2014-06-13 09:33:35

ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ፦ ልኡካነ ወንጌል ኣብ ኣገልግሎት ሓድነት


ናይ ምስራቕ ሥርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስትያን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ወንጌልን ወንጌላዊ ምስክርነትን ዘይነጽት ናይ ስልጣነን ባህልን ፈልፋሊ ዓይኒ ማይ ከምዝኾነንን ነዚ ብምልኣት ዝነበሩን ንወንጌልን ብቓልን ሕይወትን ኣብ ወንጌላዊ ምስክርነት መላእ ሕይወቶም ናይ ዝሰውዑ ቅዱሳት ኣብነት ንስዓብ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ክጠቓለል ዝኽእል ኣስተምህሮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፖላንድ ልኡከ መንግስቲ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንዝኽሪ መበል 1150 ቅዱሳት ቀርሎስን መጠዲዎስን ኣብ ሕብረተሰብ ስላቫውያን ብጋሴ ወንጌላዊ ልኡክነቶም ብዝብል ኣራእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸቺሊያ ሰፒያ ሓቢረን።
ናይቶም ዓበይቲ ቅዱሳት ዝኽሪ መበል 1150 ብጋሴ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ሕብረሰብ ስላቫውያን ንምስንዳው ዝተኻየደ ምቅርራብ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝወሰደ ምንባሩን እቶም ቅዱሳት ቲዮሎጊያዊ ማሕበራውን ሰብኣውን ሊቕነቶም ስፍሓቱን ዑምቀቱን ልዑል ምዃኑ እንክምልከት፣ ናይቶም ክልተ ቅዱሳት ሓዋርያዊ ትብዓትን ውዕዉዕ ስሚዒትን ናይ ስላቭ ሕዝቢ ትብዓት ዝምስክርን ኣብ ዝራኸብዎ ዝነበረ ባህልን ሕዝብን ወንጌል ክሰርጽን ባህልን ሕዝብን ብወንጌል ክስበኽ ዝገበሩ ኣብ ግሪክ ተሰሎንቄ ዝተወልዱ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1985 ዓ.ም. ኣብታ Slavorum Apostoli-ንይ ስላቫውያን ሓዋርያት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ “ዝተፈላለዩ ሊጡርጊያታት ቤተ ክርስቲያን ኣወሃሂዶም ኣብ ሓደ ውሁድ ጥዑም ቅንይት ኣቑይሞምን ሓደ ውሁድ ልብን ድምጽን ኣብ መንጐ ዝተፈላለየ ባህልን ሕዝብን ክጸንዕ ዝገበሩ” እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ቡፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ዘኪሮም፣ ስላቫዊ ፊደል መሃዝትን በዚ መገዲ’ዚ ድማ ንናይ ሕዝቢ ስላቭ ስነ ሕንጸትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ባህልን ስልጣነን ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዘበርከቱ እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰፒያ ገሊጸን።
ቅዱሳት ቀርሎስን መጠዲዎስን ኣብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ውህደት ጉዕዞ ሕይወትን ንኽሰፍን ኣበርክቶኦም ዓቢይ ከምዝኾነን ብኦርቶዶክስ ኣቢያተ ክርስቲያን በተን ብሉተራናዊ ህዳሴን ኣብ ዝተወልዳ ኣቢያተ ክርስቲያን እውን ናይ ሕይወትን ሓዋርያነትን ኣብነት ምዃኖም ዝእመነሎም እንክኾኑ፣ ምእንቲ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን መላእ ሕይወቶም ዝሰውኡ እያቶም እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዝሓበራ ጋዜጠይና ሰፒያ ኣስዒበን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝፈጸመዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ምስ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝዓደምዎ ናይ ፍልስጥኤን እስራኤልን ናይ ሰላም ጸሎት ዝተነብረ ኣብነት ቅድስና ቀርሎስን መጠዲዮዎስን ዝድምዕ እውን ምዃን ከምዝገለጹ ኣመልኪተን።
ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ውህደት ንኽረጋገጽ ጸሎት ቅዱሳት ቀርሎስን መጠዲዮዎስን ከምዘይፍለየና ርግጸይና እየ ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ ምስራቓውያን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ምስ መንበረ ጴጥሮስ ዘለወን ውህደት ብዝተፈላለየ ስርዓት ሊጡርጊያ ዝገልጽኦ ሕይወት ቅድስና ቀርሎስን መጠዲዮዎስን ካብ ጥንቲ ይምስክሮ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረኣይ ግጭትን ውግእን ደው ክብል ኣብ ኤውሮጳን ካልኦት ክፍለ ዓለማት ሰላም ክሰፍሕ እዞም ቅዱሳት ከማልዱልና ተማሕጺኖም ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ከምዘጠቓለሉ ሰፒያ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.