2014-08-26 15:29:05

ግጥም ኵዑሶ እግሪ ንኽብሪ ቅዱስ ኣቦናን ንዘቕረብዎ ጻውዒት ሰላም ደገፍን


RealAudioMP3 ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእንቲ ሰላም ክተግሃን ሃይማኖታውን ዓሌታውን ፍልልይ ኣክንዲ ንውግእን ዓመጽን ንናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ መጋበርያ ክኸውን ቅዱስ ኣቦና ነዘቕርብዎ ናይ ሰላም ጻውዒት ንምድጋፍን ንኽብሮም ዝኣመተ ካብ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ዓሌትን ዝተዋጽኡ ዜጋታት ዘሳተፈ ግጥም ኵዑሶ ዕለት 1 መስከረም 2014 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ኦሎምፒክ ናይ ግጥም ኵዕሶ ሜዳ ክካይድ ምዃኑ ዕለት 25 ነሓሰ 2014 ዓ.ም. ኣብ ሕንጻ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ማርኮኒ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ በዓል መዝን ናይ ጳጳሳዊ በዓላት ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ጉሌርሞ ካርቸርን ናይ ጋንታ ኢንተር ተጻዋቲ ኵዕሶ ነበር ኣርጀንቲናዊ ኻቪየር ዛነቲን ናይ ጋንታ ላዚዮ ተሰላፊ ክርስቲያን ለደስማንን ናይ ጋንታ ሮማ ተሰላፊ ኽዋን ኢቱርበ ብሓባር ካብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እቲ ምእንቲ ክብርን ጻውዒት ሰላምን ዕለት 1 መስከረም 2014 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ናይ ምሸት ንሰዓት ትሽዓተ ርብዒ ጐደል ዝካየድ ግጥም ኵዕሶ ውደራ ዘይኰነስ ብሓባር ሰላም ንምቅላሕ ዝኣመተ ከምዝኾነ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ብፁዕ ኣቡነ ጉለርሞ ካርቸር ሓቢሮም ቅድም ቀዳድም ናይ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሰላምታ ኣቕሪቦም፦ “ብዛዕባ እቲ መደብ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሎሚ ንጐሆ (ዕለት 25 ነሓሰ 2014) ምስ ሓበርዎም ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ ስላም ንዘቕርብዎ ጻውዒት ከምዚ ዓይነት ምላሽ ብምርካቡ ምስጋና ኣቕሪቦም እቲ ምእንቲ ሰላም ዝካየድ ግጥም ኵዕሶ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዘነቓቕሕዎ ከምዝኾነን፣ ካብ መላእ ሃይማኖታት ዝተዋጽኡን መላእ ዓሌት ዝውክሉ ተሰለፍቲ ጋንታ ኵዕሶ ብሓባር ምእንቲ ሰላምን ዓሌታውነትን ጽልእን ክውገድን ሰብኣዊ ክቡራት ዋጋታት ንምንቕቓሕን ንምስፋሕን ዝኣመተ ግጥም ኵዕሶ ምእንቲ ሰላም እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ገና ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ቦነስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ኣብ ቅዱስ ዓመት 2000 ዓ.ም. ሰላም ዘነቓቕሑ መደባት ከምዘተባብዑ እዝክር” ኢሎም።
ኻቪየር ዛነቲ ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብቲ ግጥም ኵዕሶ ላቨዚ ፒርሎ መሲ ካልኦት ውሩያት ተሰለፍቲ ኵዕሶ ክሳተፉ ምዃኖም ገሊጾም፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኣዋን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብፍላይ ድማ ብግሊ ምስ ስድራ ቤቶም ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ምእንቲ ንጻውዒት ሰላም ዝኣመተ ከምዚ ዓይነት ግጥም ኵዕሶ ክካይድ ዝብል ሓሳብ ሓደ ካብቲ ብሓባር ዝተመያየጥሉ ነጥቢ ከምዝነበረ ድሕሪ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፣ ስፖርት መጋበርያ ሰላምን ውህደትን ምቅርራብን ምትሕብባርን ክኸውንን ሰባትን ሃይማኖታትን ዓሌታትን ቀቐራርብ ክኸውን ተስፋ እገብር ምስ በሉ፣ ምፍልላይን ቅርሕንትን ጽልእን እቲ ኣብ ዓለም ዝረኣይ ዘሎ ወጥረት ከይገማምዓና መጋበርያ ሰላም ብምዃን ንኽንብድሆ እምነ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.