2014-09-06 19:24:30

ሰንበት ዘመብረቅ 2006 ዓ.ም. ፪ ጳጕሜን 2006 ዓ.ም. (9/6/2014)


መዝሙር፡ ከመ እንተ መብረቅ ዘይወጽእ እምጽባሕ. . . . . . . . ።
ንባባት፡ ሮሜ 13፡7-9፥ 2ጴጥ 3፡10ፍ፥ ግ.ሓ. 9፡110፥ ማቴ 18፡1520
ምስባክ፡ እግዚአብሔር ገሀደ ይመጽእ ወአምላክነሂ ኢያረምም እሳት ይነድድ ቅድመሁ፥ እግዚአብሔር ብግሁድ ክመጽእ እዩ፥ አምላኽና ስቕ አይብልን እዩ፥ አብ ቅድሚኡ እሳት ይነድድ” መዝ፡ 50፡3።
መዝሙር፡”በርቂ ካብ ምብራቕ በሪቝ ክሳዕ ምዕራብ ከም ዝርኤ ምጽአት ወዲ ሰብ ከአ ከምኡ ብብርሃን መብረቕ ምስ ኃይሊ ሰማይ አእላፍ መላእኽቲ ሊቃነ መላእኽቲ ክኸውን እዩ፥ አኽሊል አኽሊላት አብ ርእሲ ካህናት” ይብል። አብዚ ሓዲስ ዓመት አብ ዝአትወሉ ዘሎ እዋን ክንሕደስ ብዝተቐየረ ሕይወት ክንአትዎ ዘዘኻክር መዝሙር እዩ።
አብ እዋን ጳጕሜን ኢና ዘሎና (5 መዓልትን ¼ ወሰኽ አሎና አብ ናይ ግዕዝ ባሕረ ሓሳብ)፥ አብ መወዳእታ ዓመተ ማርቆስ ኢና ዘሎና። አብዚ ዓመት ንኹሉ አምላኽ ዝሃበና ዝገበረልና ተመስገን ክንብሎ ዝሕግዘና እዋን እዩ፥ ከምኡ ኸአ ንሓዲስ ዓመት ዓመተ ሉቃስ አብ እንጅምረሉ ብሓዲስ መንፈስን ምስ አምላኽን ሰብን ዘሎና ርክብ ገምጊምና ክንአቱ ዝሕግዝ ቅዱስ እዋን እዩ።
ዓመት ሓሊፉ ዓመት አብ ዝጅምረሉ እዋን ንአና ንክርስትያን ፍሉይ እዋን እዩ። ምስ አምላኽን ሰብን ዘሎና ርክብ ርኢና ክንክእል እሞ አብቲ ሓቀኛ ሕይወት ክርስትያን አቲና ክንክእል አሎና። ንቀለዓለም አይኮናን እነብዕል ዘሎና ብሓቂ አብ ውሽጥና ክንአቱ እሞ ክንሕደስ ሕይወትና አብ መገዲ አምላኽ አሎዶ የለን ገምጊምና ክንክእል አሎና።
ዘሎናዮ እዋን ንፍሉይ ነገራት እና አዘኻኸረ ንፍሉይ ለውጢ ዝሓተና ፍሉይ እዋን እዩ፡
    አብ ዓድና ንግሆ ንግሆ ተንሲእና ማይ ጳጉሜ ንሕጸብ። ናይ ምንጻሕ ምሕዳስ ምልክት እዩ። ከምኡ ነቲ አብ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበልናዮ ጸጋ የዘኻኽረና። አብ ዕርቅን ንስሓን አቲና ክንሕደስ ብሓዲስ መንፈስ ዓመትና ክንጅምሮ ዝሕግዝ እዋን።
    አብዚ እዋን ኩሉ አብ ፍረ በጺሑ ንሰብን ንእንስሳን ዋሕስ ሕይወት ዝህብ እዩ። ምድሪ ፍሪአ እትህበሉ፥ ጸባን ምዓርን ክልተ ዓበይቲ ህያባት አምላኽ እንቅበለሉ፥ ከምኡ መጻኢ ሕይወትና ብፍረ ዘራእትና እንረጋገጸሉ እዋን ስለ ዝኾነ ፍሉይ እዩ። አብ መንጎና ዘሎ ርክብ ሓቀኛ መንፈስ ክሕዝ እሞ ክነፍሪ ዝዕድመና እዋን ኢና ዘሎና።
