2014-07-03 18:20:31

ሰንበት ዘክረምት፦ዘዘርእ


መዝሙር ዘክረምት፡ ደምፀ እገሪሁ ለዝናም...
ንባባት፡1ቆሮ 15፡33-51 ያዕ. 5፡16-ፍ ግ.ሓ. 27፡11-21 ሉቃ 8፡1-22ምስባክ፡ዘይገለብቦ ለሰማይ በደመና ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር፥ ዘያበቍል ሣዕረ ውስተ አድባር። “ ንሰማይ ብደመና የጎልብቦ፥ ንምድሪ ዝናም የሰናድወላ፥ አብ ጎቦታት ሣዕሪ የብቁል”። መዝ. 147፡8 ናይ ኩሉ ምንጪ አምላኽ እዩ ስለዚ ንኹሉ ክህበና ክንልምኖ ይግብአና።
ክረምቲ ኩሉ ዝሕደሰሉ ሓዲስ ተኽሊ ዝበቑለሉ እንስሳ ብአየት ዓቢረን ክሰብሓሉ ዝጅምራሉ መረት ሓጋይ ነሩ ቆጽላይ መሲሉ ንኽትርእዮ ደስ ዘብለካ ዝኾነሉ ወድሰብ ምሉእ ተስፋ ረኺቡ ዝዘርኣሉ እዋን ስለ ዝኾነ ናይ ተስፋ ጊዜ እዩ። ዳርጋ ኩሉ ፍጡር ዝሕጎሰሉ እዋን እዩ። ደቂሰብ ምሉእ እምነት አብ አምላኽ ዝገብሩሉ ጊዜ እዩ። ንኹሉ አብ ኢድ አምላኽ የንብርዎ። ዝናም እንተ ደንጎየ አደታት አቦታት ይምህለሉ እንተ በርትዐ እውን አብ አምላኽ ይምህለሉ ንቆልዑት ከይተረፈ ተማህለሉ አምላኽ ዓቕምና ክህበና እናበልና እንልምነሉ ጊዜ እዩ። ነዚ አብ አምላኽ ቀሪብና እንልምነሉ እዋን ክንጥቀመሉ እሞ ንኣኡ ዘሓጉስ ተግባር ክህልወና ክንጽዕር ክነስተንትን እዋኑ እዩ። ነዚ አመልኪቱ ናይ ሎሚ መዝሙር ከምዝስዕብ ይብል፡ መዝሙር፡ “ዝናም የድምጽ እሞ እንክዘንም ጥሙያት ይጸግቡ፥ ድኻታት ይሕጎሱ...ንሰንበት ብሰላም ቀደሳ አብ ዓዓመት ክረምቲ ይኸፍተላ” ይብል። ዝናም ብባህሪኡ አብ ተስፋ እዩ ዝወስድ። ዝናም እንተሎ ኩሉ ሕይወት ይረክብ ሰብ መጻኢ ሕይወቱ ንዓመት ዝኾኖ ቀለብ ይትስፎ። እንስሳታት ይሓውያ ከምኡ ኦም በረኻን ካልእ አትክልትን ይጥጥዕ ከምኡ ከፍሪ ይዕምብብን ይፈርን ስለዚ እዋናት ዝናም ንኹሉ እዩ ጽቡቕ። አብ ስርዓት ሉጡርግያና ካብ ሰነ 25 ሓምለ 15 ድርሰ በዐተ ክረምት “ምእትው ክረምቲ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ጊዚኡ ከም ዝሕብሮ እግዚአብሔር ምሕረቱን ሓይሉን ብናይ ባህሪ ተፈጥሮ ከምዘርኢ ከመልክት ኢሉ ብዛዕባ ደመና፥ መብረቕ፥ ዘርኢ እናጠቐሰ ይነግር።ናይ ሎሚ ሰንበት ዘዘርእ ተባሂሉ ይፍለጥ፥ ንቃል አምላኽ ከረድኣና ብኣምሳል ዘርኢ ገሩ ይዛረብ። ሉቃስ ወንጌላዊ ኢየሱስ ነዚ ምሳሌ ንህዝብን ነርድእቱን ነተን አብ አገልግሎት ሓዋርያነት ዝሳተፋ ዝነበራ አንስትን ከምዝበሎ ይነገረና። አብዚ ጥበብ ብዝመልኦ አገባብ ነቲ ቃል አምላክ ዝቕበሉ እሞ አብ ግብሪ ዘውዕልዎን እቶም ሰሚዖም ዘየውዕልዎን ፈላልዩ ይነገረና።
