2014-09-16 17:53:04

አደና ቤተ ክርስትያን ዘይብሉ ንቅድሚት ክንስጕም አይንኽእልን ኢና፣


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ትማሊ አብ ቤተ ጸሎት ቅድስቲ ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘቅረብዎ ስብከት “ከምቲ ብዘይ እኖና እግዚእትነ ማርያም ኢየሱስ ክህሉ ዘይምኸአለ ከማኡ ከአ ብዘይ እኖና ቤተክርስትያን ንቅድሚት ክንግሥግስ አይምኸአልናን” እንክብሉ አብቲ ብላቲናዊ ሥርዓተ አምልኾ ሥቃይ እኖና እግዚእትነ ማርያም ዝዝከረሉ በዓል አድላይነት አደ አብ ሕይወት ክርስትያን ገሊጾም፣
ከም ላቲናዊ ሥር ዓተ አምልኾ ቅድሚ ትማሊ ሰንበት በዓለ መስቀል ከቢሩ ዝወዓለሉ ዕለት እንክኸውን ትርጉም መስቀል ብክልተ ገጽታኡ በቲ ሓደ ወገን ትሕቲኡ መዋረዲ ዘይረክቦ ናይ ሥቃይን መቅጻዕትን መጋበሪ ኮይኑ ምእንቲ ድሕነትና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ ዋጋ እንክገልጽ ከምቲ ክርስቶስ ንኒቆዲሞስ ናይ ዘመነ ኦሪት ትንቢት ምፍጻሙ ግድን ምዃኑ እንክገልጽ አብ ወንጌል ዮሓንስ 3፡15-17 “ብእኡ ዚኣምን ኲሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ፣ ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዂሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን።” ብማለት ዝገለጾ ዋጋ ድሕነትና በቲ ምእንታና ክብሩ ሓዲጉ ርእሱ ብምትሓት ዝተሰቅለ መድኃኔ ዓለም ክሳብ ሞት ተአዛዚ እኳ ደአ ሞት አብ መስቀል ብምቅባል ዝተሳቀየ ክርስቶስ አብ መስቀል ምንጥልጣል እንከስምዕ በቲ ሓደ ወገን ክቡሩን ልዕልናኡን ንግሥነቱን በዚ መንገዲ እዚ ምዃኑ ይሕብር፣ አብዚ ክብሪ እዚ ንምብጻሕ ግን ቅ.ጳ ናብ ዕብራውያን አብ ዝጽሕፎ 5፡8 “ወዲ አምላኽ እኳ እንተኾነ፡ በቲ ዝተቀበሎ ሥቃያት እዙዝ ምዃን ተማህረ።” ክብል ተጻይ ናይቲ አቦና አዳም ነቲ ፈጣሪ ዝበሎ ክመሃሮን እሞ ክእዘዝስ ይኹን ስቃይ ክጻወር ዘይደለየ ዘይኮነ ኢየሱስ ር እሱ ከም ኢምንት ብምግባር መል ክ ዕ ባርያ ወሰደ እዚ ከአ ኢዩ ክብሪ መስቀል እንብሎ፣ መስቀል ክቡር ክበሃል እንተሰሚ ዕኩም ትርጉሙ እዚ ኢዩ፣
