2014-08-23 14:37:03

ፍልሰታ ለማርያም 2006 ዓ.ም. ነሓሰ 16 2006 ዓ. ም. (8/22/2014)


መዝሙር፡ እኅትነ ይብልዋ . . . . . ። አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት ጥዕምት በቃላ. . ።
ንባባት፡ 1ቆሮ 15፡20-27፥ ራእ 11፡19-12፡1-6፥ ግ.ሓ. 1፡12-15፥ ሉቃ 1፡39-56
ምስባክ፡ 1. ወትቀውም ንግስት በየማኒከ፥በአልባሰ ወርቅ ዑጽፍት ወሑብርት፥ ስምዒ ወለትዮ ወርኢ ወአጽምዒ እዝንኪ። “ንግስቲ ብወርቂ ተሰሊማ አብ የማንካ ትቐውም፥ ጓለይ ናብቲ ዝብለኪ ስምዒ ርአዪውን እዝንኺ ኸአ ጽለዊ” መዝ. 45፡9~10።
    ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል፥ እግዚአብሔር ውስተ ማእከላ ኢትትሓወክ፥ ወይረድአ እግዚአብሔር ፍጽመ። (መዝ. 45፡4 5)

መዝሙር፡ በቲ ካብአ ዝተወልደ መንክር ግርማ ኀይሊ ልዑል ዘጽለላ ጎይታ ሰንበት አቦ ምሕረት ዝኾነ ሎሚ ንማርያም ንውድሳ አብ ማሕጸና ጾሮቶ። ንሱ ቀደሳ ዘገርም ኃይሊ ልዑል አጽለላ፥ ብሓቂ መላእኽቲ ዓጀብዋ፥ ሓዋርያት ኦ መድኃኒት እኖና ማርያም ለምንልና ይብልዋ ነውሪ ዘይብላ መቕደስ ንጽሕቲ ማዕጾ ድኅነት፥ መላእኽቲ ናብ ሰማይ አዕረግዋ ጥዑም ቃላ ሠናይ ምግባራ ንነብያትን ንሓዋርያትን ንጻድቃንን ሰማዕታትን አብኡ ኮይና ትባርኾም፥ እናበልና ንዝምር።
ብዓለ ፍልሰታ ግብሪ አምላኽን መልሲ ማርያም ዘፍረዮ ዝተራእዮ ፍጻሜ እዩ።
1. ፍሉይ ቦታ አብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ዘለዎ ብዓለ ፍልሰታ ለማርያም ነብዕል አሎና። እዚ ፍሉይ ቦታ ዝግለጾ መጀመርያ አደ ኢየሱስ ክትከውን ብምምራጻ እታ እንኮ ሰብአዊት ወላዲቱ፥ እዚ ንማንም አብዚ ዓለም ዝነብር ዘይተዋህበ ንኣኣ ጥራሕ ዝተዋህበ ካብ ኩሎም ፍጥረት ፍልይቲ ይገብራ።
ብዛዕባ ትንሣኤ ክርስቶስ ክንርኢ ከሎና አብ ትርጉም ናይ እቲ ብዓል ብዛዕባ እንታይ ምዃኑ ንርኢ እምበር አብቲ ርድኢትና አብ ቃል ንቃል ትርጉም አይነተኩርን። አብ ፍልሰታ ማርያም ከአ ከመይን ምአስን እናበልና አይንሓስብን አብቲ ቀንዲ ምስጢሩን ዝህበና ጥቕሚ አብ ሕይወትን ትራሕ ነተኩር። አብ ማርያም ድሕሪ ሞታ ቀልጢፋ ብሥግአን ብነፍሳን ንሰማይ ፈሊሳ ኢልና ክንዛረብ ከሎና ከም ሰብ ክንርድኦ ወይ ክንቅበሎ ቀሊል አይኮነን። “ብሥግአን ብነፍሳን ንሰማይ ፈሊሳ” አብቲ ወላዲት ምዃናን አብቲ ሕራይ ብምባል አብ ኩሉ ደረጃ ዕድሚአ ዘርአየቶ እሽታ ካብ ኩሎም ደቂ ሰብ ምስ ክርስቶስ ምሉእ ሓድነት እንከለዎም ዝሞቱ ቀዳምነት አብ ክብሪ አምላኽ ከም እትረክብ ይገብራ።
