2014-06-07 13:21:59

ጐይታ ኢየሱስ ክርሳዕ ዘይብሉ ናይ ካህናት ናይ መጀመርያ ፍቅሪ ኢዩ፣


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ትማሊ አብ ቤተ ጸሎት ቅድስት ማርታ ነቶም ሕይወቶም ብመንገዲ ክህነት ንጐይታ ዝወፈዩ ካህናት ተቀቢሎም አብ ዝቀደሰሉ አብ ዘስምዕዎ ስብከት “ሊቃውንትን ምሁራትን ቅድሚ ምዃንኩም ጓሶት ኢኹም፤ ነቲ ናይ መጀመርያ ፍቅርኹም ዝኾነ ክርስቶስ ከይትጠልሙ ሓደራ፤ ወትሩ ከአ ክትክተልዎ እላቦ” እንክብሉ መንነት ካህናት ብዕምቈት ዝገልጽ ስብከት አቅሪቦም፣
“ናይ መጀመርያ ፍቅርኹም ከመይ አሎ? ከምታ ናይ ቀዳመይቲ መዓልቲ ዕለተ ክህነትኩምዶ አብ ፍቅሩ ጸኒዕኩም አሎኹም? ምስ ኢየሱስ ሕጉሳት ዲኹም ወይስ ዘንጊዕክምዎ አሎኹም? እዚ ወትሩ ኅልናና ክኵሕኩሕ ዘለዎ ኮይኑ ዕለት ዕለት ንገዛእ ር እስና ክንሓቶ ዘሎና ኢዩ፣ ወትሩ ብዛዕባ ናይ ሰብ ኪዳን ፍቅሪ ይዝረብ ኮይኑ ግን ካህናትን አቡናትን እውን ምስ ክርስቶስ ዝለዓለ ፍቅሪ ክህልዎም አለውም፣ ከመይ ንሱ ከምቲ ንጴጥሮስ “ስምዖን ወዲ ዮና ተፍቅረንዶ?” ቢሉ ዝሓተቶ ን አናውን ይሓተና ኢዩ፣
“ንገዛእ ርእሰይ ይኹን ነሕዋተይ አቡናትን ካህናትን ዘቅረቦ ሕቶኸስ እዚ ኢዩ፣ ናይ ኢየሱስ ፍቅሪ ሎሚ ከም ሎሚ ከመይ አሎ፤ ከምቲ መጀመርያ ዝነበረዶ አሎ ወይስ ካልእ ጉዳያት ነቀድም አሎና፣ ሥራሕ ሓሳባት ታህዋኽ ወዘተ ነቲ ቀዳማይ ፍቁርና የረሰ ዓና ከይህሉ፣ እዚ ግድን ኢዩ ኮይኑ ግን ፍቅሪ እንተዘየሎ ቈየቋ የሎን ኩሉ ፋሕ ይብል፣ በጃኹም ነቲ ናይ መጀመርያ ፍቅርና ከይርስዕ፣ ክብሉ ምስ ተማሕጸኑ ካብ ሓደ ካህነ ክርስቶስ ዝድለ ቅድሚ ትምህርትን መጽናዕትን ምርምርን ጓሳ ምዃን ኢዩ፣ እታ ንጴጥሮስ አባግ ዐይ ሓሉ ቢሉ ዝሓደጋ ሓደራ ብቀዳምነት ትምልከተና ኢያ፣
“ጓሲ ዝብል ት እዛዝ ብተሎግያ ብፍልስፍና ብትምህርቲ አበው ብመጽናዕቲ ዝኾነ ይኹን ጓሲ እያ እተስምዕ፣ በቃ! ጓሳ ኩን፣ ምኽንያቱ ጐይታ ጓሶት ክንከውን ኢዩ ዝጸወዓና፣ አቡናት አእዳዎም አብ አራእስና ዘንብሩልና ጓሶት ንኽንከውን ኢዩ፣ ስለዚ እታ ቀዳመይቲ ሕቶ ናይ መጀመርያ ፍቅርና ከመይ አሎ እንክኾን እታ ካል አይቲ ሕቶ ከአ ሓቀኛ ጓሳ ድየ ወይስ ዕሱብ ናይ ቤተ ክርስትያን ዝበሃል ዘይመንግሥታዊ ትካል? ንገዛእ ርእሰይ ይኹን ንአቡናትን ካህናትን ዘቅርቦ ሕቶ ኢዩ፣ መልሱ ከአ ጓሲ እናጓሰኻ ንቅድሚት ገስግስ ኢዩ፣ ንኢየሱስ ዝተወፈየ ጓሳ ምናልባት ክብርን ል ዕልና ከይደሊ፤ ሓቀኛ ጓሳ እንተዀንኳ ሓወይ መዓረይ ከምቲ ናይ ክርስቶስ ውርደትን ትሕናትን ከጓንፈካ ኢዩ፣ ከብል ዑኻን ከስትዩኻን ክኸድኑኻን ከይትጽበ ዘርኢ ሥርናይ ከይሞተት ከምዘይትፈሪ ፍረ ጻማኻ ድሕሪ ሞትካ ኢዩ፣ ስለዚ ሳልሳይ ሕቶ እዚ ፍቅሪ እዚ ሞት ዝሓትት ኢዩ፣ ብራብዓይ ደረጃ እታ ሓያል ቃል ኢየሱስ ተኸተሊ እትብል ኢያ፣
“እንተደአ መአዝና አጥፊእና ንፍቅሩ ብኸመይ ከም እንምልሶ እንተዘይፈለጥና ከመይ ቢልና ጓሶት ከምእንኸውን እንተፈኡናን ጐይታ ወትሩ ምሳና ከምዝኾነን አብ ሕማቅን ጽቡቅን ጕዕዞ ሕይወትና ከምዘሰንየናን ርግጽነት እንክጐድለና ገና ተኸተሊ ይብለና አሎ፣ ርግጽነትና እዛ ተኸተለኒ እትብል ቃል ጐይታ ኢያ፣ አብ አሰሩ በታ ንሱ ዝኸዳ መንገዲ ክንጐዓዝ ተኸተሊ ይብለና አሎ፣ ንኩልና ካህናትን አቡናትን እግዚአብሔር ነቲ ናይ መጀመርያ ፍቅርና ክንረኽቦ ክንዝክሮ መታን ክንክ እል ጓሶት ንኽንከውን ውርደትን ትሕትናን እንከጓንፈና መታን ከይንሓፍር፤ ወትሩ ደድሕሪኡ ብምኻድ አሰር ኢየሱስ ክንስዕብ ጸጋኡ ይሃበና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.