    ተመሃሮ አብ ዓውደ ትምህርቲ ዝጅምሩሉ፥ ንሓዲስ ዓመት ብግልን ብሓባርን ዝተፈላለየ ዓመታዊ መደባት ዝሕንጸጸሉ እዋን እና ዘሎና። ደቅና ብጥበብን ፍቕሪ አምላኽን ሰብን ክዓብዩ ሓላፍነትና እንሕድሰሉ ከምኡ አብ ፍቕርን ሰላም አፍረይቲ ክንከውን ከምዘሎና መብጽዓና እንሕድሰሉ እዋን እዩ።

ሓዲስ ዓመት ክአቱ እንከሎ አምላኽ አብ ኩሉ ዝነግሰሉ ተስፋ ፍቕሪ ሰፊኑ ጽልኢ ትዕቢት ኩሉ ክፍአት ዝጠፍአሉ እዩ። ሰባት ዝዕረቝሉ ጽጉም ዝዕንገለሉ፥ እሱር ዝፍትሓሉ እዋን እዩ ስለዚ ነፍሲ ወከፍና አብ ውሽጥና አቲና ክንክእል እሞ ነቲ ክንገብሮ ዝግብአና ክንገብር ፍቓደኛታት ንኹን።
ናይ ሎሚ ንባባትና ነዚ ነገራት ክንርኢ ይሕግዙና። አባል ቤተ ክርስትያን ምዃን ማለት አባል ናይ እቶም ብክርስቶስ አሕዋት ዝኾኑ ምዃን ማለት እዩ። እዚ ማለት ከአ ክርስትያን ናይ ግሊ ጉዳይ፥ጽሩይ ናይ ርእስኻ ጥራሕ ዝኾኑ ነገራት ዝሓዘ ማለት አይኮነን ወላ እኳ ብዙሓት ከምኡ እንተ ሓሰቡ። እግዚአብሔር ንቃኤል “ሓውኻ አበሎ” ኢሉ ሓቲትዎ፥ ቃኤል ከአ “አነ ሓላው ሓወይዶ ኾይነ” ኢሉ መሊሱ። ዓለምና ሎሚ መልሲ ቃኤል ዝህቡ በዚሖማ ንርእያ አሎና አብ ኩሉ ትሕመስ ንርኢ አሎና። ሓው ንሓው ክጠልም ክቐትል ከጥፍኢ ተሃንዲዱ ክኸይድ ንርኢ አሎና። ሰብ ከም እንስሳ ክሽየት ክሕረድ ንሰምዕ አሎና መንፈስ ቃኤል ንልቢ ሰባት ወሪሱ ዘመና ዘምን ጥፍአት ኮይኑ አሎ። ትምህርቲ ወንጌል ግን አነ ናይ ሓወይን ሓፍተይን ሓላፍነት ከምዘሎኒ እዩ ዝንግረና። እዚ ጥራሕ አይኮነን ምስ ኢየሱስ ዘሎና ርክብ፥ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ አብቲ ምስ ከማና ዝበሉ ሰባት ዘሎና ርክብ እዩ ዝምስረት። “ነንሓድኩም ፍቕሪ እንተ አላትኩም በዚ ደቂ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኩሉ ኪፈልጥ እዩ” (ዮሓ 13፡35)። ከምኡ “እቲ ሓደ ካብዞም ዝንአሱ አኅዋተይ አኃተይ ዝገበርክምዎ/ዘይገበርክምዎ ንአይ ከም ዝገበርክምዎ/ዘይገበርክምዎ” (ማቴ 25፡40,45)።
ብዙሓት አብ ጉዳይ ካልኦት ከይንአቱ ዓቢ ጥንቃቐ ኢና እንገብር፥ አብ ገለ እዋን እዚ ጽቡቕን ጥቕሚ ዘለዎ እዩ፥ አብ ገለ እዋን ግን ጎዳኢ እዩ። ንአብነት ንሓደ ግፍዒ ዝገብር ወይ ንሰባት ንንአሽቱ ንዓበይቲ ዝገፍዕ ሰብ እና ረአና ሱቕ ክንብል ከሎና ጉድአት አብ ልዕሊ ካልኦት ክፍጸም እንከሎ ተራና አይንገብርን አሎና። ገለ ነገራት አብ መንጎ ስድራ ዝፍጸም በደላት ንአብነት ወላዲ ንውሉዱ እንተ ዓገበ ነቲ ወላዲ አብ ቤት ፍርዲ ክተእትዎ እንከሎኻ ወላ እኳ ይበድል ነቶም ስድራ አብኦም አብ ቤት ማእሰርቲ ክአቱ ክርእዩ ወይ ክቕበልዎ ቀሊል አይኮነን፥ ስለዚ ኩነታት ርኢና እቲ ዝሓሸ ክንገብር ዝበለጸ እዩ።
