2014-06-21 16:26:58

ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ክፍለ ሃገር ካላብሪያ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ካላብሪያ ዕለት 21 ሰነ 2014 ዓ.ም. ሓውጾተ ኖልዎ ከምዘካይዱን ብዛዕባ እዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣመልኪቶም ናይታ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝካይዱላ ከተማ ካሳኖ ኣል ዮኒዮ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኑንዚዮ ጋላንቲኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቅድም ክብል ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘገበርዎ ቃለ መሕትት፦ ካላብሪያ ዝተፈላለዩ ማሕበራውን ሰብኣዊን ጸገማት ዝረኣየላ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝተፈላለየ ዓመጽ ዝፍጽሙላ ከባቢ ኢጣሊያ ከምዝዀነትን ኣብ ዓለም ዓውሎማነት ዓመጽን ምንቅስቃስ ናይ ገበን ጁለታትት ከምዘሎን ቅዱስ ኣቦና ነዚ ናይ ክፍኣት መንፈስ ክግስጹ ንእግዚኣብሔር ዝከኣሎ እዩ ከምዝበሉ እንክምልከት፣ ኣብ ካሳኖ ልዕሊ 90 ሺሕ ሕዝቢ ንቕዱስ ኣቦና ኣቀባብላ ከምዝገበርሎምን፣ ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ብፁዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ ቀጺሎም ብተራኦም መልእኽቲ ኣስሚዖም ኣብ ቤት ማሕቡስን ቤት ሕክምናን መእለያ ኣረጋውያንን ከምኡ እውን ብእጸ ፋርስ ዝተጠቕዑ መንእሰያት ዝእለይሉ ቤት ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ስነ ኣእምሮም ማእከል በጺሖም እቲ ኣብቶም ሕዙናትን ህሙናንን ኣረጋውያንን ዘሎ ኢየሱስ መስኪሮም እቶም ኣደዳ ናይ ዝተፈላለዩ ገበን ጉጅለታት ዝዀኑ ዜጋታት ኩለ መደያዊ ደገፍ ክቐርበሎምን ኩሉ ንናይ ገበን ጉጅለታት ኣይፋል ክብልን ናይ ገበን ጉጅለ ግዙእ ከይከውን ዘተሓሳሰብሉን ምስ መላእ ውሉደ ክህነት ካላብርያ ተራኺቦም ናይታ ክፍለ ሃገር ካህናት ናይ ውልቃውነትን ኣነነትን ማእከል ዝገበር ዓይነት ሓዋያርያዊ ግብረ ኖሎው ግዙኣት ከይኰኑ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዝለገሱን ኩላትና ንድኻታትን ንሕዙናትን ነቶም ናይ ዝተፈላለየ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዜጋታት ምሕረቶም ክንሓትት ከምዝግብኣናን እቲ ኣብ ከባቢና ዝኽሰት ዘበለ ዓመጽን ምግባረ ብልሽውናን ኰታ ናይቲ ኵሉ ገበናዊ ሕይወት ተሓታቲ ኵሉ እዩ። ስለዚህ ኩሉ በቢ ወገኑን ብማሕበርን ግብረ ገብን ስነ ምግባር ግን ብእምነት እናነበረ ሓቅን ፍቕርን ክምስክር ሓደራ ዝብል ቃል ዝስምዕሉን፣ ምስ ስድራ ቤት ኣደዳ ናይ ገበን ጉጅለታት ተራኺቦም ምጽንናዕ ዝለገስሉን ኣደዳ ናይ ገበን ጉጅለ ጠሪሹ ከይህሉ ሓደራ ከምዝበሉን ኣብታ ብገበን ጉጅለ ዝተቐትሉ ዝተነጸሉን ስደተይናታትን ብምእላይ ዝስዋዕ ፍቕሪ ዝምስክሩ ናይ እምነት ሰማእት ኣባ ላዞሮ ቆሞስ ኰይኖም ዘገልግሉላ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ዮሴፍ መንፈሳዊ ምብጻሕ ከምዘካይዱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ሓውጾተ ኖልዎ ናይ ገነብ ጉጅለ ኣደዳ ፈጹሙ ከይህሉ ዝብል ቃል ዘድምዕሉን ነቶም ብናይ ገበን ጁለታት ዝተቐትሉ ስድራ ቤት ሕዙናት ዘጸናንዑልን ነቶም ናይ ማፍያ ኣደዳ ዝዀኑን ወለዲ ሕዙናትን ወትሩ ከምዝጽልዩ ዝገለጽሉን ሕዝብን ምእመናን እምነት ብፍትሕን ሰላምን ፍቕርን ሕውነትን ናይ ክፍኣት መንፈስ ኣይፋል ብምባል ክምስክር ሓደራ ዝበልሉ ከምዝነበረ እውን ብፁዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣመልኪቶም።
መንግስትን ስርዓት ሕግን እንተድኣ ጐዲሉ ድኽነትን ዓመጽን ይሰፍሕ፣ ግዝኣት ናይ ገበን ጉጅለ ይዕብልል፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም ድኻታት ናይ ሕብረሰብ ክፍሊ ካሳኖ በቶም ካብ ኣደንዛዚ እጸዋት ዝፍወሱ ኣብ ናይ ሰብኣውን መንፈሳውን ስነ ኣእምሮኣውን ሕንጸት ዝርከቡ መንእሰያት ዝተዋጽኡ ተሰንዮም ናይ ምሳሕ መኣዲ ከምእተቛደሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫትካን ፍራንኮ ፒያና ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.