2014-06-23 12:40:32

ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? (ዘፍጥ.4፤9)
ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ፣ ኣሥመራ - ዘመነ ትንሣኤ - (2014)


P.1 RealAudioMP3 ሰላምታ1.“ብእምነት ናይ ሓቂ ደቅና’’ ናብ ዝኾኑ ምእመናንን፣ ናብ ኵሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይን፣ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን፣ ካብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታናን፣ ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን፣ 1 ብትንሣኤ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ኃጢኣትን ሞትን ዓወት ዝተረኽበሉ፤ በዚ ዘመነ ትንሣኤ ብጐይታ ኣብ ብርሃን ምእንቲ ክትህልዉ፤ፍረ ብርሃን ዝኾነ ጽድቅን ሓቅን ክትለብሱ (ኤፌ.5፤8-9 ረአ) ሠናይ ትምኒትና ንገልጽ፣ ፍቁራን ብኽርስቶስ ኣኅዋትን ኣኃትን! “እምነት ነቲ ብተስፋ እንጽበዮ ነገር ከም እንረኽቦ ዜረጋግጽ፣ ነቲ ዘይረአ ነገር ከምዘሎ ዜረድእ….”ጥራሕ ዘይኮነ፣ “ዅሉዓለማት ብቓል ኣምላኽ ከምዝተፈጥረ…” ዚገልጽ፣ ነቲ ዅሉ ኣብ’ዚ ዓለም’ዚ ዚፍጸምን ዚኸውንን ዘበለ ከኣ ኡነተይና ትርጕሙን መልእኽቱን ብብርሃን “እምነት ስለ እነስተውዕሎ”2፣ ካብ’ዛ እምነት’ዚኣ ተበጊስናን፣ በኣኣ ተንቀሳቒስናን ነዛ ሓዋርያዊት መልእኽትና ነቕርበልኩም፣

ምስጋና2. መብዝሕትኦም ሰባት ብጊጉይ ርድኢት ምዕባሌ ተታሊሎም፣ ካብ እምነት ዘንቢሎም ኣብ ዚርከቡሉ እዋን፣ “ነቲ ብእምነት ዝተፈጸመ ዕዮኹም፣ ኣብ ፍቕሪ ዝተመሥረተ ጻዕርኹም፣ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘላ ተስፋ ንዝተመሥረተ ጽንዓትኩም”3 እናሓሰብና፣ኣብ ጸሎትና’ውን እናዘከርናኩም፣ምእንቲ ኵልኹም ንኣምላኽና ነመስግኖ ኣሎና፣ 4
“ብርሃን እምነት ነቲ ሰብኣዊ ሃለዋትናን ኵነትናን፣ ብውሽጡ ከብረሃሉን ንደቅ ግዜና (ደቂ ተባዕትዮንን ደቀንስትዮን) ኣብ ኵሉ ጕዕዞኦም ዘሰንዮም ምእንቲ ኪኸውንን…ንሕይወት ሰባት ብዅሉ መዳያታ፣ እምነት ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ ከም ተደልድላን…”5 ከነስተንትን፣ነዚ ኸኣ ብቓል-ኣምላኽ ተሰኒና ክንፍጽሞ፣እዚ ዝዛዘምናዮመደብ ዓመት-እምነት ዘተሓሳስበና እዩ፣ ነዚ ዓመት እምነት ብዕዉትን ብናይ ምሕዳስ መንፈሳዊ መደባትን ጀሚርና፣ ዝሓለፈን ዘሎን ኵነት-እምነትናን እምነታዊ ጕዕዞናን ዓመት ምሉእ ክንምርምር፤ ንኣምላኽ ክንዝምር፤ ክንጽሊ፤ክንንሳሕ፤ ብምኽኣልና፣ ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያንና ዓቢይ ስጕሚ ብዝኾነ፣ ብናይ ሓዳስ ሰበኻ ሠገነይቲ ምቛም ስለዝባረኸና፤ በቲ ንቐዳሞትና ዝዓደሎ ነቕ ዘይብል እምነት፤ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ልዑል ምስጋና ይብጸሓዮ!

ዕላማ3. ርእሰ ሊቃነጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16፤ ኣብ’ታ “ኣፍደገ እምነት” እትብል መልእ- ኽቶም፣ ንቤተክርስትያን ኮነ ነኣና ንጓሶት ምእመናን ዝሃቡና ምሕጽንታ፣ ንኵነታት ግዜና ዚርኢ ዘቕረብዎ ምልክታ ነይሩ፣ “ቤተክርስትያን ብምልእታ ኮነ ኵሎም ጓሶት ልክዕ ከም ክርስቶስ ኮይኖም ነቲ ሕዝቢ ካብ ምድረበዳ መሪሖም ከውጽእዎ፣ ናብ’ቲ ሰፈር ሕይወት ኪመርሕዎ፣ ...ናብ’ቲ ምልኣት ሕይወት ዚህብ፤ ናብኡ ከብጽሕዎ ኪብገሱ ኣለዎም” ድሕሪ ምባል፣ ቀጺሎም፤ “ክርስትያን በቲ ንማኅበራዊ ናብራ ንሕንጸተሰባዊ ኮነ ፖለቲካዊ መዳይ ዚርኢ...ሕልፊ ዚግደሱ ኮይኖም ይረኣዩ፣ ብእምነት ብዝመጽአ ግን፣ ንሕይወት ኅብረተሰብ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ትሑዝን ንቡርን ዚግምትዎ ይመስሉ፣ ከም ሓቁ ግን ደጊም እዚ ግምት’ዚ ከም ንቡር ወይ ትሑዝ ኪውሰድ ኣይከኣልን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብዚበዝሕ “ጕዳይ እምነት” ግልጺ ብግልጺ ዚንጸግ ዘሎ እዩ፣ “ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ንትሕዝቶ እምነትን፣ ካብኡ ንዚፍልፍል ሓሳባትን መደብ ሕይወትን” ዓቢይ ግምት ዚወሃበሉ ግዜ ነይሩ “ሎሚግን....ንብዙኃት ሰባት ብዝተንከፎም ዓሚቝን ረቂቕን ፈተና እምነት” መላእ ኅብረተ- ሰብ ኪናወጽ ዚርከበሉ እዋን እዩ፣ (ኣፍ. እም. ረአ)4. ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ነውጺ ኣብ ግምት ብምእታው፣ብእምነትና ክንድልድል እዮም እምበኣር ኣቦና ርእሰ ሊቃነጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ነዚ መደብ ዓመት-እምነት ዝሠርዑልና፣ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሓዋርያነት ተመሃሪኡን ተኸታሊኡን ንዝነበረ ጢሞቴዎስ፣ “ኣሰር ጽድቅን እምነትን” ኪስዕብ፣ ነዚ ኸኣ በቲ ካብ ሕፃንነቱ ኣትሒዙ ዝነበሮ ጽንዓትን ትብዓትን6 ኪቕጽሎ…..”ከምዝመዓዶ፣ ንሕና ኣብ ኤርትራ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጳጳሳት ድማ ካብ’ቶም ኣኃትን ኣኃውን ምእመናን “ብእምነቱ ዚህከ ንኸይህሉ”7 ከነነቓቕሕ ግቡእና እዩ፣
