2014-09-06 16:41:30

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ንሓሙሽተ ክፍለ ዓለም መንእሰያት፣ ኣኽናፍ ይሃልዅም ሰረት ድማ ይሃልዅም


ካብ መላእ ሓሙሽተ ክፍለ ዓለም ዝተዋጽኡ ናይቲ “ዓለም ሓቆፍ መርበብ ርክባት ኣባይቲ ትምህርቲ” እተሰምየ ናይ መላእ ዓለም ኣባይቲ ትምህርትን ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝተዋጽኡን መንእሰያት ዝሓቁፍ ብሓልዮትን ድላይን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተመስረተ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ዝርከብ ጨንፍር ዋና ኣመሓደርቲ ሳልሳይ ጉባኤ የካይዱ ከምዘለዉ እንክንገር፣ ቅዱስነቶም ንተጋባእያን ተቐቢሎም መሪሕ ቃል ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ፋውስታ ስፐራንዛ ሓቢረን።
ቅዱስ ኣቦና ነቶም ተጋባእያን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ክቡር ዋጋ ድልድል ምህናጽን ኣብዚ ውግእን ፍልልይን ዝተመልኦ ዓለምና ምስማዕን ምርድዳእን ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፣ ቀጺሎም ብምስማዐ-ቀረጻ ንሳልቫዶር ደቡብ ኣፍሪቃን ቱርክን እስራኤልን ኣውስትራሊያን ካሜሩንን ንዝተኣከቡ መንእሰያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ኣኽናፍ ከምዘለዎም ኣናነፈርኩም እቲ ውርሻ ቅርሲ ባህልን ጥበብን ሃይማኖትን ኣቦታት ዘውርረሰኹም ከይሓደግኩምን ከይዘንጋዕዅምን ብሩህን ሰናይን መጻኢ ሕለሙ። እወ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ብውግእን ወረ ውግእን ዝተመልኤ እዩ። ኰይኑ ግን ንመንእሰይ ወለዶ ናይ ምርኻብ ባህልን ምቅብባልን ውህደትን ዘረጋግጽ ድልድል ክዀኑ ኣብዚ መዳይ ክህነጹ ይግባእ” ከምዝበሉ ዝሓበራ ስፐራንዛ ቀጺለን፦ “ሕጻናት ንበይኖም ኣይንሕደጎም ኣብ ገዛእ ርእሶም ኣይንጠንጥኖም፣ እወ ግዳም ሓደር ሕጻናት ክበሃል ንሰምዕን ንርእን፣ እዚ ድማ ሕጻና ግዳም ሓደር ክኸውንን ንበይኑ ምሕዳግ ከም ቅቡል ኩነት ዘምስል እዩ። መምሃራን ንሕጻናት ክሃንጹ ቢሎም ገለ ገለ እዋን ዝወስድዎ ስጉምቲ ወለዲ ከይተርድኡ ኣክንዲ ንውላዶም ዝገንሑ ንመምሃራን ክኸሱ ይረአይ። ብርግጽ መምሃራን ኣይጋገዩን እያቶም ማለት ኣይኰነን። ምምህር ዓቢይ ሓላፍነት እዩ” ምስ በሉ ኣስዒቦም “ገንዘብ ከም ጣዖት ዘምልኽ ባህሊ ዓመጽን ዝንጽል ባህሊ ንገለ ገለ ክፍሊ ሕብረተሰብ ከም ጓሓፍ ዝሓስብ ከይዲ ዓለም ብሓቂ እቲ ድምጽን ስቃይን ዘይብሉ ሞት ምሃብ ምስ ዝብል ባህሊ ዝመሳሰል እዩ። ዝንጸሉ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ሰብኣዊ መሰሎም ዝተነፍጉ ሕጻናት፣ ዝርስዑን ዝንጸሉ ኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ፣ ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑ መንእሰያት፣ ኣብ ጐዳና ምዕብልና ኣብ ዝርከባ ሃገራት ብጠቕላላ 75 ሚሊዮን መንእሰያት ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑ እያቶም” ከምዝበሉ ሓቢረን።
