2014-09-03 10:13:53

ስብከት ር.ሊ.ቃ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብግዜ ዕረፍቲ ሐጋይን ሐዋርያዊ መገሻታትን እቲ ንግሆ አብ ቤት ጸሎት ቅድስቲ ማርታ ተቋሪጹ ከም ዝነበረ ክዝከር ከሎ ፡ ትማሊ ንግሆ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን አብ ዝተረኽብሉ መስዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብዚ ቤት ጸሎት ቅድስቲ ማርታ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ስብከት ፡ ስብከተ ቅዱስ ወንጌል ዘተኮረ ከም ዝነበረ ክምልከት ከሎ ፡
ስብከተ ቅዱስ ወንጌል ብጸብለልነት ፍልጠት ዘይኮነ ብትሕትና ክብሰር ከም ዘለዎ ጠቂሶም ሐይሊ ቃለ እግዚአብሔር ባዕሉ እግዚአብሔር ከም ዝኾነን ክፉት ልቢ ዘለዎ ከም ዝቅበሎን ክአ አመልኪቶም።አተሐሒዞም ናይ ዕለቱ ቅዱስ ወንጌል ተመርኲሶም ክአ ቅዱስ ጵውሎስ ቅዱስ ወንጌል ዝስብከልኩም ብጽቡቅ ቃላት ብክትዕ ዘይኮነስ ሐይሊ መንፈስ ቅዱስ ኢየ ዝነግረኩም ዘለኹ ከም ዝበሎም አዘኻኺሮም። እምነትኩም አብ ፍልጠት ወዲ ሰብ ዘይኮነስ አብ ሐይሊ እግዚአብሔር ክኸውን ስለ ዘለዎ ብማለት ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ ከም ዝገለጸሎም ክአ አገንዚቦም።ስለዚ ስብከተ ቅዱስ ወንጌል ብቃላት ፍልስፍናን ሳይናስን ፍልጠትን ዘይኮነስ ብትሕትናን ብሐይሊ መንፈስ ቅዱስን ከም ዝብሰር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሰቢኾም። ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ምኲራበ አይሁድ ናዝሬት ንመጽሐፍ ቅዱስ አመልኪቱ ክግለጽ እንከሎ እቶም ብዕድመ ክንድኡ ዝኾኑ መጀመርያ ከም ዘድነቅዎን ድሐር ግን ክቀትልዎ ከም ዝደለዩን አብ መጽሐፍ ቅዱስ ተመርኲሶም ጠቂሶም ምኽንቱ ቃለ እግዚአብሔር ካብቲ ሰብ ዝጠቀመሉ ቃላት ፍልይ ከም ዝኾነ ስለዝተረድኡ ኢሎም ። ኢየሱስ ክርስቶስ ብርእሱ ቃለ እግዚአብሔር ከም ዝኾነ ክአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አገንዚቦም ። ንኢየሱስ ክርስቶስ ምቅባል ቃለ እግዚአብሔር ምቅባል ከም ዝኾነ አመልኪቶም ክአ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ቅዱስ መጽሐፍ አብ ሚስጢራቱ ከም ዝርከብ ከም ትምህረና ክአ አመልኪቶም።ስለዚ ወትሩ ቅዱስ ወንጌል ምንባብ ምስ መድኀኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምርኻብ ማለት ከም ዝኾነ ክአ አተሐሳሲቦም።አተሐሒዞም ቅዱስ ወንጌል ምንባብ ንክትምሀር ማለት ድዩ አይኮነን ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምርኻብ ንሱ አብ ቃለ እግዚአብሔር ስለ ዘሎ ብማለት አብሪሆም።
ቅዱስ ውንጌል ብትሕትና ብንጽሕና ብጽሞና ክበብ ከም ዝግብኦ ጠቂሶም ክአ እዚ ቅዱስ መጽሐፍ”ዚ ሕጊን ፈሪሃ እግዚአብሔርን ከም ዝምህረና እዚ ዘይውንን ክእ ውጹእ ክርስትያን ኢዩ ክብሃል ከም ዘይክአል አፍሊጦም።ኢየሱስ ክርስቶስ ትሑትን ድኻን ከም ዝኾነ ክንዝክር ከለና ንድኻታትን ንጽጉማትን እንህቦ ምጽዋት ክአ ንዕኡ ከም ዝተገብረሉ ጌሩ ከም ዝወስዶ ከም ዝነገረና ክንዝንግዕ ከም ዘይግብአና አገንዚቦም። ዝትፈኹም ምእመናን ቅዱስ ወንጌል ክፍለየና ምስኡ ጥቡቅ ርክብ ክህልወና ከም ዝግባእ ክአ ንምእመናን ተማሕጺኖም ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ረፍዲ ናይ ሉክሰንበርግ ንግስቲ ማሪያ ተረዛ አብ ቦዝኒያ ሄርዞጎቪና አብ ሞንተ ነግሮ ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ወኪል ብጹዕ አቡነ ሉዊጂ ፐጹቶ አብ ቫቲካን ቪሲታ አድሊሚና ማለት ሐዋርያዊ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለዉ ናይ ካመሩን ብፁዓን ጳጳሳት ብኸፊል ብቅደም ተኸተል ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብዎም አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አፍሊጡ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.