ፍቁራት ኣኃትናን ኣኅዋትናን! እዛ ክንድ’ዚ ዚኣክል ኣገዳስነት ዘለዋ “እምነት ከይትጠፍእ ምእንታኻትኹም ከምዝጸለና”8 እንከነረጋግጸልኩም፤ ኢየሱስ ንጴጥሮስ ኣብ ዝሃቦ ሕድሪ፣ ንኣኅዋቱን ኣኃቱን ኣብ’ታ እምነት’ቲኣ ንኸጽንዖም ዝነገሮ ቃል ነኣና’ውን ከምዝተባህለ ንርዳእ፣ከምኡ’ውን እቲ ንኣዳም “ኣበይ ኣሎኻ?’ (ዘፍጥ.3፤9) እናበለ ንደቅሰብ ዚደሊ ኣምላኽ፣ ኣብ’ዛ መወዳእታ መልእኽቶም ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ከምዝበሉና፣ ነኣና’ውን ”ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?”[(ዘፍጥ.4፤9)(ታሕ. ወን.211)] እናበለ ከምዚሓትት ንፈልጥ፣ ምእንት’ዚ ብዅሉ መዳያት ሕይወቱ ኣመት ኃውና ንምግባርን፣ “ካብ ምእማን ንዚመጽእ ዓቢይ ታሕጓስ ንምስትምቓርን እምነት ንዚኸፍተልና ሰፊሕ ኣድማስን፣... ነታ እምነት’ቲኣ ድማ ብፍጹም ሓድነታን ምልኣታን ክንገልጻ፣ በቲ ህላዌኡን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን በርቲዕና፣ ኣብ ዝኽሪ ጐይታ እሙናት ኮይንና ንኽንርከብ…”9 ብዚብል ዕላማ ነዚ ንጽሕፈልኩም ኣሎና፣ ቀዳማይ ክፍሊ፤ ምዝዛም ዓመት እምነት
እምነት እንታይ እዩ?5. በዚ ዘኽበርናዮ ዓመት እምነት ተለዓዒልና ናብ ዝተሓደሰ መድረኽ ሕይወት ደዪብና ክንስጕም ስለዝተደልየ እዚ መደብ’ዚ ተኻይዱ፣ ምእንት’ዚ ዓመት-እምነት ተዛዚሙ ማለት፣ ኣብኡ ብዝረኸብናዮ ሓዲስ ኃይሊ ተሓጊዝና ክንጐዓዝ ከምዝተበገስና ዜመልክት ስለዝኾነ፣ እቲ ናይ ሓቂ ዓመት እምነት ወይ ጕዕዞ እምነት ተዛዚሙዘይኮነስ፣ ሕጂ’ዩ ተጀሚሩ፤ ዚቕጽል’ውን እዩ፣ ስለ’ዚ እምበኣር እምነት ንሓደ ሰብ ከመይ ዝበለ ታሕጓስ ከምትህቦ፣ ዚኣምን ሰብ፤ ዚኣምን ሕዝቢ፤ ካብ’ቲ ዘየኣምን ብኸመይ ከም ዚፍለ፣ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ኣየናይ ሓለፋ ከምዘለዎ፣ ዘይምእማን ከኣ ከመይ ዝበለ ወጽዓ ምዃኑ ከነስተውዕል ይግባእ፣
ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘየኣምን ሰብ፣ ዓለም መበቈሉን ምምዕባሉን ኵሉ ኣንፈትን ዕላማን ብዘይብሉ ኣገባብ ዚካየድ እዩ፣ ናይ ዕድልን ኣጋጣምን እንኪኸውን፣ ኣብ ኣምላኽ ንዚኣምን ግን ዓለም ፍጥረት ኣምላኽ እዩ፣ ናይ ክእለቱን ኣፍቅሮቱን ሕያውነቱን ውጽኢት፣ ነኣና ንደቅሰብ ከኣ ብሓላፍነት ክንነብረሉ ዝተዋህበና ዓቢይ ህያብ እዩ፣
6. ብዘይካ እምነት፣ እቲ ግፍዕን ሥቓይን ውርደትን ብኸምኡ የሓልፍ፣ሥቓይ ዝወረዶ ሰብ ምስኪን ይበሃል፣ ምስ እምነት ግን ኣምላኽ ናይቶም ግፉዓትን ተሣቐይትን ንብዓት ኪደርዘሎም10 እዩ ቍስሎም ኪዝንነሎም እዩ፣ “ኵሉ ሥጋ ዝለበሰ ከኣ ድኅነት ኣምላኽ ኪርኢ እዩ”(ሉቃ.3፤6)፣
ብዘይካ እምነት እንተኾይኑ፣ እቲ ዝበለጸ ናይ ሕይወት ሰብ ተመክሮታት ከም ሕያውነት፤ ፍቕሪ፤ ስኒት፤ ምሕዝነት፤ ምሕረት፤ ረድኤት፤ ሠናይነት...ዘበለ ኵሉ፣ ትርጉም ዘይብሉ ሓላፊ ነገራት እዩ፣ ምስ ኣምላኽ ግን ኣብ መፈለምታ ይኹን ኣብ መፈጸምታ ወትሩ እቲ ሠናይን እቲ ፍቕርን ኣሎ፣ ኵሉ እንፍጽሞ ተግባራት ከኣ፣ እቲ ናይ “እምነትና ፈላምን ፈጻምን”11 ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ የጽንዓልናን የበርትዓልናን፣
ብዘይካ እምነት እንተደኣ ኮይኑ፣ ሞት ናይ ኵሉ መወዳእታ፣ ንዅሉ ሰብኣዊ ርክባት ዚብጥስ ኮይኑ ኪረአ እዩ፣ ምስ እምነት ግን ሞት ካብ’ዚ ግዜያዊ ዓለም’ዚ ፈነዋ፣ ናብ’ቲ ምስ ኣምላኽ ዚንበር ሕይወት ድማ መእተዊ፣ ምስ ዝቐደሙና ዘራኽበና፣ መወዳእታ ናብ ዘይብሉ ዘለዓለማዊ ሱታፌ ዘእትወና እዩ፣
7. ብዘይካ እምነት ኪሕሰብ ከሎ፣ ናብ’ዚ ዓለም’ዚ በጋጣም ብዕድል ከም ዝመጻእና ገቢርካ ኪግመት፣ መወዳእታና ከኣ ከንቱን ኢምንትን፣ ኣብ ኢድ ኃይልታት ጥፍኣትን ኪኸውን ማለት እዩ፣ ኣብ ኣምላኽ ብዘሎና እምነት ግን ካብ’ቲ ፈጣሪ ሰማያት ምድርን ዝመጻእና ምዃንና ንርዳእ፣ ብኃውና ንግደስ፣ መወዳእታ ከኣ ናብኡ ናብ ቤት ኣቦና ንምለስ፣ እዚ ሕይወት‘ዚ ንግዜኡ’ኳ ብጸገማትን ግድላትን ዝተናወጸ እንተኾነ፣ መወዳእታኡ ግን ናይ ጸጋ ኣምላኽ ውሕስነት ከምዘሎና ንፈልጥ፣ እቲ “ብኽርስቶስ ዘይመቀረ ዅሉ መሪርን መጺጽን ብምዃኑ” (ቅ. በርናርዶስ) ብእምነት፣ ብፍላይ ድማ “ኣነ መንገድን ሓቅን ሕይወትን እየ”12፣ ኣብ ዝበለ ኽርስቶስ ዚህልወና እምነት፣ ንሕይወት ዜብርህን ዚመርሕን እዩ፣ እንተዘይኮነ ናብ ጸልማት ምውዳቕ ግዲ እዩ፣ “እምነትኩም እንተዘይጸንዐ፤ በሓቂ ኣይክትጸንዑን ኢኹም”13
8. እዛ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ እትግለጽ እምነት፣ ንዓለም እትስዕር እምነት’ያ14 ክንብል ከሎና፣ ንዓለም ትንዕቆን ተርሕቖን ማለት ዘይኮነስ፣ ልቡ ከምዚኽፈትን፣ ነቲ ደረታቱ ሰጊሩ ምስ ኣምላኽ ናብ ዚግበር ሱታፌ ብምእታው፣ ምልኣት ሕይወትን ሓጐስን ንኺጭብጥ፤ ንትዕቢትን ተንኰልን ጽልእን ኃጢኣትን ንኸሸንፍ እተኽእሎ ስለ ዝኾነት እዩ፣ ብእምነት እንተደኣ ኾይኑ፤ ሰብ ኣምሳል ኣምላኽ፣ ውሉድ ኣምላኽ ምዃኑ ዚርደኣሉ፣ ሰባት ኣብ ትሕቲ ሓደ ኣቦ ኮይኖም፣ ብፍቕሪ ሓድሕድ ኪነብሩ፣ ናይ ኃዎምን ኃውቶምን ሃለዋት ደሃይ ኪገብሩ ከም ዚግበኦም ዘመልክት እዩ፣ ምኽንያቱ እቲ …“ንሰብ ዘይመውት ገይሩ እዩ ዝፈጠሮ፣ እወ ብመልክዑ ዘለዓለማዊ ገይሩ ዝፈጠሮ”15 እግዚኣብሔር፤ ወትሩ “ኣበይ ኣሎ ኃውኻ?” እናበለ ምሕታት ኣየቋርጽን እዩ፣
