyrighted ©.