2014-09-11 16:22:48

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ኣማዞን ንምዕቃብን ንምክንኻንን ሓይልታት ምትእኽኻብ


RealAudioMP3 ናይ ብራዚልን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካራይቢን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ብሓባር ዘቖምዎ ናይ መላእ ኣማዞን ኣቢያተ ክርቲያን መርበብ እተሰምየ ማሕበር ካብ ዕለት 9 መስከረም ክሳብ ዕልት መስከረም 12 ኣብ ብራዚሊያ መላእ ኣማዞን፣ ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ሳንቡእ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ብዝካየድ ጉባኤ ብወግዒ ከምዘላለዮን ነቲ ዘቖምዎ ማሕበር መሪቖም ከምዘበግስዎ ካብ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካራይቢን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ዝተመሓላለፈ መገለጺ የመልክት።
እቲ ዝቖመ ሓድሽ ማሕበር መላእ ቤተ ክርስቲያንን ዝተፈላለያ ቤተ ክርስቲያናዊ ማሕበራት ኣብ ዕቃበን ሓለዋን ነቲ በቢ ውልቀን ዘካይድኦ ጻዕሪ ክንክን ብምጥርናፍ ብሕብረት ኣብዚ መዳይ ክዋስኣ ዝውድብ ከምዝኾነ ክምልከተ እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ፊርማ ዝተነብሮ ናብ ናይ ሁኣንካዮ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ናይ ሰላምን ፍትሕን ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፐድሮ ሪካርዶ ባረቶ ኺመኖ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ቅዱስነቶ ዕለት 27 ሓምሌ 2013 ዓ.ም. ንመላእ ብፁዓን ጳጳሳት ብራዚል ኣብ ዘስምዕዎ ቃል እዚ ናይ መላእ ኣሞዞን ቤተ ክርስቲያናዊ መርበብ ከቐውም ምዃኑ ምስ ተሓበሮም “ኣብ ስነ ምህዳር ኣማዞን ዕላማ ዓቢይ ኣገልግሎት ዝፍጽም ብፍላይ ድማ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ዕቃቤ ዘለዎ ኣገዳስነት ብምትሕስሳብ እዚ ዓይነት መርበባዊ ጥርናፈ ክህሉ ቅድም ክብል ዘተሓላለፍክዎ ናይ ሕድሪ ጸዋዕታ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ክርእይ ብሓቂ ሓጐስ ይስምዓኒ” ቢሎም ከምዝነበሩ ዘኪሩ፣ እቲ ስለ ኣማዞን ዕቃቤ ዝሓሊ ቤተ ክርስቲያናዊ መርበብ ተልእኾኡ ብውግዒ እነሆ ድማ በቲ ኣብ ብራዚሊያ ብዝካይድ ዓውደ ጉባኤ ክብገስ ምዃኑ የመልክት።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ብራዚል ንናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣስሚዖምዎ ኣብ ዝነበሩ ቃል፦ “እግዚኣብሔር ንተፈጥሮ ኣብ ኢድ ሓላፍነት ሰብ ዘንበሮ ሰብ ብስስዔን ጭካኔን ክምዝምዞ ዘይኰነስ ከም ኣታኽልቲ ስፍራ ክከናኸኖ እዩ። ስለዚህ ምኽባርን ዕቃበን መላእ ተፈጥሮ ጸዋዕታ ሰብኣዊ ፍጥረት እዩ። እዚ እቲ ሓደ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብድሆ እዩ፣ ስለዚህ ስለ ስነ ምህዳር ኣማዞን ምሕሳብን ምእንቲ’ዚ ምግልጋል ዝቖመ ማሕበር ምኽንያት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ብራዚል እትፍጽሞ ዘላ ክንክን ተፈጥሮን ኣብዚ መዳይ እተበርክቶ ሕንጸት አመስግን፣ እዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ እዩ እሞ ወትሩ ክብበታዕ ሓደራ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።
ቤተ ክርስቲያን ንዕቃቤን ክንክንን ኣማዞን ኣብ እትፍጽሞ ኣገልግሎት በይና ክትርከብ ከምዝገበራን ኣብዚ መዳይ ክንክንን ሓለዋን ተፈጥሮ ድማ፦ “ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረ ክርስቲያንን ብሓባር ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ኣብ ክንክን ጥዕና ተፈጥሮ ብምግልጋል ሕውነታዊም መንፈስ ምንባርን ማሕበራዊ ጉዕዞ ከም ቅዱስ ንግደት ክኽውኖ” ኣተሓሳሲቦም “እዚ ድማ ጭቡጥ ምልክታ ምትሕብባር ምድግጋፍን ከዝኾነን እዚ ጉዕዞ እዚ ድማ ዘጥዕይን ሰናይን ዝሕርንን ተስፋ ዝወልድ እውን እዩ። ካብ ገዛእ ራእስና ወጺእና ምስ ካልኦት ምዃንን ምስ ካልኦት ምሕባርን ባህ የብል” ዝብል ሓሳብ ካብ ወንጌላዊ ሃሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣወኪሶም ብመርበባዊ ርክባት ኣብ ዕቃቤን ክንክንን ተፈጥሮን ኣማዞንን ሓበሬታ ብምልውዋጥን ብምትሕብባርን ምትጋህ ከምዘድልን እቲ ናይ ሪዮን ናይ ከባቢ ኣማዞን ባህላውን ሰብኣዊ ክብርን ክቃላሕ ዝድግፍ ማሕበር እውን ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፣ ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ መላእ ከባቢ ኣማዞን ኣቢያተ ክርስቲያን ቤተ ክርስቲያናዊ መርበብ እቲ ብርሃን ናይ መላእ ሃገራት ህዝቢ ዝኾነ ክርስቶስ ኣብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ከባቢ ኣቢያተ ክርስቲያን ገጽ ክኹላዕን ዓቢይ ግደ ከምዘለዎን ምልክታ ተስፋ ምዃኑ ብምምልካት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.