“...ወድሰብ ብቐጻሊ ኣብ ትሕቲ መንፈስ ኣምላኽ ብምዃኑ፤ ንሕቶ እምነት ፈጺሙ ሸለል ኪብሎ ኣይክእልን፣ ናይ ዝሓለፈ ኣዝማናት ተመክሮን ትዕዝብትን ኮነ፤ ናይዚ ዘሎናዮ እዋን ዝተፈላለየ ምልክታት ነዚ እዩ ዜረጋግጸልና፣ ወትሩ ከኣ ወድሰብ፤ ናይ ሕይወቱን ስራሓቱን ሞቱን፤ትርጕምን ምሥጢርን ንምፍላጥ፣ብዘይንጹር ኣገባብ’ውን ይኹን ኪርዳእ ምስተመነየ እዩ...”16፣ ንኽርስቶስ ምፍላጥን ዘይምፍላጥን ከመይ ዝበለ ፍልልይ ከምዘለዎ፣ ምስኡ ክትጐዓዝ ምኽኣልን፣ ብዕዉር ኣገባብ ምክያድን በበይኑእዩ፣ንቓሉ ምስማዕ...ምስኢየሱስ እንተኾይኑ፣ ሕይወት ብመንፈስ ዝሃብተመት ትኸውን፣ ኣብ ኵሉ ኸኣ ትርጕም ምርካብ ይከኣል...”17
9. ቤተክርስትያን ንምድራውን ግዜያውን ሃለዋት ደቂሰብ ብወንጌል ከተብርሆ ግቡኣ ስለዝኾነ፣18 “ሎሚ ናይ ዘለዉ ኵሎም ሰባት ሓጎሶምን ተስፋኦምን፤ ሓዘኖምን ጓሂኦምን፤ እዚ ኵሉ ናይ ቤተክርስትያን ሓጎስን ተስፋን ሓዘንን ጓህን’ውን...” ብምዃኑ “ብርሃን እምነት ከኣ ንሥቓያት’ዚ ዓለም’ዚ ከምንርስዕ ዚገብር” ዘይኮነስ፣ እምነት “ኣብ እንገብሮ ስጕምትና ዚመርሓና፣ ንጕዕዞና ዚበቅዕ መብራህቲ” እዩ፣ እቲ “ናይ እምነትና ጀማርን ፈጻምን ባዕሉ”19 ብምዃኑ፤ ብብርሃኑ ምእንቲ ክንርኢ ክርስቶስ ኣብ’ቲ ጠመተኡ ከሳትፈና’ ኢሉ20፤“ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ?”(ዘፍጥ.3፤9) እናበለ ደለየና፣ ስለ’ዚ በዚ “ንዕለታዊ ሕይወትና ሓዲሽ ኃይልን ብርታዐን ዚህብ21 እምነት ተመሪሕና ንኵነታትናን ኵነት ሓውናን ክንግምግም ግቡእ እዩ፣ ነዚ ንምግባር “ዚደፍኣና ዘሎ ምድራዊ ወይ ሓላፊ ነገር ንምዕታር ወይ ክብርን ዝናን ተመኒና ወይ ድማ ንኻልእ ናብ ወገንና ንምስሓብ ዘይኮነስ ናይ ኣገልግሎት ባህጊ ጥራሕ’ዩ፣22 ምእንት’ዚ ኣብ’ዚ እንገብሮ ገምጋም ህልው ኵነታትና፣ እምነትና ዓቢይ ሓገዝ የበርክተልና፣ ምኽንያቱ “ ቅኑዕን ብቑዕን እምነት ዚበሃል፣ ናይ ውልቂ ጕዳይ ዘይኮነስ፣ ንዓለም ንምልዋጥ ዓሚቝ ባህጊ ዘለዎ፣ ሓቅን ቁምነገራዊ ክብርታትን ንምትሕልላፍ ዚብገስ፣ ካብ’ዚ ዓለም’ዚ ክንሓልፍ ከሎና ድማ፣ ነዛ ዓለም ክንረኽባ ከሎና ካብ ዝነበረቶ ዝሓሸትን፤ ዝበለጸትን ገቢርና ንኽንሓድጋ... ዚሕግዘና እዩ፣ ”(ታሕ. ወን. 183)
10. ብብርሃን እምነት ምርኣይ፣ ነቲ “ብኢየሱስ ኣቢሉ ዝመጽአ ዓቢይ ህያብ”23 ምቕባል ማለት እዩ፣ “...እዚ ናይ ኣምላኽ ህያብ-እምነት ኣባና ዝወረደ መልዕልተ-ባሕርያዊ መንፈሳዊ ኃይሊ ስለዝኾነ፣ ኣብኡን በኣኡን ዓቢይ ፍቕሪ ከምዝተወፈየልና ዘበሥር ጥዑም ቃል ከም ዝተነግረና፣ነቲ ቓል’ቲ ነቲ ሥጋ ዝለበሰ (ሰብ ዝኾነ)ቃል-ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንቅበል ከሎና፣ መንፈስ ቅዱስ ብኡብኡ ይልውጠና የሓድሰና፣ ንመጻኢ ገጽና ኣብ እንኸዶ መንገዲና የብረሃልና፤ ብናይ ተስፋ ክንፊ ተሓጊዝና፣ በቲ መንገድ’ቲ ኣቢልና፣ ብታሕጓስ ከነንሳፍፍ የኽእለና፣ ምእንት’ዚ ከኣ እዘን ብዘደንቕ ኣገባብ ሓድሕድ ዝተጠናነጋ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ሠሚረን፣....ንሕይወትና ደራኺ ኃይሊ ይኾንኦ...”24፣ እነሆ’ምበኣር ሕጂ “....እዚ እምነት ዜርሕወልናን፣ ኣብ ቅድሜና ዚሰጥሓልናን መንገዲ ከመይ ዝበለ መንገዲ...”25 ከምዝኾነ ክንግምግም ግዲ ይኾነና፣
11. “... ሎሚ’ውን ከም ቀደም፣ ንልቢ ወድሰብ ብዕምቈት ዘናውጾ፣ ናይ ሃለዋት ሰብ ዓሚቝን ረቂቕን ምሥጢር ምላሽ ንምርካብ፣ ሰባት ናብ ዝተፈላለየ መደብ ሃይማኖት ይዝንብሉ...፦ ሰብ እንታይ እዩ? ናይ ሕይወቱ ዕላማን ትርጕምን፣ ጽቡቕ ወይ ሠናይ ዚበሃልከ ከመይ ዝበለ እዩ? ኃጢኣት እንታይ እዩ? ሓዘንን ጓህንከ ካበይ እዩ ምንጩ? ዕላማኡኸ? ናብ’ቲ ሓቀይና ታሕጓስ ዚወስድ መንገዲ ኣበይ እዩ ዘሎ? ብዛዕባ ሞት/ፍርዲ፣ክንየው ሞት ብዛዕባ ዘሎ ዓስቢ ተግባራትካ ብዚርኢኸ እቲ ሓቁ ኣየናይ እዩ? ንህላዌና ከቢብዎ ዚርከብ እቲ ዝዓበየን፤ ብቓል ዘይግለጽን ምሥጢር እንታይ እዩ? እዚ ጕዕዞናኸ ካበይ ተበጊሱ፣ ናበይ ገጹ እዩኸ ዚመርሓና?...”፣26 “...በዚ እዋናት’ዚ ይረአ ብዘሎ ኵነታት ከምዚረጋገጽ፣ ወድሰብ ብዘይካ ናይ ኣምላኽ ሓገዝን፣ ብዘይካ ተስፋ ዘለዓለማዊ ሕይወትን ኪተርፍ ከሎ ኣዝዩ ይጕዳእ፣ እቲ ንሰብ ኣብ ቅብጸት ተስፋ ከውድቖ ዚኽእል ናይ ሕይወትን ሞትን፤ ናይ ክፍኣትን ሥቓይን ግድላት ብድብድቡ ብዘይ ምላሽ ይተርፍ”27፣ እዚ ከኣ ዝዓበየ ወጽዓ እዩ፣

2ይ ክፍሊ፤ ህልው ኵነትና
በረኸት ኣምላኽ12. ካብ ናይ ዝሓለፈ ተበጊስና ክንርእዮ ከሎና፣ ከነመስግነሉ ዚግበኣና ብዙሕ በረኸት ኣምላኽ ከም ዝተቐበልና ክንዝክር ግቡእ እዩ፣ ንሃገርና ክንርኢ ከሎና፣ መሊኡ ዚፈስስ ባሕርያዊ ሃብቲ’ኳ እንተዘይብላ፣ ኣብ ካልእ ዓለም ንዘጋጥም ገሊኡ ባሕርያዊ ሓደጋታት ርኢኻስ፣ ብህዱእን ሰላማውን ኵነታት ኣየርን ንብረትን ስለዝባረኸና፣ ፈሪሓ-እግዚኣብሔር ዝሓደሮ፣ ምስ ዝኸምኡ ሰብ ብሰላም ዚሓድር ሰላማዊ ሕዝቢ ስለዝሃበና፣ ብዓሌትን ወገን ሃይማኖትን ከይተጠማመተ ዚነባበር፣ ነቲ ብዝሓትን ዓይነትን ከም በረኸት ጠሚቱ ዚከባበር፣ ነቲ ብሩህ መጻኢኡ ብህድኣትን ርግኣትን ዘማዕዱ፣ ኣብ ሰላም ዚኣምንን ሕዝቢ ስለ ዝገበረና፣ ንኣምላኽና ከነመስግኖ ይግባእ፣