ንሳ ብርግጽ ሰብ እያ ካብ ወዳ ኩሉ ጊዜ ዝተሓተት ንአና ዝቐረበት ፍጥረት እያ። ምሳና ግን እናመርሓትና አብ ቅድሚ ቅ. ስላሴ አብ ክብሪ አምላኽ ደው ተብለና። ወላ አብ ግርማ ክብሪ እንከላ እውን ብዝኾነ መገዲ ንስላሴ ዝግባእ አምላኾ አይውሃባን እዩ። ንሳ እትገብሮ አብ ዘድልየና ጊዜ፥ ብሰብኣዊ ጸሎታ ምእንታና ምልማን እዩ። እዚ እዩ ብዙሓት ዘይካቶሊካውያን እቲ ሓቂ ብዘይ ምርዳእ ከምኡ ብዙሓት ካቶሊካውያን እውን ግጉይ አገባብ ብምኽታል ነቲ ሓቀኛ እምነት ዘይነቱ ዘልብስዎ።
አብ ሕ/ት/ክ ተራ ማርያም ብጽቡቅ ተገሊጹ ንረኸቦ፡ “ንፍቓድ እግዚአብሔር አቦ ብምልአት ፈጺማ፥ አብ ናይ ወዳ ስራሕ ድኅነት ሠሚራ፥ ንኹሉ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሕሹኽታ ብምቕባል ድንግል ማርያም ንቤተ ክርስትያን ናይ እምነትን አፍቅሮትን አብነት እያ። ምእንትዚ ክአ ንሳ አዝያ ልዕልትን ብኵልንታኣ ፍልይትን ዝኾነት አባል ቤተክርስትያን እያ፥ ባሕቂውን ንሳ ናይ ቤተክርስትያን ፍጽምቲ አምሳል ኮነት” (ቍ 967)።
ማርያም ኩሉ ጊዜ አብ አገልግሎት እያ እትርከብ።
2. ናይ ሎሚ ወንጌል ብዛዕባ ማርያም ነታ ብዕድመ ደፊአ ዝነበረት ዘመዳ ኤልሳቤጥ ከምዝበጽሓታ እሞ ክልቲአን ነፈሰ ጾራት ከምዝነበራ ዝገልጽ እዩ። አብዚ ኩሉ እቲ ብዛዕባ ማርያም ቤተ ክርስትያን እትብሎ ዳርጋ ዝሓዘ እዩ።
መጀመርያ ማርያም ካብ ናዝሬት ናብ ቤት ዝካርያስ ካብ ኢየሩሳሌም ርሑቕ ዘይኮነ ንኤልሳቤጥ ዘመዳ ነፍሰ ጾር ንዮውሃንስ መጥምቕ ዝነበረት ክትበጽሕ ከም ዝኸደት ነንብብ። ማርያም አብ እንዳ ዘካርያስ ክትከይድ እንከላ ኢየሱስ አብ ከርሳ ምስአ ነሩ፥ ስለዚ ማርያምን ኢየሱስን እዮም ንኤልሳቤጥን ዮውሓንስን ዝበጽሕዎም ዘለዉ። አብዚ እንርእዮ ኢየሱስ ከገልግል ጌና አብ ማህጸን አዲኡ እንከሎ እዩ ጀሚርዎ። ከምኡ ማርያም ነዚ ትካፈሎ። ኢየሱስን ማርያምን ምስ መጹ እቲ ሕፃን አብ ከርሲ አዲኡ ብተሓጓስ ተሰራሲሩ።
ኤልሳቤጥ ብመንፈስ ቅዱስ መሊእዋ ብተሓጓስ ክተመስግን ጀሚራ፥ ናይ ማርያምን ወዳን ዕብየት ቀልጢፋ ተረዲአቶ። “ንስኺ ካብ አንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ እቲ ኻባኺ ዝውለድ ሕፃን እውን ዝተባረኸ እዩ” (ሉቃ 1፡42)። ብርግጽ ማርያም ካብ ኩሉ ፍልይቲ ዝገብራ አደ መድኃኒናን ንጉሥና ክትከውን ብምምራጻ እዩ። ኤላሳቤጥ ኢየሱስን ማርያም ምስ መጽእዋ ብመንፈስ ተላዒላ ከምኡ ወዳ ዮውሓንስ አብ ከርሳ እንከሎ። “አደ ጎይታ ናባይ ክትመጺኸ እዚ ኻበይ ኮነለይ”። ነፍሲ ወከፍና አብዚ እዋን አብዚ አብ ቅዳሴ እንከሎና ዝኸውን ነገር እዩ፥ ቃል አምላኽ ብምስማዕን አብ መአዲ ቅ. ቍርባን ክንካፈል እንከሎና ምሳና አሎ፥ አብ መንጎና ይርከብ አሎ።
