2014-09-06 16:45:58

ዓመታዊ በዓል እናቴ ብፅዕት ተረዛ ዘካልኵታ


ዕለት 5 መስከረም 2014 ዓ.ም. ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል እናቴ ብፅዕት ተረዛ ዘካልኵታ ኣኽቢራ ከምዝወዓለት እንክሕበር፣ እናቴ ተረዛ ኣብ መላእ ዓለም ብዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ፍቕርትን ክብርትን፣ እዚ ድማ ነቲ ዘይሕለል ኣገልግሎት ንድኽታትን ዝተናዕቁን ዝብል ተልእኾአን ብቓልን ሕይወትን ዝፈጸመኦ ተግባርን ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚት ምዃነን ኮታ እቲ ጸላይን ሓላይን ኣፍቓሪ ድኻ ሕይወተን ተፈላጥነትን ተደናቕነትን ዘዕደለን ጸጋ ምዃኑ ናይቲ ኣብ 1979 ዓ.ም. ምስ ማድረ ተረዛ ብምትሕብባር ዝተመስረተ ልኡካነ ወንጌል መናንያን ደቂ ፍቕሪ ገዳማዊ ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ሰባስቲያን ቫዝሃካላ ብምኽንያት እዚ ዓቢይ በዓል ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ኣዘኻኺሮም፣ እናቴ ብፅዕት ተረዛ ቅድሚ 17 ዓመት ዕለት ሓሙሽተ መስከረም ኣብ ሰማያዊ ቤት ከምእተወልዳን ኣብ 2003 ዓ.ም. ድማ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብፅዕና ከምዝኣወጁለን እንክዝከር፣ እናቴ ብፅዕቲ ተረዛ ብምሉእ ልበን እግዚኣብሔር ከፍቅራን ኣብ ብጻይ ንእግዚኣብሔር ምፍቃር ዝብል መንፈሳውነት ብቓልን ሕይወትን ዝነበራ፣ ንእግዚኣብሔር ዘሎና ፍቕሪ በቲ ንብጻይና ዘሎና ፍቕሪ ዝምዘን ምዃኑ፣ መጠን ንእግዚኣብሔር ዘፍቅር ንብጻየይ ድማ የፍቅር ዝበላን ነዚ ክልተ ፍቕሪ ከም ሓደ ፍቅሪ ገይረን ዝነበራ እየን። በዚ ዓይነት ኣነባብርኤን ድማ ንመላእ ዓለምን ንመላ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ሰዓብትን መንግስታትን ዘደንጸዋ ብምዃነን ብትሕትንኤን ኣፍቃሪት ምዃነን እየን ዝዝከራ ዘለዋ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ነዚ ዓይነት ሕይወት ብቓልን ሕይወት የቃልሑልና ኣለዉ፣ ወንጌላዊ ሕይወት ድማ እዚ እዩ። እዚ በዓል’ዚ እናቴ ብፅዕቲ ተረዛ እቲ ንሰን ሓዲገናልና ዝሓለፈ መንፈሳዊ ውርሻ ንምንባር ቃልና እንሕድሰሉ ዕለት እዩ ኢሎም።
እቲ እናቴ ብፅዕቲ ተረዛ ዘካልኵታ ዝነብርኦ ዝነበራ ዓይነት ፍቕሪ መንቀሊኡን መሰረቱን ጸሎት እዩ። እቲ ንብጻይካ ከም ገዛእ ራእስኻ ኣፍቅር ጥራሕ ዘይኰነስ ንእግዚኣብሔር ዘሎካ ፍቕሪ መምዘኒ እቲ ንብጻይካ ዘለካ ፍቕሪ እዩ ዝብል ዓይነት ፍቕሪ ዝነበራ እየን እዚ ንኽነብራ ዘኽኣለን ድማ እቲ ካብ ጸሎትን ቅዱስ ቁርባንን ዝቕበልኦ ዝነበራ ሓይሊ እዩ። ጸሎትን ቅዱስ ቁርባንን ዘለዎ ሓይሊ ክሳብ ክንደይ ብርቱዕ ምዃኑ እናቴ ተረዛ ዘካልኵታ ብፅዕቲ ምስክር እየን እቲ ብናጻ ዝተዓደለና ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጥና ክዓብጦ ዘይኵነስ ከራኸበና ክረኽበና ዝመጸ ፍቕሪ ብምዃኑ እቲ ኣባና ዝመጸን ነዚ ፍቕሪ ዝረኸበ ናብ ካልእ ከብል ማለት ንብጻይና ንኸነፍቕር ዝድርኽ እዩ እዚ ዓይነት መንፈሳውነት ብቓልን ሕይወትን ዝመስከራ እየን በዓለን ድማ በዓል ኵሎም እቶም ሕዙናትን ድኻታትን በዓል እቲ ኣብቶ ዝተናዕቁ ሕይወት ዝነብር ክርስቶስ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.