ምኽንያቱ ከኣ ናይ’ዚ ኵሉ መሠረት ወይ ምንጩ፣ እቲ ናይ ሕዝብና ነዊሕ ሠረት ዘለዎ እምነት እዩ፣ እዚ እምነት’ዚ እዩ ምስ ዝኸምኡ ሰብን፣ ምስ ኣምላኽን ምስ ርእሱን ብስኒት ንኺነብር ዘኽኣሎን፤ ሎሚ’ውን ዘኽእሎ ዘሎን፣ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?”(ዘፍጥ.4፤9) ዚብል ሕቶ ዝኸበዶ ኅሊና ሕዝብና፣ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፣ ኣብ ናይ ብጻዩን ሓዉን ሓዘንን ሓጎስን፣ ሕሱምን ጥዑምን ብምስታፍ፤ኪምልሸሉ ደኣ ተረኽበ እምበር “ኣይፈልጥን! ኣነዶ ሓላው ሓወይ እየ?” (ዘፍጥ.4፤9) ኪብል ኣይመለሸን፣ እዚ ከም’ዚ ዝበለ ዓቢይ ናይ እምነት ቍምነገር ከይጠፍእ፣ እምነት ሕዝብና ክትዓቢ፣ ኦጐይታ! እምነት ወስኸና! እናበልና ክንጽሊ ግቡእ እዩ፣
ንቕድሚት ንምስጓም ዚሕግዝ በብዓይነቱ ናይ ሕንጸት መደባትን ገለ ጻዕርታትን’ኳ እንተተፈተነ፣ ሕይወት ወትሩ ንቕድሚት ክትስጕም ክትመጣጠር ባሕርያዊ ስለዝኾነ፣ጋና ነቲ ዘይበጻሕናዮ ከነማዕዱ፣ ከምኡ’ውን ዘይሓወየ ቍስልታት ከምዘሎ ኪሕበኣና ስለ ዘይከኣል፣ በቲ ኣወንታዊ ጥራሕ ተዓሻሺና፣ ነቲ ኣሉታዊ ሸለል ክንብሎ ኣይንኽእልን፣ እዚ ኸኣ ንዝተፈላለየ ወገናት ሕይወትና ዚርኢ፣ ንስነ- ልቦናውን ውሽጣውን ስምዒትና ዚትንክፍ፣ ንማኅበራዊ ሲቪላዊ ናብራና፣ ንግዙፍ መነባብሮን፤ መንፈሳውን ሞራላውን ወገናት ሕይወትና ዚሓቍፍ እዩ፣ “ምእመናን ማኅበረ ክርስትናኦም ንትርከቡሉ ሃለዋትን ናይ ሃገሮም ኵነታትን፣ ብቅንዕና ምትንታንን ምፍታሽን ግቡኦም እዩ”፣ (ታሕ. ወን. 184)
ኅልቀት ባሕሪ 13. “ኣብ ራማ ድምጽን ብዙሕ ዋይዋይታን ብኽያትን ተሰምዐ፣ ራሔል ምእንቲ ደቃ በኸየት፣ ሞይቶም እዮም’ሞ ምጽንናዕ ኣበየት”28፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት መስከረም/ጥቅምቲ፣ ኣብ’ቲ ፍረ ኽራማት ዚሕፈሰሉን፣ ሕይወት ዚሕደሰሉን፣ ናይ ግእዛዊ ሓዲስ ዓመትና ተስፋ ዚንቀሳቐሰሉ ወርሓት፣ ካብ ሃገርና ሓሊፉ ንኅሊና መላእ ዓለም ዝቐስቀስ፣ ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ብዝተፈጸመ ናይ መእንሰያትና ሕልፈት ወይ ኅልቀት፣ ንሕዝብና ኣብ ስንባደን ራዕድን ዘጥሓሎ እዩ፣ እዚ ፍጻሜ’ዚ ከኣ ናይ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፤ ኣብ ፈቖዶ ሩባን ኵርባን፤ ኣብ ፈቖዶ ባሕርን ምድረበዳን፤ ብኢድ ገፋዕትን ጨወይትን ኪፍጸም ናይ ዝጸንሐ ተመሳሳሊ ኅልቀት መቐጸልታኡ
እዩ፣ ስለ’ዚ ንቐዳሞትን ንዳሕረዎትን ክንሓስቦም ግዲ እዩ፣
ኣብ ገገዝኡ ብሕቱ ዘይኮነስ መላእ ሕዝቢ ኪበኽየሎም ተረኺቡ፣ ”...ምሉእ ለይቲ ክትበኪ ተሓድር ኣላ፣ንብዓታ ብምዕጕርታ ጀረው! ይብል ኣሎ ...ኣዋልዳ ይጕህያ ኣለዋ፤ ካህናታ ድማ ይትክዙ ኣለዉ”29፣ ምኽንያቱ እቶም ጥዑም ኪረኽቡ ዝሓሰቡ፤ ኣብ ቕሥፈትን ጥፍኣትን እዮም ዝወደቑ፣ እዚ ዝተጠቕሰ ቃል መጽሓፍ፣ ብዘመን ኤርሚያስ ነቢይ ንዝተፈጸመ ኣመልኪቱ ብሉይ ኪዳን ዘመሓላለፎ፣ ኣብ ሓዲስ ኪዳን’ውን ማቴዎስ ወንጌላዊ ዳግማይ የቕርበልና፣
እቲ ናይ ብሉይ ነቲ ብ587 ቅ.ክ. ኣብ ኢየሩሳሌምን ከባቢኣን ንዝተፈጸመ የዘኻኽረና፣ ባቢሎናውያን ወረርቲ ነቲ ሕዝቢ ካብ ኢየሩሳሌም ውጽእ ዝበለ፣ራማ ናብ ዚበሃል ጐልጐል (ሎሚ ራማላህ) ኣውጺኦም፣ ንኸተማ ኢየሩሳሌም ብሓዊ ኣቃጸልዋ፣ ድሕሪኡ ንደቂ ኢየሩሳሌም ንባቢሎን ማሪኾም ወሰድዎም፣ ስለ’ዚ ካብ ሕጂ ንደሓር “የለዉን”፣ በዚ ግዜ’ዚ እታ ንሕዝብን ንኣዴታትን እስራኤል እትውክል፣ ኣደ ሕዝቢ እስራኤል ዝኾነት ራሔል ከም ዝበኸየት ገይሩ የቕርቦ፣ ንሃገር ምሉእ ንሕዝቢ ምሉእ ኣብ ሓዘን ዝሸመመ ምንባሩ እንከዘኻኽር ግን እቲ ነቢይ ነቲ ናይ ተስፋን ምምላስን ሓሳብ ፈጺሙ ረሲዑዎ ኣይኮነን፣
14. ወንጌላዊ ማቴዎስ ድማ፤ ነቲ ኣብ ቤተልሔም ዝነበረ መቓብር ራሔል ብምዝካር፣ ኣብ ቤተልሔምን ከባቢኣን ምስ’ቲ ብሄሮድስ ዝተፈጸመ ቅትለት ሕፃናት የተሓሕዞ፣ “ሞይቶም እዮም’ሞ” ብምባል እቲ ናይ ራሔል (ብስም ኵለን ኣዴታት) ዘይምእባድ ምኽንያቱ ይገልጽ፣ እቲ ብኽያት ኣውያት ናብ እግዚኣብሔር ዚዓርግ፣ ንሱ ጥራሕ’ዩ ዜጸናንዕ ዚድብስ፣ እዚ’ውን ብቓላት ብሕቱ ዘይኮነስ ብተስፋ ትንሣኤን፤ ንሙታን ብምትንሣእን ዚድበስ እዩ፣ እቲ “ሞይቶም እዮም እሞ የለዉን” ዝተባህለ ቃሉ ተለዊጡ፣ እቲ ብኽያትን እህህታን ከኣ ደው ዚብል፣ እቲ ዝወረደ በደል ብትንሣኤ ኪእረም እንከሎ እዩ፣
እዚ ከም’ዚ ዝበለ ፍጻሜ ማለት፣ ናይ ባሕሪ ኅልቀትን፤ ናይ ምድረበዳ ሕልፈትን፤ ናይ ጨወይቲ ግፍዕታትን፣ ኣብ’ዚ ሥልጡን እዋን ፣ እሞ ኣብ ኣፍደገ’ቲ ሥልጡን ዚበሃል ዓለም ዝተፈጸመ ምዃኑ በሓቂ “ዜሕንኽ ተቐባልነት ዘይብሉ፣ ምስ’ቲ ወድሰብ በጺሕዎ ዘሎ ናይ ምዕባሌን ሥልጣኔን ደረጃ ዘይኸይድ” ኪብሉ ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ኣቡነ ፍራንቸስኮስ ብተሪር ቃላት ገሊጾምዎ፣