ኤልሳቤጥ ፍሉይ ቃለ ምስጋና ንማርያም አስሚዓ፥ “እቲ ካብ እግዚአብሔር ዝተነግረኪ ቃል ከም ዝፍጸም ስለ ዝአመንኪ ብፅዕቲ ኢኺ” ኢላታ። እዚ አብቲ ካልአይ ናይ ማርያም እንታይነት ዝገልጽ የምጽአና። እምነታና ምሉእ ነገራ አብ አምላኽ ምግባራ እዩ። እዚ አብቲ ዘዕረገቶ ጸሎተ ምስጋና ይርአ። እቲ ዝተባህላ ወላ እኳ ብምልኡ አይትረድኦ እምበር ብዘይ ቅድመ ኩነት ብምሉእ ንመደብ አምላኽ ክትቅበል ምዃና ገሊጻ። “ከም ዝበልካኒ ይዅነለይ” በለት።
ጸሎተ ምስጋና ማርያም አብነት ንኹልና እዩ።
3. ድሕሪ እዚ ኩሉ ታራ ማርያም እዩ ዝግለጽ “ንአምላኽ ምምስጋን”። አብቲ ጸሎተ ምስጋና ማርያም ኢልና እንጽውዖ ቤተ ክርስትያን ኩሉ ጊዜ አብ ናይ ምሸት ጸሎት ቅድሚ ውዳሴ ማርያም ናይ ዕለቱ ንደግሞ። አብዚ ጸሎተ ምስጋና ንማርያም አብ ቅድሚ አምላኽ ልዕል ዘብላ ብዙሕ ነገራት ንረክብ። “ውርደት ባርያኡ ርእዩ እዩ” ማርያም ትሕቲ ዘይተመርዓወት ጓል አብ ሓንቲ ብዙሕ ዘይትፍለጥ ዓዲ ካብቲ ሮማውያን ዝገዝእዎ ውጽእ ኢላ እትርከብ እያ ትነብር ነራ። “ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሠናይ ኪርከብ ይክእል እዩ” ናትናአል ንኢየሱስ አብ ናዝሬት ከም ዝረኽብዎ ምስ ነገርዎ ዝበሎ። አብ ሓዲስ ኪዳን እቲ ዘደንቕን ድንቂ ነገራት አብቶም ትሑታትን ዘይዓበይቲ ነገራትን እዩ ራእይ አምላኽ ዝርአዮም። ዕብየት ማርያም ካብቲ አብ ቅድሚ ሰባት ካብ ዘለዋ ደረጃ አይ ኮነን ዝመጽእ፥ እዚ አብ ቅድሚ አምላኽ ሓንቲ ጥቕሚ የብሉን። እቶም አብ ዝተሓተ ደረጃ ዝርከብ አብ ናይ እዚ ዓለም ነገራት ቀዳምነት ዘይህቡ አብኡ እዩ ናይ አምላኽ ነገር ዝርአ። “ካብ ሕጂ ንድሓር ኩሎም ወለዶ ብፅዕቲ ኺብሉኒ እዮም”። እዚ ንትዕቢት አይ ኮነን ተባሂሉ እኳ ድአ አብ ትሕትና ዝተመስረተ ምስጋና እዩ፥ ብርግጽ ከአ ካብታ ዝተባህለታ ዕለት ንድሓር ብዕሊ ጀሙሩ። ብርግጽ ዝዓበየን ዝበለጸን ጸጋ እዩ አደ መድኃኔ ዓለም ክትከውን ከላ። ስለምንታይ ማርያም ተመሪጻ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና ማርያም ንርእሳ ነዚ ቀዳመይቲ እትሕቶ እዩ ስለምንታይ አነ? አምላኽ ስለ ዝደለዮ ጥራሕ እዩ እምበር ብግብራ ወይ እውን ብወለዳ ምኽንያት ዝተዋህባ አይኮነን። ዝኾነ ይኹን ማርያም ወላ እውን መልሱ አይትፍለጥ ነገር አምላኽ ስለ ዝኾነ በቲ ዝተገብረላ ዕብየትን ዝተባህላን ተሓጒሳን አመስጊናን።
