2014-07-02 17:31:38

ዋሕዚ ስደት


ዋሕዚ ስደት RealAudioMP3 15. ነኣኣቶም ኣብ ሕፅኒ ኣምላኽ ከነማዕቍቦም ከሎና፣ ኣምላኽ ከኣ ናባና ምልስ ኢሉ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?30 ሓውትኻ ኣበይ ኣላ? ውላድካ ውሉደኩም ኣበይ ኣለዉ?ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ይርከቡ ኣለዉ?…” እናበለ፤ ካብ ሓያሎ ዓመታት እናናሳዕ ይረአ ንዘሎ ኅልቀትን ሕልፈትን ደቅና፣ ነገር ዕላልን ወረን ጥራሕ ንዝገበርናዮ ነኣና፣ዘየቕስንን ዘየደቅስን ሕቶ የሓተና ኣሎ፣ (ታሕ.ወን. 211) መን’ዩ ዚሕተተሉ? ኪበሃል ከሎ፣ ኣብ ጭብጢ ምስ መጻእካ፣ ሓቂ ክትዛረብ ምስጀመርካ፣ ብርግጽ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዚበሃል ኣይሰኣንን ይኸውን፣ ብዓቢኡን ብሓፈሻኡን ግን ሰረቱ ነዊሕን ሰፊሕን ንዅሉ ዚትንክፍን እዩ፣ እዚ ሕቶ’ዚ ተመጢጡ፣ ሃገርናኸ ብዓባያ ኣበይ ኣላ? ኣብ ከመይ ዝበለ ሃለዋት ትርከብ?....ናብ ዚብል ከብጽሕ ግዲ እዩ፣ “ሓላው ሓወይ ድየ?” ብምባል፤ ከነምልጠሉ ዘይከኣል ሕቶ እዩ፣

16. ኣብ ጸምጸም በረኻ ኣራዊት ንሰብ ኪጻባእስ ንቡር እዩ፣ እቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ግን፣ ካብ ከም’ዚ ዝበለ ሃለዋት ስደት ዝማዕበለ፣ ንሰባት ጨዊኻ ብዘይተኣደነ ገንዘብ እትህብትመሉ፣ ዝገደደ ከኣ ሰብ ንሰብ ኣራዊት ዝኾነሉ፣ ነቲ በምሳል ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ፣ ክብሩን መሰሉን ንዘለዎ ከናቲፍከ ጠቢሕካ ጐዛዚኻ ናብ “ዕዳጋ ሓራዥ” ምውራድ... ይፍጸም ኣሎ፣ ኣብ ታሪኽ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ፣ ዘመነ ባርነትን ሕጊ-ኣራዊትን ኣብ’ዚ ስልጡን ዓለም ተመሊሱ ዝኣተወሉ ኵነታት ክትርኢ ከሎኻ፣ ናይ’ቶም ፈጸምቱ ሕሊናን ኣተናን’ኳ እንተደንዘዘ፣ እቲ ነዚ እናረኣየ ዚርከብ ዓለምከ ከመይስ ከመይ ኢሉ ተጻዊርዎ ኣሎ?? ንምቅዋሙ ንምውጋዱ’ውን ዘይምጕያዩ፣ ኣውራ ከኣ እዚ ነውራምን ኣራዊታውን ተግባር ናይ ዚፍጸመሉ ቦታን፣ ናይ ዚፍጽሙ ሰባትን፣ ናይቶም ኣብ ልዕሊኦም ዚፍጸም ግዳያትን...መንግሥታትን መራሕትን፣
