2014-09-23 16:25:29

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ብስም እግዚኣብሔር ዓመጽ ኮነ መቕተልቲ ክህሉ ዘይከኣል እዩ


ሰንበት ዕለት 21 መስከረም 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ክፍለ ሃገር ኤውሮጳ ቀዳማይ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ሃገረ ኣልባኒያ ከምዘካየዱ እንክፍለጥ፣ ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ተራኺቦም፦ “ዓመጽ ኮነ ኣድልዎ ንምፍጻም ስም እግዚኣብሔር ምጥቃም ዘይከኣል እዩ። ሓደ’ኳ ንዝፍጽሞ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ስም እግዚኣብሔር ከይጥቀም” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዘረባ ከምዘስምዑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኮ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ዘተ ካብ ናይ ገዛእ ርእሰ መንነት እዩ ዝብገስ፣ መንነትካ ሓኺክካ ምዝታይ ዘይኣከል ምዃኑ እንከነጽሩ፦ “ካብ መንነት ከይተበገስካ ዝካየድ ዘተ ትርጉም ኣልቦ፣ ምትሃት እዩ፣ ኵላትና ሃይማኖታዊ መንነት ኣሎና፣ ስለዚህ ንሃይማኖትና እሙናት ምዃን የድሊ፣ ናይ ገዛእ ርእስኻ መንነት ከይከሓደግካ፣ ገዛእ ርእስካ ከይሸፋፈንካ ብዘይ ምስሉይነት ዝካየድ ዘተ እዩ እቲ ሓቀይና ዘተ” ቢሎም ቀጺሎም ናይ ቀረባ ታሪኽ ኣልባኒያ ዳህሲሶም ስርዓት ዴስነት ካብ ውልቃዊ ይኹን ካብ ማሕበራዊ ሕይወት እግዚኣብሔር ዘወግድ ዘስፈሖ ባህሊ፣ ዘስዓቦ ባዶነትን እዚ ዅሉ ቀስ ብቐስ እናተወገደ ካብ 1990 ዓመታት ንነጀው ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዘቃልሕ ለውጢ ከምእተኣታተወ ዘኪሮም፦ “ኣዚ ሓድሽ ባህሊ’ዚ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ኣልባኒያ ዝነበረ እቲ ዝነበረ ስርዓት ዘስዓቦ ስደትን መከራን ዘየቕሃሞ መንፈስ ኩሉ፣ ዝኣምነሉ ሃይማኖት ክስዕብ ዕድል ከምዝፈጠረሉን፣ ብሓቂ እዚ ኣብ ናይ’ታ ሃገር ኤኮኖሚ ከይዲ ጥራሕ ዘይኰነስ ቅድም ቀዳድም ግብረ ገባዊ ሕንጸት ክህሉ እወታዊ ኣስተዋጽኦ ኮይኑሉ እዩ” ሓቀይና ሃይማኖት ናይ ሰላም ምንጪ እምበር ናይ ዓመጽን ኣድልዎን ክኸውን ከምዘይክእል እንክገልጹ፦ “ማንም ዝዀነ ይዅን ሰብ፣ ሽም እግዚኣብሔር ንዓመጽ ክጥቀመሉ ኣይክእል እዩ። ብስም እግዚኣብሔር ምቕታል ጸረ እግዚኣብሔርን ስም እግዚኣብሔር ምርካስ እዩ። ብስም እግዚኣብሔር ኣድልዎ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር እዩ” ቢሎም፦ “ዝኾነ ይኹን ሰብኣዊ ፍጥረት ኣባል ናይ ሃይማኖትካን ባህልኻን እውን ኣይኹን ከም ተጻባኢ ጌርካም ምርኣይ ዘይከኣል እዩ። ከም ጸላኢ ዘይኰነስ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ምርኣይ እዩ ዝግባእ። ዝኾነ ይዅን ሃይማኖትን ባህልን ናይ ካልእ ህልውና ግምት ዝህብ ክኸውን ኣለዎ። ህላዌ ካልእ ዘኽብር ባህርዪ ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ። ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሃይማኖትን ባህልን ምስዓብን ሃይማኖትካን ባህልኻን ምስዓብ ንውልቃዊ ረብሓ ዘይብል ለጋስ ዝኾነ ኣገልግሎት ንመላእ ሕብረተሰብ ንምቕራብ ዝድርኽ እዩ፣ ሓቀይና ነጻነት ክንበርን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክምዕብልን እዩ ዝድግፍ፣ ንኻልእ ኣብ ምግልጋል ምስ እትዓብይ ናይ ብሓቂ ናጻ ኣብ ምዃን ትዓብይ።” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎሞናኮ ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ዘስምዕዎ ዘረባ እንከጠቓልሉ ኩሉ ንናይ እዋናዊ ሕብረሰብ ዝተፈላለየ መሰረታዊ ሰብኣዊ ድላይ ዝሓልይ ክኸውን እንከተባብዑ፦ ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ዜጋታት ዘድልዮም ብዙሕ እዩ። እንነብረሉ ሕብረተሰብ ናብ ማሕበራዊ ፍትሒ ምስፋሕ ዝመርሕ ናይ ሓበር መገዲ ክረክብ፣ ናብቲ ፍልልይ ዘይብሉ ዘይንጽል ምዕባለ ኤኮኖሚ ከብል ኣብ ዝመርሖ መገዲ ብሓባር ክጓዓዝ፣ ሰብኣዊ ፍጥረት እቲ ዓሚይቕ ናይ ሕይወት ተመክሮ ከይሰሓተን ተስፋ ጌርካ ምንባር ካብ ዝብል ዕላማ ከይቦክር” ተላብዮም ናይ ኩሉ ናይ ሓባር ባይታ ንናይ ሓቀይና ዘተ መሰረት ባህላውን ሃይማኖታውን መንነቱ ምዃኑ ከይስሕቶ ሓደራ ቢሎም ዘስምዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.