2014-07-01 17:19:06

ናይ ሎሚ ሰማዕታት ካብቶም ቀዳሞት ዘበናት ዝነበሩ ሰማዕታት ይበዝሑ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ።


RealAudioMP3 ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ከም ወትሩ ትማሊ ንግሆ አብቲ አብ ቅድስቲ ማርታ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ብዙሐት ውሉደ ክህነትን ምእመናንን አብ ዝተረኽብሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም ።አብዚ ዘዕረግዎ ስብከት አብ ዘስምዕዎ ስብከት ፡ ቀዳሞት ሰማዕታት ቤተ ክርስትያን ቅዱሳን ጰጥሮስን ጳውሎስን ዘኪሮም ፡ ብ64 ዓመተ ምሕረት ድሕሪ ክርስቶስ ንጉስ ኔሮነ ንከተማ ሮማ ምስ አቃጸላ ቅዱሳን ጰጥሮስን ጳውሎስን ብዘሰቅቅ ኩነታት ምእንቲ ሃይማኖት ክርስትና ብሰማዕትነት ከም ዝሐለፉን አገንዚቦም። እዚ ኾይኑ ግን አብዚ ግዜ”ዚ ካብ ቀዳማይ ዘበነ ክርስትና ዝበዝሑ ክርስትያን ይሳደዱ ከም ዘለዉ ክአ ሐበሬታ ሂቦም።ቀዳሞት ሰማዕታት ቅድስትን ሮማዊትን ቤተ ክርስትያን ብደሞም ከም ዝመስረቱን ከም ዝተኸሉን ጠቂሶም ክአ ስለዚ ኢየሱስ ክርስቶስ መንገዲ መንግሥተ ሰማያት ከፊቱ ኢሎም።እዚ ዘርኢ”ዚ ቃል እግዚአብሔር ከም ዝኾነን ቃል እግዚአብሔር ጽርጊያ መንግስተ ሰማያት ከም ዝኾነን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አገንዚቦም።ብሐይሊ መንፈስ ቅዱስን መሰኻክር ሰማዕታት ክርስትያንን ክአ ቤተ ክርስትያን ቆመት ዝበሉ ፓፓ ፍራንቸስኮ እምነትና አብዚ ዝተመስረተ ከም ዝኾነ ሰቢኾም። ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብቲ አብ ቅድስቲ ማርታ ዝርከብ ቤተ ጸሎት አብ ዘዕረግዎ ሥርዓተ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ስብከት ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ዕቤት ከም ዘይሎ ንፈልጥ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ቤተ ክርስትያን ዝተክልን ዘማዕብልን ንሱ ማሕበረ ሰብ ክርትስያን ዝጽውዕ አብዚ ምስክር ክርስትና ዓቢ አስተዋጽኦ ከም ዘለዎ ክንርዳእ ንኽእል ኢሎም።ሰማዕታት ክርስትናን ቤተ ክርስትያን ህያው ቤተ ክርስትያንን እምነትናን ከም ዝኾነ ክንፈልጥ ክንርዳእ ክነረድእ ይግብአና ብማለት ክአ አገንዚቦም። ልዕሊ ኹሉ ግን ኢሎም ፓፓ ፍራንቸስኮ ኢየሱስ ክርስቶስ ቀዳማይ ሰማዕት ከም ዝኾነን ቀዳማይ ምስክር ክርስትና ከም ዝኾነ ርዱእ ከም ዝኾነ አመልኪቶም።ቅድስት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብመስኖ ደም ሰማዕታት ህያው ከም ዝኾነት ጠቂሶም ከምቲ ብግዜ ንጉስ ኔሮነ ክርስትያን ዝተሳደድሉን ዝተሳቀይዎን ሕጂውን ከምኡ ይቅጽል ከም ዘሎን ምእንቲ እምነቶም ብሰማዕትነት ዝሐልፉ ብዙሐት ከም ዝኾኑ ክአ አተሐሒዞም
ሰቢኾም።አብዚ ግዜ”ዚ ክርስትያን ማእከላይ ምብራቅ ቤት ንብረቶም ገዲፎም ይስደዱን ይሳደዱን አለዉ ኢሎም። ስለዚ ምእንቲ”ቶም አብዚ ግዜ”ዚ ዝሳቀዩን ዝሳደዱን ዘልዉ ህዝብ ክርስትያን ንጸሊ ብማለት ነቶም ቅዳሴ ዝሰምዑ ምእመናን አተሐሳሲቦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.