2014-06-22 19:07:01

በዓለ ቅዱስ ቍርባን፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝሓለፈ ሓሙስ ብ ዓለ ቅዱስ ቍርባን ንምኽባር አብ ባዚሊካ ቅ.ዮሓንስ ዘላተራነንሰ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግን ካባኡ ክሳብ ባዚሊካ ቅድስት ማርያም ሳንታ ማርያ ማጆረ ዑደት ቅዱስ ቍርባን ብምግባር ንኩሎም አብቲ ዑደት ዝተሳተፉ ብቅዱስ ቍርባን ባሪኾም፣
አብ ጊዜ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ስብከት ነቲ አብ ነፍሲ ወከፍ ደቂ ሰባት ዘሎ ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወትን ፍቅርን ጥሜት ከጽግብ ዝኽእል እቲ ጐይታ ዝህበና ቅዱስ ቍርባን ጥራይ ምዃኑ ገሊጾም፣
ነቲ አብ ኦሪት ዘዳግም “ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዚወጽእ ኵሉ ነገር ደኣ እምበር፡ ብእጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር ምእንቲ ኼፍልጠካ፡ ንሱ ኣዋረደካ፡ ኣጥመየካ፡ ንስኻ ዘይፈለጥካዮ ኣቦታትካውን ዘይፈለጥዎ ማና ኸኣ ኣብልዓካ።”(8፤3) መበገሲ ብምግባር ወዲ ሰብ ክንዮ ሥጋዊ ጥሜት መንፈሳዊ ጥሜት እውን ከምዘለዎን ንክልቲኡ ዝኸውን መግቢ ከአ ዝተፈላለየ ከምዝኾነ አብሪሆም፣ ኦሪት ዘዳግም ንሕሩይ ሕዝቢ እግዚአብሔር ይወቅስ ምኽንያቱ ነቲ ካብ ባርነት ግብጺ ዘውጸኦምን አብ ጕዕዞ ምድረ በዳ ዘሰነዮምን እሞ ኸአ ብዙሕ ተአምራት ዘርአዮምን ድሮ ረሲዖም ናይ ግብጺ ሽጉርትን ስጋን ከምዝተመነዩ ምስ ረአየ አንቱም አይፋልኩም ዘክሩ ይብሎም፣ ዝኽሮም ግን ሓሚሙ ስለዝነበረ ዝንቡዕ ዝኽሪ ነበረ፣
አብቲ መሠረታዊ ዝኾነ አብ እግዚአብሔር ብፍጹም ምእምናንን ምጽጋዕን ክምለሱ ከመይ ምስ ጸበቦምን ጨነቆምን ንኩሉ አብ ኢዱ አንቢሮም ብእምነት ናባኡ ምስ አእወዩ ይረድኦም ም እንቲ ክስቈሮም ከአ “ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዚወጽእ ኵሉ ነገር ደኣ እምበር፡ ብእጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር ምእንቲ ኼፍልጠካ፡” ይብል፣