ናይ ሎሚ ወንጌል ብዛዕባ አብ መንጎ ማሕበር ዝጓነፍ ጸገማት ዘይምስምማዕ ከመይ ገርና ክንፈትሖ ከምዘሎና ይዛረብ። ማቴ 18 ብምልኡ ብዛዕባ አብ መንጎ ሰባት ክህሉ ዝግብኦ ርክባትን አብ መንጎ ዝጓነፍ ምፍልላያት ከመይ ገና ክንፈትሖም ከምዘሎና ይነግር። ከም ሰባት መጠን ኃጢአተኛታት ኢና አብ ጉዕዞ ቅድስና ዘሎና ኢና አብ መንጎ ምውዳቕን ምትንሳእን አሎ፥ ኩሉ ጊዜ ጻድቃን ኢና ክንብል አይንኽእልን ኢና። አብዚ ዝተነበ ወንጌል እምብአር ንሓደ ዝበደለና ሓውና/ሓፍትና አብ ንስሓ ክምለስ ክንጥቀመሎም ዘሎና ሰለስተ አገባባት ይሕብረና። እዚ በደለ ዝብሃል ዘሎ ነታ ማሕበር አብ ዝርአ ነገራት አብ ምስክርነት ወንጌል ዝሃቦ ሕማቕ አብነት እዩ ዘመልክት።
ምሉእ ትሕዝቶ እዚ መልእኽቲ አብ ዕርቂ እምበር አብ መቕጻዕቲ ዘየተኮረ እዩ። አብ መጀመርያ ነቲ ጉዳይ ብዝክአል አንኢስካ ክርአ ከምዘለዎ እምበር ተቐላጢፍካ አብ ዘይምትዕብባይ ዘተኮረ እዩ። (አብዚ እዋን እንተ ረአና ሰባት ብንአሽቱ ነገራት አብ ዘይተደለ ፍርድን ጽልእን ክበጽሑ ንርኢ እዚ ግን ምስ ትምህርቲ ወንጌል ዝኸይድ አይኮነን)። መጀመርያ ክግበር ዘለዎ ክልተ ሰብ ነገር ነገሮም ባዕሎም ክፈትሕዎ ይግባእ፥ አብዚ ክዕወቱ እንተ ኸኣሉ እቲ ዝበለጸ ነገር እዩ። “እንተ ሰምዓካ ንሓውኻ ረባሕካዮ” ይብል። አብዚ ነቲ ዝገብሮ ዝነበረ በደል ደው ምባል ጥራሕ አይኮነን ጨሪሹ ጠባዩ አገባቡ ቀይሩ አብ ምሉእ ዕርቂ ምስቲ ዝበደሎ ሰብ ክምለስ እንከሎ እዩ ዘስምዕ።
ምናልባት እቲ ዝበደለ ንሓዉ ምስማዕ እንተ አበየ ካልኦት ንምስክርነት ክኸውን ምስኡ ሓደ ወይ ክልተ ጸዊዑ ይፈትኖ፥ ነዚኦም ምስማዕ እንተ አበየ ንቤተ ክርስትያን ይንገር። አብዚ ቤተ ክርስትያን ክብሃል እንከሎ አብታ ሰበኻ ወይ ቍምስና ማለት እዩ። ንቤተ ክርስትያን ምስማዕ እንተ አበየ ከም አረማውን መጸበሓውን ቁጸሮ። እዚ ማለት ካብ ማሕበር ከምዝወጸን ከም ሓደ ማንምን ዘይወዲ ማሕበር ቍጸሮ ይብል። አብዚ ክነስተውዕሎ ዘሎና ቂምታ ክንሕዝ ወይ ክንጸልኦ ዘይኮነ ንጥቕሚ ማሕበር ኢልና ነቲ ዕርቂ ዘይደሊ ሰብ ካብ ማሕበር ትግልሎ። አብዚ ተነቃፊ ነገር ስለ ዝኾነ ዓቢ ምስትውዓል የድልዮ ምኽንያቱ እዚ ሰብ እዚ ገለ ጭብጢ ወይ ሓቂ ዘለዎ ነገራት ነታ ማሕበር ዝነግሮ ወይ ዝብሎ ክህልዎ ይክአል እዩ ስለዚ ተቐላጢፍካ ምስጓግ ወይ ምርሓቑ ንሓደ ሰብ አብ ዝኸፍአ ጸገም ከውርድ ይክአል እዩ።