ምድሪ ዘቢጦም ነዚ ግፍዕ’ዚ ንኸወግዱ እንታይ ዘይምገበሩ!! እዚ ዘስካሕክሕ ተግባር’ዚ ዘይተዓግተስ ድልየት ድዩ ማህሚኑ? ዓቕሚ ድዩ ደኺሙ? ወይ ከኣ ዝተገብረ ጻዕሪ እንተሎ፣ ጻማ ድዩ ተሳኢኑ? ወይስ መን’ዩ ረቢሑሉ? እንታይ ኢና ክንብል? ብዓቢኡ’ኳ ካብ ፍርዲ ኣምላኽ ዘየምልጥ እንተኾነ፣ ታሪኽን ግዜን ግን ከግህዶን ኪፈርዶን ዘለዎ እዩ፣ ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ሃለዋት ንምቕያር፤ ሓያልን ዝተዋሃሃደን ጻዕሪ፣ ማለት ናይ ኣተሓሳስባ ለውጥን፣ ግብራዊ ናይ ስራሕን ማኅበራዊ ኵነታትን መሠረታዊ ሕዳሴ ከም ዘድሊ ምልክታን መጠንቀቕታን ካብ ዚህብ ኣይወሓደን፣ ብመዳይ ሕጋውን ፖሊቲካውን ኣገባብ’ውን ነዚ ጕዳይዚ ኣብ ግምት ዘእተወ መሠረታዊ ሕቶን ጠለብን ክትጥምት ዚግድደካ እዩ፣ ነዚ ሸለል ምባል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ዜሕትት ምዃኑ ምዝካር ኣድላዪ እዩ፣ “ከመይ ነፍስወከፍና ነቲ ብሥጋዊ ሕይወቱ ከሎ ዝገበሮ ሠናይ ኮነ እከይ ምእንቲ ኪቕበል፣ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ክንቀርብ ኢና” (2ቆሮ.5፤10)፣ “...መሥርዕ ሓቅን ቍምነገራትን ተዘናቢሉ፤ ሕማቕን ጽቡቕን፤ ክፉእን ድሙዕን ምስ ተደባለቐ፤ ጕጅለታትን ውልቀሰባትን ረብሓኦም ጥራሕ ደኣ’ምበር፣ ናይ ካልኦት ሰባት ግዴታ ዘይብሎም ይኾኑ፣ በዚ ከኣ ወዮ ዓለምና ናይ’ቲ ሓቀይና ሕውነትን ስኒትን ቦታን ባይታን ምዃኑ የቋርጽ፣ በዚ ዘሎናዮ ዘመን’ምበኣር እቲ ዝተጋነነን ዘይመልክዑ ዝሓዘን ሓይሊ ወድሰብ ንዓሌትሰብ ብቐንዱ ንምጥፋእ ጠንቂ ዝኾነሉ ኵነታት ንርኢ ኣሎና...”31
ግዙፍ መዳይ ሕይወትና 17. ሕዝብና ብዙሕ ቍስልታት ጸዊሩ ይካየድ ከምዘሎ ብቐሊሉ እነስተውዕሎ ዘሎና እዩ፣ ድኽነትን፣ ከም ኤችኣይቪ ኤይድስን ዝበለ ሕማማት ብዘምጸኦ ጸገማት፣ ስደትን ምስኡ ዝተተሓሓዘ ነገራትን ኵሉ ንገሊኡ ወገን ናብ ሞት፣ ንህልዋት ናብ ሥቓይ ዝሸመመ እዩ፤ ንዝሞቱ መንግሥተ-ሰማያት የዋርሶም ክንብል ከሎና፣ ብመንፈስ ሓድነትን ኅብረትን፤ ነቶም ግዳያት፤ነቶም ዝሓለፉን ዝተረፉን እናሓሰብና፣ ብርታዐን ምጽንናዕን ኪረኽቡ ንምህለል፣
መሬትና ቀጺሉ ናብ ምድረበዳነት እናተለወጠ፣ ፈርያምነቱን ሃብቱን እናተባ ሕጐጐ ንነበርቱ ዘይዕንግል ይኸውን ኣሎ፣ ነዚ ንምሕዋይ ወይ’ውን ንምዕቃብ ዚግበር ንጥፈታት ኪድልድል፣ ብደረጃ ሕዝቢ’ውን ነዚ ብዚርኢ ሰፊሕ ጐስጓስ ኪግበርን፣ ዚግባእ ንቕሓት ኪጭበጥን የድሊ፣ ምኽንያቱ ድማ ኣምላኽ “ሓለውቲ ተፈጥሮን፤ ሓለውቲ ሓውናን ክንከውን እዩ ጸዊዑና”፣(ኣቡነ ፍራንቸስኮስ) ዝሓሎናዮ ሓውናን ተፈጥሮን፣ ተመሊሱ ኪሕልወና እዩ፣ብበርቂ ንዝሞተ ብሓዊ ደብሶ ከምዝተባህለ ከኣ፣ ሃገርና መሬት ጥራሕ ኣይኮነን ዚጠልማ ዘሎ፤ እቲ ዝዓበየ ጸገም ናይ ሰባት ዋሕዚ ንወጻኢ እዩ፣

