2014-09-13 16:21:25

ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝኽሪ መበል 100 ዓመት ካልኣይ ውግእ ዓለም በቲ ውግእ ምኽንያት ዝተሰውኡን ኣደዳ ዝኾኑ መላእ ዜጋታት ንምዝካርን ንመላእ ዓለም ጻውዒት ሰላም ንምእቕራብን መልእኽቲ ሰላም ንምቅላሕ ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ፍሪዩሊ ቨነዚያ ጁሊያ ዕለት 13 መስከረም 2013 ዓ.ም ሓዋርያዊ ዑደት ከምዘካየዱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሉካ ኮላዲ ሓቢሮም።
ኣብቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝተሰውኡ ንምዝካር ዝቖመ ሓወልቲ ሰማዕታት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1992 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ዑደት ፈጺሞም ከምዝነበሩ ዝዘከሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኮላዲ፣ ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ እቶም ዝወደቑን ስሞም እውን ዘይፈለጥ ንምዝቃር ኣብ ዝቖመ ሓወልቲ ዝኽሪ ዘማዕታት በጺሖም ጸሎት ኣዕሪጎም ዕንባባ ኣንቢሮም ኣብ ፎሊያኖ ዝርከብ ናይ ኦውስትሪያን ሃንጋርን ዜጋታት ዝዓረፍሉ ኣስትሪያ ሃንጋሪ መካነ መቓብር በጺሖም ጸሎት ኣዕሪጎም ኣብ ረዲፑሊያ ቅዱስ ሥፍራ ብናይ ኢጣሊያ ናይ ሓይሊ ምክልኻል ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ጳጳስ ብፁዕ ማርቺያኖ ኣቀባብላ ተገይርሎም ካብ ኦውስትስሪያን ስሎቨኒያን ሃንጋርን ክሮኣዚያን ሰበኻ ፍሪዩሊ ቨነዚያ ጁሊያ ብዝመጹ ብፁዓን ካርዲናላት ጳጳሳትን ተዓጂቦም መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ኣብ ፍጻሜ ድማ ናይ ኢጣሊያ ላዕለዋይ ናይ ሓይሊ ምክልኻል ዋና ኣዛዚ ኣድሚራል ቢነሊ ማንተሊ ንቕዱስ ኣቦና ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣባል ሓይሊ ምክልኻል ኰይኖም ኣብ ኢጣሊያ ዘገልገሉ ኣባሓጎኦም ቦርጎሊዮ ጆቫኒ ንሻን ንቕዱስ ኣቦና ከም ገጸ በረከት ከምእተውሃበ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሉካ ኮላዲ ገሊጾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.