ሰባት ካብ ቤተ ክርስትያን ዝስጎጉ ነታ ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን አብ ተልእኮአን መስካሪት ወንጌል ምዃናን እንተ ዓንቀፉን ጥራሕ እዩ። አብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ብዙሓት አበው ንብዙሓት ከምዚ ዝአመሰለ ዕንቅፋት ምስ ገበሩ ወጊዞሞም እዚ እዩ ንሕና ከም ቤተ ክርስትያን ክንገብሮ እንኽእል። ሓደ ንቤተ ክርስትያን አብ ትምህርታ እንተ ዓንቀፈ ንትምህርቲ ክርስቶስ ብዕሊ እንተ አበየ ሽዑ ንውግዞ።
ኢየሱስ አብ ምድራዊ ሕይወቱ ምስ ዝሩጋትን ኃጥአንን መጸብሓንን መኽፈልቲ ቀረጽን ርክብ ይገብር ከምዝነበረ ወንጌል ደጋጊሙ ይነግረና እዚ ብኸመይ ንርእዮ? ኢየሱስ ነዚኦም ሰባት ክቀርቦም እንከሎ አብኦም ሓደ ነገር ምስ ረአየ ጥራሕ እዩ፥ ካብቲ ዘለውዎ ሕይወት ክቕይሩ ድላይ ምስ ዝህልዎም፥ አብ ልቦም ክምለሱ ንዝሓለፈ ኃጢአቶም ሓዲጎም አብኡ ክምለሱ ምስ ወሰኑ ጥራሕ እዩ ዝቕበሎም ዝቐርቦም ዝነበረ። ኢየሱስ ምስ ኃጥአን ኮፍ ዝብል ዝነበረ ካብ ጻድቃን ንላዕሊ የፍቅሮም ነሩ ማለት አይኮነን አብ ሓቀኛ መገዲ ክመልሶም ኢሉ ጥራሕ እዩ። ነታ አብ ዝሙት ዝተረኽበት ሰበይቲ ክምሕራ እንከሎ ዝበላ “አብ ኃጢአት ካልአይ ጊዜ አይትመለሲ” እዩ ኢልዋ። እቲ ጥፉእ ወዲ አብኡ ዝተቐበሎ ንዝሓለፈ ሕይወቱ ርእዩ ስለ ዝኸአለ እሞ አብ ቤት አብኡ ስለ ዝተመልሱ እዩ ተቐቢልዎ። ዝኾነ ኃጢአተኛ አብ ልቡ ተመሊሱ ብኃጢአቱ ተኣሚኑ አብ አምላኽ እንተ ቐረበ አምላኽና ሓዳግ አምላኽ እዩ።
ሓደ ወይ ሓንቲ ካብ ቤተ ክርስትያን ዝስጎጎ አብቲ ጸረ ቤተ ክርስትያን ጠባቱ/ታ እንተ ጸንዐ/ት ጥራሕ እዩ፥ ማለት ምምላስ እንተ አበየ/ት እዩ። ቤተ ክርስትያን ነቶም ከምዚ ዝአመሰሉ ሰባት ካብ ቅ. ቍርባን ካብ ምስጢራት ትኽልክሎም ምኽንያቱ አብ ሕይወት እቶም ሰባት ምስ ትምህረተ ወንጌል ዝጻረርን ከምኡ በቲ ዝገበርዎ ኃጢአት ነቲ ዝጎድእዎ ቅ. ቍርባንን ክቕበሉ ምድላይን ክልተ ተጻራሪ ነገራት ስለ ዝኾነ እዩ። እዚ ክቕየር እንተ ኾነ እቲ ኃጥእ ሰብ ሕይወቱን ግጉይ ተግባራቱን ክቕይር እንተ ኸአለ ጥራሕ እዩ። ሓንሳብ ምስ ተነስሐን ምስ ተመልሰን ቤተ ክርስትያን ብዓቢ ሓጎስ አእዳዋ ዘርጊሓ ትቕበሎ።
“አብ ምድሪ ዝአሰርክምዎ ዘበለ አብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ. . . . .” እዘን ቃላት እዚአን ዝሕብርኦ እታ ማሕበር ካብ አምላኽ ምስቲ ንሓደ ምስታ ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነት ሓደ ዝገብሮ ፍርዲ ክትህብ ምሉእ ስልጣን ከምዝተዋህባ እዩ። እዚ ስልጣን እዚ ንሓድነት