ስለ’ዚ ሃገር ናይ ሰባት ድኻ ትኸውን ከምዘላ ብግልጺ ዚረአ ዘሎ ኵሉ፣ ኣብ ዝኾነ ማኅበራዊ ጕዳይ ከም እንዕዘቦ፣ እቲ መንእሰይ ወለዶ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ እቲ ማእከላይ ወለዶ ዚበሃል’ውን ዳርጋ የሎን፣ ንኡስ ወለዶን ሓይልን ዘይብላ ሃገር እንታይ እዩ እቲ ዕድላ? ሃገር ብሕዝባ ብሰባ እያ እትደምቕን እትጽብቕን እምበር፣ ብዘይሰብ ዓዲዓዲ ኣይከውንን፤ ሃገር ከኣ ሃገር ኣይትኸውንን፣ 18. እዚ ዘብለና ዘሎ ድማ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይፍጸም ዘሎ፣ ናይ ሰባት ቀጻሊ ዋሕድን ዋሕዝን ብሕቱ ዘይኮነስ ንጽባሕ ከጋጥም ዘለዎ ጻንታ እዩ እቲ ዚረኣየናን ዘፍረሓናን ዘሎ፣ ሓደ ስደተይና ኣብ ዝኸደ ኸይዱ፤ናይ ሃገሩ ናፍቖትን ዝኽርን ብርግጽ የሰንዮ ይኸውን፣ ኣብ ታሪኽ ከም ንርእዮ ግን፤ ንዓዶም ተመሊሶም ዝተባህሉ ስደተይናታት ብኣጻብዕ ዚቝጸሩ እዮም፣ እዚ ናይ ሕጂ ንኡስን ማእከላይን ዝበልናዮ ወለዶ ጥራሕ ኣይኮነን ዚጠፍእ ዘሎ፤ እቲ ኪትከኦ ዝነበሮ፤ ማለት እቶም ብሕፃናቶም ዝኸዱን፤ ኣብ ዓዲ ስደት ዚውለዱን ደቆም ኵሎም፣ ሃገር ዝኸሰረቶ ወለዶ ከይከውን ዘየፍርሕ ኣይኮነን፣ “ካብ ምላድ ምልማድ” ስለዝኾነ፣ እዞም ዝጠቐስናዮም ደቆምን ደቂደቆምን፣ ናይ’ቲ ዝዓበዩሉን ዝረብሑሉን ሃገርን ባህልን ብርቱዕ ጽልዋ ስለዘለዎም፣ ናይ
ሃገሮምን ሕዝቦምን ስምዒትን ስሕበትን ንኺሓድሮም ብዕቱብ እንተ ዘይተጻዒሩ ጸገም ምምጻኡ ዘይተርፍ እዩ፣ ንሃገር ድማ እቲ ኣብ ውሽጣ ኮይኑ ዚሓንጻ’ዩ ሕልፊ ዜድምዓላ፣ ስለ’ዚ እዛ ሃገር ትባድም ከምዘላ ዘመልክት ኣውያት’ያ እተስምዕ ዘላ፣ ኣውያታ ከኣ ናብ ኵሉ እዩ፣ ናብ ውልቀሰባት ስድራታት ናብ ዓበይቲ-ዓዲ ናብ መራሕቲ መንፈስን መራሕቲ ፖለቲካን... ዚቐርብ ዘሎ ጥርዓን እዩ፣ ምእንት’ዚ ዘለዉ ከምዘይከዱ፤ ዝኸዱ ከኣ ከምዚምለሱ ንምግባር ብልሓትን ትብዓትን ዜርኢ ተበግሶታት ከድሊ እዩ፣
19. “ዓድኻን ዓይንኻን ኣይምኖን” ዚብል ምስላ ኣበው ተረሲዑ ዲና ክንብል? ሎሚ ዘሎ ኣተሓሳስባን ዝንባሌን “ዓድኻስ ጣዕማኻ ደኣ” ዚብል ይመስል፣ ማለት እቲ ጣዕምን ምቾትን እትረኽበሉ፤ ንሱ’ዩ ዓድኻ ዚብል ስለዝኾነ፣ ነዛ ሃገር’ዚኣ ንሕዝባ ምቾት ጣዕሚ ስራሕ ሰላም ርግኣት...