ምስ ራሔል ኣደ ኵሎም፣ ምስ ኵለን ኣዴታት ሓቢርና ናብ ኣምላኽ ንብዓትናን ጸሎትናን ነዕርግ፣ እታ ኣብ’ዚ ምድር’ዚ ዘይረኸብዋ ርግኣት፣ ነኣኣ ኪረኽቡ ኪብሉ ከኣ ብሓደጋ ዝተረኽቡ ደቅና፣ ነታ ሃሰስ ዝበልዋ ቅሳነት ኣብ ሕፅኒ ኣምላኽ ኪረኽብዋ፣ ማንም ብዘይወስደሎም ኣገባብ ከኣ ምስኡ ኮይኖም ከም ዘስተማቕርዋ ብምእማን እንክንጽሊ፣ ንዅሎም’ቶም ምስ ናፍቖቶም ከለዉ፤ ኪረኽብዎምን ብኣካል ደው ኢሎም ኪቐብርዎምን ኪቐብጽዎምን ዘይከኣሉ ወለዶምን ሰቦምን ንእዮብ ዝደበሰ ይደብስኩም! ጽንዓት የሃብኩም ንብል፣

ዋሕዚ ስደት15. ነኣኣቶም ኣብ ሕፅኒ ኣምላኽ ከነማዕቍቦም ከሎና፣ ኣምላኽ ከኣ ናባና ምልስ ኢሉ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?30 ሓውትኻ ኣበይ ኣላ? ውላድካ ውሉደኩም ኣበይ ኣለዉ?ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ይርከቡ ኣለዉ?…” እናበለ፤ ካብ ሓያሎ ዓመታት እናናሳዕ ይረአ ንዘሎ ኅልቀትን ሕልፈትን ደቅና፣ ነገር ዕላልን ወረን ጥራሕ ንዝገበርናዮ ነኣና፣ዘየቕስንን ዘየደቅስን ሕቶ የሓተና ኣሎ፣ (ታሕ.ወን. 211) መን’ዩ ዚሕተተሉ? ኪበሃል ከሎ፣ ኣብ ጭብጢ ምስ መጻእካ፣ ሓቂ ክትዛረብ ምስጀመርካ፣ ብርግጽ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዚበሃል ኣይሰኣንን ይኸውን፣ ብዓቢኡን ብሓፈሻኡን ግን ሰረቱ ነዊሕን ሰፊሕን ንዅሉ ዚትንክፍን እዩ፣ እዚ ሕቶ’ዚ ተመጢጡ፣ ሃገርናኸ ብዓባያ ኣበይ ኣላ? ኣብ ከመይ ዝበለ ሃለዋት ትርከብ?....ናብ ዚብል ከብጽሕ ግዲ እዩ፣ “ሓላው ሓወይ ድየ?” ብምባል፤ ከነምልጠሉ ዘይከኣል ሕቶ እዩ፣



እዚ ስለዘይተለወጠ ከኣ፤ ህልው መነባብሮ ዘይጽወር ኮይንዎ፣ በቲ ኣብ ስግር- ማዕዶ ዘሎ ንብረትን፣ ዘይረኣዮ ሕይወትን ተሳሒቡ፤ እቲ ደላይ ለውጢ መንእሰይ ዚገብሮ ዘሎ ጕዕዞ፣ ኪጅምር ከሎ ብሕጋዊ መንገድን ኣገባብን ዝነበረ፤ ሕጂ ግን ኣንፈቱ ለዊጡ፣ ግዳይ ባሕርታትን በረኻታትን ኣራዊትን ግዳይ ኣረመናዊ መሸጣን... ክሳብ ምዃን፣ ኣዝዩ ኣብ ዘተሓሳስብ ደረጃ ተበጺሑ ኣሎ፣
16. ኣብ ጸምጸም በረኻ ኣራዊት ንሰብ ኪጻባእስ ንቡር እዩ፣ እቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ግን፣ ካብ ከም’ዚ ዝበለ ሃለዋት ስደት ዝማዕበለ፣ ንሰባት ጨዊኻ ብዘይተኣደነ ገንዘብ እትህብትመሉ፣ ዝገደደ ከኣ ሰብ ንሰብ ኣራዊት ዝኾነሉ፣ ነቲ በምሳል ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ፣ ክብሩን መሰሉን ንዘለዎ ከናቲፍከ ጠቢሕካ ጐዛዚኻ ናብ “ዕዳጋ ሓራዥ” ምውራድ... ይፍጸም ኣሎ፣ ኣብ ታሪኽ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ፣ ዘመነ ባርነትን ሕጊ-ኣራዊትን ኣብ’ዚ ስልጡን ዓለም ተመሊሱ ዝኣተወሉ ኵነታት ክትርኢ ከሎኻ፣ ናይ’ቶም ፈጸምቱ ሕሊናን ኣተናን’ኳ እንተደንዘዘ፣ እቲ ነዚ እናረኣየ ዚርከብ ዓለምከ ከመይስ ከመይ ኢሉ ተጻዊርዎ ኣሎ?? ንምቅዋሙ ንምውጋዱ’ውን ዘይምጕያዩ፣ ኣውራ ከኣ እዚ ነውራምን ኣራዊታውን ተግባር ናይ ዚፍጸመሉ ቦታን፣ ናይ ዚፍጽሙ ሰባትን፣ ናይቶም ኣብ ልዕሊኦም ዚፍጸም ግዳያትን...መንግሥታትን መራሕትን፣
ምድሪ ዘቢጦም ነዚ ግፍዕ’ዚ ንኸወግዱ እንታይ ዘይምገበሩ!! እዚ ዘስካሕክሕ ተግባር’ዚ ዘይተዓግተስ ድልየት ድዩ ማህሚኑ? ዓቕሚ ድዩ ደኺሙ? ወይ ከኣ ዝተገብረ ጻዕሪ እንተሎ፣ ጻማ ድዩ ተሳኢኑ? ወይስ መን’ዩ ረቢሑሉ? እንታይ ኢና ክንብል? ብዓቢኡ’ኳ ካብ ፍርዲ ኣምላኽ ዘየምልጥ እንተኾነ፣ ታሪኽን ግዜን ግን ከግህዶን ኪፈርዶን ዘለዎ እዩ፣ ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ሃለዋት ንምቕያር፤ ሓያልን ዝተዋሃሃደን ጻዕሪ፣ ማለት ናይ ኣተሓሳስባ ለውጥን፣ ግብራዊ ናይ ስራሕን ማኅበራዊ ኵነታትን መሠረታዊ ሕዳሴ ከም ዘድሊ ምልክታን መጠንቀቕታን ካብ ዚህብ ኣይወሓደን፣ ብመዳይ ሕጋውን ፖሊቲካውን ኣገባብ’ውን ነዚ ጕዳይዚ ኣብ ግምት ዘእተወ መሠረታዊ ሕቶን ጠለብን ክትጥምት ዚግድደካ እዩ፣ ነዚ ሸለል ምባል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ዜሕትት ምዃኑ ምዝካር ኣድላዪ እዩ፣ “ከመይ ነፍስወከፍና ነቲ ብሥጋዊ ሕይወቱ ከሎ ዝገበሮ ሠናይ ኮነ እከይ ምእንቲ ኪቕበል፣ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ክንቀርብ ኢና” (2ቆሮ.5፤10)፣ “...መሥርዕ ሓቅን ቍምነገራትን ተዘናቢሉ፤ ሕማቕን ጽቡቕን፤ ክፉእን ድሙዕን ምስ ተደባለቐ፤ ጕጅለታትን ውልቀሰባትን ረብሓኦም ጥራሕ ደኣ’ምበር፣ ናይ ካልኦት ሰባት ግዴታ ዘይብሎም ይኾኑ፣ በዚ ከኣ ወዮ ዓለምና ናይ’ቲ ሓቀይና ሕውነትን ስኒትን ቦታን ባይታን ምዃኑ የቋርጽ፣ በዚ ዘሎናዮ ዘመን’ምበኣር እቲ ዝተጋነነን ዘይመልክዑ ዝሓዘን ሓይሊ ወድሰብ ንዓሌትሰብ ብቐንዱ ንምጥፋእ ጠንቂ ዝኾነሉ ኵነታት ንርኢ ኣሎና...”31
ግዙፍ መዳይ ሕይወትና 17. ሕዝብና ብዙሕ ቍስልታት ጸዊሩ ይካየድ ከምዘሎ ብቐሊሉ እነስተውዕሎ ዘሎና እዩ፣ ድኽነትን፣ ከም ኤችኣይቪ ኤይድስን ዝበለ ሕማማት ብዘምጸኦ ጸገማት፣ ስደትን ምስኡ ዝተተሓሓዘ ነገራትን ኵሉ ንገሊኡ ወገን ናብ ሞት፣ ንህልዋት ናብ ሥቓይ ዝሸመመ እዩ፤ ንዝሞቱ መንግሥተ-ሰማያት የዋርሶም ክንብል ከሎና፣ ብመንፈስ ሓድነትን ኅብረትን፤ ነቶም ግዳያት፤ነቶም ዝሓለፉን ዝተረፉን እናሓሰብና፣ ብርታዐን ምጽንናዕን ኪረኽቡ ንምህለል፣
