2014-05-29 18:42:57

በዓለ ዕርገት - 2014


ዐርገ እግዚኣብሔር በይባቤ፣ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን፣ዘምሩ ለአምላክነ ዘምሩ።
“ወፈጺሞ ኵሎ ሥርዓተ፣ ኀበ አቡሁ ዐርገ ሰማያተ፣ ዘኢያውረደ አዕረገ፣ (ዓራ.መዝሙር ዘጰራቅሊጦስ)። ንሕና ክንድይብ፣ ነሱ ወሪዱ፣ ንሕና ከቢርና ንሱ ተዋሪዱ፣ ድሓር ግን ክብሩን ክብርናን ብሓደ ተዋድዩ። ኪወርድ ቃል ንብሕቱ፣ ኪዓርግ ምስ ምሉእ ሰብነቱ። እቲ ካብ ዘለዓለም ካብ ኣቦ ብዘይ ኣደ ዚውለድ፣ ወልደ እግዚኣብሔር፤ ምልኣት ጊዜ ምስ በጽሐ፡ ንኣና ንደቂ ሰባት ኪብል፣ ካብ ኣደ ብዘይ ኣቦ ተወሊዱ፣ ፍጹም ሰብ ኮይኑ። “ቃል ሥጋ ኮነ ወኃደረ ላዕሌነ”፤ እቲ ሰማይን ምድርን ዘይሕዞን ዘይሽከሞን፣ ከም ሓደ ከማና፡ ኣብ ማሕፀን ኣዲኡ ተወሲኑ ትሽዓተ ወርሒ ተጸኒሱ፣ ተወሊዱ፣ ጡብ ኣዲኡ እናተመገበ ዓብዩ፤ ቅድም ሕፃን፣ ድሓር ቈልዓ፣ ድሓር መንእሰይ፣ ድሓር ጐበዝ፣ ድሓር ወዲ 33 በጽሒ። ብዘይካ ሓጢኣት ብኹሉ ንኣና መሲሉ፤ንሕና እንበልዖ መግቢ በሊዑ፣ ንሕና እንሰትዮ መስተ ሰትዩ፣ ንሕና እንለብሶ ልብሲ ለቢሱ፤ ኣብ መንጎና ከማና ሓደ ካባና ኮይኑ ተመላሊሱ፤ጠምዩ፣ ጸሚኡ፣ ምሳና ሓዚኑን ተሓጒሱን። እዚ ኹሉ ኪገበርን ኪኸውንን እንከሎ ግን፡ ፍጹም ኣምላኽ ምዃኑ ኣየቋረጸን። ንባህሪ መለኮቱ ኣብቲ ድኹም ሥጋና ሓቢኡ ከም መንም ተራ ሰብ ኮይኑ ን30 ዓመታት ኣብዛ ምድርና ተመላሊሱ። ኣብተን ናይ መወዳእታ 3 ዓመታት ዕድሜኡ፣ መን ከምዃኑን፣ ንምታይ ከምዝመጸን፣ መንነቱን ዓላማ መልእኽቱን ብቓሉን ብተግባሩን ገሊጹ። ንሱ ሰብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣማላኽ ከምዃኑን፣ ካብ ኣቦኡ ንኣና ኬድሕን ተላኢኹ ከምዝመጸን፣ “እቲ ንኣይ ዝረኣየ ነቦ ረኣየ፣ ኣነ ኣብ ኣቦ ከምዘለኹ ኣቦ እውን ኣባይ ከም ዘሎ እመኑ። ኣነ ናብ ኣቦ ዚወስድ፤ “መንገድን፣ ሓቅን፣ ሕይወትን” እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።”
እናበለ፤ ነቲ ዚዛረቦ ዝነበረ ቃላቱ፣ ብተኣምራትን ትእምርትን እናጽደቐ፣ ኣምላኽ መን ከምዃኑን፣ እንታይ ወይ ንመን ከምዝመስልን፣ ንኣይ ርኢኹም ንኣምላኽ ርኣዩ እናበለ፣ መንነት ደቂ ሰባትን ዓላማኦምን እንታይ ከምዝኾነን፣ንምንታይ ከምዝተፈጥሩን፤ ኣብሪሁን
ኣነጺሩን ገሊጹልና። ከም ሰብ ብዘይ ፍትሒ ኪኽሰስን፣ ኪግረፍን ኪቕተል ከምዘለዎ፣ ግን ድሕሪ ሠለስተ መዓልቲ ከም ዚትንስእ፣ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ደጋጊሙ ነጊሩዎም። ኣብ ልዕሊ ሞት
ሓይልን ሥልጣንን ከም ዘለዎ ንኼርኢ፤ ንጓል ኢያኢሮስ ጓል 12 ክልተ ዓመት፣ ሓደ ወዳ ንዝነበረ፡ ወዲ መበለት፣ ነልኣዛር ሓው ማርያምን ማርታን፣ ካብ ሞት ኣተንሥኢዎም።በዚ ተኣምራታት እዚ ብዙሓት እኳ እንተ ኣመኑ፣ ድሕሪ ሞቱ ኪትንሥእ እዩ ቢሉ ዝተጸበዮ ግን ሓደኳ ኣይነበረን። ወላኳ ንኻልኦት ካብ ሞት ዘተንሥኡ ከም እኒ ኤልያስ ነቢይ ዓበይቲ ነቢያት እንተ ነበሩ፣ ሞይቱ ንባዕሉ ብሥልጣኑ ካብ ሞት ዝተንሥአ ግን ኣብ ታሪኽ ተሰሚዑ እኳ ኣይፈልጥን።እዚ ድንቂ ዕጹብ ተግባር እዚ ንመጀመሪያ ጊዜ ብኽርስቶስ እዩ ተጀሚሩ። እዚ ኸኣ ክርስቶስ ሰብን ኣምላኽን ከምዝነበረ፤ ከም ሰብ ክመውት እንከሎ፣ ከም ኣምላኽ ግን ሞት ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ከምዘይብሉ፣ ንሱ ጐይታ ኵሉ ፍጥረት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ጐይታ ሞትን ሕይወትን ከምዝኾነ፣ ነቲ ቅድም ዝተዛረቦ ቃል ድሕሪ ሠለስተ መዓልቲ ካብ መቓብር ብሓይሊ ሥልጣኑ ብምትንሣእ ብጭቡጥ ኣመስኪሩ።
