2014-08-07 18:27:14

መንገዲ ብፅዕና፤


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ድኅሪ ናይ ሳምንታት ዕረፍቲ ነቲ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ እንደገና ብምጅማር እቲ ሓዲስ ሕዝበ እግዚአብሔር ዝኾነ ናይ ሓዲስ ኪዳን ቤተ ክርስትያን ምንጪ ሕይወትን መምርሕን እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መጀመርያ ዘስተምሃሮ መንገዲ ብፅዕና ምዃኑ ብሰፊሑ ተንቲኖም፣
ልዕሊ ሽድሽተ ሺሕ ዝኾነ አብ አደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ አብ ዝተረኽቡሉ ናይ ትማል ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስነቶም “ሽሕኳ ስለዘይለምድናዮ ከም ዓሠርተ ትእዛዝት እግዚአብሔር ብቃልና እንተዘይደግምናዮም ክርስትያን ናይ ምዃንን ከም ክርስትያን ናይ ምንባርን ትርጉም ንኅልናና ዘብርሁ ጐ.ኢ.ክ ዝመሃሮም መንገዲ ብፅዕና ዝኾና አብ ወንጌል ማቴዎስ ሓሙሻይ ም ዕራፍ እንረኽበን ኢየን” እንክብሉ ዝገለጽዎ እቲ ኢየሱስ አብ መጀመርያ ትምህርቱ አብ ር እሲ እምባ ኮይኑ ብመንፈስ ድኻታት ብፁ ዓን ኢዮም እናበለ ዝዘርዘረን መንገዲ ብፅዕና ዝሕብራ ቃላት ነቲ ካብ ኦሪት ጀሚሩ ብፍቅርን ትዕግሥትን እግዚአብሔር ዝሕብሕቦ ዝነበረ ሕዝበ እግዚአብሔር ቅዱስ ዮሓንስ ከአ ከም መሰጋገሪ ኮይኑ ናይ ንስሓን ጣዕሳን ለውጥን መንገዲ ብምሕባር ናብ ወጋሕታ ናይ ክርስቶስ ሕዳሴ ከመይ ገቢሩ ከምዝመርሖ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“ዮሓንስ መጥምቅ ብምስክርነቱ ገቢሩ ናብ ክርስቶስ ይመርሓና ንኽንክተሎ ከአ ይዕድመና፣ ንምኽታል ክርስቶስ ከአ ብዘይ ቃል ዓለም ትሕትና ከምዘድሊ ከማኡ ከአ ጣዕሳን ምልዋጥን መሠረታዊ ከምዝኾነ ይገልጸልና፣ ስለዝኾነ ኸአ ንክርስቶስ ክኽተል ዝደሊ ትሕትና ንስሓን ለውጥን የድልዮ፣ እንክብሉ ነቲ መንገዲ ምስ ገለጹ ንኢየሱስ ምስ ሙሴ እናነጻጸሩ ከአ ከምቲ አቦና ሙሴ ንኅሩይ ሕዝቢ እስራኤል ትእዛዛት ካብ ኢድ እግዚአብሔር ክቅበል ናብ እምባ ዝደየበ ክርስቶስ ከአ ናይ ፍቅሪ ሕጉ ንክህብ አብ ደንደስ ቀላይ ገሊላ ዝርከብ እምባ ደዪቡ ብመንፈስ ድኻታት ብፁ ዓን ኢዮም ከመይ መንግሥተ ሰማያት ናቶም ኢያ እናበለ ፍሉይ ትምህርቲ ብፅ ዕና ይምህር፣
“መገዲ ብፅ ዕና ነቲ አብ ውሽጢ ልቢ ደቂ ሰባት ንዘሎ ሃረርታ ናይ ሓጐስ ንምምላሽ እግዚአብሔር ዝህቦ መምርሒ ኮይኑ ፍጽምና ናይቲ አብ ብሉይ ኪዳን ዝርከብ ት እዛዛት ኢዩ፣ ከመይ ክርስቶስ ን ኦሪትን ንነቢያትን ምል አት ክህቦም ደአ እምበር ክስ ዕሮም አይመጸን፣ ብክርስቶስ ዝመጸ ሕዳሴኸስ ኩሉ አብዘን ቃላት እዚኤን ይርከብ፣ ስለዝኾነ ከአ መንገዲ ብፅ ዕና ናይ ክርስቶስ ሕይወት ይገልጻ ናይ ሓቀኛ ሓጐስ መንገዲ ከአ አብ አን ይርከብ፣ ንሕና እውን በቲ ኢየሱስ ዝህበና ጸጋ ነዚ መንገዲ እዚ ክንክተሎ ንኽእል፣ እንብሉ ናይ ሓቀኛ ሓጐስ ምንጪ ምስ ገለጹ፣ ንኩሎም አብቲ አዳራሽ ዝነበሩን ብቀጥታ ብመራኸቢ ብዙኃን ዝከታተልዎም ዝነበሩን ከአ በብሓደ ደድሕሪኦም ክደግመውን አዘዙ፣
“ብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዚጒህዩ፡ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
ጽሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን፡ ብጹኣን ኢኹም።” ብማለት በብሓደ ደገምወን፣
ቅዱስነቶም ካብዚ ብምቅጻል ንኩሎም ዝኸውን ዕዮ ገዛ ነዛ አብ ላዕሊ ዝጀመርዋ ወንጌል ማቴዎስ ሓሙሻይ ምዕራፍን እታ አብ መወዳእታ ፍርዲ ንኩልና እትቀርብ መምዘኒት ጠምየ ነረ አብሊዕኩምኒ እናበለት ናይ ምሕረት ሥርሓት እትዝርዝር ም ዕራፍ ዕሥራን ሓሙሽተን አጽን ዕወን ክብሉ ተላበው፣
“አብ ፍርዲ ናይ ጐይታ ምስ ቀረብና መምለጢ ዝኾነና ሽመት ወይ ዘሕለፍናዮ ኢድ ወይ ፍሉይ ክብሪ አይክህልወናን ኢዩ፣ ሽዑ ዋና መለለዪና አብዚ ምድሪዚ እንከሎና ንጐይታ አብ ድኻታት ሕሙማት ስደተኛታት ጽጉማት ዝሳቀዩ አለሊናዮስ ገለ ዝገበርና እንተዀና ጥራይ ኢዩ፣ መምዘንን መፍረድን ናይ ክርስትናን እዚ ኢዩ፣ ስለዝኾነ ከአ ሕጂ ግዜ እንከሎና ዕለት ዕለት ሕይወት ክርስትና ንክነብር ኢየሱስ ይ ዕድመና አሎ፣ ንመንገዲ ብፅ ዕና ብምንባብ ሕይወትና ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ንውስን ንመበል 25 ም ዕራፍ ወንጌል ማቴዎስ ብምንባብ ከአ ዕለት ዕለት ክንገብሮ ዘሎና ናይ ምሕረት ሥራሓት ንፈልጥ፣ ምናልባት ቀሊል ክመስል ይኽ እል ግን ብጭቡጥ ክንገብሮ ዘሎና ኢዩ፣ ብዘረባ ዘይኮነ ብተግባር ክብሉ ተማሕጺኖም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.