2014-06-17 19:04:34

ናቡተ ርስተይ ክብል ሞተ!


“1. ድሕሪዚ ነገር ኣዚ ኸኣ ዀነ፡ ንናቦት ይዝርኤላዊ ኣብ ይዝርኤል፡ ኣብ ጥቓ ኣደራሽ ኣከአብ ንጉስ ሰማርያ ኣታኽልቲ ወይኒ ገበሮ።
2 ኣከአብ ድማ ንናቦት፡ እዚ ኣታኽልቲ ወይንኻ፡ ንሱ ኣብ ጥቓ ቤተይ እዩ እሞ፡ ኣታኽልቲ ሓምሊ ኪዀነንስ፡ ሀበኒ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ካብኡ ዚበልጽ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካ፡ ወይስ እንተ ፈቶኻ፡ ገምጋሙ ገንዘብ ክህበካ፡ ኢሊ ተዛረቦ።
3 ናቦት ድማ ንአከኣብ፡ እቲ ርስቲ ኣቦታተይ ክህበካስ፡ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ፡ በሎ።
4 ኣከአብ ከኣ በቲ ናቦት ይዝርኤላዊ፡ ርስቲ ኣቦታተይ ኣይህበካን፡ ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓል ጒህዩን ተቘጢዑን ናብ ቤቱ ኣተወ። ገጹ ንንየው መሊሱ ኸኣ ኣብ ዓራቱ በጥ በለ፡ እንጌራውን ምብላዕ ኣበየ።
5 ሰበይቱ ኢዛቤል ድማ ናብኡ መጺኣ፡ እንጌራ ዘይትበልዕ፡ እንታይ ኴንካ ኢኻ መንፈስካ ጒህዩ ዘሎ፡ በለቶ። 6 ንሱ ኸኣ፡ ንናቦት ይዝርኤላዊ፡ ብገንዘብ፡ ወይ ንስኻ እንተ ፈቶኻ፡ ኣብ ክንዳኡ ኻልእ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካስ፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይ ነፍሲ ኣይህበካን እየ፡ ኢሉኒ፡ በላ። 7 ሰበይቱ ኢዛቤል ከኣ፡ ሕጂስ ንስኻ ደይኰንካን ኣብ እስራኤል እትገዝእ ዘሎኻ፡ ተንስእ፡ እንጌራ ብላዕ፡ ልብኻውን ይተሐጐስ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ ኣነ ኽህበካ እየ፡ በለቶ። 8 ብስም ኣከአብ ደብዳቤታት ጽሒፉ፡ ብማሕተሙ ድማ ሐቲማ፡ ነተን ደብዳቤታት ናብቶም ኣብ ከተማ ናቦት ምስኡ ዚነብሩ ዓበይትን ክቡራትን ሰደደተን።
9 ኣብተን ደብዳቤታት ድማ፡ ጾም ኣውጁ፡ ንናቦት ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ኣቐምጥዎ።
10 ኣብ መንጽሩ ድማ ክልተ ሰብ ደቂ ብልያል ኣቐምጡ። ንሳቶም ከኣ፡ ንኣምላኽን ንንጉስን ረጊምካ ኢኻ፡ ኢሎም ይመስክሩሉ። ኣውጺኦም ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ ይሙት ከኣ፡ ዚብል ጸሐፈት።
11እቶም ሰብ እታ ኸተማኡ፡ እቶም ኣብ ከተማኡ ዚቕመጡ ዝነበሩ ዓበይትን ክቡራትን ከኣ ከምቲ ኢዛቤል ዝለአኸትሎም፡ ከምቲ ኣብተን ዝሰደደትሎም ደብዳቤታት ተጽሒፉ ዝነበረ ገበሩ። 12 ጾም ኣውጆም ንናቦት ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ኣቐመጥዎ።
13 እቶም ክልተ ሰብ ደቂ ብልያል ከኣ መጺኦም ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጡ፡ እቶም ናይ ብልያል ሰባት ድማ ኣብ ቅድሚ ህዝብ፡ ታቦት ኣምላኽን ንንጉስን ረጊሙ፡ ኢሎም ንናቦት መስከሩሉ። ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣውጺኦም ከኣ፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ።
