2014-08-28 16:00:55

ብፁዕ ካርዲናል ቫሊኒ፦ ሓድሰት ፍጥረት ዝገብር መገዲ መስቀል እዩ


RealAudioMP3 ናይ ሮማ ተግባር መንፈሳዊ ንግደት ማሕበር ብዘዳለዎ መደብ ካብ ሰበኻ ሮማ ዝተዋጽኡ ምዕመናን ብናይ ሮማ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጐስቲኖ ቫሊኒ ተሰንዮም ኣብ ሉርድስ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ መንፈሳዊ ንገድ የካይዱ ከምዘለዉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፣ ብፁዕነቶም ዕለት 27 ነሓሰ 2014 ዓ.ም. ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፦ “ኣብዚ ናይ ሓሙሽተ መዓልቲ መንፈሳዊ ንገደት እንፍጽሞ ዘሎና ጉዕዞ፣ ኣብቲ ሓደስቲ ፍጥረት ክንከውን ዘብቅዓና መገዲ መስቀል ከነተኵር ይግባእ፣ እዚ ማለት ድማ ሓደስቲ ፍጥረት ኰይንና መታን ክንትስእ ከምቲ ምእንታና ኣብ ሓጢኣትና ሞይቱ ሓደስቲ ፍጥረት ዝገበረና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሓጢኣትና ምሟት ይግብኣና ስለዚህ እቲ ብኢየሱስ ዝቐረበ ኣስተምህሮ ወዲቑ ክተርፍ ኣይንሕደጐ” እንክብሉ እቲ ናይቲ ዝካይድ ዘሎ መንፈሳዊ ንግደት ቀንደይና ትርጉሙ እንታይ ምዃኑ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዝገለጹ ኣመልኪቱ።
“እቲ ዋጋ ዘለዎ ረባሓ ዓቢይ ዋጋ ዘለዎ ክነሱ ዋጋ ከምዘይብሉ ዘይረብሕ ገይርና ንኸይንሓድጐ ንጠንቀቕ፣ ክስቲያን ኢና፣ መንፈሳዊ ንገድት ድማ ንፈጽም፣ ኣብ ቅዱሳት ስፍራ ንግደት ንፈጽም፣ መንፈሳዊ ንገድት ፈጺምና ናብ ኣባይትና ብዙሓት ሓደስቲ ቍርጺ ፍቕዳ ኣብ ልባትና ሒዝና ኢና እንምለስ፣ ደሓር ከ ኣብ ኣባይትና ምስ ተመልስና በቲ ናይ ዕለታዊ መነባብሮና ተዋሒጥና ብዕለታዊ ኩነት ተጸቒጥና በቲ ልሙድ ሕይወት ተጐሲስና ዕለታዊ መነባብሮና ኣክንዲ ምስ ወንጌል ዝመሳሰልን ብወንጌል ዝልወጥን ወንጌል በቲ ዕለታዊ መነባብሮና ክልወጥን ክስበኽን ንጽዕር፣ እምበኣር ጐይታ እቲ ሓቀይና ናጽነት ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ክጽግወና ንለምኖ፣ እቲ ናይ ብፅዕና ወንጌል ናይ ሕይወት ክርስትና ኣዋጅ እዩ። ናይ ሕይወት ክርስትና ቅዋም እዩ። ሓደስቲ ፍጥረት ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ይሕብረና፣ ብመንፈስ ቅዱስ ምንባር ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ይገልጸልና፣ ብመንፈስ ድኻታት ማለት፣ ኣብ ጐይታ ምእማን ንጐይታ ኣብ ኣሜን ምንባር ማለት ኢዩ። ኣብ ኣሜን ምስ እንነብር ድማ ቂምን ቅንእትን ምቕርሓም ኣስናንን ቅርሕንትን ተጸባእነት ኩሉ ተገሲጹ ጸጋ እግዚኣብሔር ይፍልፍል፣ ምንባር ምስ ካልኦት ምርኻብ ኵሉ ጸጋ ይኸውን፣ እዚ ድማ በላሕትን በዓል ዓቕልን ትዕግስተይናታትን ይገብረና። እዚ እዩ ብፅዕና ማለት” ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።
ብፁዕ ካርዲናል ቫሊኒ ኣብ ብፅዕና ዝብል ክቡር ዋጋ ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፦ “ክርስቲያን ምዃንን ክርስትና ምቕባልን ማለት ኣብ ሕይወትካ ሱር በተኽ ውሳኔታትን ቁርጺ ፍቓድን ምንባር ማለት እዩ፣ ንምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ምትላልን፣ ተመሳሲልካ ምንባርን ጌጋ ክነሱ ቅቡል ዝዀነ ልማድን ዓይነት ኣነባብራን ዋላ’ኳ ንስደትን መከራን ዘቓልዕ ይዅን ኣይፋል ምባል ማለት እዩ። ናይ ፈረቓ ወይ ድማ ፍርቀ ፍርቃዊ ክርስቲያን ምዃን ዘይከኣልን እዩ፣ ሕይወት ረዚንን ሓቀይናን ህያብ እዩ፣ ስለዚህ ድማ ብደመ ነፍሲ ማለት ብባህርያዊ እንስሳዊ ድፍኢት ክምራሕ የብሉን፣ ሓድሽ ፍጥረት ምዃን ማለት ሳንቡእና ብጸጋ እግዚኣብሔር ምሊእና ብጸጋኡ ምስትንፋስን ምንቅስቓስን ማለት እዩ። ኣንሕና እንተዘይደለናን እንተዘይፈቐድናን እግዚኣብሔር ንበይኑ ኣይከድሕነናን እዩ፣ ክንመርጽ ናጻ ኢና፣ ኣብ ጉዕዞና ዕለታዊ ሕይወትና እግዚኣብሔር ከምዘይርስዓናን ንበይንና ከምዘይሓድገና ኣይንረስዕ፣ ትዕግስቲ ክህልወናን ምጽባይን ክንመሃር ይግብኣና፣ እግዚኣብሔር እሙን እዩ፣ ኣየንሳሕብን እዩ፣ ከምዚ ኰይኑ ግን ናትና መልሲ ዘድልዮ ኢዩ፣ እዚ እዩ ድማ ምልዋጥ ማለት እዚ እዩ ሓድሽ ሕይወት ማለት” ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.