2014-08-26 15:25:44

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሲኖዶስ ኣቢያተ ክርስቲያን መጠዲስትን ቫልደዝን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ቶሪኖ ከተማ ቶረ ፐሊቸ ናብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን መጦዲስትን ቫልደዝን ሲኖዶስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ፊርማ ዝተነብሮ ናይ ሕውነታዊ ሰላምታ መልእኽቲ ብናይ ፒነሮሎ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፒየርጆርጆ ደበርናርዲ ኣቢሎም ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምጅማር እቲ ሲኖዶስ ብመጋቤ ኤውጀኒዮ በርናርዲኒ ከምእተነበ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ቅዱስነቶ ኣብ መልእኽቶም ንመላእ ተሳተፍቲ ሲኖዶስ ኣቢያ ክርስቲያን መጦዲስትን ቫልደዝን ብመንፈስ ቀረባ ከምዝኾኑን እቲ ሲኖዶስ ኣብቲ መላእ ኣቢያ ክርስቲያን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምምስካርን ናይ ወንጌል ብርሃንን ሓይልን ንናይ ዘመንና ሰብ ንምውፋይ ክበቕዓ መታን ንውህደት ኣሚተን ዘካይድኦ ጉዕዞ ክምዕብል እጽልይ እንክብሉ ከምዘረጋገጹ ሓቢሩ።
እቲ ሲኖዶስ ኣብ ኢጣሊያን መላእ ኤውሮጳን ብፍላይ ድማ ኣብተን ጸረ ሃይማኖት ዝኾነ ዓለማውነት እዚ ድማ ስነ ምግባርን ትምህርትን ኣብ ሃይማኖት ኪምርኰስ የብሉን ዝብል ሃይማኖት ዝንጽል ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓለን ባህላዊ ቅልውላውን ኣሉታዊ ለውጥን ኣብ ዝረኣየለን ሃገራት ተመስሎ ተልእኾን ምስክርነትን ኣቢያተ ክርስቲያን መጦዲስትን ቫልደዝን ኣማእኪሉ ዝዝትይ ሲኖዶስ ዕለት 29 ነሓሰ 2014 ዓ.ም. ከምዝፍጸም እንክንገር፣ ኣብቲ መኽፈቲ ሲኖዶስ መጋቤ ክላውዲዮ ፓስኴት “ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ እታ ብኣገልግሎትን ነቲ ኣስጋኢ ዝኾነ ህርፋን ስልጣን ንትሁታን ዝጸቕጥ ምልካዊ ስልጣንን ብዅንነትን ንናይ ውልቃዊ ክብርን ሃብቲ ገንዘብ ድለባን ዝብልን ውግእ ዘተባብዕ ናይ’ዚ ዓለም ስነ መጐት ዝቃወም ናይ ክርስትና ናጽነት መገዲ ሓቢሩ እዩ፣ ስለዚህ እቲ ማሕበራውን ሰብኣውን ባህላውን መንሽሮ ብናይ ኣገልግሎትን ምድግጋፍን መንፈስ ክስነፍ መታን ኣቢያተ ክርስቲያንን ማሕበረ ክርስቲያንን ነቲ ክርስቶስ ዝሓበሮ መገዲ ክስዕቡ ዝተጸውዑ ኢያቶም” ከምዝበሉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.