ንተመሃርቱን ተኸተልቱን እውን፤ በሰላ መውጋእቱ እናርኣየ ካብ ሞት ከምዝተንሥአን ብርግጽ ንሱ ምዃኑን፣ምሳታቶም እናበልዐን እናሰተየን ኣረጋጊጽዎም።ነርባዓ መዓልቲ ምሳታቶም እናመሃሮምን ኣጸናንዖምን ድሕሪ ጸኒሑ፤ “ልብኹም ኣይሸበር፤ ብኣምላኽ እመኑ፣ ብኣይውን እመኑ።ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሓድር ኣሎ፤ መሓድር እንተ ዘይህሉ ግና ምነገርኩኹም ነይረ፣ ሕጂ ግና ሥፍራ ኸዳልወልኩም “ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን” ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣሎኹ።ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹልኩም ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትህልዉ፣ ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ምሳይ ክወድደኩም እየ።” ኣብቲ ኣነ ዝኸዶ መገዱ ኣርእየኩም ኣሎኹ፣ አናበለ ኸኣ ኣቡኡ ኣቦና፣ ዓዱ ዓድና፣ ሕይወቱ ሕይወትና ከምዝኾነን፤ ንሱ ምሳና ንሕና ምስኡ ከምእንነብርን ብዘየዳግም ቃላት ነጊሩና። “ንሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ፣ነቶም ዝሓረዮም ሓዋርያት ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዘዞም።
ብድሕሪ ሕማማቱ ነርብዓ መዓልቲ ዚኣክል እናተራእዮም፣ ብዛዕባ መንግሥቲ ኣምላኽ ከኣ እናነገሮም፣ ብብዙሕ ዘየጋጊ መረዳእታ ሕያው ከም ዝኾነ ገዛእ ርእሱ ኣርኣዮም።ምስኦም ብሓደ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ ኸምዚ ዚስዕብ እናበለ ኣዘዞም፦ “ነቲ ካባይ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ አቦ ተጸበዩ እምበር ካብ ኢየሩሳሌም ኣይትውፅኡ።ከመይ ዮሓንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፣ ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ቑሩብ መዓልትታት ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም።…እዚ ምስ በለ፤ “ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም።ኪባርኾም ከሎ ኸኣ”… እናረኣይዎ ንስማይ ዓረገ፣ ካብ ኣዕይንቶም ከኣ ደማና ሠወረቶ” (ግሓ.1፡2-5)።
