2014-09-23 19:11:15

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ድሕሪ ሓዋርያዊ ምብጻሕ አልባንያ አብ ሮማ፤


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ አብ አልባንያ ናይ ሓደ መዓልቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ገሮም ናብ መንበሮም ምስ ተመልሱ ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ አብ ማእከል ሮማ አብ ዝርከብ ባሲሊካ ናይ እኖና ድንግል ማርያም ሳንታማርያ ማጆረ ብምኻድ ስለሓለዋአን አብዚ ጕዕዞ እዚ ስለዝለገሰትሎም ፍሉይ ጸጋን ንምምስጋን በይኖም አብቲ ባሲሊካ ናይ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ጥዕና ሕዝቢ ሮማ ሳሉስ ፖፑሊ ሮማኒ ጸሎት ከምዘዕረጉ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ሓቢሩ፣ አብ ምዝዛም እቲ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ አብ ማእከል ረድኤት ቢታንያ ዝለገሱሎም ሕቋፍ ዕንባባ ካብ አልባንያ ሒዞሞ ብምምጻእ አብ እግሪ ሓውልቲ እኖና ድንግል ማርያም ከምዘንበርዎ እውን ተመልኪቱ፣ አብ ፍጻሜ ግላዊ ጸሎቶም ምስቶም በጋጣሚ አብቲ ባዚሊካ ዝነበሩ ምእመናን ብኃባር ሰላም ለኪ ኦ ንግሥቲ አዚሞም ከባቢ ፍርቂ መዓልትን ፈረቃን ናብ መንበሮም ተመሊሶም፣
ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ቅድሚ ትማሊ አብ አልባንያ አብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ አጋ ምሸት ምስ ቤተ ክህነትን መንፈሳውያን ምቅስቃሳትን መዝሙረ ዳዊት ዘሰርክ ምስ ደገሙ ካብቶም ምስኦም ዳዊት ዝደገሙ ካህናት አብ ግዜ ስደት ኮሙኒዝም አልባንያ ዘሕለፍዎ ዘሰቅቅ ስደትን መከራን ምስ አዘንተውሎምን ምስክርነቶም ምስ ሃቡን ብኅልፊ ናይ ሓደ ካህንን ድንግልን ዘሕዝን ታሪኽ ክሳብ ምንባዕ ከምዘብጸሖም ተመልኪቱ፣
ናይዚ ታሪኽ በዓል ዝኾኑ ናይ ሰበኻ ካህን አባ ኤርነስት ዝበሃሉ ኮይኖም አብ ዘመነ ኮሙኒዝም ን18 ዓመት ዚአከል አብ ዘስቅቅ ማእሰርቲ ከምዝነበሩን ን10 ዓመት ከአ አብ ግዱድ ሥራሕ ተጸሚዶም ብዙኅ ስቃይ ከምዘሕለፉ ተሪኾም፣ ናይ ደናግል ማኅበር ስቲማቲና ዝኾነት እናቴ ማርያ እውን ብወገነን ነቲ ኩሉ ስቃይን ስደትን ከመይ ቢልና ከምዝተጻወርናዮን ኩሉ ኃሊፉ ሎሚ ክንዘንተዎን ክ እመን ዘይከአል ኮይኑ ይስመዓኒ ኮይኑ ግን እግዚአብሔር ኢዩ አብቲ ጊዜ እቲ ኃይልን ት ዕግሥትን ተስፋን ዘስንቀና ዝነበረ፣ እንክትብል ምስክነታ ሂባ፣
