2014-09-23 16:50:48

ኣባ ሎምባርዲ፦ ኣልባኒያ መዓሙቕ ልቢ ቅዱስ ኣቦና ዝተንከፈት ሃገር


ህዝቢ ሃገረ ኣልባኒያ እቲ ዝሓለፈ ሕማቕ ተመክሮ ዘነበርሉ በሰላ ሓዲጉሊ ዝሓለፈ ታሪኽ ሃገሩ ከይረስዔ ናይ ዕርቅን ሰላምን ሓባራዊ ናብራ ከረጋግጽ ሕርኩት ጻዕሪ ዘካየደ ምዃኑ ንቕዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ኣልባኒያ ሓዋርያዊ ዑደት ዘሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ እዚ ደላይ ዕርቅን ሰላምን ዝኾነ ዜጋ ዝነብረላ ሃገር ኣልባኒያ ንመዓሙቕ ልቢ ቅዱስ ኣቦና ዝተንከፈ ታሪኽ ከምዝኾነን ቅዱስነቶም ነቶም ግዳይ ዴስነት ዝዀኑ ካብቲ እቲ ስርዓት ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ ዓመጽን ቅትለትን ዝተረፉ ከቢድ ስቓይ ምስ ዘሕለፉ ኣብ ዘካይድዎ ርክብን የዕይንቶም ንብዓት ቀጺሩን ናይቶም ናይ እምነት ሰማዕታት ታሪኽ ልቦም ክምዝተንከፎም እዚ ዅሉ ስምዒት ኣብ ገጾምን ዘስምዕዎ ዝረባን ዝለገስዎ ምዕዳን ዝተራእየ ተመክሮ ምዃኑ ተራእዩ እዩ።
ቅዱስ ኣቦና በቶም ናይ እምነት ሰማዕታት ጽንዓትን እምነትን ዝድነቑን ኣብ ዝኾነ ይዅን ኩነት ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኮርያ ኣብ ዝፈጸምዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት እቲ ዘእምን እምነት ብቓልን ሕይወትን ዝንበር ምዃኑ ናይ እምነት ሰማዕታት ህያው መሰኻኽር እያቶም፣ ኣብ ኣልባኒያ ናይቶም 40 ቤተ ክርስቲያን ብፅዕና ክትእውጀሎም ትጽቢት ዝግበረሎም ዘሎ በቲ ነበር ስርዓት ዴስነት እምነቶም ብደሞም ዝመስከሩ ኣሳእል ዝተነብሮ ዓቢይ ሰሌዳ ፊት ተረኺቦም ዝነበርዎ ዓሚዩቕ እምነት ዝተራእየሉ ሓዋርያዊ ዑደት ከምዝነበረን፣ ምስቶ በቲ ነበር ስርዓት ዴስነት ስቓይ ዝወረዶም ተራኺቦምን ካብኣቶም ናይ ክልተ ዜጋታት ቃል መስክርነት ከምዘቕረቡን ቅዱስነቶም ነቲ ምስክርነት ምስ ሰምዑ ድማ ኣብ ገጾም ዝተራእየ መንፈስ እምነት ዓሚይቕን ከምዝኾነን የዕይንቶም ንብዓት ከምዝቖጸረን እውን ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም እዚ ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔርን ስምዒት ዘንጸባርቕ እዩ ኢሎም።
ቅዱስነቶም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ እዋን ሱታፌ ቅዱስ ቁርባን ብቋንቋ ኣልባኒያ ዝተዘመረ መንፈሳዊ መዝሙር እቲ ቅዱስ ጳውሎስ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየኒ እንታይ እዩ….ስቓይ መከራ ስደት? ካብ ክርስቶስ ዝፈልየኒ ሓደ’ኳ የልቦን እንክብል ዝገለጾ እምነት መሠረት ዝገበረን እቲ መዝሙር ክዝመር እንከሎ ድማ ናይቶም ናይ እምነት ሰማዕታት ኣሳዕል ዝተነብሮ ሰሌዳ ተወሊዑ ክትርእይ ብሓቂ እምነት ዘለዎ ሓይሊ ዘቃልሔ ቅዱስ ኩነት ከምዝነበረ ዝገለጹ ኣባ ሎምባርዲ ኣብቲ በቲ ነበር ስርዓት ዴስነት ዝተቐተልሉ ስፍራ ስኩታሪ ናይ ኣልባኒያ ናይ ካቶሊክ እምነት ማእከል ዝበሃል ስፍራን ኣብቲ ናይ ካልኦት ሃይማኖት ሰዓብቲ እውን ዝተቐትልሉ ስፍራ ቅዱስ ኣቦና በጺሖም ዝነብርዎ መንፈስ ናይቶም ናይ እምነት ሰማዕታት ክሳብ ክንደይ ዓብይ ከምዝነበረ ብቓልን ሕይወትን ዝምስከረ ተግባር እዩ ኢሎም።
ርእሰ ብሔር ናይ ሃገረ ኣልባኒያ ንቕዱስ ኣቦና ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ነቲ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን ኣልባኒያን ዘሎ ሰናይ ርክብ ዘጉልሕን እቲ ርክብ ድማ ኣብቲ እቶም ናይ ደም ሰማዕታት ዝመስክርዎ እምነት ዝቖመ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ።
ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ናይ ኣልባኒያ ምብጻሕ ናይ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን እተን ኣልባኒያ ተባሂለን ዝግለጻ እናቴ ብፅዕቲ ተረዛን ዘዘኻኽርን፣ ናይ ኣልባኒያን ኣብ መንእሰይ ወለዶ ዝቖመ ተስፋ ዘበራብርን ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሕውነትን ሓልዮትን ምቅርራብን ምርድዳእን መሰኻኽር ኰይነን ንናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ ዝመርሓ ምዃነን ዝምስከረላ ሃገር ንዓለም ዝመስከረ መገሻ እዩ ኔሩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.