አብዚ ምሳሌ ወላ እኳ ዘይምቹእ ኩነታት አብ ምብቋል እንተ ገጠመ ገለ ዘርኢ ከምቲ ዝግባእ ከም ዝፈረየ ንርኢ። ሰባት ንቃል አምላኽ ከምቲ ዝግባእ ብንጹሕ ልቢ ክሰምዕዎ ከለዉ እቲ ዝድለ ፍረ እዮም ዝፈርዩ። አብ ሰለስተ ወንጌላውያን አብ ማቴ 13፡1-13 ማር 4፡1-20 ሉቃ 8፡1-15 ተጠቂሱ ንረኽቦ።
ሉቃስ ወንጌላዊ ምሳሌኡ ኢየሱስ እናሰበኸ እንከሎ ዝተዋህበ መልሲ ብምጥቃስ እዩ ዝጅምር። ቃል ኢየሱስ ድሮ አብቶም ዓሰርተ ክልተን ኣብተን ምስኦም እናሓገዛኦም ዝነበራ ሓዲሩ ነሩ እዩ። እጂ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ንቃል አምላኽ ክሰምዑን መልሲ ክህቡሉን ይነግሮም (8፡8)፥ እዚ ኸአ ብምእማንን አብ ግብሪ ብምውዓል እዩ ዝፍጸም። ምሳሌ ዘርኢ አብ ሰለስተ ከፊልና ክንርእዮ ንኽእል። 1. እታ ምሳሌ ብቀንዳ (8፡4-8)፡ 2. ኢየሱስ ብምንታይ ምኽንያት ብምሳሌ ከም እተዛርረቦም ዝገልጽ (8፡9-10)፡ 3. መግለጺ ናይ እቲ ምሳሌ (8፡15)። ንሉቃስ ምሳሌታት መግለጺ መንግስቲ ኢየሱስ እዮም። ሉቃስ አብ ኢሳያስ 6፡9-10 እናጠቐሰ ናይ ኢየሱስ ስብከት ብምንታይ ምኽንያት ክዕወት ከምዝይከኣለ ይገልጽ። ኢሳያስ ኢስራኤል ነቲ ቃል አምላኽ ዝሰብኽ ዝነበረ ጸማም እዝኒን ዕዉር ልብን ብምሃቦም ምዃኑ ይነግር። እዚ አብ እዋን ኢየሱስ ዝነበሩ እውን ከምኡ ከምዝገበሩ ይነግረና። ንቃል አምላኽ ሰሚዕካ ምኽአል፡ ናይ ሕይወት ኦም ዝኾነ ክርስቶስ ብቐጻሊ ቃላቱ ብዝተፈላለየ እዋን እና ሓንሳእ ብቅዱስ መጽሓፍ እናሓንሳእ ከኣ ብኻልኦት ጥዕቅሚ ርእሶም ዘይርእዩ ገሩ ይዛረበና ከምዘርኢ ገሩ አብ ልብና ይዘርኦ። ቃል አምላኽ ከምዘርኢ እዩ አብ ልብና ዝበቍል ስለዚ ክዓቢ ዘድልዮ ነገራ አሎ። መጀመርያ ክንሓስቦ ዘሎና ሓደ ዘርኢ አብ ሓዲስ ሕይወት ክዓቢ ናይ ምብቃል ናይ ባዕሉ ባህርያዊ ትዕድልቲ አልኦ። አብቲ ባህርያዊ ተኽእሎ ኩሉ ናይ ሓደ ተኽሊ ጠባያት ወይ ባህርያት