ካልእ ናይ ማርያም ሕርየት ዝገልጾ ናይ አምላኽ ድለት አብ ልዕሊ ድኻታት፥ ድኹማት፥ ትሑታት አብ ሕብረተ ሰብ፥ ግፉዓትን ማዕረ ዘይርአዩን አብ ቅድሚ አምላኽ ዝበለጹ ተቐበልቲ ፍቕሪን ሓልዮትን ምዃኖም ይገልጽ። ማርያም ነዚ አብቲ ናይ መወዳእታ ጸሎተ ምስጋንአ ትገልጾ፥ “ብቅልፍሙ ኃይሊ ገበረ፥ ንእቡያት ሓሳባት ልቦም በተነሎም፥ንኃያላት ካብ ዝፋናቶም አውረዶም፥ ንዝተዋረዱ ኸአ ልእል አበሎም፥ ንጥሙያት ብበረኸት አጽገቦም፥ ንሃብታማት ጥራይ ኢዶም ሰደዶም”።
እቶም ሃብታማትን ሓያላትን አብ ጊዜ ማርያም ዝነበሩ ሕጂ አበለዉ? ብዓልመን እዮምከ? መብዝሕትኡ ጊዜ ካብ ተዘክሮ ጠፊኦም እዮም እታ ንእሽቶይ ጓል ናዝሬት ግን ጌና አብ ምሉእ ዓለም ብኽብሪ ትዝከርን ትኸብርን አላ።
ዕብየት ማርያም ዝግለጽ አብቲ ዝሃበቶ መልሲ እዩ።
4. ዕብየት ማርያም አብቲ አብ ልዕሊአ ዝወረደ ጸጋን ክብርን ጥራሕ ደው አይ በለን። እዚ ልዕሊ ኩሉ ዝተዋህባ ህያባት እዩ ንሳ ተቐባሊት እምበር ንኽትረኽቦ ኢላ ዝገበረቶ የብላን። ሓደ እዋን አብ ወንጌል ከም እንረኽቦ ሓንቲ ሰበይቲ አብ ምብንጎ እቲ ህዝቢ ኮይና ነቲ ኩሉ ኢየሱስ ዝገብሮን ዝብሎም ምስ ሰምዐትን ርአየትን “እታ ንአኻ ዝጾረት ማኅጸንን ዘጥበዋኻ አጥባትን ብጹአት እየን” ኢላቶ። ኢየሱስ ትቕብል አቢሉ “ብጹአንስ እቶም ቃል አምላኽ ሰምዖም ዝፍጽምዎ እዮም ኢልዋ”። ብኻልእ አዘራርባ እግዚአብሔር ዝሃበና ጸጋ አይኮነን ዓበይቲ ዝገብረና አገባብ አቀባብላናን አብ ግብሪ ክነውእሎም እንከሎናን እዩ ዓበይቲ ዝገብረና። አብ ቋንቋና ሎሚ እውን ንብሎ ኢና “ንአኻ ዝጾረት ማኅጸን ክንደይ ክብርቲ እያ . . . . እናበልና አድኖቆት ወላዲት በቲ አብ ውሉዳ ዝርአ ግብሪ ነድንቓ። አብዚ ንማርያምን ንዮሴፍን ክንርኢ ከሎና አብ ምድራዊ ሕይወት ኢየሱስ ዝዓበየ ጽልዋ ነርዎም።
ዕብየት ማርያም አደ ኢየሱስ ክትከውን ብምራጻ አይኮነ ንእንታይ ድአ እቲ ምሉእ ብምሉእ ብእምነትን ብምሉእ ሓላፍነትን ነቲ ዝተባህላ ዘስዕቦ ብዘየገድስ ከምዘሎ ብምቕባላ እዩ። ብርግጽ አደ ኢየሱስ ብምዃና እትረኽቦ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ወላ ሓንቲ አፍልጦ አይነበራን። ከምወዳ ንርእሳ ንምሉእ አገልግሎት ወዳ ፍቓደኛ ኮይና፥ ሎሚ ነቲ ዝገበረቶ ካብ ኩሎም ደቂ ሰብ አብ ዝለዓለ ቦታ ተቐሚጣ አብ ሰማይ ዓስባ ናይ ዝተቐበለትሉ ዘኪርና ነብዕል አሎና። እዚ አብታ ቀዳመይቲ ንባብና መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቀሮንጦስ ብተዘዋዋሪ መገዲ ተገሊጹ ንረኽቦ። ጳውሎስ ብዛዕባ ትንሣኤ ክርስቶስ ክዛረብ እንከሎ እቲ ቀንዲ ከምዝኾነ ይዛረብ። “ክርስቶስ ካብ ሙታን ተንሥኤ በዚ ኸአ ናይቶም ዝሞቱ በዅሪ ትንሣኤ ኾነ”። እናበለ ናይ ክርስቶስ ትንሣኤ ምንጪ ትንሣኤና ከምዝኾነ ይነግረና። ቀጺሉ ከምዚ ይብል፥ “ኸምቲ ኵላቶም ብአዳም ዝሞቱ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ሕያዋን ኪኾኑ እዮም፥ ግናኸ ነፍስወከፍ በብመስርዑ እዩ”።
አብ ራእይ ዮውሓንስ እነንብቦ ምዛዕባ ማርያምን ቤተ ክርስትያንን እዩ ዘመልክት።
5. አብ ራእይ ዮውሓንስ ንሎሚ ዘንበብናዮ ከምሓደ መግለጺ ብዛዕባ ክብሪ ማርያም ገርና ክንርእዮ ንኽእል። መጀመርያ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ አምላኽ አብ ሓዳስ ኢየሩሳሌም አብ ውሽጣ ናይ ታቦተ ኪዳን መእተውን ግልጸትን አብ ውሽጣ ይናገር። እታ ቀዳመይቲ ታቦት ጣውላ ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐት አብ ውሽጣ ጽላት ትእዛዛት ዝሓዘት አብ ቅድስተ ቅዱሳት ከም ማሕላ አምላኽ ኪዳኑ ምስ ህዝቡ ዝሓዘት እያ። እዚአ አምሳል ቤተ ክርስትያን አብ ሓዲስ ኪዳን ቀዋሚት ማኅደር አምላኽ አብ መንጎ ህዝቡን እያ። እዚ ነዚ ሎም እነብዕሎ ዘሎና ፍልሰታ ማርያም ከስምዕ ይክእል ምኽንያቱ ማርያም ነቲ ሓዲስ ኪዳን ዝገበረ ወሊዳቶ በዚ ምኽንያት ክንጽሊ ኮለና “ኦ ጽላተ ኪዳን” ንብል።
ቀጺሉ ብዛዕባ ናይ እታ ሰበይቲ ካብ ሰማይ ዝተራእየት ይገልጽ። እዛ ሰበይቲ ተባሂላ ዘላ “እስራኤል” ካብአ እቲ መስሕ ዝተወለደን እታ ማሕበር አብኡ ዝአመነት የስምዕ። እቲ መግለጺ ባዛዕባ እታ ሰበይቲ ብዙሕ ጊዜ ንማርያም ከምዘመልክት አብ ምስልታትን አሳእልን ንርእዮ። “ፀሓይ ዝተወንዘፈት፥ ወርኂ ብእግራ ዝረገጸት፥ ዓሰርተ ክልተ ኸዋኽብቲ ከም አኽሊል አብ ርእሳ ዝደፍአት” እናበለ ዝገልጽ ንማርያም የስምዕ።
እታ ሰበይቲ ክገልጻ እንከሎ ጥንስቲ ነበረት ክትሓርስ ቅልውላው ዝሓዛ እያ ነራ። እዚ ነቲ ድሕሪ ወድቀት ቀዳሞት ወለድና አዳምን ሔዋን ብዛዕባ ምውላድ ሕፃን የዘኻኽረና። እዚ ኻብአ ዝውለድ ሕፃን እቲ መስሕ እዩ ንሱ ጥራሕ መራሒ ናይ እታ ሓዳስ እስራኤል ከምዝኾነ ይነግር። እታ ዝወለደቶ በቲ ዝወረደ ስደትን ጭቆናን ትሳቐ። ከም ባህሊ እምነት ማርያም ድንግል ቅድምን ድሕርን ምውላዳ እያ እንተ ኾነ እዚ ዝተባህለ ብምልኡ ንማርያም አየስምዕን እዩ።