ማሕበር ከም መስካሪት ወንጌል ኮይና ክትከይድ ዓቢ ተራ አልኦ። ብአንጻሩ ኸአ ነዚ ስልጣን ተጠቒምካ ዘየድሊ ውሳኔታት ክትገብር ዓቢ ፈተና አለዎ ስለዚ ኩሉ ጊዜ አብ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተመርኲስካ ክግበር አለዎ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።
“ክልተ ወይ ሰለስተ ኾይኖም ብስመይ አብ ዝተአከቡሉ አነ ኸአ አብ ማእከሎም አሎኹ እሞ ክልተ ኻባኻትኩም አብ ምድሪ ብዝልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሰማምዑ ካብቲ አብ ሰማያት ዘሎ አቦይ ኪወሃቦም እዩ” ክርስትያን ብስም ክርስቶስ እሞ አብ ሓቅን ፍቕርን ተመስሪትና ዝኾነ ጸሎት ድዩ ወይስ መጽናዕቲ ወይ እውን ውሳኔ ክንገብር እንከሎና ክርስቶስ አብ ማእከልና ኮይኑ ይዛረብን ይገብርን። እዚ ዓቢ ህያብን ዓቢ ሓላፍነትን እዩ ንማሕበር ክርስቶስ። ብሓደ ክንከውን ድላይ ክርስቶስ እዩ ብሓደ ምስ እንኸውን ጥራሕ እዩ ክርስቶስ አብ መንጎና ዝህሉ። አብ ዝተፈላለየ ሕብረተሰብ አብ ዝተጻልአ ስድራ ቤት ህላዌ አምላኽ አብ መንግኦም ቀሊል አይኮነን።
ጳውሎስ አብ ዝተነበት መልእኽቱ ብዛዕባ ፍቕሪ ጸቒጡ ይዛረብ። ፍቕሪ ንኹሉ ክርስትያናዊ ሓላፍነት ትጥርንፍ። “ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኮይኑ ምስ ሓደ እኳ ዕዳ አይሃልኹም ምኽንያቱ እቲ ንብጻዩ ዘፍቅር ንሕጊ ፈፊምዎ እዩ” (ሮሜ 13፡8)። ትእዛዛት ብዘይ ፍቕሪ ክንፍጽሞም እንከሎና (ክንገብሮ ዝክአል እዩ) ፈሪሳውነት እዩ። አነ ብሓቂ ንሓደ ሰብ ዝግደሰሉን ዘፍቅሮን እንተ ኾይነ ሽዑ ንትእዛዛት እፍጽሞም አሎኹ ሽዑ ንአምላኽ እውን አፍቅሮ አሎኹ ማለት እዩ። አብቲ ሓወይን ሓፍተይን ዘድልዮም ነገራት ክርኢ አሎኒ፥ ንርእሶም ክጎድኡ ወይ ንካልእ ሰብ ክጎድኡ ክርእዮም ከሎኹ ሱቕ ክብል የብለይን ክሕግዞም ክዛረቦም ካብ ጌግኦም ክምለሱ ክሕግዞም ስርሐይ እዩ።
አብ ሕዝቅኤል ነብይ “ንስኻ ንሓደ ኃጥእ ሰብ ሕይወቱ ምእንቲ ክድኅን ካብ ክፉእ መገዲ ክምለስ እንተ ዘይተዛረብካዮ እዚ ሰብ እዚ ብሰሪ ኃጢአቱ ኺመውት እዩ፥ ደሙ ግና ኻባኻ ኽደልዮ እየ” (ሕዝ 33፡8” ዝብል ነንብብ። አነ ናይ ሓወይን ሓፍተይን ሓላዊ እየ። ግን ብምሉእ አይኮነን። ቀጺሉ አብ ሕዝቅኤል “ግናኸ ነቲ ኃጥእ ካብ ክፉእ መገዱ ኺምለስ እንተ አጠንቀቕካዮ ንሱ ኸአ እንተ ዘይተመልሰ ንሱ ብሰሪ ኃጢአቱ ኺመውት እዩ ንስኻ ግና ናጻ ኢኻ” (ሕዝ 33፡9) ዝብል ነንብብ። ንሓወይ ሓፍተይ ካብ ኃጢአቶም ክድሕኑ ክሕግዞም ሓላፍነት አሎኒ እንተ ኾነ ሓላፍነተይ ምሉእ ብምሉእ አይኮነን፥ ነፍሲወከፍ ናይ ርእሱ ድሕነት ሓላፍነት አልኦ። እቲ ናይ መጨረሽታ ውሳኔ አብ ርእሱ እዩ ዘሎ። ሓደ ምስማዕ ዝአበየ ሓላፍነቱ የብልናን ባዕሉ እዩ ሓልፍ ነፍሱ ምኽንያቱ ብግልን ብማሕበርን ዝክአል ስለ ዝተገብረሉ አብዩ/አብያ ስለ ዝኾነ።