እትህብ ወይ ክትህብ እትጽዕር ንምግባራ ኣሎ ዚበሃል ብልሓትን ክእለትን ኪፍተሽ መድለየ፣ ሕጂ’ውን ብ2001 ቤተክርስትያን ንዝበለቶ ክንደግሞ ኵነቱን ሃለዋቱን ይግድደና ኣሎ፣ “ስለምንታይ መንእሰያትና ዓድጓና ዘማዕድዉ ምባል ትርጕም ኣይህልዎን፣ ዓዲ ሰላም፤ ዓዲ ፍትሒ፤ ዓዲ ስራሕ፣ ዓው ኢልካ ዝመሰለካ እትዛረበላ፤ ሰሪሕካ እተሓድረላ ዓዲ ምስ ሓዝካ፣ መዓር ገዲፉ መዓር ዜናዲ ስለዘየልቦ፣ ንስደት ክንዲ ዘማዕድዉን ዝኸዱን፣ካብ ስደት ዚምለሱን ዚውሕዙን መንእሰያት ኪህልዉና ናይ ግድን እዩ”፣ 32 ከመይሲ ሃገር ደኣ እያ ምእንቲ ሰባ ምእንቲ ሕዝባ ዝቖመት’ምበር፤ ሰብ ምእንቲ ሃገር ከምዘይኮነ ብግብሪ ብጭብጢ ከረአ ኣለዎ፣
ስነልቦናዊ ሃለዋት 20. በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰን ብኻልእ ንሕይወትን ሰብኣዊ ክብረትን ተቐባባሊ ብዘይኮነ ሃለዋትን ዚኣክል፣ ብመጻኢኻ ምጥርጣርን ምስጋእን፣ እንታይ ውሕስነት ኣሎኒ? ንዚብል ሕቶ ምላሽ ዘይምርካብን፣ ክብሪ ሰብኣዊት ሕይወት ሸለል ምባል ልሙድ ኮይኑ፣ ብዝኾነ ይኹን ኣገባብ ኣብ በለጽ ኣብ ረብሓ ምዝንባል፣ በዚ’ውን ግድልካ ኪፍታሕ ከምዚከኣል ምሕሳብ፣ ዝተተስፎኻዮን ዘማዕዶኻዮን ብምስኣን፣ ዝተጸበኻዮን ዝሓለንካዮን ኪፍጸም ዘይምርኣይ፣ ዘይብጻሕ ምዃኑ ተገንዚብካ ምጭናቕ ዓቕሊ ምጽባብ ንቡር ተርእዮ ይመስል፣ ዝኾነ ኣድማዒ መደብን ኣገባብን ኣብ ስግር ማዕዶ ጥራሕ’ዩ ዘሎ፣ ኣብ’ዚ ኣብ ሃገረይ ዚጠቕመኒ ዘርበሓኒ ነገር የልቦን…ወዘተ...ዚብል ኣተሓሳስባ ገኒኑ፣ እዚ ከም’ዚ ዝበለ ኵነትን ሃለዋትን ነቲ ሰማይና ኣደቢንዎ ኣሎ፣ ነቲ ሠናይን ጽቡቕን፣ ኣብ’ዚ ብጻዕርኻ ከተጥርዮ ክንዲ ምፍታን፣ ናብ ካልእ ጥራሕ ምጥማት በዚሑ፣ ምስ’ዚ’ውን ብዝተፈላለየ ምኽንያት፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር (ኣብ ኣገልግሎት ኣብ ሰራዊት ኣብ ኣብያተ-ተሃድሶን ማእሰርትን...)ብዚርከቡ ኣባላታ ዝተነጻጸለት ስድራቤት፤ ዝሸምገሉን ናባዪ ዝሰኣኑን ወለዲ፤ መንፈሶም ብዓሚቝ ተሃስዩ ከም ይርከብ፣ እቲ ኣፍራዪ ዝኾነ ክፋል ኅብረተሰብ ካብ ስድራቤቱ ተፈልዩ ምርካቡ ዘምጸኦ ጸገማት ርኡይ እዩ፣ እዚ ከኣ በቲ ኤኮኖምያዊ መዳዩ ጥራሕ ዚረአ ዘይኮነስ፣ ነቶም ኣብ ቤት ዚተርፉ ኮነ፣ ነቶም ኣብ ጽምዋ ዘለዉ፣ በቲ ስነልቦናውን ሞራላውን ወገኑ፣ ብኸመይ ከም ዚሃስዮም ንምርዳእ ኣየጸግምን፣ ከም ሕማም ሽኮርን ጸቕጢ- ደምን ልብን...ዝበለ ሕማማት ምስፍሕፋሑ፣ናይ ሥነ-ኣእምሮ ሕማማት...ወዘተ ምብዛሑ ብዘይምኽንያት ኣይኮነን፣
31 ፍሥ. ተስ. 37 (ጉባ. ቫቲ. 2ይ)32 ነዛ ሃገር እግዚአብሔር የፍቅራ እዩ፣ 2916








All the contents on this site are copyrighted ©.