2014-07-08 16:09:03

መክሲኰ፦ ብፁዓን ጳጳሳት መክሲኮ፣ መዋቕራዊ ኣገደሲ ሕዳሴ ንምጅማር ዘተ ወሳኒ እዩ


ናይ መክሲኰ ብፁዓን ጳጳስት ቤት ምኽሪ፦ መክሲኰ ናብ ቅድሚት ናይ ምጕዓዝ ዕድል ክህልዋ ግቡኣ እዩ፣ ስለዚህ ናይዛ ሃገር መጻኢ ክሕከኽ የብሉን” ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ኣገዳስነት መዋቕራዊ ሕዳሴ ከምዘመሓላለፉ ክምልከት እንከሎ፣ ሰለዚህ ኣብ መክሲኮ መዋቕራዊ ሕዳሴ መታን ክህሉ ኣብ መርሕነት ዘሎ ናይ ፖሊቲካ ውድብን ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ውድብን በቲ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ብዘቕርቦ መጋበርያ መሠረት ሃናጽ ዘተን ናይ ኵሉ ረብሓ ዘቐድም ድላይ ብዘድምዕ መንፈስ ከካይዱ ብፁዓን ጳጳሳት መክሲኮ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ምስምማዕ የድሊ ብዘይ ስምምዕ ናይ ሓደ ወገን ሃሳብ ዘንጸባርቕ ብዙሃን ናይ ፖለቲካ ውድባት ዓብላሊ ናይ ፖሊቲካ ውድብ ብዘብል ዓይነት ኣሰራርሓ ውሳኔ ምቕራብ ዘይምስምማዕ ማለት ከምዝዀነን መክሲኮ ኣብ ዓለም ብምውፋር ሃብቲ ገንዘብን ናይ ግሊን ናይ መንግስቲ ትካላትን ኣቢላ ብእተቕርቦ ምህርትን እተረጋግጾ ኵለ መዳያዊ ምዕባለ መሠረት ተወዳዳሪት ሃገር ዘብላ ሕዳሴ ምርግጋጽ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ናይ መክሲኮ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝዘርገሖ መገለጺ ሓቢሩ።
ናይ ሜክሲኮ ርእሰ ብሔር ኤንሪከ ፐኛ ኔየቶ ኣብ 2012 ዓ.ም. ውዕሊ ንመክሲኮ ዝብል ሰነድ ናይ መክሲኮ ዝተፈላለያ ናይ ፖለቲካ ውድባት ናይ ስምምዕ ፊርማኦም ንኸንብራሉ ኣቕሪቦምዎን ተቐባልነቱ ዝተረጋገጸ ሰነድ ብፁዓን ጳጳሳት መክሲኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጠቒሶም ኢቲ ናይ ውዕሊ ሰነድ ድማ መክሲኮ ማሕበራዊ ግድድፋት ዘድምዕ ብሔራዊ ምዕባለ ከተራጋግጽን ከምኡ እውን ዘለዋ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ብግብኡ ብምጥቃም ነቲ ኣብታ ሃገር ዝረአይ ድኽነት ንምብዳህን ከምኡ እውን ንመደብ ሕንጸት ኣብ ልኡላውነት ሕጊ ዝድግፍ ፖለቲካውን መዋቕራውን ሕዳሴ ከረጋግጹ ዘኽእሉ ዝርዝር ሓሳብ ዝተነብሮን ክኸውን እንከሎ እዚ ውሳኔ ንናይ ኵሉ ረብሓ ክነሱ ናይ ፖለቲካ ውድባት ዝኽተልኦ ናይ ፖለቲካ ርእዮት ቀዳምነት ብምሃብ ካብ ንስምምዕ ናብ ዘይስምምዕ ክብሉ ምርኣይ ዘሕዝን ምዃኑ ብፁዓን ጳጳሳት መክሲኮ ኣብ መልእኽቶም ሓቢሮም እዚ ዓይነት ዘይምርድዳእ ሕዝብን ሃገርን ዝሃስይ እዩ ከምዝበሉ ካብ መክሲኮ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝተመሓላለፈ መግለጺ የመልክት።
ንሓደ ሕብረተሰብ ጥዑይ ዴምክራሲያዊ ሕብረተሰብ ካብ ዘብልዎ ረቛሒታት ናይ ኵሉ ድምጺ ዝስመዓሉ መድረኽ ኩነት ምርግጋጽን ተሳትፎ ሕዝቢ ምኽዋንን ከምዝዀኑ ዝሓበሩ ብፁዓን ጳጳሳት መክሲኮ ኣብ መልእኽቶም ኣስዒቦም ይብሉ ውሱንነት ንናይ ማሕበራዊ ስኒትን ንናይ ድሕነት ሕጋውነትን ናይ መንግሥቲ መዋቕራትን ንናይ ምኽባር ሕጊ ካብ ዝብል መሰረታዊ ኣመለኻኽታ ዝነቐል ክኸውን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም ሕዝቢ ብቑዕ ሓቤረታ ረኺቡ ርእይቶኡ ከንጽርን ብዛዕባ ዝበሃል ዘሎ መዋቕራዊ ሕዳሴ ብቑዕ ኣፍልጦን ርድኢትን ክረክብ ዘኽእሎ ዕድል ክፍጠረሉን ኣተሓሳሲቦም ሕዝቢ ኣብ ፖለቲካዊ ርእዮት ጥራሕ ዝቖመ ማሕበራዊ ጥቕሚ ብዘቐድም ሓበሬታ ከይሰሓብ ምሉእ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰሉ ክሕለወሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ናይ መክሲኮ ብፁዓን ጳጳሳት መግለጺ ሓቢሩ።
ብፁዓን ጳጳሳት መክሲኮ ኣብ መወዳእታ መልእኽቶም ሓደ ካብቶም ንናይ ሃገር መዋቕር ሕዳሴ ዕንቅፋት ዝኾነ ኣብ መንጐ ናይ ፖሊቲካ ውድባትን ኣብ መርሕነትን ተቓዋሚ ናይ ፖሊቲካ ውድባት መንጐ ዘሎ ዘይምትእምማንን ሕድ ሕዳዊ ጥርጠራን ከምዝዀነ ገሊጾም ኣብ መንጐ ናይ ፖለቲካ ውድባት ሓናጽን ናይ ሕዝብን ሃገርን ጥቕሚ ዘማእከለ ናይ ሓባር ዘተ ክረጋገጽን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ናይ ፖለቲካ ርእዮት ዕርቅን ምርድዳን ክህሉን ድኽነት ንምውጋድን ምዕባለ መላእ ሃገርን ሕዝብ ዘቐድም ጠመተ ናይ ኩሉ መርሕ ክኸውን ኣተሓሳሲቦም ኣብ መግስቶምን ሕዝባዊ ባይቶ ሃገሮም ዘለዎም እምነት ኣረጋጊጾም እቶም ወከልቲ ሃገር ክብሩን ቅኑዕን ንመጻኢ ወለዶ ዘዅርዕ ተግባር ፈጸምቲ ንኽዀኑ ተመንዮምን ምእንቲ’ዚ ድማ ከምዝጽልዩ ከምዝሓበሩ መግለጺ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት መክሲኰ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.