2014-09-16 16:29:33

ካሪታስ-ኢንተርናዚዮናሊስ፦ ክትጾሮ ዘይከኣል ኩነታት ተመዛበልቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ


RealAudioMP3 ሮማ ኣብ ዝርከብ ሕንጻ ቅዱስ ካሊስቶ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኩነታት ተመዛበልትን ስደተይናታትን ኩነታት ናይ ሰብኣዊ ጉዳይን ኣብ ሶሪያን ዒራቕን ጋዛን ዘማእከለ እቲ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ተራድኦ ማሕበራትን ከምኡ እውን ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን ናይ ረድኤት ማሕብራት ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዝጠለቦ ኣኼባ ካብ ትማሊ ዕለት 15 መስከረም 2014 ዓ.ም. ጀሚሩ ይካየድ ከምዘሎ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይላኒ ሓቢረን።
እቲ ዕጡቓት ሓይሊ ኣሸበርቲ ሃገረ እስላም ኣብ ሶሪያ ዘካይዶ ዘሎ ውግእ ኣብ ዒራቕ ዳግማይ ብኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና እስላማዊ ሃገር ምንቅስቓስ ዝተባርዔን ሕድ ሕዳዊ ውግእ ዘስዓቦ ስደትን ምዝብልናን ከምኡ እውን እስራኤል ኣብ ጋዛ ብዝፈነወቶ መጥቓዕቲ ዝተኣታተወ ሰብኣዊ ቅልውላን ምዝብልናን ብፍላይ ካብ ሶሪያን ተመዛቢሎም ኣብ ሊባኖስ ዝተዓቕቡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣብ ዮርዳኖስ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚእቲ ሺሕ፣ ኣብ ትሩኪ ሾሞንተ ሚእቲ ሺሕ ተዓቝይቦም ከምዘለዉ፣ እቲ ኣብ ሶሪያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንልዕሊ 13 ሚሊዮ ሕዝቢ’ታ ሃገር ናብ ስእነት መግቢ ከምዘውደቐ ዝሐበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይላኒ ኣስዒበን ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣብቲ ከባቢ ሕጹጽ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ምቕራብ ድሮ ካብ ዝብገስ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ከምዝገበረን ኣብ ሶሪያን ዒራቕን ጋዛን ናይ ሰብኣዊ ክንክን ጥዕና ረድኤት የቕርብ ከምዘሎን እውን ኣመልኪተን።
ኣብ ዒራቕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ረድኤት ማሕበር ጨንፈር ኣቦ ወንበር ብፁዕ ኣቡነ ሽለሞን ዋርዱኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ፦ ኣብ ዒርቕ ህልው ኩነታት ማሕበር ክርስቲያን ብሓቂ ኣዚዩ ዝተሓሳስብ ከምዝኾነ ካብ ሞሱልን ነነዌን ቤቶምን ንብረቶም ዛሕዚሖም ከምእተሰጉን፣ እዚ ዘጓንፎም ድማ ክርስትያን ስለ ዝዀኑ እዩ። እቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ዝጽውዕ ዘሎ ሓይሊ ኣሸበርቲ ኣብ ልዕሊ ፍጥረት ሰብ ክትገልጾን ክትግምቶን ዘይከኣል ዘስካሕክሕ በደልን ግፍዕን መቕተልን ይፍጽሙ ከምዘሎን፣ ነዚ ጸረ ስብኣዊ ተግባር ማሕበረሰብ ዓለም ሕጹጽ መልሲ እንተድኣ ዘይሃበሉ ሕዝብን ሃገራትን ክውጻእ ናብ ዘይከኣል ከቢድ ሓደጋ ከውድቕ እዩ ኢሎም።
ኣብ ሊባኖስ ናይ ካሪታስ ጨንፈር ኣመሓዳሪ ኣባ ፓውል ካራም ብወገኖም ብስልኪ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ነቶም ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ተመዘበልቲ ሓገዝ ይቐርብ ከምዘሎን ኣብተን ምስልምና ሓገር ዝንቀሳቐሰለን ሃገራት ዝረአይ ዘሎ ግህሰት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘደንጽው እዩ፣ እቶም ኣብ ሊባኖስ ተዓቝይቦም ዘለዎ ዜጋታት ሶሪያን ዒራቕን ዘጓነፎም መከራ ሰብኣዊ ረድኤት ብምቕራብ ዝፍታሕ ዘይኰነስ ንዘሕደረሎም ስነ ኣእምሮኣዊ በሰላ ናይ ስነ ኣእምሮ ሕክምና ክረኽቡ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ማሕበረሰብ ዓለም መልሲ ይጽበይ ኣሎ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ አጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.