2014-09-20 16:52:26

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ምሉእ ፍጻሜ ክርስትያናዊ መንነትና ኣብ ትንሳኤና እዩ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣለዳ ዘቕርብዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብምቕጻል ዕለት 19 መስከረም 2014 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብላቲን ስርዓት ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣመርኵይዞም፦ ናይ ክርስትያን ጉዕዞ ፍጻሜ ኣብ ትንሳሴ እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዓሚይቕ ኣስተንትኖ ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስነቶም ቀዳማይ ምንባብ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ካብ ዝጸሓፋ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ምዕራፍ 15 ካብ ፍቕዲ 12 ክሳብ 20ን ከምኡ እውን ካብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 8 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 3 ዘሎ ምስ ተነበ ኣብታ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ኣመርኵይዞም ብሓቂ ኣብዚ እዋን’ዚ ክርስቲያን ድሕሪ ሞት፣ ናይ ኣካሎም ምልዋጥ ኣብ ምእማን ዓቢ ጸገም ዘለዎም እዮም ዝመስሉ እንክብሉ እቲ ዝለገስዎ ናይ ዕለቱ ኣስተንትኖ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ብዛዕባ ኣብ ትንሳኤ ዘሎና እምነት ዝዛረቦ ጠቒሶም፣ ጳውሎስ እቲ ጌጋ ርድኢት ትንሳኤ ክእርም ብዙሕ ይጽዕር፣ እቲ ሓዋርያ ኣሕዛብ ንማሕበረ ክርስቲያን ቆሮንጦስ ክርስቶስ ከምዝተንስኤ ዝኣምኑን ካብ ሰማየ ሰማያት ኰይኑ ድማ ይድግፍ ዝብል እምነት ዝነበሮም ክነሶም ካብ ሞት ከምዘተንስ ንጹር እምነት ኣይነብሮምን። ሙታን ናብ ገሃነም ኣይክኸዱም እዮም ዝብል እምነት ዝገበሩ፣ ናይ ነፍስን ስጋን ትንሳኤ ንጹር እምነት ዘይነበሮም፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ወጋሕታ ትንሳኤ ናብ መቓብር ክርስቶስ ብጉያ ይኸይድ ንክርስቶስ ይስእኖ’ሞ ተንስኡ እዩ ኣብ ዝብል ሓቂ እምነት ዘይኰነስ ተሰረቝ እዩ ኣብ ዝብል ግምት ምእማን ቀለሎ። ማርያም መግደላዊት እውን ከምኡ። ኣብ ኣእምሮኦም እቲ ጭቡጥ ትንሳኤ ርድኢት ዘይረኸበ እቲ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ምስግጋር እንታይ ማለት ምዃኑ ምስትዓል ተሳኣኖም፣ ድሓር ግን ስለ ዝገገልጸ ኣብ ናይ ኢየሱስ ትንሳኤ ይኣምኑ። ካብ ሞት ዝተንስኤ ክርስትያን ክግልጸ ኣይተራእየን። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ኣተንስ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ንሰብ ጥበብ ፈላስፋ ግሪካውያን ከገልጸሎም እንከሎ ይስንብዱ ነበሩ፦ “ትንስኤ ክርስቲያን ዓቢይ ዕንቅፋት እዪ። ክርድኦ ዘይከኣሎኒ እዩ። ጳውሎስ ግን ነዚ ዓይነት ምጥርጣር ግልጺ ብዝዀነ ተራትዖ ‘ክርስቶስ ካብ ሞት እንተድኣ ተንሲኡ ገሊኣቶም ካብ መንጐኹም ከመብ ገይሮም ድኣ እዮም ናይ ሙታን ትንሳኤ የሎን ዝብሉ? ክርስቶስ ካብ ሞት እንተድኣ ዝተንሳኤ ኰይኑ ሙታን እውን ክትንሳኡ እያቶም፣ ብርግጽ እቲ ብጸጋ ጥምቀት ዝተቐበልናይ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ ዝዀነ ምልዋጥ ኣሎ። እዚ ንገዛእ ርእሱ ትንሳኤ እዩ፣ መብዛሕትና ናብ ገሃነም ዘይኰነስ ናብ መንግስተ ሰማይ ክንኣትው እና ንደሊ ንብል፣ ከም ክርስቶስ ክትንስእ እየ ቢልና ግን ኣይንሓስብን፣ ትንሳኤ ብገነትን ግሃነምን ንትክኦ፣ ትንሳኤ ነፍስን ስጋን ንኽነስተውዕል ብሓቂ ይጽግመና” እግዚኣብሔር ኣብ ኵሉ ኣሎ፣ ኵሉ ድማ እግዚኣብሔር እዩ። ቆዝማዊ ኵሉ-እግዚኣብሔር ዝብል እምነትን ኣተሓሳስባን ይፈታተነና ትንሳኤ ክርስቶስ ኣባና እውን ብጸጋኡ ዝድገም ምዃኑ ንጠራጠር። ቅዱስ ጳውሎስ ከምዝብሎ ክንልወጥ ኢና። እዚ ምልዋጥ’ዚ ናይ ከም ናይ ሥነ ሕክምና መጥባሕቲ ውጽኢት ኣይኰነን። ብትንሳኤ ኩላትና ክልወጥ ምዃንና ቅዱስ ኣቦና እንክገልጽ፦ እቲ ዝጽበየና መጻኢ ምልዋጥ ማለት ትንሳኤ እዩ። ናይ ስጋና ምልዋጥ ዝብል እምነት ብዙሕ ተቓውሞታት የጓንፎ፣ ትንሳኤ ናይ ክርስትያን መንነት ፍጻሜ ኣዩ፣ እዚ እውን ብዙሕ ተቓውሞ የጋጥሞ፣ ጸረ ክርስቶስ ዝዀነ ወይ ድማ እቲ ራእይ እቲ ናይ ክፍኣት መንፈስ ኣቦቀለምሲስ ከምዝህሉን ክመጽእ እውን ምዃኑ ካብቲ ኣብ ትንሳኤ ዘሎና እምነት ንላዕሊ ንኣምኖ፣ ናይ ትንሳኤናን ናይ ክርስቶስ ዓወት ነጋሪት ድምጺ ሊቀ መላእክት የፍርሓና ኣሕዋተይ ኣብ ትንሳኤ ናይ ሙታን እምነት ይሃልወና ኩላትና ክልወጥ ኢና፣ እቲ ትንሳኤ ናይ ክርስትናና ከይዲ ፍጻሜ ኢዩ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ትንሳኤ ሙታን ዘይምእማን ፈተና ናይ ሎሚ ኣይኰነን ዝጸንሔ ቤተ ክርስቲያን ገና ኣብ ምውላዳ ዝተበገሰ ኣዩ፣ እዚ ድማ ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ ናይ ምጽንናዕን መበራትዕን ቃል እንክጽሕፍ ኣብ ፍጻሜ ምሳኡ ክንሓብር (ክንከውን) ኢና” እንክብል ይዛረብ፣ እወ ፍጻሜ ከይዲ ክርስቲያናዊ መንነትና ብስጋን መንፈስን ትንሳኤ እዩ፣ ክትንስእ ኢና። ኰይኑ ግን ትንሳኤ ካብታ ምድራዊ ሕይወትና እዩ ዝጅመር። ክትንስእ ኢና። ትንሳኤና ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቢርና ኣብ ምድራዊ ሕይወት ኢና እንጅምሮ፣ ስለዚህ ምሳኡ ሓቢርና ምስ እንጓዓዝ እቲ ምልዋጥ ኣይከፍርሓናን እዩ። ትንሳኤ ልክዕ ከምቲ ካብ ድቃስ ምትንሳእ ኢዩብ ከምዝብሎ በዕይንተይ እርእዮ ኣለኹ ፊት ንፊት እርእዮ ኣሎኹ በቲ ዝተለወጠ ዓይነይን ኣካለይን ፊት ንፊት ክርእዮ ምዃነይ ርጉጽ እዩ። ክርስትያናዊ መንነት ብጊዚያዊ ዓወት ዝዛዘም ኣይኰነን፣ ብግሩም ተልእኾ ዝዛዘም ኣይኰነን፣ ከይዲ ክርስቲያናዊ መንነት ዝዛዘም ወይ ድማ ፍጻሜኡ ትንሳኤ እዩ፦ ብጐይታ ክንረውይ ፍጻሜና ድማ ትንሳኤ እዩ። ክርስትያናዊ መንነት መገዲ እዩ። ምስ እግዚኣብሔር ሓቢርካ ምጉዕዝ እዩ። ከምቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ሓቢሮም ምሳኡ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ምስኡ ክንሓብር ዝተጸዋዕና ኢና። ኣብ መወዳእታ ድሕሪ እቲ ነጋሪ ድምጺ ሊቀ መላእክት ምስ ክርስቶስ ሓቢርና ክንበብር ኢና” እንክብሉ ዘስምዕዎ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.