ክንዮ እቲ ስጋዊ ጥሜት መንፈሳዊ ጥሜት እውን አሎ እቲ ሃረርታ ናይ ሕይወት ሃረርታ ናይ ፍቅሪ ሃረርታ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዘበገሶ ጥሜት ማለት ኢዩ፣ ኢየሱስ ነዚ ጥሜት እዚ እን ዕንግለሉ ዓቢ መግቢ ሂቡና፣ እቲ ሓቀኛ መግቢ ዝኾነ ስጋኡ ብመልክዕ ኅብስቲ ነቲ ሓቀኛ መስተ ዝኾነ ደሙ ብመልክዕ ወይኒ ሂቡና፣ እቲ አብ ምድረበዳ ዝተዋህበ መና አምሳል ናይዚ ኢዩ ነሩ፣ ኮይኑ ግን ነዚ ጥሜት እዚ ይ ዕንግል አይነበረን፣ ስጋ ክርስቶስ ሕመረቱ ፍቅሪ ስለዝኾነ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክህበና ይኽእል፣ እዚ ፍቅሪዚ ብቅዱስ ቍርባን አቢሉ ናባና ይመሓላለፍ፣ ቅዱስ ቍርባን ንዝጠመየ ንምዕንጋልን ነቲ ኃይሉ ዝደኸሞ እንደገና ኃይሉ ክመልሰሉን ወትሩ ይጽበየና፣
“መቀረት እምነት ምስትምቃርከስ ጐይታ ክምግበካ ፍቃደኛ ምዃንን ሕይወትካ በራሲ አብ ዝኾነ ዓለማዊ ነገራት ዘይኮነስ አብቲ ዘይበርስ ነገራት ማለት ውህበት እግዚአብሔር ዝኾኑ ቃል እግዚአብሔርን አብ ስጋኡን ደሙን ምምስራት የድሊ፣ ከባቢና እንተተመልከትና ካብ ጐይታ ዘይኮኑ ስለዝኾነ ከአ ዘየጽግቡ ዝተፈላለዩ መአድታት ንዕዘብ፣ ገሊኦም አብ መአዲ ገንዘብ ገሊኦም አብ መአዲ ዓወትን ጃህራን ገሊኦም ከአ አብ መአዲ ስልጣንን ት ዕቢትን ይምገቡ፣
“ኮይኑ ግን እቲ ብሓቂ ዝምግበናን ዘጽግበናን መግቢ እቲ ጐይታ ዝህበና ኢዩ፣ ጐይታ ዝህበና መግቢ ካብ ካል እ መግብታት ፍሉይ ኢዩ፣ ምናልባት ከምቲ ናይ ዓለም ዝህቦ መግብን መስተን መቅረት ዘይብሉ ኮይኑ ክስመዓናን ከምቲ እስራኤላውያን ንኩሉ ረሲዖም አብ ግብጺ ዝቅረበሎም ዝነበረ መአዲ ዝናፈቁ ኮይኑ ግን መአዲ ባርነት ምዃኑ ዝረስ ዑ ንሕና እውን ከም ኡ ክንርስዕ ስል እንኽእል ዝኽርና ነሐድስ፣ ጐይታ እውን ነዚ ኢዩ ዝብለና ዘይትፈልጦ መና መጊበካ ኢየ እሞ ዘክር ይብለና አሎ፣ ቀንዲ ውራይናኸስ እዚ ኢዩ ንዝኽርና ምሕዳስ፣ ነቲ ናይ ሓሶት መግቢ ዝኾነ ዓለም ዘቅርበልናን እሞ ከአ ናይ ኃጢአትን አነነትን ትዕቢትን ውጽ ኢት ስለዝኾነ የደናግረናን የዕንወናን፣
ብምሉእ እምነት ናብ ኢየሱስ ቀሪብና ኦ ኢየሱስ ካብቲ ባሮት ዝገበረና ናይ ዓለም መግቢ ፈተና ሰውረና፣ ከመይ እዚ መግቢ እዚ ዝተመረዘ መግቢ ኢዩ፣ ኦ ኢየሱስ ዝኽርና አሓድሰልና ባሮት ናይ ገዛእ ርእስና ስስዕትን ዓለምን ካብ ምዃን ሰውረና፣ ነቲ አብ መንጎ ሕዝብኻ ኰንካ ዝገበርካዮ ታሪኽ ዘኪርና ክንክ እል እሞ ዝኽሪ ናይቲ ዝፈጸምካዮ ናይ ድሕነት ፍቅሪ ክነሐድስ ሓግዘና ንበሎ፣ እንክብሉ ስብከቶም ምስ ዛዘሙ ካብ ቅር ዓት ባዚሊካ ቅ.ዮሓንስ ዘላተራነንሰ ምስ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ውሉደክህነትን በሽሓት ዝቍጸሩ ም እመናንን ተሰንዮም ናብ ቅር ዓት ባዚሊካ ቅድስት ማርያም ሳንታ ማርያ ማጆረ ዑደት አካዮዶም ብቅዱስ ቍርባን ባሪኾም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.