2014-09-13 16:19:22

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትርድኦ ስነ ትንተና ግድነት እዩ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 መስከረም 2014 ዓ.ም. ነቲ መበል 43 ብሔራዊ ሓቆፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሰሙን ዘካየደ ናይ ኢጣሊያ ማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ ኣባላት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅዱስ ቀለመጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም መርሕ ቃል ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድርያና ማሶቲ ሓቢረን።
እቲ ናይ ኢጣሊያ ማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ፣ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ዶግማዊ (ሃሜናዊ) ድንጋገ ብዛዕባ መለኰታዊ ግልጸት “ቃል ኣምላኽ” ዝብል ውሳኔ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዝካየዱ ዝተፈላለዩ መንፈሳውን ዓውደ ጉባኤ መደባትን ብወግዒ ንምብጋስ ኣሚቱ ዘካየዶ መበል 43 ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ሰሙን ምዃኑ ክምልከት እንከሎ፣ ዕለት 18 ሕዳር 1965 ዓ.ም. ዝተደንገገ ውሳኔ ምዃኑ እንክዝከር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ነቶም ኣባላት ብሔራዊ ማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን፣ ማሕበረ ክርስቲያን ካብ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ባህልታት ተደሪኹ ሎሚ ካብ ቀደም መጽሓፍ ቅዱስ ብጥብቂ ክፍለጦን ከጽንዖን ክጽልዮን ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም፣ እምነት ተዀሊዑ ክረአን ክምስከርን ወትሩ ቃል ኣምላኽ ክምገብ ከምዘለዎ ድማ ኣተሓሳሲቦም፣ እቲ ማሕበር ዝህቦ ዘሎ ኣስተዋጽኦ ንኢዶም፣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዕምቆት ክጽናዕ ዘለዎ ምዃኑ እቲ ኣብ 1993 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ድርገት ኣብ ዘውጽኦ ሰነዱ፦ “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ስነ ትንተና ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ዓቢይ ግድነታዊ ሓላፍነት ከምዝኾነን፣ ብዘይ መጽናዕቲ ስነ ትንተና ቅዱስ መጽሓፍ ወይ ስነ ትንተናዊ መጽናዕቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣይድልን ምባል ኣብ ክውንነት ዘየሎ ዘይቅኑዕ ሓሳብ ወይ እምነት ኰይኑ ነቲ በስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ቅዱስ መጽሓፍ ምስትንዓቕን ዘይምኽባርን እዩ ዝኸውን፣ እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ንኽዛረብ ንዅሉ ሰብኣውያን ተኽእሎታት ማለት ቋንቋን ባህልን ተጠቂሙ፣ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ እግዚኣብሔር ንቓሉ ኣብ ትሕቲ ኵነት ቋንቋ ኣንቢርዎ እዩ። ስለዚህ እቲ ውሱንን ድሩትን ሰብኣዊ ቋንቋን ባህል ተጠቂሙ እዩ፣ ኰይኑ ግን በስተንፍሶ ዝተጻሕፈ ብምዃኑ ቀንዲ ትርጉሙ ንምፍላጥ ኣገዳሲ ዝዀነ ጻዕሪ ክሓትት ግድን እዩ፣ እዚ ጻዕሪ’ዚ ድማ ስነ ትንተና እዩ።” ዝብል ጠቒሶም እዚ ሰነድ’ዚ ክወጽእ እንከሎ ማለት ናይቲ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ሓልዮ ድርገት ሰነድ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፣ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ካቶሊካዊ ስነ ትንተና መጽናዕቲ ንማሕበረ ክርስቲያን ቃል ኣምላኽ ብግልጺ ንኽርድኦ ዝድግፍ ኽኸውን ኣለዎ” እክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘኪሮም፦ “እቶም ካቶሊካውያን ተመራመርቲ ስነ ትንተና ቅዱስ መጽሓፍ ኣብቲ ዘለዎም ናይ ስነ ባህሊ ሓላፍነት እቲ እንቕበሎ ጸጋ ዝኾነ እምነት ምስ መላእ ኣማኒ ሕዝቢ ክነብርዎን ከካፈልዎን ይግባእ” ምስ በሉ ቀጺሎም እውን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ጠቒሶም፦ “ናብቲ ብኣስተንፍሶ ዝተጻሕፈ ቃል ምሉእ መሰረት ኣብ ዘለዎ ትርጉሙ ንምብጻሕ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመራሕና ክንከውን ይግባእ። ስለዚህ እዩ ድማ ምጽላይ ኣበርቲዕካ ብዘይ ምቁራጽ ዘድሊ። ብጸሎት ብርሃን ቅዱስ መንፈስ ንለምን፣ እቲ ብርሃን ቅዱስ መንፈስ ክቕበልን ከእንግድን ዝኽእል ጥጡሕ ልቢ ክህልወና ምጽላይ፣ እቲ ፍቕሪ ዝኾነ ናይ እግዚኣብሔር ቋንቋ ክነስተውዕሎ ዘብቅዓና ፍቕሪ ክንዕደል ንጸልይ” ምስ በሉ ቃል ኣምላኽ ብስነ ምርምር ጥራሕ ዘይከነስ ኣብ መላእ ሕይወትና ከነእንግድ እታ ዓባይ ኣብነት ስነ ትንተና ቃል ኣምላኽ ኣኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብነት እያ እንክብሉ ዝለገስዎ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠያ ራዲዮ ቫቲካን ማሶቲ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.