2014-09-18 19:34:57

ቤተ ክርስትያን ናብ ኩሉ ዓለም ስለእትለአኽ ካቶሊካዊትን ሓዋርያዊትን እያ፣


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ትማሊ አብ ቅር ዓት ቅዱስ አብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ “ቤተ ክርስትያን ኵላዊት ኢያ ምኽንያቱ ንኩሉ ዝኸውን ብሥራት ድሕነት ክተወፊ ዝተላእከት ብምዃና አብቲ ብሓዋርያት ዝጀመረ ነዊሕ ሰንሰለት ተመሥሪታ ስብከተ ወንጌል ንምክያድ ኢያ ተወሊዳ” እንክብሉ ነቲ ሓዲስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ትምህርተ ክርስቶስ አብ ቍ. 830 “ካቶሊካዊት ዝብ ቃል ‘ኵላዊ’ ማለት እንኪኸውን፤ ወትሩ ‘ብምልአት’ ‘ብኩሉ’ ዝብል ሓሳብ አለዎ” ዝብል ብሰፊሑ ተንቲኖም፣
እምነትና አብ እንምስክረሉ ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊትን ካቶሊካዊትን እያ ቢልና ን እመን፣ እዚ ከአ እቶም ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት አብ ጽርሓ ጽዮን ጴንጠቆስጤ መዓልቲ መንፈስ ቅዱስ ተመሊኦም ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሠናይ ዜና ዝኾነ ወንጌል ከበስሩ ናብ ዓለም ምሉእ ዝተዘርግሑ አብቲ ዕለት እቲ ከአ ኩሉ በብቋንቋኡ ክሰም ዖምን ክርደኦምን ዝኸአሉ በምሳሉ ከአ ሎሚ ወንጌል ብኩሉ ቋንቋታት ተተርጕሙ ኩሉ ከንብቦን ክሰምዖን አብ ዝኽእለሉ ደረጃ (ግ.ሐ 3.15-17) በጺሕና እንርከበሉ ካቶሊካዊነት ኵላዊነት ዝገልጽ ምዃኑ ዘብርሁ ቅዱስነቶም ከምቲ ደጋጊሞም ዝብልዎ ሎሚ ከም እንደገና ኵልና ወንጌል አብ ጅባና ወይ ቦርሳና ሒዝና ክንጐዓዝ እሞ ዕለት ዕለት ጊዜ አብ ዝረኽብናሉ ሁመት ቃለ እግዚአብሔር ክነንብብ ተማሕጺኖም፣ ካቶሊካውነትከስ ነቶም ሓዋርያት አብ ጽርሓ ጽዮን ተዓጽዮም ም እንቲ ከይተርፉ ደፊኡ ዘውጽ ኦም መንፈስ ምዃኑ እዚ እንተዘይከውን ነሩ ክስ ዕብ ዝኽ እል ጸገም ከምዚ ክብሉ ገሊጾሞ፣
“ሓዋርያት አብ ጽርሓ ጽዮን ተዓጽዮም እንተዝተርፉ ማለት ንወንጌል ናብ ኩሉ ንምብጻሕ ካባኡ እንተዘይወጹ ነሮም ቤተ ክርስትያን ሎሚ ናይቶም አብቲ ከባቢ ዝነበሩ ጥራይ ኮይና ምተረፈት ነይራ በንጻሩ ግን ቤተ ክርስትያን ካብ ጽባሕ ልደታ ጀሚራ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቀበለት ናብ ኩሉ ክትበጽሕ ተጓዪያ፣ በዚኸስ ቤተ ክርስትያን አብ ገዛእ ርእሳ ተዓጽያ ክትተርፍ ዘይኮነስ ናብ ኩሉ ክትባጻሕ ዝተሓንጸት ኢያ፣ ስለዝኾነ ከአ አብቲ መጀመርያ ክፍለ ዘመን ሓዋርያት ባዕሎም ናብ ኩሉ ኵርነዓት ዓለም እናኸዱ ሓደስቲ አብያተ ክርስትያን ብምቋምን ሓደስቲ ኤጲስቆጶሳት ብምሻምን ክሳብ ዝኸአልዎ ዘርጊሖማ፣ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከአ ንኩሉ ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ ከምዝገብሮን ንኩሉ ተቃውሞን ድርቅናን ከምዝልውጦን ንግንዘብ፣ በዚ ከአ ኩሎም ንቃለ ወንጌልን ሠናይ ብሥራት ድሕነትን ናብ ኩሉ ንምብጻሕ ዝጸዓሩን ዓቢ አበርክቶ ዝገበሩን ሚስዮናውያውን ክምስገኑ አለዎም፣ ሓደ ናይ አማዞንያ ዝበሃል ክፍሊ ደቡብ አመሪካ ካርዲናል ከምዝበልዎ ከአ ኩሎም ሚስዮናውያን ንዕለቱ ቅዱሳን ክብሃሉ ዝግበኦም ኢዮም ከመይ ም እንቲ ስፍሓት ወንጌል ናብ ኩሉ ዓዳታን ሃገራትን ብምኻድ ገዛእ ዓዶምን ወገኖም ዝራሕርሑ ስለዝኾኑ አብ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝገሩሉ ዓዲ ብቀዳምነት መቃብር እዞም ጀጋኑ ክርስቶስ ከምዝበጽሑ ዘዕለልዎም የዘንትው፣ በዚ ኸስ አብ ሓዋርያት ዝተመሥረተትን ንኩሉ ብዘይ ሌላ ጐሌላ እተገልግልን ስልዝኾነት ሓዋርያዊትን ካቶሊካዊትን ቢልና ከም እንምስክር ገሊጾም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.