2014-05-30 09:34:01

ማርያም ደዓሪት፤ግንቦት 21 2006 ዓ.ም. (5/29/2014) ማርያም መንፈሳዊት አደና ማርያም ምስለ ፍቁር ወልዳ


ንባባት፡ ገላትያ 4፡1~9፥ ራእ 11፡19~12፡1~6፥ ግ.ሓ.1፡12~14፥ ሉቃ. 1፦39~56 RealAudioMP3 ስብከት፡ ወለገጽኪ ይትመኃለሉ ኩሎሙ አሕዛብ ብዑላነ ምድር ኩሉ ክብራ ለወለተ ንጉሥ ሃሴቦን በዘአጽፋረ ወርቅ ኅቡርት ወዕጹፍት።
ሎሚ ብዓል ማርያም ድዓሪት ዘኪርና ነብዕል አሎና። አደታት ክጽልያ እንከለዋ “እዚ ኹሉ አበይ ዝበል ናብ እኖይ ማርያም ምሕረት፥ ሰላም፥ ዝደለ” እናበላ ይጽልያ። ነዚ ሎሚ አኪቡና ዘሎ ብዓል የዘኻኽረና። ውሉድ ነብኡ/አ ብወላዲቱ/ታ ገሩ ክልምኖ እንከሎ ብቐሊል ክስማዕ ይክአል እዩ። አደ ዝተፈላለየ ምኽንያት እናገበረት ተስምዕ እያ፥ አደታትና አብ ሕይወተን ብዝያዳ ነዚ ስለ ዝፈልጣ ኩሉ ጊዜ ምሕረት አምላኽ ክደልያ እንከለዋ ብማርያም ይምህለላ። አብ ሕይወትና ከም አደና ዝቐርበና የለን መብዝሕትኡ እቲ አነ ዘብለና ካብ አደና ኢና እንወስዶ። አብ ኢየሱስ እንተ መጻእና ኩሉ ሥጋዊ ሰውነቱ ጠባያቱ መልክዑ ካብ ማርያም ወሲድዎ ንሳ ኩሉ ናታ ሂባቶ። በታ ኩሉ ዝሃበቶ አዲኡ ክንቀርቦ እንከሎና ክሰምዓና ክቐርበና ግድን እዩ።
አብ መስቀል ቅድሚ ምማቱ ብለበዋ ዝሃበና አደ ማርያም እያ። “እንሃ አደኹም” ኢሉ ንቅ. ዮውሓንስ ክንዲ ኩልና ኮይኑ ሂብዎ። እዚአ አደኹም ክብለና እንከሎ አብ ኩሉ ጉዕዞ ሕይወትኩም ሓላዊትኩም ሓጋዚትኩም መራሒትኩም እኮታ ንኹሉ ካባይ እትደልይዎ እትሓልየልኩም ኢሉ ሂቡና። ንአአ እውን እዚኦም ደቅኺ እዮም ኢልዋ፥ ጉዳይ ወላዲት ክትገብር፥ ኩሉ እቲ ወላዲ ንውሉዱ ዝገብረሉ ክትገብረልና ሓላፍነት ሂብዋ። ክትመርሓና ክትሕግዘና ክትመኽረና አብ ቅድሚ ወዳ እሙናት ኮና ክንጉዓዝ አብ ኩሉ ክትሕግዘና።
ሕይወት ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ምስ ማርያም እዩ ተጀሚሩ ቅ. ሉቃስ ነዚ ከረድእ ኢሉ “እዚአቶም ኩሎም ምስ ገሊኤን አንስትን ምስ ማርያም አደ ኢየሱስን ምስ አኅዋቱን ኃቢሮም ጸሎት የዘውትሩ ነበሩ” (ግ.ሓ 1፡14) ይብል። አብ መንግኦም ኮይና ማርያም ክልተ ነገር ትምህሮም ነራ፡