ማለት ክንደይ ፍረ ከምዝሕዝ ክንደይ ቁመት ከም ዝዓቢ ኩሉ አልኦ። ነዚ ምስ መንፈሳዊ ሕይወትና አነጻጺርና እንተ ረኣናዮ ነፍስወከፍ ቃል አምላኽ አብ ሕይወትና ክኣቱ እንከሎ ናይ ምፍራይ ባህርያት ሒዙ እዩ ዝመጽእ። እዚ ቃል አምላኽ ከምቲ ዝድለ ክኸውን ከምቲ ንሓንቲ ዘርኢ ክትፈሪ ዘድልያ ነገራት ዘሎ ዘድሊ ነገራት ኣሎ። እቲ ባይታ ልስሉስ ክኸውን እቲ ንቃል
አምላኽ ንክቕበል ዝሰናዶ አእምሮን ልብን ክፉት ክኸው ይግባእ።
አብዚ ምሳሌ ተመስሪትና እንተ ረኤና ካብቶም እሙናት ተፈልዮም ሰለስተ ዓይነት ክርስትያን ክርኣዩ ከምዝክአል ክንርኢ፡
1. ስማውያን ክርስትያን። ንክርስትንኦም አብ ግላዊ ጥቅሞም ጥራሕ ዝደልይዎ። አብ ጥምቀት መርዓ ሞት አብ ካልእ ጊዜ ከም ዝጠዓሞም ዝኸዱ እሞ ንአምላኽ ክዝክሩ ዘይክእሉ ንስሙ ክርስትያን ዝብሃሉ። ብዕሊ ዝኸሓዱ አይኮኑን ግን ንእምነቶም ንስሙ ይነብርዎ ከም ክርስትያን እውን ይፍለጡ እንተኾነ ግብሮም ሕይወቶም ዘይክርስትያን እዩ። “ንሳቶም ካባና ኢዮም ወፂኦም ግናኸ ካባና አይነበሩን፥ ካባና ነይሮም እንተ ዝኾኑ ምሳና ምነበሩ ነይሮም፥ ግናኸ ካባና ኸምዘይኮኑ ምእንቲ ኪገሃድ ወፁ” (1ዮሓ፡፡19)። ጥዑያት ክርስትያን ኩሉ ጊዜ ጽኑዓት ዘለቕ መለቕ ዘይብሉ ንእምነቶም ዝነብርዎ እዮም።
2. ድኹማት ክርስትያን። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ “ሕፃናት ክርስትያን፥ አብ ናይ ሥጋ ነገራት ዝዘምበሉ ክርስትያን ይብሎም፥ (1ቆሮ 3፡1)። አብ ገላ 5፡16-23 ከአ ሓቀኛ ክርስትያን ክኾኖ ዝግብኦ ይነግር። “ብፍሪኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም ካብ እሾኽዶ ፍረ ወይኒ ወይስ ካብ ተኾርባ በለስ ይቕንጠብ እዩ” ማቴ 7፡፡16። እዚኦም ከምቶም ስማውያን ክርስትያን አይኮኑን ግን አልጾን ሕመቕን ጸቒጥዎም ንእምነቶም ይነብርዎ ግን ከምቲ ዝደልይዎ እዮም ዝነብርዎ።
3. ዝኸሓዱ ክርስትያን። ነቲ ሓቀኛ እምነቶም ክሒዶም ናብ ካልእ እምነት ዝአተዉ። አብ 2ጴጥ 2፡20-22፥ ዕብ 3፡8-19፥ 6፡1-6 ብዛዕባ እቶም እምነቶም ዝኸሓዱ ይዛረብ። እዚ ዝኸበደን ዘሕዝንን እዩ። ብዙሕ ጊዜ ካብ ዘይፍልጠትን ካብ ብሰይጣን ምምላኽን እዩ ዝመጽእ። ልብና ናይ ክርስቶስ ሓዲግና ናይ ሰባት ክንመልኦ ከሎና እምነትና ክንጠልም ከቢድ አይኮነን። ከምዚኦም ዝአመሰሉ ክርስትያን ዕጭኦም ንኩነኔ እዩ ምኽንያቱ ነቲ ሓቂ ዝኾነ ክርስቶስ ስለዝሓዱ ንጥፍኣት ዝዘንበሉ እዮ። ካብታ ሓቀኛ ኦም ዝተፈልየ ጭንፈር ኮይኖም እዮም ክነቕጹ ከቢድ አይኮነን።
