2014-09-13 16:21:42

ሓቀኛ ምእራም ሓው መሪር ኢዩ! ከመይ ብፍቅርን ሓቅን ትሕትናን ስለ ዝግበር፤


RealAudioMP3 ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ቤተ መቅደስ ቅድስት ማርታ አብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ስብከት ኢዩ፣ ምናልባት ንሓውና ክንእርም እንከሎና ባህታ ዝስመዓና እንተኾይኑ እዚ ካብ እግዚአብሔር ከምዘይኮነ ክንዝንግዕ ከምዘይብልና እውን አዘኻኺሮም፣
አብ ላቲናዊ ሥር ዓተ አምልኾ ትማሊ ዝተነበ ወንጌል ማቴዎስ ኮይኑ አብ ሻብዓይ ምዕራፍ ዘሎ “ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጒንዲ ዘይፈለጥካስ፡ ንምንታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ፧ ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ፡ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ትብሎ፧ እንሆ፡ ጒንዲ ኣብ ዓይንካ ኣሎ። ኣታ ግብዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጒንዲ ኣውጽእ። ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ።” ዝብል ኮይኑ ቅዱስነቶም ብፍቅሪ ንዝተጋገየ ሓውኻ ምእራም ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ከምዚ ክብሉ ምዒዶም፣
“ብዘይ ፍቅርን ሠናይ ተግባርን ሰብ ክትእርም አይከአልን፣ ብዘይ መደንዘዚ ኦፐረይሽን ክትገብር አይከአልን ከመይ እቲ ሕሙም ብቃንዛ ክመውት ይኽእል፣ ፍቅርን ሠናይ ተግባርን ከአ ኃውኻ ክትቅበልን ክት እርምን ይሕግዝ፣ ብትሕትናን ብፍቅርን ንበይኑ አግልል አቢልካ ንክትዛረቦ የኽ እለካ፣ ከም ካል አይ ነጥቢ ክትጥንቀቁሉ ዘሎኩም ሓቂ ዘይኮነ ነገር ጨሪስካ ዘይምዝራብ፣ አብ ማኅበራትና ክንደይ ሓቂ ዘይኮነ ነገራት ብዛዕባ ካል ኦት ክዝረብን ክሕመን ንሰም ዕ፣ እዚ ነገራትዚ ከአ ነቲ ሰብ ክብሩ ይትንክፍ፣ ሕሜታ የቅስሉ ንክብሩ ሓደ ሰብ ብትንትን ከም ምባል ኢዩ ልቢ ሰብ ምቍሳል ኢዩ፣ ሓቂ ክነግሩኻ እነከለው መራር ኢያ ኮይኑ ግን ብፍቅርን ሠናይ ተግባርን ክነግሩኻ እንከለው ክትቅበላ ትኽ እል፣ ስለዚ ብዛዕባ ጕድልነት ካል ኦት ክትዛረብ እንከሎኻ ብፍቅሪ ክኸውን አለዎ፣ ሳልሳይ ነጥቢ ከአ ኩሉ ምእራም ብትሕትና ክግበር አለዎ፣ ንእሽቶይ ነገር ናይ ሓውኻ ክትእርም አብ እትብገሰሉ ጊዜ ናትካ ዓበይቲ ጌጋታት ዘክር፣
“ሓውኻ ም እራም ን አካል ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ንምሕዋይ ዝግበር ጉዳይ ኢዩ፣ ክስፈ ዘለዎ ሓደ ቀዳድ አብቲ ማእለማ ቤተ ክርስትያን አሎ ማለት ኢዩ፣ ከምቲ አደታትናን አደ ዓባያትናን ንሓደ ዝተቀደ ክዳን ብ ዓቢይ ጥንቃቄ ዝሰፍዮኦ ናይ ዝተጋገየ ሓውና ም እራም ከአ ከማኡ ክኸውን አለዎ፣ ብትሕትናን ብፍቅርን ብሓቅን ክትገብሮ እንተዘይክ ኢልካ ክትገፍ ዖን ክተሕዝኖን ስለትኽእል ልቡ ስለእተቍስል ንስኻ እቲ አብ ወንጌል ዝተጠቅሰ ዕውር ፈሪሳዊ ስለእትኸውን ቅድም አብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ አውጽእ አሎካ፣ እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ካል እ ሓደጋ እውን አሎ ምናልባት ንሓውኻ ክት እርም አብ እትነቅለሉ ግዜ ባህታ ክስም ዓካ ይከአል እዚ ከአ እቲ ጉዳይ ካብ እግዚአብሔር ከምዘይኮነ ፍለጥ ማለት ኢዩ፣
“አብ ጉዳይ ጐይታ ኩሉ ጊዜ መስቀል አሎ፣ ምናዳ ን እሽቶ ሠናይ ነገር ክትገብር ምስ እትደሊ ፍቅርን ትሕትናን የድሊ፣ ዳኛ አይኮንካን፣ ንሕና ክርስትያን ሊቃውንቲ ናይ ኩሉ ናይ ምዃን ፈተና አሎና፣ ካብ ናይ ሓጢአትን ጸጋን ደምበ ወጺ እና ከም መላ እኽቲ ኮይኑ ዝስመዓና ጊዜ አሎ፣ በዚ ከአ ቅዱስ ጳውሎስ ንካል ኦት እናሰበኽኩ ን ር እሰይ ካብ ምጥፋ እ ይሰውረኒ ይብል፣ ሓደ ክርስትያን እንተደአ ብፍቅርን ትሕትናን ሓቅን ሓው እንተዘይ አሪሙ ድሮ ተዀኒኑ ኢዩ፣ ክርስትናኡ ገና አይበሰለን ማለት ኢዩ፣ እግዚአብሔር ካብዚ ሰዊሩ ነዚ ፍቅራዊ ሠናይ ተግባር ዝኾነ ብፍቅርን ትሕትናን ሓቅን ናይ ሓውና ምእራም ተልእኮ ክንፍጽም ጸጋኡ ይሃበና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስነቶም ናይቶም አብ ወርሒ ሚያዝያ ቅድስናኦም ዝ አወጁ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23ን ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን አብ ሮማዊ መራሕ ዕለት ናይ በዓላቶም ዝኽሪ ዕለታት 11 ጥቅምትን 22 ጥቅምትን ክኸውን አዊጆም፣ አብ ር እሲ እዚ እዚኦም ክልተ ቅዱሳን እዚኦም ንካህናት ከማኡ እውን ንም እመናን ብክርስቶስ ዝምራሕ ሕይወት ንኽነብሩ ዝሕግዙ ፍሉያት አብነታት ኢዮም ቢሎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.