መሬትና ቀጺሉ ናብ ምድረበዳነት እናተለወጠ፣ ፈርያምነቱን ሃብቱን እናተባ ሕጐጐ ንነበርቱ ዘይዕንግል ይኸውን ኣሎ፣ ነዚ ንምሕዋይ ወይ’ውን ንምዕቃብ ዚግበር ንጥፈታት ኪድልድል፣ ብደረጃ ሕዝቢ’ውን ነዚ ብዚርኢ ሰፊሕ ጐስጓስ ኪግበርን፣ ዚግባእ ንቕሓት ኪጭበጥን የድሊ፣ ምኽንያቱ ድማ ኣምላኽ “ሓለውቲ ተፈጥሮን፤ ሓለውቲ ሓውናን ክንከውን እዩ ጸዊዑና”፣(ኣቡነ ፍራንቸስኮስ) ዝሓሎናዮ ሓውናን ተፈጥሮን፣ ተመሊሱ ኪሕልወና እዩ፣ብበርቂ ንዝሞተ ብሓዊ ደብሶ ከምዝተባህለ ከኣ፣ ሃገርና መሬት ጥራሕ ኣይኮነን ዚጠልማ ዘሎ፤ እቲ ዝዓበየ ጸገም ናይ ሰባት ዋሕዚ ንወጻኢ እዩ፣

ስለ’ዚ ሃገር ናይ ሰባት ድኻ ትኸውን ከምዘላ ብግልጺ ዚረአ ዘሎ ኵሉ፣ ኣብ ዝኾነ ማኅበራዊ ጕዳይ ከም እንዕዘቦ፣ እቲ መንእሰይ ወለዶ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ እቲ ማእከላይ ወለዶ ዚበሃል’ውን ዳርጋ የሎን፣ ንኡስ ወለዶን ሓይልን ዘይብላ ሃገር እንታይ እዩ እቲ ዕድላ? ሃገር ብሕዝባ ብሰባ እያ እትደምቕን እትጽብቕን እምበር፣ ብዘይሰብ ዓዲ ዓዲ ኣይከውንን፤ ሃገር ከኣ ሃገር ኣይትኸውንን፣
18. እዚ ዘብለና ዘሎ ድማ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይፍጸም ዘሎ፣ ናይ ሰባት ቀጻሊ ዋሕድን ዋሕዝን ብሕቱ ዘይኮነስ ንጽባሕ ከጋጥም ዘለዎ ጻንታ እዩ እቲ ዚረኣየናን ዘፍረሓናን ዘሎ፣ ሓደ ስደተይና ኣብ ዝኸደ ኸይዱ፤ናይ ሃገሩ ናፍቖትን ዝኽርን ብርግጽ የሰንዮ ይኸውን፣ ኣብ ታሪኽ ከም ንርእዮ ግን፤ ንዓዶም ተመሊሶም ዝተባህሉ ስደተይናታት ብኣጻብዕ ዚቝጸሩ እዮም፣ እዚ ናይ ሕጂ ንኡስን ማእከላይን ዝበልናዮ ወለዶ ጥራሕ ኣይኮነን ዚጠፍእ ዘሎ፤ እቲ ኪትከኦ ዝነበሮ፤ ማለት እቶም ብሕፃናቶም ዝኸዱን፤ ኣብ ዓዲ ስደት ዚውለዱን ደቆም ኵሎም፣ ሃገር ዝኸሰረቶ ወለዶ ከይከውን ዘየፍርሕ ኣይኮነን፣ “ካብ ምላድ ምልማድ” ስለዝኾነ፣ እዞም ዝጠቐስናዮም ደቆምን ደቂደቆምን፣ ናይ’ቲ ዝዓበዩሉን ዝረብሑሉን ሃገርን ባህልን ብርቱዕ ጽልዋ ስለዘለዎም፣ ናይ
ሃገሮምን ሕዝቦምን ስምዒትን ስሕበትን ንኺሓድሮም ብዕቱብ እንተ ዘይተጻዒሩ ጸገም ምምጻኡ ዘይተርፍ እዩ፣ ንሃገር ድማ እቲ ኣብ ውሽጣ ኮይኑ ዚሓንጻ’ዩ ሕልፊ ዜድምዓላ፣ ስለ’ዚ እዛ ሃገር ትባድም ከምዘላ ዘመልክት ኣውያት’ያ እተስምዕ ዘላ፣ ኣውያታ ከኣ ናብ ኵሉ እዩ፣ ናብ ውልቀሰባት ስድራታት ናብ ዓበይቲ-ዓዲ ናብ መራሕቲ መንፈስን መራሕቲ ፖለቲካን... ዚቐርብ ዘሎ ጥርዓን እዩ፣ ምእንት’ዚ ዘለዉ ከምዘይከዱ፤ ዝኸዱ ከኣ ከምዚምለሱ ንምግባር ብልሓትን ትብዓትን ዜርኢ ተበግሶታት ከድሊ እዩ፣
19. “ዓድኻን ዓይንኻን ኣይምኖን” ዚብል ምስላ ኣበው ተረሲዑ ዲና ክንብል? ሎሚ ዘሎ ኣተሓሳስባን ዝንባሌን “ዓድኻስ ጣዕማኻ ደኣ” ዚብል ይመስል፣ ማለት እቲ ጣዕምን ምቾትን እትረኽበሉ፤ ንሱ’ዩ ዓድኻ ዚብል ስለዝኾነ፣ ነዛ ሃገር’ዚኣ ንሕዝባ ምቾት ጣዕሚ ስራሕ ሰላም ርግኣት...እትህብ ወይ ክትህብ እትጽዕር ንምግባራ ኣሎ ዚበሃል ብልሓትን ክእለትን ኪፍተሽ መድለየ፣ ሕጂ’ውን ብ2001 ቤተክርስትያን ንዝበለቶ ክንደግሞ ኵነቱን ሃለዋቱን ይግድደና ኣሎ፣ “ስለምንታይ መንእሰያትና ዓድጓና ዘማዕድዉ ምባል ትርጕም ኣይህልዎን፣ ዓዲ ሰላም፤ ዓዲ ፍትሒ፤ ዓዲ ስራሕ፣ ዓው ኢልካ ዝመሰለካ እትዛረበላ፤ ሰሪሕካ እተሓድረላ ዓዲ ምስ ሓዝካ፣ መዓር ገዲፉ መዓር ዜናዲ ስለዘየልቦ፣ ንስደት ክንዲ ዘማዕድዉን ዝኸዱን፣ካብ ስደት ዚምለሱን ዚውሕዙን መንእሰያት ኪህልዉና ናይ ግድን እዩ”፣32 ከመይሲ ሃገር ደኣ እያ ምእንቲ ሰባ ምእንቲ ሕዝባ ዝቖመት’ምበር፤ ሰብ ምእንቲ ሃገር ከምዘይኮነ ብግብሪ ብጭብጢ ከረአ ኣለዎ፣
ስነልቦናዊ ሃለዋት 20. በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰን ብኻልእ ንሕይወትን ሰብኣዊ ክብረትን ተቐባባሊ ብዘይኮነ ሃለዋትን ዚኣክል፣ ብመጻኢኻ ምጥርጣርን ምስጋእን፣ እንታይ ውሕስነት ኣሎኒ? ንዚብል ሕቶ ምላሽ ዘይምርካብን፣ ክብሪ ሰብኣዊት ሕይወት ሸለል ምባል ልሙድ ኮይኑ፣ ብዝኾነ ይኹን ኣገባብ ኣብ በለጽ ኣብ ረብሓ ምዝንባል፣ በዚ’ውን ግድልካ ኪፍታሕ ከምዚከኣል ምሕሳብ፣ ዝተተስፎኻዮን ዘማዕዶኻዮን ብምስኣን፣ ዝተጸበኻዮን ዝሓለንካዮን ኪፍጸም ዘይምርኣይ፣ ዘይብጻሕ ምዃኑ ተገንዚብካ ምጭናቕ ዓቕሊ ምጽባብ ንቡር ተርእዮ ይመስል፣ ዝኾነ ኣድማዒ መደብን ኣገባብን ኣብ ስግር ማዕዶ ጥራሕ’ዩ ዘሎ፣ ኣብ’ዚ ኣብ ሃገረይ ዚጠቕመኒ ዘርበሓኒ ነገር የልቦን…ወዘተ...ዚብል ኣተሓሳስባ ገኒኑ፣ እዚ ከም’ዚ ዝበለ ኵነትን ሃለዋትን ነቲ ሰማይና ኣደቢንዎ ኣሎ፣ ነቲ ሠናይን ጽቡቕን፣ ኣብ’ዚ ብጻዕርኻ ከተጥርዮ ክንዲ ምፍታን፣ ናብ ካልእ ጥራሕ ምጥማት በዚሑ፣ ምስ’ዚ’ውን ብዝተፈላለየ ምኽንያት፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር (ኣብ ኣገልግሎት ኣብ ሰራዊት ኣብ ኣብያተ-ተሃድሶን ማእሰርትን...)ብዚርከቡ ኣባላታ ዝተነጻጸለት ስድራቤት፤ ዝሸምገሉን ናባዪ ዝሰኣኑን ወለዲ፤ መንፈሶም ብዓሚቝ ተሃስዩ ከም ይርከብ፣ እቲ ኣፍራዪ ዝኾነ ክፋል ኅብረተሰብ ካብ ስድራቤቱ ተፈልዩ ምርካቡ ዘምጸኦ ጸገማት ርኡይ እዩ፣ እዚ ከኣ በቲ ኤኮኖምያዊ መዳዩ ጥራሕ ዚረአ ዘይኮነስ፣ ነቶም ኣብ ቤት ዚተርፉ ኮነ፣ ነቶም ኣብ ጽምዋ ዘለዉ፣ በቲ ስነልቦናውን ሞራላውን ወገኑ፣ ብኸመይ ከም ዚሃስዮም ንምርዳእ ኣየጸግምን፣ ከም ሕማም ሽኮርን ጸቕጢ- ደምን ልብን...ዝበለ ሕማማት ምስፍሕፋሑ፣ናይ ሥነ-ኣእምሮ ሕማማት...ወዘተ ምብዛሑ ብዘይምኽንያት ኣይኮነን፣

