2014-06-19 16:29:59

ብፁዕ ኣቡነ ማርቻኖ፣ ሲኖዶስ ኣባይቲ ስድራ


RealAudioMP3 እቲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ ንኽካይድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎ ዛዕባ ስድራ ቤት ዝዝትይ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ፣ ስድራ ቤት ብዅለ መዳዩ ዝድህስስ ከምዝዀነ ቅድም ክብል ዝተሓበረ ምዃኑ እንክዝከር፣ ብዛዕባ እዚ ክካይድ ተወሲኑ ዘሎ ሲኖዶስ ኣመልኪቶም ናይ ኢጣሊያ ናይ ሓይሊ ምክልኻል መንፈሳዊ መራሕን ናይ ሓይሊ ምክልኻል ኣበ ነፍሳት መደበይና ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡን ሳንቶ ማርቻኖ ኣብ ከተማ ሎሬቶ ኣብ ዝርከብ ናይ ኢጣሊያ ሓይሊ ኣየር ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተኣንጊዱ ዝካይድ ዘሎ ናይ ተልእኾ ወንጌላውነት ሓዋርያዊ ልኡኽነት ናይ ሓይሊ ምክልኻል ኣበ ነፍሳት መደብ ሕዳሴ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣተኵይሩ ኣብ ዝካይድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ እቲ ሲኖዶስ ዛዕባ ስድራ ቤት ናይ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኣባይቲ ስድራ ዝምልከት ናይ ገዛእ ርእሱ ክፍሊ ከምዘለዎ ከምዝገለጹን ብፁዕነቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ፦ እቲ ዝካይድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ስድራ ቤት ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ዘተኰረ እውን ምዃኑ ገሊጾም፣ ናይ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኣባይቲ ስድራ ካብ ካልኦት ኣባይቲ ስድራ ፍልይ ዘብሎ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ብዝወሃቦም ትእዛዝ መሰረት ዝንቀሳቐሱ ብምዃኖም እታ ናይ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ስድራ ቤት ነዚ ዓይነት ውሳኔ ብቐጥታ ኾነ ብትዘዋዋሪ እትነብርን እያ። ኣብ ሓደ ቤት ምንባርን ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ናይ ሰብ ሓዳር ልሙድ ህይወት ብዙሕ ጊዜ ዘይንበረሉን ብዛዕባ ሕንጸት ደቃቶምን ከምኡ እውን ዝረአይ ፍትሕን ቃል ኪዳን ምፍራስን ምፍልላይን ሱቕ ቢልካ ዝሕለፍ ኣይኰነን፣ ስለዚህ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ፍልይ ዝበለ ዓይነት ኣነባብራ ስድራ ቤት ኣብቲ ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ሲኖዶስ ክትምልከቶም መርሕ ቃል ክትህበሉን ምዃና ሓቢሮም እዚ ዝካይድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ’ዚ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ሲኖዶስ ድጋፍ እውን ምዃኑ ሓቢሮም።
ብዙሕ እዋን ብዝተፈላለየ ናይ ወትሃደራዊ ተልእዀ ምኽንያት ሰብ ሓዳር ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ሓንቲ ቤት ውሽጥ ብሓደ ዘይምንባር ኵነት ብተደጋጋሚ ዝረአይ ኵነት። ስለዚህ ብዙሕ ጊዜ ብሓደ ከይነበርካ ሰብ ሓዳር ኰይንካ ምትራፍን ምቕጻልን ቀሊል ኣኰነን ምእንቲ’ዚ እምነትን ተኣማንነት ዝሓትት ኵነት እዩ። ቤተ ክርስቲያን ንዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ኣድላይነት ኣበ ነፍሳት ሓይሊ ምኽልኻል ካብ ጥንቲ ጀሚራ እትኣምነሉን እትትግብሮን ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኾ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ሲኖዶስ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣርእስቲ ተዋሂብዎ ክዝተየሉ እውን ምኳኑ ገኩጺን።
ኣባይቲ ስድራ ሓይሊ ምክልኻል ብዙሕ ግዜ ብወትሃደራዊ ተእኾን ኣብ ዝተፈለየ ዓለም ንዕቃቤ ሰላም እውን ዝለኣኹን ኣብዚ ተልእኾ’ዚ ዘጋጥም ናይ ሞትን ማሕሰይትን ሓደጋ ዝትንከፍ እዩ። ኣባል ሓይሊ ምክልኻል ሕይወቱ ክስውእ ቅርቡ ዝዀነ እዩ። ዝለዚህ ኣብዚ ንመስዋእቲ ቅሩብነት ሱታፌ ዘለዋ ስድራ ቤት ክሳብ ክንደይ ልዑል መንፈሳውን ስነ ኣእምሮኣውን ሰብኣውን ድጋፍ የድልያ እንክብሉ ዝካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.