ነዚ መሰረት ገርና ማርያም አደ ኩልና እያ ንብል ስለዚ መንፈሳዊት አደና ክንብላ ሓቀኛ ስማ እዩ። ማርያም እምብአር አደ አምላኽ ጥራሕ አይኮነንትን አደና እውን እያ። ንማርያም አደና፥ እምበትና፥ አደ ቤተ ክርስትያን፥ ከምኡ አብ ብዙሕ ጽሑፋት አበው “አደ ኩሎም ሕያዋን” ዝብል ንረክብ እዚ ኵሉ መንፈሳዊ አደነት ማርያም ይገልጸልና። ግን ማርያም አደና ክንብላ እንከሎና አብ እንታይ ትርጉም ወይ እንታይ ማለትና ኢና? እዚ ቀሊል መልሲ እዩ ማርያም አደና እያ ምኽንያቱ ንሳ ንመድኃኒና ስለ ዝወለደት። ንሕና ብእምነትን ብጸጋ ጥምቀትን ምስኡ ንወሃሃድ አባላት ናይ እታ ሰውነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ንኸውን። ንሱ ርእሲ እዩ ንሕና ኸአ ኣባላት ኢና። ንሕና ኣባላት ሰውነት ክርስቶስ ስለ ዝኾና ማርያም ከአ አዲኡ እያ ስለዚ ማርያም እምብአር አደና እያ። እዚ ግን ብግዙፍ ብአካላዊ መልክዕ አይኮነን ብመንፈሳዊ መልክዕ ናይ ጸጋ እዩ። ካብ ካልአይ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ብዙሓት ዓበይቲ ክርስትያን ከምኡ ብዙሕ ጊዜ መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ንማርያም ብዝርኢ መንፈሳዊ አደና ከምዝኾነት ይገልጹ።

ንማርያም መንፈሳዊት አደና ክንብላ እንከሎና አብ ክልተ ቀንዲ ነገራት መሰረት ገርና ኢና፡


አብዚ ክልተ ሓሳባት እንተ አስተውዓልና ዝመሓላለፍ ዘሎ ሕይወት እዩ። ናይ ሓንቲ ወላዲት ቀንዲ ስራሕ ወይ ጸዋዕታ ኸአ ሕይወት ምትሕልላፍ እዩ። ብሓቂ ክንርእዮ እንከሎና ማርያም ምንጭ ናይ ኩሉ አብ ሕይወትና እንረኽቦ ጸጋ፥ መንፈሳዊ ሕይወትናን እያ፥ ስለዚ መንፈሳዊት አደና ክንብላ መሰልን ግንዖትን አሎና። ቅድስት አደና ክንብላ እንከሎና ነዚ ኢና እነመልክት።

አብ ሓዲስ ኪዳን ማርያም መንፈሳዊት አደና ከምዝኾነት ዝሕብር አብ ክልተ ቦታታት ተጠቒሱ ንረኽቦ።
    አብ ዮሓ 19፡26-27፥ “ኢየሱስ ነዲኡ ነቲ ዘፍቅሮ ወዲ መዝምርውን አብ ጥቕአ ደዊ ኢሉ ምስ ረአየ ነዲኡ ‘አቲ ሰበይቲ እንሆ ወድኺ’ በላ። ነቲ ወዲ መዝምሩ ኸአ ‘እንሃ አዴኻ’ በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ” ዝብል ነንብብ። ብዙሓት ከምዝብልዎ አብዚ ኢየሱስ ዝብሎ ዘሎ ካብቲ ንዮውሓንስ ዝበሎ ንላዕሊ እዩ ዘስምዕ ማለት ካብቲ ዮውሓንስ ንማርያም ዝህቦ አገልግሎት ንላዕሊ እዩ ዘስምዕ ይብሉ። ሓዋርያ ዮውሓንስ ክንዲ ኩልና ክንዲ መላእ ቤተ ክርስትያን እዩ ደው ኢሉ ዘሎ። ኩልና ደቂ ማርያም ኢና፥ ንሳ ኸአ ፍሉይ ተራ እትጻወቶ አብ ክንዲ ቤተ ክርስትያን ተዋሂባ። እዚ ብአምሳል ዝግለጽ ብዛዕባ ዮውሓንስ ብመንጽር ወንጌሉ ክንርእዮ ከሎና ክነረጋግጾ ንኽእል። ግዙፋዊ ነገራት አብ ክንዲ መንፈሳዊ ነገራት ከስምዑ ንረኽቦ።
    ራእ 12፡1-5፡”ዓቢ ትእምርቲ ድማ አብ ሰማይ ተርእየ፥ ፀሓይ ዝተወንዘፈት ወርኂ ብእግራ ዝረገጸት ዓሰርተ ኽልተ ኸዋኽብቲ ከም አኽሊል አብ ርእሳ ዝደፍኤት ተራእየት. . . . . ንሳ ንኹሎም አሕዛብ ብበትሪ ሓፊን ኪጓስዮም ዘለዎ ወዲ ወለደት” ዝብል ነንብብ። አብዚ እዚአ ሰበይቲ አብ ብሉይን ሓዲስን ኪዳን አምሳል ህዝበ እግዚአብሔር እያ። ናይ ብሉይ ኪዳን እስራኤል መስሕ ወሊዳ ሓዳስ እስራኤል ቤተ ክርስትያን ኮይና፥ ንሳ በቲ ገበል ድራጎን ትሳቐ።

እዚአ ሰበይቲ ተባሂላ ዘላ ነደ ኢየሱስ እውን ከስምዕ ይኽእል እዩ። ካብ መጀመርያ ብብዙሓት ጳጳሳትን ተሎጋውያንን ንማርያም ከምዘስምዕ አስተምሂሮም። በዚ ርድኢት ማርያም እያ ንሰይጣን በቲ ሓደ ወዳ አቢላ ዝሰዓረት። ሳላ ማርያም አሕዋት ክርስቶስ ኮና። ብማርያም አቢልና መንፈሳዊ ውሉድነት ረኺብና።

አብዚ ሎሚ እንዝክሮ ዘሎና ብዓል ማርያም ድዓሪት ብፍሉይ ክንዝክሮ ዝድለ ዘሎ ከመሎና አብ ኩሉ መንፈሳዊ ሕይወትና ኢልና ንርእስና ክንሓትት እሞ አብታ ወላዲትና ክንምለስ። ጊዜና እንተ ርኤና ማርያም እንታይ አለዋ ደይ ከም ኩልና እያ፥ ዝያዳ ክብሪ አይግብአን እዩ፥ መሳርሒት ጥራሕ እያ ነራ፥ ክነኽብራ አየድልን እዩ፥ ድሕሪ ኢየሱስ ቆልዑት ነሮማ እዮም እቶም አብ ወንጌል አሕዋት ኢየሱስ ዝብል ናይ ብሓቂ ዝወለደቶም እያ እናተባህለ ግጉይ ትምህርትን ሓበረታን ብብዝሒ ዝስምዓሉ ኢና ዘሎና። እሞ ማርያም ከምዚ ዝብሃል ድያ ወይስ ናይ ብሓቂ አብ ድሕነት ዓቢ ተርአ ዘልአ እያ።

ብርግጽ ማርያም ከማና ፍጥርቲ እያ ግን ብመንጽር አደ አምላኽ ክትከውን ስለ ዝተሓርየት ብዘይ ኃጢአት ተጸኒሳ እዚ ካብ ኩልና ፍልይቲ ይገብራ። መልአኽ ከበስራ እንከሎ “ምልእተ ጸጋ” ኢልዋ። እዚ ጸጋ እዚ ካብ ወዳ ዝረኽበቶ እዩ። አደ አምላኽ እያ ምስ ወዳ ፍሉይ ርክብ ዘልአ እያ። ብወገና እውን ንድላይ አምላኽ ክትፍጽም ብምሉእ ሕራይ ዝበለት እያ ስለዚ ማርያም ብኹሉ ሕርይቲ ፍጥረት አብ ቅድሚ አምላኽ ሞጎስ ዝረኽበት ካብ ኩለን አንስቲ ዝተባረኸት እያ። አብ መንጎናን አብ መንጎ አምላኽን ዕርቂ ዘምጽአት መንጎኛ እያ። አምላኽ ብማርያም ክንልምኖ እንከሎና ከይሰምዓና አይተርፍን እዩ። ሓንቲ እትብለና ወዳ ዝደልዮ ክንገብር እዩ።

ሎሚ እውን ማርያም አብ መንጎናን አብ መንጎ አምላኽን ዕርቂ ክተውርደልና ጸጋ ወዳ አብ ማእከልና ከምዝርከብ ክትገብር ትኽእል እያ ሓንትስ ንለምና። ብፍሉይ ጸሎት ክንገብር ንኹሉ ክትቅይረልና ለምንልና ንበላ። ርሑስ ብዓል ንኹልና ብአማላድነታ ፍቕርን ሰላም አብ ኩል ተውርደልና።

ብሩኽ ብዓል

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.