ማኅበራዊ/ሲቪላዊ ሃለዋት21. ልሙድ ናይ ማኅበራዊ ሥርዓት ኣካያይዳና፣ በብቝሩብ ናብ “ነበረ” እናተለወጠ ብምኻድ መሣርዓት ኅብረተሰብን ዚጾሮ ዓንደ-ገመሉን እናተማሕወ ፈውሲ ናብ ዘይብሉ ዕንወት ገጽና ንኸይድ ኣሎና ኪበሃል ይከኣል፣ (ኤርም. 4፤11-21 ረአ)ሃለዋት ስድራቤት RealAudioMP3 ናይ ወለድን ዓበይቲ-ዓድን መዝነት፣ ኣብ ልዕሊ ደቆምን ንኡስ ወለዶን ዘለዎም ጽልዋን ሓላፍነትን ብዝተፈላለየ ኣገባብ፤ እንተ ብመራኸብ-ብዙኃን እንተ ግዜኡ ብዘምጸኦ ናይ ኣገልግሎትን ናይ መንእሰይ ኵነታትን...ተሸራሪፉ ጥራሕ ዘይኮነስ ፈጺሙ’ውን ዝተረፈ ይመስል፣ ንሕና እንብሎም ግን ወላ’ኳ እቲ ንቡርን ባህርያውን መዝነትኩም ዝተመንዛዕኩም ኮይኑ እንተተሰመዓኩም፣ ኢድኩም ክትህቡ ግን ኣይግባእን፣ ሕጂ’ውን ናይ መሪሕነትን ኣብነትን፤ ናይ ዕርቅን መንጎይንነትን... ኣገባብ ክትሕዙ፣ብግዜያዊ ጣዕምን ምቾትን ከይትምለኹን፤ ንዚመጽእ ኣማዕዲኹም ክትጥምቱ፣ ንስድራቤት ኣድሕኑ ንብለኩም፣ ድሕነት ስድራቤት፤ ድሕነት ሃገር እዩ፣
እቲ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?”ዚብል ሕቶ፣ ብፍላይ ንስድራቤት ኣብ ስድራቤት ንዚፍጸም ኵሉ ዚርኢ እዩ፣ ከመይሲ ኅውነት ዚፍጠረሉን ዚዓብየሉን ዚዕንብበሉን ባይታ ስድራቤት እዩ፣ ቤተክርስትያን’ውን መሠረታ ኣብ ስድራቤት እዩ፣
“... ስድራቤት መሠረት ኅብረተሰብ እያ፣ ኣብ’ዛ ስድራቤትዚ’ኣ ወለዶታት (ዓበይትን ናእሽቱን) ይራኸቡ፣ምስ ናይ ማኅበራዊ ናብራ ግድነታቶምን ግቡኣቶምን ኣወሃሂዶም፣ ውልቃዊ መሰላቶምን ግቡኣቶምን እናማዕበሉ፤ እናበሰሉ ንኪኸዱ እተኽእል፣ ብሓባር ዚነብሩላ ተቅዋም እያ”33 ስለ’ዚ ንስድራቤትን ንናይ ቃልኪዳን ሃለዋትን ንምድሓን፤በቲ ቅኑዕ መንገዱ ከምትስጕም ምግባር የድሊ፣34ሞራላዊ ሕንጸት22. ኣብ ሕዝባውን ማኅበራውን ኣሠራርዓ እንተመጻእካ፣ ሥልጣን ንኣገልግሎት፤ ከምኡ’ውን ካብ ሕዝቢ ንሕዝቢ ምዃኑ ተረሲዑ፣ ፈታዊኻ እትደምዓሉ፣ ብግቡእን ዘይግቡእን ንርእስኻ እተጣጥሓሉ ኮይኑ ስለዚርከብ፣ ናብ ግቡእ ቦታኡ ንምምላሱ ሓዲስ ብልኃትን ተሓታትነትን፣ ብቕኑዕ መስመር ዚግበር ተወፋይነትን ዚሓትት ኵነታት እዩ፣ እቲ ብልሽውና ዚብል ቃል’ውን ኣብ ማኅበራዊ ናብራና ናቱ በሰላን ማህሰይትን ከምዘለዎ ዚከሓድ ኣይኮነን፣
ብልሽውና ኪበሃል ከሎ፤ ብገንዘብ ገቢርካ ግቡእን ዘይግቡእን ንምርካብ ንዚግበር ፈተነ ጥራሕ ዚርኢ ኣይኮነን፣ ናይ ኅብረተሰብ ኅሊናን ኣተናን ኪቕበሎ ካብ ዚኽእል ሥሩዕ መንገድን፣ ካብ ልምድን ኣገባብ ሕግን ወጺእካ ምስራሕ’ውን ንርእሱ ብልሽውና እዩ፣ እቲ ቐንዲ መበቈሉ ኣገባብ-ቍጽጽር ምድኻሙ፣ ናይ ግልጽነትን ተሓታትነትን ኣገባብ ዘይምትእትታዉ ኮይኑ ይረአ፣ ነቲ ዚፍጸም ዘሎ ብልሽውና ሰባት ክንዲ ዘቃልዑን ዘቃልሑን፣ጕዳይካ ከምዚሰልጠካ ጥራሕ ብምግባር፣ ብዙሓት ዝጠሓሉሉ ቀላይ ኮይኑ ኣሎ፣ ንመደብ ሓቅነት ጥሒስካ፤ ብሓሶት ክትካየድ ምፍቃድ ንርእሱ ውጹእ ብልሽውና እዩ፣ ፈሪሃ እግዚኣብሔርን ሓለዋ ሕጉን ዘይብሉ ሰብ ከኣ፣ከም ዓመጽን ግፍዕን ኣብ ዝበለ ኵነታት ምውዳቑ ዘይተርፎ እዩ፣ “ኵሎም ሓቢሮም ሥልጣን እግዚአብሔር ዝጠሓሱን ነኣኡ ዘይተኣዘዙን ነበሩ”፣(ኤርም.5፤1-11 ረአ)፣
ካብ’ዚ ዓዘቕት’ዚ ብኸመይ እዩ ኪውጻእ ዚከኣል? ሕማም ብልሽውና ሡር እናሰደደ ዝመጽአ በኣጋ ዘይወጽእ እዩ፣ ብወገን መንፈሳዊ መሪሕነት ንሕሊና ሰባት ብምዅስኳስ ብመዕበያ ዚጥረ ነዊሕ ጕዕዞ እዩ፣ብጾምን ብጸሎትን፣ማለት ብሰፊሕ መንፈሳውን ሞራላውን ምሕዳስን ምጕስጓስን ኪፍጸም፣ ብወገን ፖሊቲካውን ሲቪላውን ሥርዓት ድማ ንጹርን ጽፉፍን ፖሊሲ ቍጽጽርን፤ ሕጋዊ ኣሰራርሓን ኪትከልን ኪድልድልን ይጽናሕ ዘይበሃል ጕዳይ እዩ፣ ግዝኣት ሕጊ23.ንሕዝብና ካብቲ ቀንዲ መለለዪኡ፣ ናይ ሕጊ ዕብየትን ግዝኣትን ዚፈልጥ ምዃኑ እዩ፣ “ዝባን ሕጊ” ቢሉ፤ዘንጊ-ሕጊ ቀጥ ዘበለ ሰብ፣ካብ’ቲ ዘንጊ ብረትን ኵናትን ዘልዓለ ንላዕሊ ዚፍራሕን ዚኽበርን እዩ፣ እዚ ጽቡቅ ልማድ’ዚ ምስጠፈአ ድዩ ብኣደዳ ብልሽውና ተወሪስና ዘሎና? ወይስ እቲ ብልሽውና እዩ ነዚ ዜጥፈኦ ዘሎ? እዚ’ውን ንሕንጸት ሃገርን ሕዝብን ዚርኢ ጕዳይ ምዃኑ ኪዝከር ኣለዎ ንብል፣ ብሕጊ ዚሕተትን ዚእሰርን ኵሉ፤ ቅድሚ ኵሉ ብሰብኣውነትን ብናይ ድንጋጸ ኣገባባትን ዚተሓዘሉ፣