አብቲ ጸሎተ ሠርክ ዝተነበ ቃል አምላኽ ተመርኵሶም ዝሰበኹ ቅዱስነቶም ብዘዕባ ሕዝቢ አልባንያ ክሳብ ክንድዙይ አፍልጦ ከምዘይነበሮም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“ሕዝብኹም ክሳብ ክንድዚ ከምዝተሳቀይ አይፈልጥን ነረ፣ በሰማዕታት ዝቆሙ ሕዝቢ ኢኹም፣ ነዞም ሰማዕታት እዚኦም ሎሚ ነዚ ኩሉ ሥቃይ ከመይ ቢልኩም ክኢልኩሞ ቢልና እንተንሓቶም፤ ከምዚ ሎሚ ምሸት ዘንበብናዮ ቃል አምላኽ ናይ ካል አይቲ መል እኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮጦስ ዝብሎ “እግዚአብሔር ናይ ምሕረት አቦን ናይ ኩሉ ምጽንናዕ አምላኽን ዝኾነ ንሱ ኢዩ ዘጸናንዓና” ቢሎም ምመለሱልና፣ ብለዋህ ገርህነት መሊሶም፣ ስቃዮም ቈጺርካ ዝውዳእ አይኮነን ብስጋኦም ብሥነ አእምሮኦም ዝተሳቀይዎ ካብ ኩሉ ክርሸኑድዮም ከመሓሩ ወይስ ከማኡ ኢሎም አብ ስቃይ ክነብሩ ምንም ይፈልጡ ስለዝነበሩ ዝኸበደ ከአ እዚ ሰንፈላል እዚ ኢዩ ነሩ፣ ኮይኑ ግን ጐይታ የጸናንዖም ነሩ፣ እንክብሉ ጽንዓቶም ካብ አምላኽ ምዃኑ ምስ አዘኻኸሩ ቅዱስነቶም አብቲ ናይ መጀመርያ ክፍለ ዘመን ክርስትያን ምልስ ብምባል ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ተአስረ ቤተ ክርስትያን ብምልእታ ምእንታኡ ትጽሊ ከምዝነበረት ንምምልካት ኩሎም ክርስትያን ብሓባር ም እንቲ ጴጥሮስ ይጽልዩ ከምዝነበሩ እግዚአብሔር ከአ ንጴጥሮስ ከምዘጸናነዖ ብምዝካር ሎሚ እውን እንተኾነ ሰማዕታት አልባንያ ይኹኑ አብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ዝርከቡን ናይ ኩሉ ግዜን ምጽንናዕ ካብ እግዚአብሔር ኢዮም ዝረኽብዎ ከመይ ቤተ ክርስትያን ብምልእታ ምእንታኦም ስለ እትጽሊ እቲ አብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስትያን ዘለዋ አሮግታት አደታት ብሓቂ ቅዱሳንትን ሕያዎትን አደታት ከማኡ እውን ብዙኃት ዕጹዋትን ኅቡአትን ናይ ደንጋል ማኅበራት ወዘተ ምእንታኦም ብዘይምቍራጽ ስለዝጽልዩ ጐይታ ንኩሎም ሰማዕታት የጸናንዖም፣ ምሥጢር ቤተክርስትያንከስ እዚ ኢዩ ቤተ ክርስትያን ንሕዝባ ከጸናንዕ ንጐይታ ክትልምኖ እንከላ ጐይታ ከአ ብስውር ብትሕትና አብ መዓሙቍ ልቦም ጥልቅ ብዝበለ መንገዲ የጸናንዖም ጽናዕት ከአ ይህቦም፣ እዚ ምስክርነት ኢዩ፤ ሎሚ እውን ካባና ይሕተት አሎ፣ ምናዳ እቶም ብቀረባ ክነገልግሎ ዝተጸዋዕና ነዚ ምጽንናዕ እዚ እንትርፎ ካብ ጐይታ ካብ ካልእ እንተደሊዮን እንተተጸቢናዮን ወይልና፣ ከምዚ ዝገብሩ ካህናት ወይልኦም ከምዚ ዝገብሩ ውሉደ ክህነት ወይልኦም፤ ነዚ ዘክሩ ምጽንናዕ ካብ ካልእ እንተደሊኹሞ ሕጉሳት አይክትኮኑን ኢኹም፣ ልብኹም ብጐይታ ንክጸናናዕ እንተዘይከፊትኩሞ ዝገደደ ከአ ካብ ካልእ እንተደሊኾሞ ከጸናንዓኩም ዝኽእል ማንም የለን፣ አጆኹም እግዚአብሔር ወትሩ የጸናንዓና ኢዩ በቲ ንሱ ዝሃበና ምጽንናዕ ከአ ንካልኦት ክነጸናንዕ ትሑዛት ኢና ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.