2014-06-21 16:32:37

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ብእምነት ኣሳዶ ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር እዩ


RealAudioMP3 ናይ ሃይማኖት ነጻነት ካብቲ ሰብኣዊ ክብሪ ዘይፍለ ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን መሰረት ምዃኑን እዚ ዓይነት መሰልን ክብርን ብመንግስቲ ቅቡል ዝኾነ ናይ ሓደ ጥዑይ ዴሞክራሲ ምልካዊ ኣተሓሳስባ እዩ። ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ካብ ዝግህስ ምልካዊ ስሮዓት ሰብኣውን ክብርን መሰልን ዕቃቤን ኣኽብሮትን ዝፍጽም ጥዑይ ዴሞክራሲ ምልካዊ ኣተሓሳስባ ክኸውን ይበልጽ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ኣብዚ እንነበረሉ ዘሎና ዓለም ሕጂ እውን ብእምነቶም ምኽንያት ዝስደዱን ብእምነት ስም ውግእን ውጥረትን ክህሉ ብሓቂ ምኽንያታዊ ክኸውን ዘይክእልን ዘይቅብሉን ተግባር ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሉምሳ ኣተሰምየ ነጻ መንበረ ጥበብ እርገታ ለማርያም ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ርእሰ ጉዳይ ኣተኵይሩ ናይ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ ተጋባእያን ዕለት 20 ሰነ 2014 ዓ.ም. ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ከምዝገለጹ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራሶ ሓቢረን።
ነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ሰብ ብዛዕባ ኣናስሩን ፍጻሜኡን ስለ ታሪኹን ዝምልከት ሓቂ ዳላይ ከምዝኾነን እዞም መሰረታውያን ሕቶታት ድማ ኣብቲ ውሳጣዊ ሰብ ምዃኑ ዝተነብሩ ብማንም ዘይዕገቱ ሃይማኖታውያን ሕቶታት እያቶም። ስለዚህ እዚ ሃይማኖታዊ ሕቶ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዘድልዮ ከምዝኾነ ቅዱስ ኣቦና እንከረድኡ፦ “ናይ ሃይማኖት ነጻነት ሓደ ናይ ኣመለኻኽታን ርእዮትኻ ናይ ምግላጽን ወይ ድማ ናይ ኣምልዀን ስግደትን ነጻነት ማለት ጥራሕ ዘይኰነስ እንታይ ደኣ ናይቲ ዝተረኽበ ሓቂ ስዒቡ ዝመጽእ ብመሰረት ስነ ምግባራዊ መሰረታዊ ሕጊ ብውልቅን ብማሕበራዊ ሕይወትን ኣብ ሓፈሻዊ መዳይ ዝንበር ነጻነት ማለት እዩ። እዚ ድማ ኣብዚ ብስነ ምግባር ደረጃ እውን ይዅን ብሓፈሻኡ ብሽም እቲ ናይ ሓሶት ተቐባቢልካን ተኸባቢርካን ምንባር ዝብል ኣብ ሓቂ ዘይተመርኰዘ ኣብ ወዲ ሰብ ዘሎ ሓቂ ንዝኸላኸሉን ዝጣበቑን ብምስዳድ ዝዛዘም ብሽም ናይ ሓሶት ድኹም ኣተሓሳስባ ነዚ ዓውሎማነት ዝንብር ዘሎ ዓለም ዓቢይ ብድሆ እዩ” ከምዝበሉ ቸራዞ ሓቢረን፣ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ማሕበራውን ፖለቲካውን ነጸብራቕ ዘለዎን ብሕገ መንግስትን መምርሒ ሕግታትን ርዱእ እንተድኣ ኰይኑ ንምዕባለ ዝድግፍን ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ኣብ ምክብባር ዝቖመ ናይ ሓባር ርክብን ብዘይ ምድንጋርን ተጻባኦነትን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ምትሕብባር ክህሉ ዘብቅዕ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና እንክትንትኑ “ዓለም ለኻዊ ይኹን ብሔራውያን ሕግታት እቲ ኣብ ፍጥረት ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ካብ ምዃን ሰብ ዘይፍለ ብዛዕባ ነጻ ናይ ምዃን ክብሩ ዝገግልጽ መምዘኒ ናይ ሓደ ጥዑይ ዴሞክራሲ ምልክታ ዝዀነን ንናይ ሓደ መንግስቲ ተፈላጥነትን ቅቡልነትን ናይ ዘውህቦ መሰረተ ሕጊ ምንጪ ንዝኾነ ናይ ሓይማኖት ነጻነት ኣፍልጦ ክህቡን ክውሕሱን ክከላኸሉን ዝተጸውዑ እያቶም” ቢሎም “ምእንቲ’ዚ ብእትኽተሎን እትስዕቦን ሃይማኖት ምኽንያት ክትስደድን ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር እዩ። እዚ ንሃይማኖት ዝሓስን ኣብ ልዕሊ ሰላም ፈተነን ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ዘሕስርን ተግባር እዩ” ብምቕጻል፦ “ኣብዚ እዋን’ዚ ማሕበረ ክርስትያን እቶም ኣዚዮም ብእምነቶም ምኽንያት ዝስደዱን ንሓሳርን መከራን ዝተቓልዑ ኰይኖም ምርኣይ ዘሕዝን እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስትያን ዝፍጸም ስደትን መከራን ካብቲ ኣብ ልዕሊ እታ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ስደትን መከራን ዝተፍኸፍለ ሰማዕትነት ማሕበረ ክርስቲያን ኣዚዩ ክብ ዝበለን ዝለዓለም እዩ” ቢሎም ነቶም ተጋባእያን በቲ ዘካይድዎ ዓውደ መጽናዕትን ምርምሮም ምጽናዕቶምን ኣቢሎም ዓለም ለኻውን ብሔራውን ሕግታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበርን ውሕስነት ክረክብ ከምዘለዎ ኣመኽንዮ ከቕርቡ ሓደራ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ዘቕረብዎ ምዕዳን ከምዘጥቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.