2014-08-30 16:06:13

ብፁዓን ጳጳሳት ፊሊፒንስ፦ስግኣት ምስፋሕ ኣኽራርነት ሃይማኖት ምስልምና


RealAudioMP3 ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት እቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ዝሰመየ ጅሃዳዊ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልም ዘስፍሖ ዘሎ ጽልእን ዓመጽን ኣውጊዞም እቲ ኣብ ዒራቕ ዝረአይ ዘሎ ህሉው ኩነታት ኣዚዩ ዘተሓሳስብን ጸረ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ እውን ከምዝዀነን ማንም ካባኻ ብዓሌትን ሃይማኖትን ዝተፈልየ ንምንጻል ኰነ ንምጥፋእ መሰል የብሉን ከምዝበሉ ካብ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝተውሃበ መግለጺ ዝጠቀሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ ናይቲ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ ወንበር ብፁዕ ኣቡነ ሶክራተስ ቪለጋስ ኣብ ፊሊፒንስ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቶም ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ቀረባ ከምዝዀነትን እቶም መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ጅሃዳውያን ኣብ ዒራቕ ዘስዕብዎ ዘለዎ መከራን ዓመጽን ኰኒኖም ንውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዒራቕ ብመንፈስ ቀረባ ከምዝዀኑ ከምዘረጋገጹ ሓቢሩ።
ዓመጽን ቅትለትን ምስያፍን ዝዀነ ይኹን ዓመጽ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ፊሊፒንስ ኰኒኖም ብሓቂ እቲ ዝረአይ ዘሎ ቅትለትን ምስያፍ ርእስን ብሓቂ ጸረ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ሃይማኖት እዩ፣ ሃይማኖት ዘተባብዖ ተግባር እውን ኣይኰነን ከምዝበሉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ ብስም እግዚኣብሔር ምዕናውን ምቕታልን ምስዳድን ሃይማኖት ናይ ዓመጽን ሞትን መጋበሪያ እዩ ዝብል ዓይነት ኣነባብራ ሃይማኖት ጸረ ሃይማኖትን እግዚኣብሔርን ከምዝዀ፣ ኣብ ፊሊፒንስ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቲ ኣብ ፊሊፒንስ ዘሎ ብኣቡ ሳያፍ ዝምራሕ ጉጅለ መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ነቶም ሃገረ ምስልምና ቢሎም ገዛእ ርእሶም ዝሰመዩ ኣብ ዒራቕን ሶሪያን ንዘለዉ ጅሃዳውያን ደገፍ ከምዘቕረበን እቲ ምስ መንግስቲ ፊሊፒንስ ዝተሓባበርን ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ስምምዕ ሰነድ ዝፈረመ ፊሊፒናዊ ሞሮ እስላማዊ ናይ ነጻነት ግንባር ነቲ ሃገረ ምስልምና ከምዝዀነነ ብፁዓን ጳጳሳት ፊሊፒንስ ገሊጾም፣ ብዙሓት ፊሊፒናውያን ኣባላት መኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ምስቶም ኣብ ዒራቕን ሶሪያን ዘለዉ ኣሸበርቲ ጂሃዳውያን ጎድኒ ኰይኖም ክዋግኡን ደገፎም ንምቕራብን ናብቲ ከባቢ ከምዝኸዱ ድማ ሓቢሮም መንግስቲ ፊሊፒንስ እቶም ናብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነቕሉ ዜጋታቱ ዝምልከት ፍሉይ ናይ መንነት መትሓዚ ፍሰነድ ብዝተራቐ መራኸቢ ነርቨቭ ኣቩክይ የሰናድው ከምዘሎ ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት መግለጺ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.