2014-07-12 16:07:06

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣሕዛብ


RealAudioMP3 ዕለት 10 ሓምሌ ብሑቡራት መንግስታት ዓለም ውሳኔ መሰረት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣሕዛብ ዝሕሰበሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፣ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቅላሊ ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን ናይታ ልዕሊ 7 ሚሊያርድ ሕዝቢ ዝሓዘት ዓለም መሰረተ መጻኢ ንምሕናጽ ኣብ መንስእሰይ ወለዶ ዓቕምን ሃብቲ ገንዘብን ምውፋር ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ዓለም ልዕሊ 2 ሚሊያርድ ዝግመቱ መንእስያት ከምዘለዉን፣ መብዛሕቲኡ ብድኽነትን ዘይማዕርነትን ብዓመጽ ሰብኣዊ መልሰን ክብርን ዝተጠቕዐ ከምዝዀነ ባን ኪ ሙን ኣብ መልእኽቶም ሓቢሮም፣ ብሉጽ ዓለምን ናይ ሓባር ብሉጽ መጻኢ ዓለም ንምሕናጽ ንመንእሰይ ናይ ክንክን ጥዕናንን ክንክን ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ምርግጋጽ ወሳኒ ምዃኑ ከምዝሓበሩ እንክምልከት፣ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ናይ መንእሰያት ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ክቡር ኣባ ዥዋው ቻጋስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ፦ “ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዝብልዎ ንናይ መንእሰይ ጉዳይ ዓቕምን ሃብቲ ገንዘብን ምውፋርን ኣገዳሲ ጥራሕ ዘይኰነስ ጥበብ እውን እዩ። ስለምታይ መጻኢ ዘርህው መንእሰይ ወለዶ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ናይ መንእሰይ ውዕዉዕ ተስፈይና መንፈስ ከይነጥፍእ ንጠንቐቕ፣ መንእሰይ ወለዶ ድማ ብወገኑ እቲ ውዕዉዕ ሓይሉ ከይመክን ይጠንቀቕ ካብቶም ውዕዉዕ ሓይሉ ዘምክኑ ተግባራት ይጠንቐቕ ይብሉ። እቲ ኣብ መንእሰይ ዘሎ ጦብያነት ከይድንዝዝ ንጠንቐቕ። እቲ ኣብ መንእሰይ ዘሎ ጦብያነት ምድንዛዝ ማለት ርእሰ ቕትለት ሰብኣውነት ማለት እዩ። ምእንቲ’ዚ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን እቲ ዘለዎ ውዕዉዕ ሓይልን ጦብያነት ባህርይን ምስ ጊዜ ናይ ምልዛብ ብቕዓቱን ህርኵትነቱን መስዋዕቲ እውን ዝሓትት እንተዀነ ጠሪሹ ከየደንዝዞ ክጥንቀቕ ኣለዎ” ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ካብቲ ተጠቂምካ ምድርባይ ዝብል ነጻልን ናይ ምጉሓፍ ዓመል ዘለዎ ባህሊ ክንጥንቀቕ እንከተሓሳስቡ ኣረጋውያን ዝዝንግዕን መንእሰያት ንናይ ግሊ ረብሓ መጋበርያ ዝገብርን ድኻን ህሙማንን ዝንጽል ባህሊ ክንቃወም የተባብዑና ኣብ ቀረባ እዋን ንናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ልዕለዎት ኣካየድቲ ስራሕ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዎ ዘረባ፦ እቲ ተጠቂምካ ምድርባይ ዝብል ባህሊ ንምውጋድ ዓለማዊ ስነ ምግባር ኣገዳሲ እዩ። ስለምታይ እዚ ጸያፍ ባህሊ’ዚ ናይ ሞት ባህሊ እዩ። ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ ከምቲ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ሪዮ ደ ጃነይሮ ዝበልዎ ‘ናይ ሞት ባህሊ ብዓውታ ሓላፍነት ብዘለዎ ተባዕ መንፈስ ተቓወሙ’ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃል ከምቲ ባዕሎም ዝበልዎ መንእሰይ ካብ ሰገነት ተዓዛቢ ሕይወት ምዃን ፈተና ክቑጠብን ናይ ሕይወት ቀንደይና ተዋሰኢ ክኸውን ይምዕዱ እዚ ድማ እቲ ህልዉ ኩነት ዘቕርቦ ብድሆ ክገጥምን ኣብዚ መዳይ ዝድግፍ ሕንጸት ክረክብ ዘተሓሳስብ መልእኽቲ እዩ። እምበአር ከስ እቲ መዓልቲ ኣሕዛብ ኣብ መንእሰይ ዘማእከለ ኰይኑ ክበዓል ብሓቂ ንብሉጽ መጻኢ ሕይወት ዓለም ተስፋ እዩ” እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.