እምብአር ካቶሊካዊ እየ ምባል ዘስምዖ ምስ አምላኽ ዘሎካ ርክብ ርኢኻ ምኽአል እዩ፥ ሓላፍነተይ “ንነፍሰይ ምድኃን” እዩ። ግን እቲ እንኮ መገዲ ንነፍሰይ ከድሕነሉ ዝኽእል ከም አባል ናይ እታ እተፍቅርን ሓላያትን ማሕበር አብ ክርስቶስ ዝሓበረት ብምዃን ጥራሕ እዩ። አብ ገሊኡ እዋን እዚ ምሕላይ ወይ ምግዳስ ንሓደ ሓውና/ሓፍትና ምስቲ ወንጌል ዝሓቶ ነገራት ገጽ ንገጽ ከምዝራኻብ ምግባር እዩ። ንሓደ ዘይክርስትያናዊ ነገራት ከምዘይርአና ኮና ክንሓልፎ የብልናን። አብ መንጎና ሰይጣናዊ ነገራት እናዘርአ እና ረአና ሱቕ ክንብል እንከሎና ወይ ፈሪሕና ወይ እውን ወገና ኮይኑ ሸለል እንተ በልና ንሓቂ ደፊና ንአምላኽ ዘሕዝን ነገራት ስለ እንገብር አባና ትምህርተ ወንጌል የለን።
ከም ማሕበር ክርስቶስ አብ ነነድሕድና ጥዑያት ክርስትያን ክንከውን ሓላፍነት አሎና። አብ ሕብረተሰብ ዝገጥሙ ብፍላይ አብ ቅድመና እንርእዮም ነገራት ከም ዝርጋን፥ ዝተፈላለየ ዓመጽ፥ ወገንነት፥ ፍልልይ፥ ምዝመዛ ዝአመሰሉ ሱቅ ክንብል እንከሎና መንነትና ዘንጊዕና አሎና። እዞም ከምዞም ዝአመሰሉ ነገራት አብ ናይ ግልና ኑዛዜ ጥራሕ እንዛረበሎም አይኮኑን ዓው ኢልና ክንቋወሞም ነቶም ከምኡ ዘዘውትሩ ሰባት አግሂድና ክንቋወሞም አሎና። ፈሪሕና ወይ እውን አብ ጥቕሚ ተመርኲስና ንሓቂ ክንደፍና የብልናን። አብታ ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን እቲ ዝለዓለ ዕርቂ ብደረጃ ማሕበር ክኸውን እንከሎ ጥራሕ እዩ። እዚ ኸአ እዩ ናይ ሓንቲ ማሕበር ከም አካል ሰውነት ክርስቶስ ክትገብሮ ዘለዋ።
ሎሚ አምላኽ ዝሓተና ዘሎ ሓውና ሓፍትና አብ ዘለውዎ ቦታ ከድና አብ አምላኽ ክነቕርቦም ብጥምቀት ዝአቶናዮ ኪዳን እዩ እሞ ንሓውና ንሓፍትና አብ ቤቱ አብ ቤተ ክርስትያና ክንመልሶ ናይ ነፍስወከፍና ተልእኮ እዩ። ክርስትያን ሎሚ ከም ሊላ ዝአተወን ጨቐዊት ፋሕ ኢልና ዝኽትምና መንፈስ ወሪሱና ዘሎ ኢና እንመስል ዘሎና እሞ እስከ አብዚ ሓዲስ ዓመት ብሓዲስ መንፈስን ብሓዲስ ሕልናን ንእተዎ ዝተረፈ አምላኽ ባዕሉ ክምልአልና እዩ።
ርሑስ ሓዲስ ዓመትን ቅዱስ ዮውሓንስ!
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.