2014-09-25 16:46:39

ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ከባቢ ኣየር


RealAudioMP3 ኣብ ኔውዮርክ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሕንጻ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ መበል 69 ዋዕላ ዛዕባ ጥዕና ከባቢ ኣየር ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እቲ ኣብ ዓለም ዝኽሰት ዘሎ ምቅይያር ጠባይ ከባቢ ኣየር ርእሰ ጉዳይ ገይርካ ምምይያጥ ንኽንክን ጥዕና ናይ ተፈጥሮ ኣየር ኩሉ ክተግህ ዝብል መዝነት ዝመልኦ ግብረ ገባዊ ሕቶ እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይላኒ ሓቢረን።
ኩላትና ምእንቲ ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ናይ ሎምን መጻእን ወለዶ ሰናይ፣ ተፈጥሮ ክንከናኸንን ክንሕልዎን ሓላፍነት ኣሎና ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊኒ ስለዚህ እቲ ናይ ዓለም ናይ ምቅይያር ናይ ከባቢ ኣየር ዝከታተል ናይ ስነ ምርምር ማእከል እቲ ኣብ ከባቢ ኣየር ዝኽሰት ዘሎ ብከላ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ጭብጣዊ ሓበረታ ዘየጠራጥር ከምዝኾነን፣ እዚ ድማ ኣብ ኵሉ ሕይወት ዘበለ ብጠቕላላ ኣብ ፍጡርን ፍጥረትን ዘለዎ ሳዕቤን ቀሊል ከምዘይኮነ እዩ ዘረድእ፣ ድሮ እውን ሳዕቤናቱ ይረኣይ ኣሎ፣ ምእንቲ’ዚ እቲ ናይ ስነ ምርምር መጽናዕቲ ምቅይያር ናይ ከባቢ ኣየር ዝሃቦ ዘሎ ጭቡጥ ናይ መጽናዕቲ ጻብጻብ ኣብ ሕዝቢ ዓለም ግንዛቤ ኣሕዲሩ እዩ፦ “እዚ ዅሉ ሓበሬታ ንዓውሎማዊ ሸለልተይናነት ዕድል ዘይህብ ጥራሕ ዘይኰነስ ነዚ ዓይነት ሸለልተይናነትን ዘይምጋዳስን ማለት ነቲ ወጋዲ ወይ ከኣ ነጻሊ ኤኮኖሚ ብዙሓት ከም ዘየለዉ ከም ጓሓፍ ዝሓስብ ብተደጋጋሚ ቅዱስ ኣቦና ዝኾነንዎ ዓይነት ኤኮኖሚ ቦታ ዘይህብ እዩ። ምእንቲ’ዚ ኣብ ምትሕብባርን ዘተን ዝቖመ መልሲ ኣብ ግብሪ ምውዓይ የድሊ። ናይ ሓበር ሓላፍንነ ምንቕቓሕን ይግብእ፣ ንበይኑ ሓይሊ ዕዳጋ ብፍላይ ድማ ብስነ ምግባር ዘይምራሕ ክኸውን እንከሎ ብዝያዳ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ምቅይያር ናይ ከባቢ ኣየርን ድኽነት ንምጥፋእን ምውግጋድን መልሲ ኣይህብን እዩ። እቲ ዓቢይ ብድሆ እምበኣር ኣብቲ ናይ ሰብኣዊ ክብርን ናይ ሰብኣዊ ክብረትን እዩ ዘሎ” ምስ በሉ “ቅድስቲ መንበር ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ናይ ሰብኣውነት ስነ ምህዳር ዘናድይ ንናይ ክንክን ጥዕና ናይ ከባቢ ኣየር ዝሓሊ ሓቀይና ናይ ሕንጸት ሓላፊነት ክነቓቓሕ ጐስጓስ ከምእትገብርን ስነ ምህዳር ተፈጥሮን ፍጥረትን ከምእተነቓቕሕን ኣብዚ ባህሊ ዝተፈላዩ ሕንጸት እውን ተቕርብ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይላኒ ሓቢረን።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ወንጌላዊ ሓሴት እተሰምየት ሓዋርያዊ ምዕዳኖም እቲ ናይ ፖለቲካ ኤኮኖሚ ቅርጽን መሰረታዊ ቅዋሜኡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ክብርን ክብረትን ናይ ሓባር ጥቕምን ዝብል እዩ ክኸውን ዘለዎ ዝበልዎ ሓሳብ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮኒን ኣብ ዘስምዎ ዘረባ ጠቒሶም ቅድስቲ መንበር ነዚ መሰረት ገይራ ናይ ምትሕብባርን ናይ ሓባር ጥቕሚ ሓልዮ ባህሊ ከምእተነቓቕሕን ኣብዚ መዳይ ሕንጸ እውን ብምቕራብ ንኽንክን ጥዕና ናይ ከባቢ ኣየር ኣብ ቀዳምነት ከምእትስራዕ ከምዘረጋገጹ ኣኵይላኒ ገሊጸን።







All the contents on this site are copyrighted ©.