2014-07-10 16:35:06

ሐፈሻዊ ተሐድሶ ተቅውማት ቫቲካን ፡


አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ቫቲካን ክፍሊ ኤኮኖሚ አውራ ጽሐፊ ብጹዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐል
ተሐድሶ ኤኮኖሚ ቫቲካን ዘተኮረ መግለጺ ሂቦም። ብጹዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐል አብ ክፍሊ ማኀተም ቫቲካን መግለጺ ከም ዝሀቡ ክምልከት ከሎ ናይ ዮር ባንክ ቫቲካን ቤት ምኽሪ ሐዲሽ ፕረሲዳንት ጃን ባፕቲስት ደ ፍራንሱ ቅድሚኦም ነቲ ቤት ምኽሪ ዝመርሑ ዝነበሩ ኤርንስት ፎን ፍረይበርግን ተረኺቦም ከም ዝነበሩ ካብ ክፍሊ ማኅተም ቫቲካን ዝመጸ ዜና አፍሊጡ ።ብጽቡቅ ፍቃድ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ቅድስቲ መንበር መስርሕ ተሐድሶ ተጀሚሩ ከም ዘሎ ክዝከር ከሎ እዚ መስርሕ ተሐድሶ”ዚ ብሐፈሻ ንኩለን ተቅዋማት ቅድስቲ መንበር ዚምልከት ከም ዝኾነ ይፍለጥ ። ዝኾነ ኾይኑ አብዚ ካርዲናል ጆርጅ ፐል ትማሊ ንመራኸቢ ብዙኀን ውሽጥን ወጻእን ዝሀብዎ መግለጺ ከም ዘምለከትዎ ፓፓ ፍራንቸስኮስ አብ ቅድስቲ መንበር ህጹጽ ለውጢ ክካየድ ሐቲቶም ከም ዘለዉ ጠቂሶም ብዙሕን ጽዑቅን ስራሕ ከም ዘሎ አገንዚቦም። አብዚ ግዜ”ዚ ብህጹጽ ዝጽንዑን ዘለዉ ርእሰ ጉዳያት ሐፈሻዊ ንብረት ቅድስቲ መንበርጉዳይ
ጡረታ ሰብ ሙያታት ቫቲካን መራኸቢ ብዙኀን ጉዳይ ሎ ዮር ባንክ ቫቲካን
ከም ዝኾኑ ብጹዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐል ገሊጾም። ምምሕዳር ተቅውማት ቅድስቲ መንበር መሰረታዊ ለውጢ ዘጽንዕ ብትሽዓተ ካርዲናላት ዝቆመ ቤተ ምኽሪ ከም ዘሎ ክፍለጥ እንከሎ ቤት ጽሕፈት መደብ ወይ ክእ ውጥን ምምሕዳርተመስሪቱ ከም ዘሎ ገሊጾም።ነዚ ፕሮጀክት ምሕደራ ቤት ጽሕፈት ዝመርሑ ብዜጋ አውስትራልያ ናይ ርእሰ ከተማ ሲድኒ ሰበካ ማነጀር ብዳኒ ኬይሲ ከም ዝምራሕ ክአ ሐበሬታ ሂቦም።ጡረታ ሰብ ሙያታት ቫቲካን ዘተኮረ መሠረታዊ መጽናዕቲ ዘካይድ ብብጹዕ አቡነ ብርያን ፈርም በርባዕተ ምእመናን ንሳቶም ክአ በርናርድ ኮታንኮ ዜጋ አውስትርያ አንድረአ ለስካ ዜጋ ጣልያን አንቶኒ ደ ሳሊንስ ዜጋ ፈረንሳ ፕሮፈሶር ኒኖ ሳቨሊ ዜጋ ጣልያን ተክኒካዊ ኮሚቴ ተመስሪቱ ከም ዘሎ ክአ ብፁዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐል ዘርዚሮም አረዲኦም ።እዚ ተክኒካዊ ኮሚቴ”ዚ አብ ውሽጢ”ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2014 ጉዳይ ጡረታ መሰረታዊ መጽናዕቲ ጌሩ ንቤት ምኽሪ ኤኮኖሚ ቫቲካን ዘካየዶ መጽናዕቲ ብጽሑፍ ከም ዘቅርብ ክአ አተሐሒዞም አፍሊጦም።መራኸቢ ብዙኀን ቫቲካን ንምልዋጥ መጽናዕቲ ይካየድ ከም ዘሎን ንዓአቶም ዝወጽገንዝብ ብምግዳል ብዝሐሸ አገባብ ክወሀሀዱ ይድለ ከም ዘሎ ብጹዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐል ገሊጾም።ነዚ ብዚምልከት አብ ውሽጢ ሐደ ዓመት ምስ ናይ ቫቲካን ክኢላታት ሐቢሩ ተቅዋማት መራኸቢ ብዙኀን ውዳቤን ውህደትን ዘጽንዕ ሀገራት ሐቆፍ ተክኒካዊ ኮሚቴ ቆይሙ ከም ዘሎን ውጥን ፕሮጀክት ከም ዘቅርብን ክአ አመልኪቶም።ነዚ ኮሚቴ”ዚ ዝመርሑ ዜጋ ብሪጣንያ ሎርድ ክሪስቶፈር ፓትን ከም ዝኾኑ ኽአ ሐበሬታ ሂቦም። አባላት ናይታ ኮሚቴ ግርጎሪ ኤርላንድሶን ዜጋ አመሪካ ዳኒኤላ ፍራንክ ዜ ጀርመን አብ ኤሪክ ሳሎቢር ዜጋ ፈረንሳ ለቲካ ሰቦሮን ዜጋ መክሲኮ ጆርጅ የኦ ዜጋ ሲንጋፖር አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙኀን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ አባል ብጹአ አቡነ ፓውል ቲገን ካልኦትን ዝሐቆፈ ኮሚቴ ከም ዝኾነ ክአ አውራ ዋና ጽሐፊ ቤት ጽሕፈት ኤኮኖሚ ቫቲካን ፡ ብጹዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐል አገንዚቦም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሎ ዮር ባንክ ቫቲካን ግልጽነት የብሉን ተባሂሉ ከም ዝተወቅሰ ክዝከር እንከሎ በቲ አብ ቅድስቲ መንበር ዚካየድ ዘሎ መሰረታዊ ለውጢ መሠረት አብቲ ባንክ ሕሳብ ምስ ዝነበሮም ዓማዊሉ ዝነበሮ ርክብ ከም ዘቋረጸን ምስ ካቶሊካውያን ተቅዋማት ከቤተ ክህነት አባላት ምስ ስበ ሙያታት ቫቲካን ከምኡ ክአ አብ ቅድስቲ መንበር ምስ ዝተመደቡ ኤምባሲታት ጥራሕ ተሐጺሩ ክሰርሕ ከም ዝውሰነ ይፍለጥ።እዚ ክአ ግልጽነትን ጽፉፍ ስራሕን ከም ዘንጸባርቅን አብዚ ግዜ" አብቲ ባንክ ሕሳብ ባንክ ዘለዎም 17.419 ከም ዘለዉን ተገሊጹ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.