Home Archivio
2014-06-28 17:46:07
በዓል ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ:
ብላቲናዊ ሥርዓተ አምልኾ ትማሊ በዓል ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ተዘኪሩ ውዒሉ፣ ካብ ነዊሕ ጊዜ አትሕዙ ምስዚ በዓልዚ ተደሪቡ ናይ ካህናት ናይ ቅድስና ዕለት ኮይኑ እውን ይዝከር ኢዩ፣ እዚ ከአ ካህናት ዝተቀበልዎ ዓቢ ጸጋ ብምዝካር ንምምስጋንን ንቅድስናኦም ከው ዕልዎን ባዕሎም ይኹን መላእ ሕዝበ ክርስትያን ም እንቲ ቅድስና ካህናት ጸሎትን ስግደትን አምልኾን ጾምን ዘቅርበሉ ዕለት ኢዩ፣ ንካህናት እትኃሊ ናይ ቅድስት መንበር ማኅበር ነዙ ዕለትዙይ ዝምልከት ናብ ኩሎም አቡናት መልእኽቲ ጽሒፋ፣ ንኩሎም አቡናት ከአ አብ ሰበኻታቶም ምእንቲ ካህናት ዝጽልየሉ መደብ ክሰርዑ ነቲ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ “አብ ክእለቱን ዓቅሙን ተደሪቱ ካብ ዝተረፍ ካህን ዝንእስ ፍጥረት ከቶ የልቦን” ዝበልዎ ብምዝካር ንካህናት ጸሎት ካብ ማንም ንላዕሊ ሕጂ ከምዘድልዮም ተረዲኦም ኩሎም ምእንታኦም ክጽልዩ አዘኻኺሮም፣
ንቅድስና ካህናት ዝጽሊ ምንቅስቃስ ፎኮላሪ ኃላፊ ዝኾኑ አባ ሁበርቱስ ብላውማይዘር ብዛዕባ ዕለተ ቅድስና ካህናት ንረድዮ ቫቲካን ነዙይ ዚስ ዕብ መብርሂ ሂቦም፣
እዛ ዕለትዚአ አብ ክህነታዊ ተልእኮ ዘሎ አድላይነት እነተኵረላ ዕለት እያ፣ ክህነታዊ ተልእኮ ብም ዕዳል ምሥጢራትን ቃል እግዚአብሔር ብምስባኽን ንውኅደት ማኅበረ ክርስትያን ብምስራሕን ንሕዝበ እግዚአብሔር ዝወሃብ አግለግሎት ምዃኑ ብሩህ ኢዩ፣ ስለዚ ቅድሚ ምግልጋል ሕይወት ክህሉ ስለዘለዎ ቅድሚ ዝኾነ ክህነታዊ አገልግሎት ካህን ክህሉ አለዎ፣ እዚ ካህን እዚ ግን ምልአት ዘለዎ ክኸውን ሕይወት ዘለዎ ክኸውን አለዎ በዚ ከአ ኢዩ እሙን ካህን ክኸውን ዝኽ እል፣ እዚ ዕለትዚ ከአ ነዚ ኢዩ ተሰሪዑ፣
ምልአት እንክበሃል እቲ ካህን ቅድም ቀዳድም ነቲ ዝሰብኮ ቃለ ወንጌል ብሕይወቱ ክምስክሮ ክነብሮ አለዎ፣ ቅድሚ አገልጋሊ ምዃኑ ሐዋርያ ክርስቶስ ክኸውን አለዎ፣ ጐይታ ኢየሱስ ስለ ካህናቱ ዝመደቦን ዝበሎን ከአ እዚ ኢዩ ንቅዱስ ጴጥሮስ ካብዞም ኩሎም ንላዕሊ ተፍቅረኒዶ ክብሎ እንከሎን አብ ጸሎተ ሓሙስ ክላበዎም እንከሎ ነሕድሕድኩም ተፋቀሩ ካብዚ አር ድ እተይ ምዃንኩም ክፈልጡ ኢዮም ዝበሎ ብሓንሳብ እንክንጥምቶ ንወንጌል ብፍቅሪ ዝነብርን ክንዲ ካል ኦት ር እሱ ዘወፍን ካህን ሓቀኛን ምል አት ዘለዎን ኢዩ፣ አብ ር እሲ እዚ ጠበቃ ካህናት ዝኾነ ናይ አርስ ቆሞስ ቅዱስ አባ ዮሐንስ ቫያነ “ክህነት ፍቅሪ ልቢ ኢየሱስ ኢዩ” ብዝበሎ መሠረት በዓለ ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ምስዚ ዕለትዚ ዘለዎ ምት እስ ሳር ብሩህ ኢዩ እንክብሉ ገሊጾም፣
All the contents on this site are copyrighted ©.