ቀጺሉ ብዛዕባ እቲ ነቲ ሕጻን ከጥፍእ ዝመጽእ ገበል (ድራጎን) ይዛረብ። እዚ ገበል ነቲ ሕፃን ውልድ ምስ በለ ክበልዖ ይደሊ። ከም ባህሊ አይሁድ ገበል ንሓይሊ ክፍአት ዝውክል፥ ጸረ አምላኽን ህዝቡን እዩ። እቲ “ብጭርኡ ገሩ ሢሶ ከዋኽብቲ ካብ ሰማይ ስሒቡ ናብ ምድሪ ደርበየ” ዝብል ነቶም ንሰይጣን ንአኡ ዝተኸተሉ አጋንንትን ድሕሪ ውድቀቶም ናብ ገሃነም ናይ ዝወረድዎ እዩ ዘስምዕ። እታ ሰበይቲ ዝኾነ ኾይኑ እቲ ሕፃን ተወሊዱ፥ ንሱ ውሉድ ስለ ዝኾነ ንኹሎም አሕዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ። ንሱ እቲ ብተስፋ ዝተጸበይዎ መስሕ እዩ። ውልድ ምስ አበለቶ ሽዑንሽዑ ናብ ሰማይ ተመንጢሉ ኸደ። እዚ ንዕርገትን ዓወትን ናይ እቲ መስሕ ድሕሪ እቲ ስዕረት ገበል ዝኾነ የስምዕ።
ድሕሪዚ እታ ሰበይቲ ናብ ምድረ በዳ ሃደምት ይብል፥ አብ ትውፊት እዚ ዘስምዖ ነቶም ብሰንኪ እምነቶም ዝስደዱ የስምዕ። እታ ሰበይቲ ድማ 1260 ኪከናኸንዋ ናብቲ አምላኽ ዘዳለወላ ተወስደት፥ እዚ ምስቲ ብእዋኑ ዝነበረ ስደት እምነት የመልክት።
አብዚ ክነስተውዕሎ ዘሎና እቲ ጸሓፋይ ብቐጥታ ብዛዕባ ማርያም አይኮነን ዝዛረብ ዘሎ ንኹሉ ብቐጥታ ንማርያም ዝምልከት እዩ ክንብሎ አይንኽእልን ኢና። እንተ ኾነ ማርያም አደ ኢየሱስ እቲ ብሰውነቱ ናይ አምላኽ ህላዌ አብ መንጎና ከምዝቕጽል እትገልጽ እያ። ማርያም ሕጂ አብ መንበር ክብሪን ብኹሉ ተሸሊማን አብ ቅድሚ ወዳን አብኡን መንፈስ ቅዱስን ትርከብ አላ።
ሎሚ ምስአ ኮና ንሕጎስ አሎና። አብ ዝጸወዓና መዓልቲ ኸአ ምስአ ኮና አብ ክብራ ክንሳተፍ ንትስፎ አሎና። ሎሚ ነፍሲ ወከፍና አብዚ ምድራዊ ጉዕዞ እንከሎና ክትጽልየልና፥ አብ ኩሉ ብእምነትና ጽኑዓት ኮና ክንጉዓዝ፥ እሙናት አርድእቲ ኮና ክነብር ሓግዝና ንበላ። አብ ኩሉ ሕይወትና ንድላይ አምላኽ አለሊና ክንክእል እሞ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ንኹሉ ብአምላኽ ዝመጸና ክንቅበል ሕራይ ክንብል ሓግዝና ንበላ።
ርሑስ ብዓለ ፍልሰታ ለማርያም ናይ ሰላምን ዕርቅን ንኹልና!ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ







All the contents on this site are copyrighted ©.