14ሽዑ፡ ናቦት ብዳርባ እምኒ ተቐቲሉ፡ ሞይቱ፡ ኢሎም ንኢዛቤል ለአኹላ። 15 ኰነ ኸኣ፡ ኢዛቤል ናቦት ብዳርባ እምኒ ተቐቲሉ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዔት፡ ኢዛቤል ንኣከኣብ፡ ናቦት ብህይወቱ የሎን፡ ሞይቱ እዩ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ብገንዘብ ከይህበካ ዝአበየ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ ውረሶ፡ በለቶ። 16 ኰነ ድማ፡ ኣከኣብ፡ ናቦት ከም ዝሞተ ምስ ሰምዔ፡ ኣከአብ ኪወርሶ ተንሲኡ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ ወረደ። 17 ንኤልያስ ቲስቢታዊ ድማ ቃል እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ መጾ፡ 18 ተንስእ እሞ ናብቲ ኣብ ሰማርያ ዚነብር ኣከአብ ንጉስ እስራኤል ውረድ። እንሆ፡ ኣብቲ ኺወርሶ ኢሉ ዝወረዶ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ኣሎ። ከምዚ ኢልካ ኸኣ ተዛረቦ፡ እግዚኣብሂር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ቀቲልካስ፡ ወረስካዮዶ ድማ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለካ ኣሎ፡ ኣብታ ኣኽላባትስ ደም ናቦት ዝለሐሱላ ቦታ፡ ንኣኻ ድማ ደምካ ኣብኣ ኣኽላባት ኪልሕሱ እዮም፡ ኢልካ ተዛረቦ።
” (1ነገ 21፤1-19)
RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ትማሊ አብ ቤተ መቅደስ ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ስብከት “ናይ ኃያላን ምግብረ ብልሽውና ማለት ብህርፋንን ንፍገትን ተገዚኦም ነቲ ንካል ኦት ዝግባእ ነገራትን መሰልን ገፊጦም ዝሕዙ በደል ኩሉ ጊዜ በቶም ድኻታት ኢዩ ዚኽፈል፣ ነዙይ ናይ ብልሽውናን ብላዕን ኃጢአት ንምሽናፍ እንኮ መንገዲ ኮይና ልቢ ክተጽሪ እትኽእል ንካልኦት ምግልጋል ኢዩ” ቢሎም፣
ታሪኽ ብልሽውናን ብላዕን ነዊሕን ዘሕዝንን ኢዩ ኮይኑ ግን ክሳብ ለይቲ ሎሚ ካብቶም ናይ ዘመንና ልሙዳት ኃጢአት ሓደ ኮይኑ ከንጸባርቅ እንከሎ ምር አይ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ዝገለጹ ር.ሊ.ጳ አብቲ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ኦሪት ዝተወስደ ታሪኽ ናይቲ በዘልማድ ናቡተ ርስተይ ክብል ሞተ እንብሎን ንጉሥ አከአብን ዝገልጽ ነበረ፣ ብሕጽር ዝበለ ከአ ንጉሥ አከአብ ንጃርዲኑ ወይ ናይ አታኽልቲ ግራቱ ከስፍሖ ምስ ሓለነ እታ አብ ጥቃ ግራቱ ዝነበረት ንእሽቶይ ቃጽዖ ናቡተ ይጥምት እሞ ንናቡተ ክሸጠሉ ይሓቶ፣ ናቡተ ግን ርስቲ አቦታተይ ካብ ውሉድ ወለዶ ዝወረስክዋ ፈጺመ አይሸጣን ኢየ ይብሎ፣ ንጉሥ በዚ ብጣዕሚ ይሓዝን ይሕንሕን ኮይኑ ግን በዓልቲ ቤቱ ኤዛቤል ሕማቅ ፍሕሶ ትፍሕስ፤ ናይ ሓሶት መሰኻኽር አሰናድያ ናብ መጋባእያ አቅሪባ ብዳርባ እምኒ ከምዝቅተል ትገብር፣ ናቡተ ምስ ሞተ እታ ቦታ አታኽልቲ ናብ ንንጉሥ ትወሃብ፤ ንጉሥ ከአ በዚ ተሓጕሱን ምንም ከምዘይኮነ ቀሲኑን ንብረት ይርከብ፣ እዚ ታሪኽ እዚ ብተደጋጋሚ እሞ ብቀጻሊ ክድገም ን ር እዮ ብቶም ናይዚ ዓለምዚ ሥልጣን ፖሎቲካ ዝሓዙ ይኹን በቶም መንፈሳውያን ኢና ዝብሉ መንፈሳዊ ሥልጣን ዝሓዙ ክድገም ምርአይ ብሓቂ የሕዝን፣ እንክብሉ ነቲ ታሪኽን አብ ዕለታዊ ናብራና ዘለዎ ዝምድናን ገሊጾም፣ ቅዱስነቶም አተሓሒዞም ናብ ህልዊ ኩነታት ምልስ ቢሎም አብ ጋዜጣታት ብዙሕ ጊዜ ሓደ ዓቢ በዓል ስልጣን ፖሎቲካ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ዝብል ነንብብ እሂ እንተበልካ ብተአምር ሃብቲሙ ተረኺቡ ይብሉኻ፣ ከምኡ ናይ ሓደ ፋብሪካ ወናኒ ዝነበረ ሓደ ናይ ቤተ ክርስትያን ሰብ ወዘተ ብተአምር ሃብቲሞም ስለዝተረኽቡ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ከም ሳዕቤኑ ፖሎቲካዊ ሥልጣኑ ገዲፉ ሓዋርያዊ አገልግሎቱ ገዲፉ ዝብል ዕለት ዕለት ነንብብ፣ ከምዚኦም ዚአመሰሉ ብብልሽውናን ብላዕን ህርፋንን ንፍገትን ዝ ዓወሩ ብዙኃት አለውና፣ አብዚ ኢና ነታ ሓቂ ቶግ ክነብላ ዘሎና፤ ብልሽውናን ጉቦን ሓጢአት ኢዩ፣ ከመይ ነቲ ብጻይና ክህልዎ ዘለዎ ቁጠባዊ ፖሎቲካዊ ቤተክርስትያናዊ መሰልን እናአግደፍና ኢና አብዚ ንወድቅ፣ ከምዚ ዝገብር ከአ ሓደ ሥልጣን ዚሓዘ ከአል ኩሉ ኮይኑ ስለዝስም ዖ ዳርጋ ንር እሱ አብ ቦታ እግዚአብሔር ይገብር፣ ብዝተረፈ ብብልሽውናን ብላዕን ኩሉ ኢዩ ዝበላሾ ውሕስነት የብልካን፣ ምናልባት ገንዘብ ብምውህላል ናብራ ብምጥጣሕ ውሕስነት ክርከብ አይከአልን፣ ወላ እውን ክንዮ እዚ ከድካ ከምዚ ናይ ናቡተ ነቲ ዝከል አካ እምቢ ንመሰለይ ዝበለ ክትቀትል እውን ይከአል፣ ኮይኑ ግን አብዚ እውን ቅሳነትን ውሕስነትን የልቦን፣ ነዚ ዝስ ዕብ ዓቢ ሕቶ አሎ፣ ነዚ ናይዞም ብልሽውና መን ኢዩ ዝኸፍሎ እንተበልና እቲ ድኻ ኢዩ ዝኸፍል፣ ዘለውና ብልሽዋትን በላዕቲ ጉቦን ዝኾኑ መርሕቲ ፖሎቲካ ሓለፍቲ ትካላት እንተተመልከትና ጠንቂ ናይ ዘመንና ብዙሓት ንቡተታት ኮይኖም ዘለው ንሶም ኢዮም እቲ ዝኸፍል ከአ ድኻ ኢዩ ሕክምና አይረክብን ትምህርቲ አይረክብን ወዘተ፣ ሕሙማትን ትምህርቲ ዝደልዩን ድኻታት ዝ አልዮም የለን ስለዚ ንኩሉ ዝኸፍሉ ድኻታት ኢዮም፣ እሞኸ ደአ ፈውሱ እንታይ ኢዩ እንተበልና ካብዚ ፈተናዚ ንክትድሕን እታ እንኮ መንገዲ አገልግሎት ኢዩ፣ ከማይ አገልግሎት ትሕትና ይምህረካ እንተዘየሎ እቲ ብልሽውና ዘስዕቦ ትዕቢትን ህርፋንን ይወረካ፣ ንናይ ሎሚ ቅዳሴና ነዚኦም ነወፍዮ፣ ነቶም ናይ ዘመንና ናቡተ ኮይኖም ነዚ ኩሉ አደራዕ ተሸኪሞም ንኩሉ ዝኸፍሉ ዘለው ድኻታት ከምቲ ጐይታ ንቀዳማይ ሰማዕት ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሰነዮ ከሰንዮም እሞ በቲ ዘለውዎ ምስክርነቶም እናህቡ ክጐዓዙ ንጸልየሎም፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣







All the contents on this site are copyrighted ©.