2014-07-24 17:41:08

ምስክርነት ሚርያም፤


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ብናይ ጣልያን ሰዓት አቈጻጽራ ሰዓት ሓደ ናይ ቀትሪ ነታ ድሕሪ ብዙሕ ውጻእ ውረድ ብሽምግልና መንግሥቲ ጣልያን ካብ ሱዳን ክትወጽእ ዝኸአለት ሚርያም ምስ ሥድራቤታ አብ ቅድስት ማርታ ተቀቢሎም ከምዘዘራረብዋ ተመልኪቱ፣
ታሪኽ ናይዛ ዓለም ምሉእ ዘዛረበት ሚርያም ያሕያ ኢብራሂም ኢሻቅ አብ ዝሓለፈ ዜናታትና ከምዝተኸታተልክምዎ ብምኽንያት እምነታ ንነዊሕ እዋን ሰለስተ እስትንፋስ ሒዛ ማለት ወዲ ሓደ ዓመት ወዳ ካብአ ክፍለ ስለዘይተኻእል ጓል ሾመንተ ወርሒ ከአ አብ ከርሳ ሒዛ ዝተአሥረትን ዝተገርፈትን ክርስትና ክሒዳ ናብ ምስልምና እንተዘይተመልሰት ከአ ድሕሪ ሕርሳ ነታ ዕሸል ን ዓመት ምስ አጥበወት ክትቅተል ተፈሪዳ ዝነበረት ኢያ፣ ዓለም ምሉእ ኡይ እናበለ ብሰንሰለት ተአሢራ እንከላ ጓል ሓሪሳ፤ ድሕሪ ብዙሕ ልመናን ዲፕሎማስያዊ ዘተን ነጻ ምስ ተለቀት ካብ ሱዳን ክትወጽእ አብ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሔት እንደገና ሓለዋ ጸጥታ ሱዳን ሒዞማ፣ አብዚ ጊዜ እዚ መንግሥቲ ጣልያን መንጎኛ ብምዃን ንነዊሕ ግዜ ምስ ጸዓረ ፍረ ጻዕሮም ሎሚ ንግሆ ብፍልይቲ ናይ መንግሥቲ ነፋሪት ብናይ ጣልያን ናይ ወጻኢ ጉዳያት ምኽትል ሚኒስተር ላፖ ፒስተሊ ተሰንያ ምስ ደቃን በዓል ቤታን አብ ወታሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቻምፒኖ ናይ ሮማ አብ ዝወረደትሉ ጊዜ ናይ ሃገረ ጣልያን ፕረሲደንት ረንዚ ምስ በዓልቲ ቤቶምን ሚኒስተራትን ተቀቢሎምዋ፣
ምስ ር.ሊ.ጳ አብ ዝተራኸበትሉ ጊዜ በዓል ቤታ ዳኒኤል ዋኒ ወዲ ሓደ ዓመትን ፈረቃን ወዳ ማርቲንን እታ ቅድሚ ክልተ ወርሒ አብ ቤት ማእሰርቲ ዝተወልደት ሕጻን ማያን ብናይ ጣልያን ወጻኢ ጉዳያት ምኽትል ሚኒስተር ላፖ ፒስተሊ ተሰንያ ነበረት፣
ምስ ቅዱነቶም ንፍርቂ ሰዓት ዚአክል ተዘራሪቦም፣ እቲ ርክብ ውሉዳዊ ፍቅሪ ዚዓሰሎ ከምዝነበረን ቅዱስነቶም ከአ ንሚያምን ሥድራቤታን በቲ ዚሃብዎ ተባዕን ጽኑዕን ምስክርነት ናይ እምነት አመስጊኖም፣ ሚርያም እውን ብወገና ነቲ ቅዱስነቶም አብ ቤት ማእሰርቲ እንከላ ዘመሓላልፍዎ ዝነበሩ መል እኽትን ናይ ተስፋን ምጽንናዕን ቃላትን ብቀጻሊ ም እንታአን ም እንቲ ካል ኦት ከም አ ዚአመሰሉ ዘዘውትርዎ ጸሎትን አመስጊና ከማኡ እውን አብነቶምን ሓደራኦምን ተቀቢሎም ዘጸናን ዕዋን ም እንታአ ዝጸልዩ ሰብ ካል እ እምነትን ሰብ ጽቡቅ ድላይን አመስጊና፣ አብቲ ጊዜ ርክብ ናይ ር.ሊ.ጳ ፍሉይ ጸሓፊ ሞንሲኞር ዮሓኒስ ጋይድ ከም አስተርጓሚ አገልጊሎም፣
አብ መወዳእታ ቅዱነቶም ነቶም ነዛ ውጻእ መዓት አሰንዮም ዝመጹ ኢጣልያውያን አመስጊኖም፣
ቅዱስነቶም ነዙይ እንክገብሩ ክገልጽዎ ዝደልዩ ነገር እንተሃልዩ ንኩሎም ብምኽንያት እምነቶም ዝሳቀዩ ዘለው ምናዳ ከአ እቶም ክርትያን ብምዃኖም ስደትን ዓጸባን ዝወርዶም ዘለው ብፍሉይ ከምዝዝክርዎምን ከምዝሓልዩሎምን ም እንታኦም ወትሩ ከምዝጽልዩ ንምግላጽ ኢዩ እንክብል ምስዚ ዜና እዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ መግለጺ ቅድስት መንበር አመልኪቱ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.