ቃል ወንጌል ናይ ሎም እምብኣር ንክርስትናና ክነብሮ ክሕግዘና ክርስቶስ ዝዛረበና ዘሎ እዩ። ኩነታትና ገምጊምና ክንክእል እሞ አበሎኹ ከመሎኹ ዝግብኣኒ ክርስትያናዊ ሓላፍነተይ አማልእ ዘሎኹ ኢልና ሕልናንና ክንርኢ እሞ አብቲ ክነፍርየሉ እንኽእል ኩነት ክንምለስ ዝጽውዓና ቃል እዩ።
ሉቃስ አብ ምሳሌኡ ብዛዕባ መሬት ክዛረብ እንከሎ አርባዕተ ነገራት ክንሓስብ ንኽእል።• እዚ መረት ኩነታት ልቢ ሰብ እዩ ዘመልክት። ሰብ ልቡ ቦታ አምላኽ ክገብር አምላኽ ክምዝደሊ በዚ ምሳሌ ንርኢ። ኢየሱስ ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ብልቢ አስተውዒሎም ክሰምዕዎ ከምዝደሊ ዝነበረ ብገርሂ ክንርእዮ ንኽእል። ልብና ቦታ አምላኽ ማህደር መንፈስ ቅዱስ እዩ። ክፈሪ ሰናይ ዝበለ ካብኡ ክፍልፍል አምላኽ ይደልዮ። ነዚ ሕርየትዝተዓደለ ወድሰብ መልሲ ክህበሉ ትሑዝ እዩ።
• ንቃል አምላኽ ምንጻግ። ሰባት ንቃል አምላኽ ይነጽጉ። ወላ እውን ይስምዑ ልቦም ከይሰምዑ ስለ ዝዓጽዉ ክንጽግዎ አየጸግሞምን እዩ። ከምቲ አብ ከውሒ ዝተዘርአ ዘድልዮ መረትን ቦታን ስኢኑን ዝነቅጽ ከምኡ ሕይወትና ንኣምላኽ ነጺጉ ብዘይፍረ ካብ ጸጋ አምላኽ ነቒጹ ክነብር ይኽእል እዩ።
• ንቃል አምላኽ ምቕባል። ከምቲ ጥዑይ መረት ንዝዘራእካዮ ዘርኢ አብ ፍረ ዘብጽሕ ልብና ክጥዒ እንከሎ ቃል አምላኽ አብኡ ፍረ ክህብ ይክእል። ገለ ሰላሳ ስሳ ሚእቲ ክፈሪ ይክአል። ንቃል አምላኽ ክንቅበል እሞ ክነፍሪ ኩነታትና ርኢና ክንክእል አሎና።
• ኩልና ሓደ መልክዕ ክነፍሪ ከቢድ እዩ። ከምቲ መረት ዝተፈላለየ እቶት ዝህብ ንሕና እውን ዝተፈለለየ ሕይወት ስለ እንነብር ፍረና መጠኑ ይፈላለ። አምላኽ ካባና ዝደልዮ ከም ዓቕምና ክነፍሪ እዩ። ክንፈሪ እንተ ኾና ጻዕሪ የድልየና።
