2014-09-20 18:10:42

ርክብ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ናይ አርመንያ ፕረሲደንት ሰርዝ ሳርግስያንን፤


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ናይ አርመንያ ፕረሲደንት ሰርዝ ሳርግስያን አብ መንበሮም ተቀቢሎም አብ ዘዘራረቡሉ ጊዜ ብዛዕባ ክልተአዊ ርክብ ብሰፊሑ ድሕሪ ዘትዮም “ዓለምና ሎሚ አብ ማእከላይ ምሥራቅ ብምትኳር ዝተኻእሎ ከብርክብት አለዎ” እንክብሉ አብ ማእከላይ ምብራቅ ብዛዕባ ተኸሲቱ ዘሎ ዘይውዳእ ዝመስል ኅልቂትን ስደትን ውግእን ወረ ውግእን ብምምልካት ብፍላይ ከአ ሰብአዊ ቅልውላው ምሳኡውን ናይ ክርስትያን ስደት ከምዘተሓሳስቦም አመልኪቶም፣
ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ እቲ ርክብ ምርድዳእ ዝመልኦ አብ መንጎ ቅድስት መንበርን ማኅበረሰብ አርመናያን ንዘሎ ሠናይ ርክብ ዘመጎስን ብመንገዲ ዘተን ምርድዳእን ብዙኅ ሠናይ ነገር ክግበር ከምዝከአል ተስፋ ብምግባር ከአ እዚ አብ ዓለምና ሕጂ አጋጢሙ ዘሎ ስደት ክርስትያንን ጽንተት ናአሽቱ ማኅበረሰባትን ምናዳ ምናዳ አብ ማእከላይ ምሥራቅ ዝግበር ዘሎ ሃይማኖት ጉልባብ ዝገበረ ዘይሃይማኖታዊ እዝግን ሰብን ዝጸልኦ ምንቅስቃሳትን ውግእን ንምግታእ ዓለም ምሉእ ክጽ ዕረሉ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ዘትዮም፣
አብቲ ርክብ ናይ ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፍ ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊንን ምስ ሃገራት ናይ ዝራኸብ ናይ ቅድስት መንበር ጸሓፊ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ዶመኒክ ማምበርትን ከምዝተሳተፉ እውን ምስዚ ዜናዚ ዝመጸ ሓበሬታ አመልኪቱ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.