ቀጺሉ ድማ በቲ ጥሒስዎ ዝተባህለ ሕጊ መሠረት ብዝቐልጠፈ ኪፍረድን ጕዳዩ ኣብ መዕለቢኡ ኪበጽሕን፣ብዓቢኡ ከኣ ብቅዋማዊ ሕጊ ክትምራሕ ምድላይ፣ ዝኾነ ይኹን ንርትዕን ፍትሕን፣ ንኡነተይና ሓርነትን ዝቖመ ኣካል ዚጽበዮ ነገር ስለዝኾነ፤ ዕቱብ ኣቓልቦ ኪረክብ ኣለዎ፣ ምስ’ዚ እውን ብዝዓበየ ናይ ሃገርካ ግድላትን ጸገማትን፣ ብጽሑፍ ኮነ ብዘረባ ብግልጺ ዘይምክታዕ፤ ኣብ ዘተ ዘይምእታው፤ ብዋሕዲ ሓበሬታን ግልጽነትን ዚኣክል፤ ንጕዳይ ሃገር ዚርኢ ዘይምፍላጥን፣ንጹር መረዳእታን ዘይምርካብን፣ ናይ ሕሹዅ- ሹዅን ሕሜታን ሓሶትን ግዳይ ምዃን፣ ምስ’ዚ ኣብ ዝተተሓሓዘ ነገራት ምውዳቕ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ “እንታይ ገደሰኒ” ዝዓይነቱ ስምዒት የማዕብልን ይዕብልልን፣ ጽን ኢልና ድምጺ ኃውና ክንሰምዕን ክንሰማማዕን፣ ኣበይ ኣሎ/ኣሎኻ? ኢልና’ውን ንሃለዋት ኃውና ኣቓልቦ ስለዘይንገብረሉ፣ እቲ ካልእ ዚብሎን ዚኾኖን ንምርዳእ ስለዘይተበገስና፣ ግድላትናን ፍልልያትናን መዓልቲ መጽአ እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎ ይረአ፣ትምህርቲ24. ትምህርቲ መሠረት ስራሕን ምዕባሌን፣ መሠረት ማኅበራዊ ለውጥን ኪኸውን፣ ነዛ ሃገር ከኣ ናብ ሓዲስ መድረኽ ዘሰጋግር ወለዶ ኪሕነጽ እንተተደልዩ፣ መሣርዓት ትምህርትን ኣገባባቱን ፈጺሙ ብሓዲሽ ብልኃትን ሥርዓትን ኪመሓየሽ ይግባእ፣ ንኡስ ወለዶ ናጻን ንጹሕን ብዝኾነ ኣእምሮ ኪመሃርን፣ ኣማዕዲኻ ዚረአ ናይ ስራሕ ዕድልን ውድድርን....ከምዚህልዎ ምግባር፣ ትምህርቲ ንስልጡናት ሃገራት ዘጨበጠን በረኸት ክንጭብጥ እንተደኣ ደሊና፣ እቲ ናይ ስልጡናት ሃገራት ብልሃት ትምህርትን፤ ንትምህርቲ ዘንቀሳቕስ ፍቱን መደባትን መጋበርታትን ምውናን ከምዘድሊ ብሩህ እዩ፣
ቤተክርስትያን’ውን ኣብ ወገን ትምህርቲ ዘለዋ ኣበርክቶ፣ ነቲ ምልኣት ሰብኣ- ውነት ብምሕሳብ፣ ኵሉ ንዝተቐበሎን ዘማዕበሎን፣ ከም ሓቅነት፤ኅውነት፤ናጽነት፤ማዕርነት፤ዴሞክራሲያውነት፣ ፍትሕን ርትዕን፤መሰልን ሕጋውነትን፤ ተሓታትነትን...- ዝበለ ሰብኣዊ ክብርታትን፣ መሠረታዊ መትከላትን ንምምዕባል እዩ፣ ነዚ ንምጭባጥ ድማ እቲ ንኻልኦት ዘርበሐ፣ ብታሪኽ ዝሓለፈን ዝተጻፈፈን ኣገባባት ምኽታል ብግዲ የድልየና፣ ካብ ተመክሮ ካልኦት ምምሃር ጽቡቕ እዩ፣ “... ማኅበራዊ ሥርዓትን ንብረትን ቀጻሊ ለውጥን ምምሕያሻትን ዚሓትት እዩ፣ ኣብ ሓቂ ዝተመሥረተ፣ ብመደብ ፍትሕን ርትዕን ዝተሓንጸ፤ ብፍቕሪ ዝተዀስኰሰ ኪኸውን፤ ብናጽነት እናዓበየ ከኣ በብዕለቱ ብዚገብሮ ጕዕዞ ናብ ዝበለጸ ሰብኣውን ሚዛናውን ብስለት ኪበጽሕ ኣለዎ”35፣ ናይ መነባብሮን ቍጠባን ኵነታት25.ናይ ነፍስወከፍ ቤት ወይ ስድራቤት ኣከያይዳ በመንጽር ኤኮኖሚ ኪረአ ከሎ፣ እቲ ኣብ ወጻኢ ዚነብር ዝቐረበን ዝረሓቐን ወገን ስድራቤት እንተዘይህሉስ እንታይ ምተገበረ? ወይ ብኸመይ ምተሓልፈ? ዚብል ሕቶ እንኪመጽኣና፣ “ኣምላኽ ሽግር ይፈጥርሞ መደያይቦ ከኣ የምጽእ” ንዚብል ምስላ ኣቦታትና ዘኪርና ንጸናናዕ፣ እዚ
ግና ናይ ወትሩ ፍታሕ ከም ዘይኮነ ፍሉጥ እዩ፣ ስራሕ እንተ ዘይተፈጢሩን፣ እቲ ውዑይ ኃይሊ መንእሰይ ሰሪሑ ኣታዊ ኣብ ዚረኽበሉ መዳይ እንተዘይተዋፊሩ፣ ስራሓት ንግድን ሕንጸትን ዳግም እንተ ዘይተበራቢሩ፣ እቲ ናይ ድኽነት ዝለገመ ቝስልን ሕማምን ደግሲ ከም ዘምጽእ ማንም ዚስሕቶ ኣይኮነን፣ ካብ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ናጻ ምዃን፣ እዚ ነገር’ዚ ንሃገር ብዓቢኡ ኣድማዒ እንተደኣ ኮይኑ፣ንውልቀ- ሰባትን ውልቀ-ስድራታትን (ድኹማትን ምግዱራትን ብዝሓደግካ) እውን ኣገዳሲ እዩ፣ እዚ ግን በቲ ኪምዕብል ዘለዎ ናይ ስራሕ ኵነታት ዚጥረ እዩ፣ ብውቁብ ቃላት ናይ ዝደመቐ ኣይኮነን፣
ኣብ ርእስ’ቲ ዘሎ ናህሪ ዋጋታትን፣ እኹል ዘይኮነ ደሞዝን፣ እናሓደረ ዚውንጨፍ ናይ ኣባይቲ ክራያትን፣ ዝመረጽካዮ ስራሕ ምስራሕ ዘይምኽኣል፣ ነኣብነት ንብዙሕ ወገናት ኅብረተሰብ ከንቀሳቕስ ዝነበሮ፤ ሓደ ካብ’ቲ ብዙሕ፤ስራሕ ሕንጻ ደው ምባሉ ኣዝዩ ሃሳዪ ኮይኑ ተረኺቡ፣ ክትንቀሳቐስን ክትሰርሕን፣ ብረሃጽካን ፍረ ስራሕካን ምንባር እንተ ዘይተኻኢሉ፤ በዚ ዓይነት’ዚ እቲ ናጽነት ውልቀ-ሰብን ሕዝብን እንተ ዘይደልዲሉ፣ ነቲ ናጽነት ሃገር ብኸመይ ኢና ክንርድኦ? ኣበይ ኢናኸ ክንረኽቦ? ብሓጺሩ ሰብኣዊ ስራሕን ምዕብልናን ኣብ ናጻ ድልየትን መሃዝነትን ዝተመርኰሰ እንኪኸውን፤ ፍረ ዘለዎን ንሰብ’ውን ዘኽብሮን ዘማዕብሎን ይኸውን፣36 ናይ ምቾትን ናይ ጣዕምን ጕዳይ ዘይኮነስ፣ ንምህላውን ዘይምህላውን ዚርኢ እዩ፣ ከም ዕለታዊ እንጌራን ማይን መብራህትን...ዝበለ መሠረታዊ ሃላኺ ነገራት፤ ናይ መነባብሮ መሠረት ክንድዝኾነ፣ ብዚምልከቶ ወገን ዚግባእ ኣቓልቦ ኪግበረሉ፣ ብሓጺሩ ሥርዓት ኤኮኖሚ’ውን ንሰብ ብዘድምዕ ኣገባብ ኪኽለስ የድልዮ፣ ሥነምግባራውን መንፈሳውን ሕይወት፣
1 1ጢሞ.1᎓22 ዕብ.11᎓1-3
3 1ተሰ.1᎓3
4 1ተሰ.1᎓2 ረአ4
5 ብር. እም. 6
6 2ጢሞ.2᎓22
7 ኣፍ. እም.᎓ 155
8 ሉቃ. 22፤32
9 ብር. እም. 5
10 ራእ.21፤46
11 ዕብ.12፤2
12 ዮሓ.14፤6
13 ኢሳ.7፤9
14 1ዮሓ.5᎓47
15 ጥበ. ሰሎ.2᎓23
16 ፍሥ. ተስ. 41 (ጉባ. ቫቲ. 2ይ) 17 ታሕ. ወን. 266
18 ሓዋ. ተል. ምእ. 5 ረአ (ጉባ. ቫቲ. 2ይ) 19 ዕብ 12፤2
20 ብር. እም. 57 ረአ
21 ብር. እም. 57 ረአ
22 ሰላምን ምዕብልናን ... 19918
23 ብር. እም. 1 24 ብር. እም. 7
25 ብር. እም. 7
26 ዘሎናዮ እዋን፤ 1
27 ፍሥ.ተስ. 21 (ጉባ. ቫቲ. 2ይ)
28 ማቴ. 2፤ 17-18 (ኤር.31፤15)
29 ድጕ. ኤር. 1፤2411
30 ዘፍጥ. 4፤91231 ፍሥ. ተስ. 37 (ጉባ. ቫቲ. 2ይ)32 ነዛ ሃገር እግዚአብሔር የፍቅራ እዩ፣ 2916
33 ፍሥ.ተስ. 52
34 ፍሥ.ተስ. 52 ረአ17
35 ፍሥ.ተስ. 2619
36 Caritas in Veritate 17








All the contents on this site are copyrighted ©.