2014-09-13 16:28:23

ናይ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓበር ዓለም ሓቆፍ ድርገት ጉባኤ


RealAudioMP3 ኣብ ዮርዳኖስ ርእሰ ከተማ ኣማን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ ናይ ሓባር ድርገት ካብ ዕለት 15 መስከረም ክሳብ ዕለስት 23 መስከረም 2014 ዓ.ም. ኣብ ሲኖዳውነትን ቀዳሜ መንበረ ቅድስ ጴጥሮስን ርእሰ ጉዳይ ዝገበረ ናይ ሓባር ቲዮሎጊያዊ ዘተ ከካይድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ክረጋገጽ ኣሚቱ በቲ ዝቖመ ብናይ ሓባር ዓለም ሓቆፍ ድርገት ዝካይድ ቲዮሎጊያውን ቤተ ክርስቲያናውን ዘተ ብምቕጻል እቲ ናይ ኣማን ናይ ዘተ ጉባኤ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ኦሮዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕነቶም ተዎፊሎስ ሳልሳይ ዝዓደመዎ ከምዝኾነን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ኣብቲ ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ ጳጳሳዊ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ሓድነት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፐርጋሞ መጥሮፖሊ ዮኣኒስን ናይ ካልኦት ኦርቶድክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ከምኡ እውን ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ክሳተፉ ምዃኑ የመልክት።
እቲ ናይ ሓባር ዘተ ኣብ “ሲኖዳውነትን ቀዳሜነትን (መንበረ ቅ.ጴጥሮስ)” ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብቲ ናይ 2011 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ድርገት ጉባኤን ከምኡ እውን ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ናይ ሓበር ድርገት ጉባኤ ዘውጸኦ ናይ ፍጻሜ ናይ ሓባር ሰንዳት መሰረት ገይሩ ዝመያየጥ ከምዝኾነን፣ እቲ ናይ ሓበር ድርገት ኣብ 2010 ዓ.ም. ኣብ ቪየና ኣብ ዘካየዶ ናይ ሓበር ጉባኤ ኣብ ቤተ ክርስቲያናውነት ርእሰ ጉዳይ ጉዳይ ዘጽደቖ ናይ ሓባር ሰነድን ከምኡ እውን ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ራቨና ኣብ 2007 ዓ.ም. ጉባኤያውነትን ስልጣንን ኣብ ዝብሉ ስነ ቤተ ክርስቲያናውን ቲዮሎጊያውን ዘጽደቖ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ውሳኔ ነቲ ንናይ ኣማን ጉባኤ ከም ናይ መኽፈቱ ኣስተንትኖ ክጥቅመሉ ከምዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቀዳሜ መንበርን ሲኖዳውነትን ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ናይ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ብኸመይ ይግለጽን ይንበር ዝብል እዚ ድማ ናይ ሮማ ጳጳስ ኵላውነትን ኣብ ናይ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ስልጣን ኣብ ዝብሉ ዝተኻየዩ ቲዮሎጊያውን ስነ ቤተ ክርስቲያናዊ መጽናዕትታት እውን ዝመያየጥ ናይ ሓባር ጉባኤ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ጉባኤ ናይ ሓባር ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን መደባት ዘጠቓለለ ኮይኑ ዕለት 20 መስከረም 2014 ዓ.ም. ኣቶም ናይ ሓባር ድርገት ኣባላት ኣብ ኣማን ቅድስቲ እመቤት ዘናዝሬት ክቶሊካዊ ቁምስና ኣብ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሳተፉን ብሓባር እውን ካብ ሲርያ ዝመጹ ተመዛበልቲ ዝርከብሉ መዕቆቢ በጺሖም ናይ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅርበት ክምስክሩ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.