2014-09-27 15:35:20

ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ፦ ኣብ ሕይወት ክርስትያን ህልውነትን ዘለኣለማውነትን ዝራኸቡ እያቶም


RealAudioMP3 ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ መንጎ ኣማንያንን ኢኣማንያንን ኣብ ናይ እዋናዊ ዓበይቲ ናይ ስነ ህልውናን ሃይማኖትን ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ርእሰ ጉዳያት ዓለምን ፍጥረትን ዝምልከት ካብ ዝተፈላለዩ ጨናፍር ስነ መጽናዕትን ፍልጠትን ዝቐርብን ዝወሃብን ሃይማኖታውን ኢሃይማኖታውን ሕቶታትን መልስታቶምን ኣማእኪሉ ኣብ መንጎ እምነትን ምርምርን ዘሎ ዘተን ዘይምንጽጻግን መሠረታዊ ጥምረት ከምዘሎ ንምዝታይን ርግጸይናነቱ ንምምቅላሕ ዝኣመተ ብቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣስተንፍሶ ዝተነቓቕሔ “Cortile dei Gentili -ደንበ ኣህዛብ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣላልዩ ዘበገሶ ኣብ ኤውሮጳን ካብ ኤውሮጳ ወጻእን ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ኣመርኵይዙ ዘካይዶ ዓውደ ጉባኤ ብምቕጻል ካብ ዕለት 26 መስክረም ክሳብ ዕለት 28 መስከረም 2014 ዓ.ም. ጊዜ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣመርኲይዙ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቦሎኛ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቶም፣ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ብዛዕባ እንታይነትን ትርጉም ጊዜ ክሳብ ክንደይ ዓሚይቕ ከምዝኾነ ገሊጾም፣ ጊዜ ኣብ ስነ ሓሳብ ክርስትና እንታይ ማለት እዩ ዝብል ሕቶ ጠቒሶም ክርስትያናዊ ናይ ጊዜ ኣምር ካልኦት ሃይማኖታት ካብ ዝገልጸኦ ኣምር ፍልይ ዘብሎ እንታይ እዩ? ንኣብነት ኣብ ናይ ህንዲ ሃይማኖታት እንተድኣ ርኢና፣ ዘለኣለማውነት ዝብል እንተዘይኰይኑ ናይ ግዜ ኣምር ዝበሃል የሎን፣ ስለዚህ ኣብ መንጎ ጊዜን ዘለኣለማውነትን ምትሕኹኻር ወይ ድማ ምጥንናግ ከምዘሎ ዝገልጽ ኣምር እዩ ዘሎ፣ እግዚኣብሔር እቲ ደረት ሰገር ዝኾነ ሰማይ ጥራሕ ኣይኰነን ዝፈጠረ፣ ምስእንቲ’ዚ ገዛእ ርእሱ ኣብ ታሪኽ ኣእትዩ ኢዩ፣ ኣብ ጊዜን ዘለኣለማውነት ምጥንናግ ዘይኰነስ ዘለኣለማውነት ኣብ ዘለኣለማውነት ናይ ጊዜ ከምዝኣተወ ዘነጽር ኢዩ፣ ብካቶሊካዊ ቋንቋ ክንትርጉሞ እንከለና ሕይወት ጸጋ ምዃኑ ብዝገልጽ ሓሳብ ኣብቲ ድሮ ሕይወት፣ ኣሰር እቲ ምሉእ ሕይወት ኣሎ፣ እዚ ድማ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ፣ ቃል ስጋ ኾነ ዝብል ተጻሒፉ ዘሎ ቃል እቲ ኣብ እግዚኣብሔር ዝነበረ ቃል እግዚኣብሔር ዝነበረ ስጋ ኰነ፣ እዚ ማለት ድማ ታሪኽን ሰብኣውነትን ኰይኑ ከም ሰብ ተነቃፊ ኰይኑ ማለት እዩ፣ እግዚኣብሔር ዝነበረ ናይ ርሑቕ ሓላፊ ነበረያ ነበረ ወይ ከኣ ክጭበጥ ዘይከኣል ረቒቕ ነገር ማለት ኣይኰነን፣ ኣማኒ ናብ እግዚኣብሔር ክበጽሕ ካብ ጭቡጥ ነገራት ናብቲ ሰማዊ ነገር ክኸንፍ ዝግብኦ ማለት ኣይኰነን ኣብ ህልው ውሳጠ ዝነብር ክኸውን ኣለዎ፣ እግዚኣብሔር ኣብኡ ድማ ስለ ዝግለጽ ነቲ ኣማኒ ናይ ግብረ ገባዊውን ናይ ህልውና ተግባር ይዀኖ፣ እዚ ድማ ንሎሚ እሙን ምዃን ዝሓትት እዩ፣ ወንጌላዊ ዮሓንስ ናይ ኢየሱስ ሰዓት ዝብል ቃል ብዙሕ ጊዜ ክጥቀም ነንብብ ኣዚ ድማ ጊዜን ዘለኣለማውነትን ዘጣመረ ኩነት ምዃኑ እዩ ዘስምዕ፣ ጊዜና ንገዛእ ርእሱ ድማ ናይቲ ዘለኣለማዊ እግዚኣብሔር ግልጸት ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ፣ እቲ ዓቢይ ብድሆ እዋናዊ ዓለም ድማ ሸለተይናነትን ዘይጥልቅነት እዩ።
ኣብ ሊጡርጊያ ዝግለጽ ጊዜ እቲ ንሓዋሩ ሓንሳብ ዝኾነ ግልጸት ኢዩ ዝንበር፣ ስለምታይ ዘለኣለማዊ ስለ ዝኾነ። ከም ኣብነት ቅዱስ ቁርባን ጠቒሶም እቲ ንዅሉ ጊዜ ዝኹልዕ ዘለኣለማዊ ቅዱስ ምስጢር እዩ ምስ በሉ፣ ናብ ሰብኣዊ ጉዳይ ምልስ ቢሎም፣ ብዕድመ እናደፋእካ ምኻድ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብዕድመ ምድፋእ ከይዲ ናይ ጥበብ ምእዃኑ እዩ ዝግለጽ። በዚ ዓይነት ኣተረጓጉማ እንተድኣ ዘይተረዳእናዮ ሕጻናትም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያንን ከም ሸኽሚ ገይርና ጥራሕ ኢና እንሓስቦም፣ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡ ምስ እርጋን ውግእ ከካይዱ ንርእይ፣ ካብቲ ስጋዊ ኣካል ነት ምልክታ እርጋን ዝገልጽ ንምውጋድ ዝኣመተ ብዙሕ ዓይነት ናይ ስነ ምርምር ፈተናታትን ናይ ስነ ጽባቔ መጽናዕትታት ክካይድ ንርእይ። እዚ ድማ ኣብ ህልውነት ዘለኣለማውነት ከምዘሎ ካብ ዘይምስትውዓል ዝነቅለ ፈተና እዩ።
እቲ ህልውነት ምስ ዘለኣለማውነት ዝተኣሳሰረ ምዃኑ እንተድኣ ተረዲእና ንኣብነት ብዛዕባ ህዳሴ ቤተ ክርስቲያን ክንዛረብ እንከለና ቀጻልነት ዘለዎም ዘይልወጡ መሠረታውያን ነገራት ከምዘለዉ ክንዝንግዕ የብልናን፣ እቲ ዓቢይ ፈተና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ድማ መሰረታውያን ነገራት ዘይኰኑ ከም መሰረታውያን ነገራት ገርካ ምሕሳብ ዝብል እዩ። መሰረታዊ እቲ ቀጻልነት ዘለዎ ካብቲ ክልወጥ ወይ ከኣ ለውጢ ዘድልዮ ዝበሃለሉ ፈላሊኻ ምፍላጥይ ይግባእ፣ እዚ እተድኣ ዘይተፈልጠ ወይ ኣብቲ ዝነበረ ተጣቢቕካ ዓቃቢ ኰንካ ትነብር ወይ ድማ ምስቲ ቀጻልነት ዘለዎ መሰረት ርክብ ዘይብሉ ህዳሴ ዘይኰነስ ለውጢ ተረጋግጽ እንክብሉ ኣብ ጊዜ ህልውን ዘለኣለማውነት እንታይ ማለት ምዃኑ ገሊጾም ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.