“ስድራ ቤታውን ማሕበራውን ውልቃውን ምትእስሳር ምብርታዕ የድሊ። እቲ እንነብረሉ ዘሎና ከባብን ዓለምን ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ሰብኣዊ ከባብን ሰብኣዊ ዓለምን ኰይኑ ኩሉ ዝረውየሉን ንምዕባለን ንውሁድ ጥዑም ቅንይትን ንተውሃሂድካ ምንባር ኵነት፣ ነቲ ዓቢይ ዝተማልኤ ሕብረተሰብ እዚ እዩ መሰረት ክኸውን ዘለዎ። ሕብረተሰብ ሓቀይናን ሰናይን ጥዑይን ቅኑዕ ውህደት ዘረጋግጽ መራኸቢ ስፍራ ክኸውን ኣለዎ። ሕጻናት እዚ ኵነት እንተድኣ ዘይተፈጥረሎም፣ እቲ ዝተርፎም ኣማራጺ መገዲ ናብ ናይ ገበን ጉጅለን ናብ ናይ ዝተፈላለዩ ውልፍታት እዮም ዘብሉ” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ካብ መንእሰያት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፦ “ተመክሮ ምክፋል፣ ስለምታይ ካልኦት አስተንፍሶ ክረኽብሉ ዝድርኽ እዩ። ካልኦት ዝብሉኻ ምስማዕ፣ ከምዚ ኽኸውን እንከሎ ማለት ምስምምዕ ምስ ዝሕሉ እዚ ዓይነት ርክብ ድማ ኣዛዝን ተኣዛዝን ዘይብሉ ምርኻብ ይኸውን፣ ምርኻብ ማለት ድማ ምሃብ እዩ፣ ልግስና ማለት እዩ፣ ምክብባር ማለት እዩ። ዝዀነ ይዅን ዓይነት ኣድልዎ ምንጻግ ማለት እዩ። መንእሰይ ወለዶ መራኸቢ ድልድል ክሃንጽ ወይ ድማ ፈላላይ መናድቕ ከቕውም ዝከኣል እዩ፣ ፈላላይ መናድቕ የረሓሓቑና ድልድል ግን የራኽበና” ብዝብል ቃል ድማ ንመንእሰያት ንቕዱስ ኣቦና ሰላምታኦም ምስ ኣቕረቡ ካብ ቱርኪ ዝከታተልዎም ካብ ዝነበሩ መንእሰያት ድማ “ሰላም ቅዱስ ኣቦና ኣነ ካብ ቱርኪ እየ” ዝበለ ሓደ መንእሰይ “ኣንሕና መንእሰያት ገበን ድኽነትን ኣድልዎን ዓሌታውነትን ዝመልኦ ዓለም ኣይንምነን” እንክብ ሓሳብ ምስ ገለጸ ቅዱስ ኣቦና ውግእ ኣይፋል ዝብል ድምጺ ብምስማዖም ከምዘሐጎሶም ገሊጾም፦ “እዚ ድምጺ እዚ ንዓለም ብምቅላሕ ደለይቲ ሰላም ኢና በሉ። እቲ ካብ ውሽጥኹም ዝመጽእ ደላይ ሰላም ብዓውታ ኣቓልሑ” ቢሎም ቀጺሎም ካብ ብዙሓት ንዝቐርበሎም ዝነበረ ሕቶ ኣመርኵይዞም፦ ኣነ መጻኢ ዝነገር ናይ ጠንቋላይ ናይ መስታት በትሪ የብለይን” ምስበሉ ኣስዒቦም ዓሚይቕን ሰፊሕን ጻዕርን ሓላፍነትን ዝሓትት በርትዑ ዝብል ሓሳብ እንከቕርቡ፦ “መጻኢ ኣብ ልባትኵም እዩ ዘሎ። ኣብ ኣእምሮኹምን ኣእዳውኵምን እዩ ዘሎ። እቲ ብሉጽ መጻኢ እቶም ኣኽናፍ ዘለዎም ነገር ግን ሰረት ዘለዎም ኣብ ጭቡጥ ኵነት ኣብ ዝነብሩ መንእሰያት እዩ ዘሎ። ክነፍሩን ክሓልሙን ክምህዙን ኣኽናፍ ዘለዎም መንእሰያት ኩኑ ግና ኸ ኣብ ምንፋር ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብቲ ዓቢይ ወለዶ ዝሓደገሎም ባህላዊ ቅርሲ ዝተሰርቱ ክትኾኑ ይግባእ። ሰናይን ብሉጽ ዓለምን ንምሕላም ዘብቅዖም ኣኽናፍ ዘለዎም፣ ውግእ ዝቃወሙን ካብ ዓቢይ ወለዶን ካብ ወለድን ካብ ኣቦ ኣቢይን ኣደ ኣባይዕን ዝተመሓላለፈሎም ፍልጠት ዘኽብሩን ኵኑ። ስለዚህ እቲ ብሉጽ መጻኢ ኣብ ኣእዳውኩም እዩ ዘሎ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ስፐራንዛ ሓቢረን።
ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ካብ ሃገረ ሳልቫዶ ሓደ መንእሰይ ንዘቕረበሎም ሕቶ፦ “ካብቶም ውልቃውያን ብሕታውያን ክገብርኹም እቲ ናይ ሓባር ጕጅለ ናይ ምዃን ሓይልዅም ከምክን ካብ ዝደሊ ፈላላይ ሓይሊ ተጠንቀቑ፣ ብርግጽ ኣብ ናይ ምዕናው ባህሊ ዝተጸምዱ ጉጅለታት ኣለዉ፣ ውግእ ዝደልዩ ብሓባር ኵይንካ ምንባር ዝረሓቖም ብዙሓት ኣለዉ፣ ንስኻትኵም ግን ከም ሓደ ጋንታን ጉጅለን ጠሚርኩም ኣብ ሰናይ ትግሁ” ቢሎም ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዝዛዘሙ ጋዜጠይና ስፐራንዛ ገሊጸን።







All the contents on this site are copyrighted ©.