2014-09-16 16:36:02

ተልእኾ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ሃገረ ማእከላይ ኣፍሪቃ


RealAudioMP3 ኣብ ሃገረ ማእከላይ ኣፍሪቃ ምርግጋእ ንምርግጋጽ ተልእኾኡ ዝገበረ 7,600 ወተሃደራት ዘጠቓለለ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መደብ ዓቃቢ ሰላም ዕለት 15 መስከረም 2014 ዓ.ም. ከምእተበገሰ እንክሕበር ብዝሒ ናይቲ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ናብ 10 ሺሕ ክብ ክብል ምዃኑን ቀዳማይ ተልእኾኡ ኣብ ርእሰ ከተማ ባንጉይን ኣብ ሰሜናዊ ከባብን ቀጺሉ ናብ ዝተፈላለያ 45 ከባቢታት ፋሕ ክብል ምዃኑ ናይ ሕቡራት መንግስታት መግለጺ እንከመልክት፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ባንጉይ ሰበኻ ካህን ኣባ ማቲው ቦንዶቦ ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኩነታት ሃገረ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝግ እናበለ ይመጽእ ከምዘሎን ሰላምን ምርጋእን ንምርግጋጽ ድላይ ሰላም እውን ይርአይ ኣሎ ቢሎም፣ ስለዚህ ናብ ሰላም ዝመርሕ ምልክታ ይረአይ ኣሎ፣ ኣብ ገለ ገለ ካባቢታት ሕጂ እውን ውጥረት እንተሃለወ ሓፈሻዉዊኩነት ዳርጋ ናብ ሰላም እዩ ዘምርሕ ዘሎ ኢሎም።
ቀዳማይ ሕጹጽ ተደላዪ ሰላም እዩ፣ ስለዚህ ነቲ ዝረአይ ዘሎ ናብ መገዲ ሰላም ዝመርሕ ኩነት ምብርታዕ የድሊ፣ ሕጂ እውን ብዙሕ ጻዕሪ የድሊ፣ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዓቃቢ ሰላም ምእታው ዓቢይ ተስፋ እዩ፣ ኰይኑ ግን ብቐዳምነት ሕዝቢ ማእከላይ ኣፍሪቃ እዩ ደላይ ሰላም ክኸውን ዘለዎ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ሰላም ዘቕርብዎ ጽውዒትን ዝጠልብዎ መንፈሳዊ መደባት ኣብ ቅዳሴን ጸሎትን ሓሳብ ገይሮም ከቕርብዎ ምስማዕ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብታ ናይ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ከምዘላ ዘረጋግጽ እዩ። ንበይንና ኣብ ዝተሓደግናሉ እዋን ቅዱስ ኣቦና ኣይረሱዑናን፣ ቤተ ክርስቲያን ኣይረሰዓትናን እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.