“ኢየሱስ አብ ዓለም ዝመጾ ሰብ ንምዃን ንክመሃር ሰብ ብምዃን ከአ ምስ ደቂ ሰባት ንክጐዓዝ ኢዩ፣ ንክ እዘዝ መጺኡ ተአዚዙ ከአ፣ ነዚ ተአዝዞ እዚ ግን ካብ ሥቃያት ኢዩ ተማሂርዎ፣ አቦና አዳም ካብ ገነት እንክወጽ እ ሓንቲ ተስፋ ሒዙ ኢዩ ዝወጸ እዛ ተስፋ ከአ ንዘማንት ተጓዕዘት፣ ሎሚ ግን በቲዝ ተአዝዞ እዝን ን ር እሱ ኢምንት ብምግባርን ብትሕትናን ኢየሱስ እታ ተስፋ ተፈጺማ፣ ሕዝበ እግዚአብሔር ከአ ብርጉጸኛ ተስፋ ንቅድሚት ይምርሽ አሎ፣ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ እታ ሓዳስ ሔዋን ዝኾነት አደና እውን ነዚ ናይ ወዳ ጕዕዞ ሕይወት ተሳቲፋቶ ኢያ ተማሂራ ተሳቅያ ተአዚዛ እውን በዚ ከአ አደ ኮይና፣ ወንጌል ከምዘመልክቶ እዛ አደ እዚአ አብ እግሪ መስቀል ኮይና ትልሎ ነራ፣ ወዳ ከአ እነሀት አደኻ እናበለ ነዛ ቅብዕቲ አደ ሂቡና፣
“ተስፋናኸስ እዚ ኢዩ፣ ንሕና ዘኽታማት አይኮነን አደታት አለዋና እኖና እግዚ እትነ ማርያም ከማኡ እውን እኖና ቤተ ክርስትያን ከመይ እኖና ቅድስት ቤተ ክርስትያን እውን ነቲ ቅቡ ዓት ዝኾኑ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስን እኖና ድንግል ማርያምን ዝተኸተልዎ መንገዲ እንተተኸቲላ ንሳውን ቅብ ዕቲ ትኸውን፣ እዚ መንገዲ እዚ ከአ መንገዲ መስቀል መንገዲ ሥቃይ መንገዲ ተአዝዞ ኢዩ፣ ነዚ ሒዝካ ከአ ከምቲ መድኃኒ ዝተማህሮ መንገዱ እናሰዓበት ክትመሃሮ የድሊ፣ እዘን ክልተ አንስቲ እዚኤን እኖና ድንግል ማርያምን ቤተክርስትያንን ናይ ክርስቶስ ተስፋ ንቅድሚት የግሥግሳ ንክርስቶስ አባና ከምዝውለድ ብምግባር ይህባና፣ ከምቲ ብዘይ እኖና እግዚአትነማርያም ኢየሱስ ክርስቶስ ክህልወልና ዘይምኸአለ ብዘይ ቤተ ክርስትያን ከአ ንቅድሚት ክንስጕም አይንኽእልን ኢና፣ ከምቲ ይስሓቅ መንኮስ ናይ ኮኸብ አበምኔት ዝበሎ አምሳል እዘን ክልተ አንስትን አደታትን ነፍስና እውን ን አታተን ስለትመስል አንስተይቲ ኢያ፣
“ሎሚ ነታ ንወዳ ክትክተል ብጽን ዓት ተአዝዞ ብስቃይ ወዳ ንክትመሃር አብ እግሪ መስቀል ቆይማ ትሳቀ ዘላ እኖና እግዚ እትነ ማርያም እናጠመትና አብ አ ነታ አደና ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ንርኢ ብነጽብራቅ እዚ ከአ ነታ እንተደአ አብ ጐኒ እዘን ሕይወትና ምሉእ ዘሰንያና አደታት ጸኒዓ ቆይማ ብምንም ተአምር ክትጠፍ እ ዘይትኽእል ንእስቲ ፍጥረት ነፍስና እውን አብ ትሕቲ መስቀል ጐይታ ክንርእያ ንኽእል፣ ከምቲ ወለድና አዳምን ሔዋንን ካብ ገነት ኤዶም ተስፋ ድሕነት ሒዞም ዝወጹ ንሕና እውን በዚ እታ አብ እግሪ መስቀል ብጽን ዓት ቆይማ ዘላ እኖና እግዚ እትነ ማርያምን አደና ቅድስት ቤተ ክርስትያንን ዝህባና ዓቢ ተስፋ እዚ ንቅድሚት ክንምርሽ ንኽእል እንክብሉ ስብከቶም ዛዚሞም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.