እዚ አብ ወንጌል ሉቃስ ተጠቒሱ ዘሎ መረት ናይ ኩልና ልቢ እዩ ዘመልክት። ነፍሲ ወከፍና ከመይ ገርና ምስ ሕይወትና ከም እነዛምዶ ክንሓስብ የድልየና። አነ ክፈሪ አምላኽ ድላዩ ምዃኑ ፈሊጠ ንቃሉ አብ ልበይ አሕዲሪ ከፍሪ ማለት ንቃሉ ሰሚዐ ሕይወተይ ብመገዱ ከምርሕ ከምቲ ንሱ ዝብሎ ክካየድ ከም ዝግብአኒ ፈሊጠ ብቐጻሊ ክጉዓዝ። አምላኽ ኩልና ልብና አእምሮና ክነሰናዱ እሞ ክነፍሪ ይደልየና። ስለዚ አብ ልበይን አእምሮይን ዘሎ ሓመድ ከመይ እዩ ክንብል
ይግብአና።
ዓለምና ፈራይት ክትከውን ኩሉና አብ መረት አምላኽ ክንወፍር አሎና። አብ ጉዕዞ ሕይወትና ከይነፍሪ ዝረባረቡና ነገራት ኩሉ ጊዜ አለዉ። ነዚ ክንወጽኦ ብሓደ ክንወፍር አሎና። አብ ጻህያይ ብሓደ እንተ ወፈርና ክነድምዕ ንኽእል ኢና።
ኩልና ከም ጽቡቕ መረት ክነፍሪ ጽዉዓት ኢና።አነ አብ ሕብረተ ሰበይ እንታይ ዓይነት ፍረ እየ ዝዘርእ። ዘርኢ ኩሉ ጽቡቕ ማለት አይኮነነን። ኳዂቶ እውን ዘርኢ አልኦ። ሓርኢ እኽሊ እውን ዘርኢ አልኦ፥ ስለዚ አነ ጽቡቕ ዘርኢ ፍርያም
መረትዶ እኽውን አሎኽ? ምኽንያቱ ጽቡቅ መረት 30፥60፥100 እዩ ዝፈሪ። ልብና እንተ ጸበቐ እንተ ቀንዐ ቃል አምላኽ አብኡ ሓዲሩ ክፈሪ እዩ። ንጹሕ ልቢ ንቃል አምላኽ ተቐቢሉ ከፍሪ ጸገም የብሉን። ልብና ብናይ ዓለም ነገር ጥራሕ እንተ ተገዝኤ ከፍሪ ጸገም እዩ። (ገላ 5፡22-24)።
አምላኽ አብ ጽቡቕ ነገር ክንሓብር ይደልየና። “ከመይ ንሕና አምላኽ አቐዲሙ ዘዳለወልና ሠናይ ተግባራት እናፈጸምና ምእንቲ ኽንነብር ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝፈጠረና ፍጡራት አምላኽ ኢና” ኤፈ 2፡10 እናበለ ቅዱስ ጳውሎስ ካብ መጀመርትኡ ንሰናይ ንጽቡቕ ሕሩያት ምዃና ይገልጸልና። ክነፍሪ እምብአር ንአምላኽ ክነፍቅር፥ ንኸማና ዝበሉ ብሓደ ልቢ ንኹሉ ክነፍቅር፥ ከምኡ ቃል አምላኽ ዝኾነ ቅዱስ መጽሓፍ ክነፍቅር ክንፈልጦ ክነንብቦ ክንርድኦ ይግብኣና። እዚ
ነገራት መሰረት ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን እዩ። ስለዚ መንፈሳዊ ሕይወትና ርኢና ክንክእል ግድነት እዩ።
ሰናይ መረት ኮይነ ዝነብረሉ እሞ ከምቲ ንስኻ እትብህጎ ከፍሪ ሓግዘኒ እናበልና ንማለል ነዚ ኸአ ይብቅዓና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ RealAudioMP3







All the contents on this site are copyrighted ©.