2014-08-28 16:03:51

ዝኽሪ መብል 15 ዓመት ዕረፍቲ ብፁዕ ካርዲናል ሄልደር ካማራ


RealAudioMP3 ዕለት 27 ነሓሴ ቅድሚ 15 ዓመት እቶም ውሩይን ፍቑርን ኣብ ሕይወቶምን ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶምን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ድኻታት ማእከል ገይሮም መላእ ሕይወቶም ንድኻታት ዘወፍዩ ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ሄልደራ ካማራ ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወለዱሉ ዕለት ምዃኑ እንክዝከር፣ እነሆ ድማ ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካን ብራዚልን ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፍሉይ ዝኽሪ መበል 15 ዓመት ኣብ ሰማያዊ ቤት ልደቶም ብዓቢይ ባህላውን መንፈሳውን ዓውደ ጉባኤታትን ከምእተፈጸመ እንክሕበር፣ ኣብ መንጐ ነፍሰ ኄር ካማራን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ተመሳሳልነት ኣሎ ዶ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብታ Popoli-ኣህዛብ” እተሰምየት ብኢየሱሳውያን ማሕበር እትሕትመ መጽሔት ሰነዳዊ ሓሳብ ዝደረሱ ኣባ ጀሮላሞ ፋዚኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ “ኣብ ብራዚል ብዙሕ ጊዜ ኣብ ዝፈጸመዎ ተልእኾን ብፍላይ ድማ ኣብዚ እዋን ነፍሰ ሄር ካማራ ንምዝኻር ኣብ ዝክየዱ ዘለዉ መደባት ብሓቂ መንፈስ ብፁዕ ካርዲናል ካማራ ህልው ምዃኑ ተዓዚበ፣ እዚ ተዘክሮ’ዚ ድኽነት ምስ ድኻታት ዝብል ድኻታት ዘማእከለ እቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶሳዊ ተልእኾ ዘነቓቕሕ እዩ፣ እዚ መንፈስ’ዚ ካማራ መንእሰይ እንከለዉ ዝነብርዎ ሕይወት ኣይነበረን እንታይ ድኣ ካብ ምልዋጥ ዝተዓደልዎ ጸጋ እዩ፣ ልክዕ ናይ ብፁዕ ኣቡነ ሮሜሮ ሕይወት ዝምሳሰል እዩ። ብፁዕ ካርዲናል ካማራ ዘደንቕ ሕይወት እዮም” እንክብሉ ገሊጾም፣ ሕይወት ብፁዕ ካርዲናል ካማራ ከገልግል እምንበር ክእዝዝ ዘይበለ ካብ ላዕሊ በሪኽ ወንበር ኰይኑ ዝእዝዝ ዝሰብኽ ወይ ከኣ ዘመልክት ዘይኰነስ ካብቲ በሪኽ ወንበር ወሪዱ ኣብ ድኻታትን ምስ ድኻታትን ክርስቶስ ምምሳል ዝነበረ ሕይወት ከምዝኾነንን፣ ንሕዝብን ብፍላይ ድማ ነቶም ዝተናዕቁን ዝተረስዑን ኣብ ደጋዊ ክፍለ ከተማታትን ተነጺሎም ንዝነብሩ ዝሓስብን ዝነብርን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብቓልን ብሕይወትን ዝነበሩ ምዃኖም እዚ ድማ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝመሳሰል መንፈስ እዩ። ካብቲ ሕሉፍ ዘበለ ኩሉ ተቖጢቦም በቲ ንሕይወት ኣገዳሲ ብዝኾነ ነገር ጥራሕ እናነበሩ ብሓቂ እታ ናይ ወሰናስን ቤተ ክርስቲያን እተሰምየት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያኖምን ዝነበሩላ ቤትን ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈቶም ክትርእይ እንከለኻ ቅዱስ ኣቦና ዝነብርዎ ዘለዎ ሕይወት ኣውን ምዃኑ ትርዳእ፣ ሰብኣውነቶም እቲ ካልእ ካባይ ንላዕሊ እዩ ቢልካ ኣብ ቅድሚኡ ትሕት ምባል ብሓቂ ኢየሱስ ምምሳል ዝብል ውሳኔ የመሳስሎም፣ ዘይማዕርነትን ኣድልዎን ምግባረ ብልሽውናን እናወገዙ ሕውነትን ፍቅርን ማዕርነትን ፍትሕን ዕርቅን ብቓልን ሕይወትን እናመስከሩ እቲ ንኢማዕርነትን ኢፍትሓውነትን ዝድርኽ ምኽንያት ኣለሊኻ ብምግጣም ፍትሕን ማዕርነትን ሕውነትን ምርግጋጽ ዝብል ውሳኔ መርሕ ሕይወቶም ገይሮም ኩሉ ኢፍትሓውነትን ኢማዕርነትን ድኽነትን ሕሰምን መከራን ክቃወም ብቓልን ሕይወትን ኣብነት ኰይኑ ክርከብ ብቓልን ሕይወት ዝመርሑ ወዲ ቤተ ክርስቲያን እዮም እዚ መንፈሳውነት’ዚ እዚ ድማ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሳስሎም ከምዝኾነ ገሊጾም ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.