2014-07-29 18:28:53

ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ ቤተ ክርስትያን ጴንጠቆስጤ ንዕርቂ;


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ መቀጸልታ ናይቲ አብ ካሰርታ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ አብቲ ከተማ ናይ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ጴንጠቆስጤ ንዕርቂ ኃላፊ ፓስተር ጆቫኒ ትራቲኖ ንክበጽሑ ከምዝኸዱን ፓስተር ጆቫኒ ትራቲኖ ካብ ቀደም አትሕዙ አብ ቦነስ አየርስ ዝጀመረ ናይ ግሊ ዓርኮም ምዃኑን ተመልኪቱ፣ አብቲ ርክብ ከባቢ ክልተ ሚእቲ ሰባት ከምዝተራኸቡን ቅዱስነቶም ከአ ንሥራሓት መንፈስ ቅዱስ አመልኪቶም “መንፈስ ቅዱስ ዝተፈላለዩ ህያባት ይ ዕድል ኮይኑ ግን ናይ ሓድነት ምንጪ ኮይኑ ሓደ ዝገብር እውን ንሱ ኢዩ” እንክብሉ አዘኻኺሮም፣
እቲ ርክብ ሕውነት ዝዓሰሎ ብጣዕሚ ሃንጺ ከምዝነበረን ፓስተር ጆቫኒ ትራቲኖን ንሶም ዝመርሕዎም ማኅበረ ክርስትያንን ድሙቅ አቀባብላ ከምዝገበሩሎምን ካብቲ ቦታ ዝመጸና ዜና እንከመልክት ፓስተር ጆቫኒ ትራቲኖ አብ ምቅባል ክቡር ጋሻኦምን ዓርኮምን ዝኾኑ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብ ዘስም ዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ እዚ ዚስ ዕብ ይርከቦ፣
“ዝተፈቶኹም ሓወይ ዝኸበርኩም ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በዙይ ዝገበርኩምልና ምብጻሕ ሓጉስና ወሰን የብሉን ዘይተጸበናዮን ዓቢይ ትዕድልትን ኮይኑ ቅሩብ ዓመታት አቀድም አቢልካ ከምዚ ዓይነት ምብጻሕ ዘይሕሰብ ኢዩ ነይሩ፣ አብ ገጽ ሕጻናትን ሽማገለታትን መን እሰያትን ሥድራቤታትን ከምት ዕዘብዎ ሓጐስና ወሰን የብሉን ብልቢ ንፈትወኩም፣ ሓንቲ ነገር ክትዝክሩ እላበወኩም ከም ፍራንቸስኮስ ክንጥምተኩም ከሎና ንሕና ወንጌላውያን እውን ከይተረፍና ብ አኹም ንድነቅ ብዙሓት ካባና ከአ ስለኹም ንጽሊ፣ ብዙሓት ካባና ናይ መንበረ ጴጥሮስ ጳጳስ ኰንኩም ምሻምኩም ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ቢልና ን አምን፣ እንክብሉ አድናቆቶምን ፍቅሮምን ዝገልጽ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ አስሚዖም፣
ከምዝዝከር ፓስተር ጆቫኒ ትራቲኖ አብቲ ንዓለም ምሉ እ ዘዛረበ አብ ሜዳ ኦሊምፒክ ናይ ሮማ ብመንፈስ ቅዱስ ናይ ምሕዳስ ማኅበር ዘሰናደዎ ር.ሊ.ጳ ከይተረፈ ዝተሳተፍዎ ጉባኤ ተሓድሶ እውን ተረኺቦም ነሮም፣ ቀዳም ንካቶሊካውያን በጺሖም እንደገና ንአኦም ክበጽሑ ንካሰርታ ብምምላሶም አድናቆቶምን ምስጋናኦምን ድሕሪ ምግላጽ ከአ “ከማኹም ምስ ዚአመሰሉ ሰባት ን አና ንክርስትያን ብሓቂ ተስፋ አሎና” ክብሉ ዕግቦቶም ብምግላጽን አብ ክርስቶስ ዝተመሥረተ ሓድነት ክርስትያን ርሁቅ ከምዝይኮነን ብምግላጽ ዘረባኦም ደምደሙ፣
ቅዱስነቶም እውን ብወገኖም መንፈስ ቅዱስ ዝተፈላለዩ ውህበት ደአ ይ ዓድለና እምበር አብ ቤተ ክርስትያን ሓድነት ዝፈጥርስ ንሱ ኢዩ ብማለት ነዚ ዚስዕብ ቃል ሂቦም.
“አብ ቤተ ክርስትያን መንፈስ ቅዱስ ዝተፈላለየ ውህበታት ይዕድል፤ እዚ ፍልልያት እዚ ብጣዕሚ ሃብታምን ተባሃግን ኢዩ ኮይኑ ግን ደሓር ንኩሉ አብ ሓደ ዝጥርንፎ ሓድነት ዝፈጥር መንፈስ ቅዱስ ኢዩ፣ ሓደ ዝፈትዎ ዓርከይ ወንጌላዊ ዝጥቀመላ ቃል ክደግም ደስ ይብለኒ “እዚ ፍልልይ እዚ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተወሃሃደ ኢዩ”፣ ሓድነት ክንብል እንከሎና ኩሉ ሓደ መልክዕ ይሃልዎ ማለት አይኮነን ከመይ መንፈስ ከምቲ አብ ላዕሊ ዝበልክዎ ክልተ ነገር ኢዩ ዝገበር ዝተፈላለዩ ውህበታት ይዕድል ንኩሉ ውህበታት ከአ የወሃህዶ፣ ሓድነት ክርስትያን ክንብል እንከሎና ከአ እቲ ዘሎ ፍልልያት ብመንፈስ ቅዱስ ንክወሃሃድን ሓደ ክኸውንን ንጽዓር ማለትና ኢዩ፣” ድሕሪ ቢሎም ምናልባት እዚ ንሶም ዝገበርዎ ምብጻሕ ማለት ሓደ ር.ሊ.ጳ ዚአክል ንሓደ ናይ ሓንቲ ማኅበር ክርስትያን ናይ ወንጌላውያን እሞ ከአ ጴንጤቆስጣውያን ምብጻሖም ከይገርመና ከአ ከምዚ ቢሎም፣
“ምናልባት ሓደ ሰብ ‘ኦይ ር.ሊ.ጳ ከአ ናብ ወንጌላውያን ከይዶም’ ቢሉ ክግረም ይከአል ኢዩ፣ ኮይኑ ነሕዋቱ ክበጽሕ ኢዩ ከይዱ፤ ንኩሉኹም ብልቢ አመስግነኩም፤ ሓደራኹም ምእንታይ ጸሎት ግበሩ ብዘይመጠን የድልየኒ ኢዩ እንተወሓደ ሕማቅ ሰብ ከይከውን ምእንታይ ጸልዩ እግዚአብሔር ይሃበለይ” ክብሉ ዘረባኦም ደምደሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.