እቲ ኣብ መባእታ “ዘኢያውረደ አዕረገ” ዝበልናዮ፣ ግእዛዊ ቃላት ዓቢ ትርጉም ዝሓዘለን፣ ዜጸናንዕን ዜሓጕስን መልእኽቲ ዝሓዘን ስለ ዝኾነ፤ኣስፍሕ ኣቢልና ክንርእዮ። ዘኢያውረደ አዕረገ፤ ዘየውረዶ ኣዕረገ፤ ማለት ኪወርድ እንከሎ ሒዝዎ ዘይወረደ፣ ኪዓርግ እንከሎ ግን ሒዝዎ ደየበ። “እቲ ኣብ ኣምላኽን፣ ምስ ኣምላኽን፣ ኣምላኽን ዝነበረ ቃል፣” ኣብ ዓለም መጺኡ ሰብ ምስ ኮነ፤ ነቲ ሥጋናን ባህርናን ምስቲ መለኮታዊ ኣካሉ ኣወሃሂዱዎ እዩ። ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላክ ኣብ ሓደ መለኮታዊ ኣካል። ኪፈላለ ዘይክኣል ኵሉ ሳዕ ብሓደ ዚኸየድን ዚነብርን ፍጹም ሓድነት እዩ። ኪሳቐ ብሓደ፣ ኪትንሥእ ብሓደ፣ ኪዓርግ ብሓደ፤ ኣብ ምድሪ ብሓደ ኣብ ሰማይ ብሓደ። ኵሉ ሳዕ ኣብ ሓደ ኣካል ብሓደ። እዚ ሓድነት እዚ ንኣናን ምእንታናን እዩ።ንሕና ናብኡ ክንከይድ እዩ፡ንሱ ናባና ዝመጽአ፣ ንኣና ናብኡ ኬዕርግ እዩ ንሱ ናባና ዝወረደ።እቲ ንሱ ዝኾኖ፣ ንሕና ምእንቲ ክንኮኖ፣ በቲ ክንገር ዘይክኣል ጥበቡ መገዲ ፈጢሩልና።ንሱ ካብ ድንግላዊ ማሕፀን ተወሊዱ ፍጹም ሰብ ኮይኑ። ንሕና ኸኣ ካብ ማሕፀን መንፈስ ቅዱስ ብማይ ጥምቀት ተወሊድና መለኮታውያን ክንከውን፡ምጢረ ጥምቀት ሠሪዑልና። “ከመይ ኣብ ሰብነት ክርስቶስ መለኮት ብምልኣት ሓዲሩ ኣሎ።ንስኻትኩም ከኣ በቲ ርእሲ ሕልቅነትን ሥልጣናትን ዝኾነ ክርስቶስ ተመሊእኩም ኣሎኹም።…ብጥምቀት ምስኡ ተቐቢርኩም፣ ብሓይሊ እቲ ካብ ምዉታት ዘተንሥኦ ኣምላኽ ብምእማንኩም ድማ ምስኡ ተንሣእኩም።” (ቆላ.2፡9፣12)።በቲ ፈላሚ ምሥጢራት፤ ምሥጢረ ጥምቀትን፡ ሜሮንን፡ብዘይሃስስ ብዘይድምሰስ ብዘይድህሰስ ማሕተም ዝተሓትመ፡ መለኮታዊ ዜግነት ተቐቢልና ኢና። “እምበኣር ንስኻትኩም ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝኾነ መሠረት ነቢያትን ሓዋርያትን ዝተነደቕኩም፣ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፣ ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኮንኩምን።” (ኤፈ.2፡19-20)። ብሳላ ክርስቶስ ውሉድ ኣምላኽ ምዃና፣ መለኮታዊ ውሉድነትና ተረጋጊጹ እዩ። “ነቶም ዝተቐበልዎ ዘበሉ፡ ብስሙ ንዚኣምኑ ኹሎም ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪኾኑ፣ ሥልጣን ሃቦም።” (ዮሓ.1፡12)።ውሉድ እንድሕሪ ኾይንካ፣ እሞ ውሉድነትካ እንድሕሪ ተረጋጊጹ፣ ርስቲ ኣቦኻ ክትወርስ ምሉእ መሰል ኣሎካ። በዚ ኸኣ እዩ እቲ ነዚ ዜረጋገጸ ሓርበኛ
ክርስቶስ ዝኾነ ቅዱስ ጳውሎስ፤ “እምበኣር ውሉድ ካብ ኮንና፣ ወረስቲ ድማ ኢና፤ ንኣምላኽ ወረስቱ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብና፣ ምስኡውን ክንከብር ኢና።” (ሮሜ፡8፡17) እናበለ ብዘየማትእ ንጹር ቃላት ውሉድነትናን፡ ወረስቲ ኣማላኽን፣ መዋርስቲ ክርስቶስን ምዃንናን የረጋግጸና። እምበኣር፤ ኣብ ሰማይ ኣደራሻትና ሕኑፅ፣ ዓራትና ንጹፍ እዩ፤ይንዋሕ ይሕጸር ናይ ጊዜ ጕዳይ እዩ፤ እዚ ሕጂ ዚሳቐ ዘሎ ሥጋ ምስ ክርስቶስ ተንሢኡ ኪኸብር እዩ።በዓለ ዕርገት እምበኣር ነዚ እዩ ዜዘኻኽረናን ዜረጋግጸልናን። ሰብነትና ብምሉኡ፤ ካብ ፀጕሪ ርእስና ክሳብ ጽፍሪ እግርና ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ፡ ምስ ክርስቶስ ተወሃሂዱ ከቢሩ ይጽበየና ኣሎ።እታ ምድራዊት፡ ሕጂ ግን ሰማያዊት፡ ሓብትናን ኣባልናን ኣደናን ኣደ ኣምላኽንውን ምስኡ ሓቢራ እቲ “ንሱ ዚብለኩም ግበሩ፣” እናበልት ኣብ ሰማይ ምስኡ ሓቢራ ትጽበየና ኣላ። “እቲ በራሲ ዘይምብራስ፣ እቲ መዋቲውን ዘይሙማት ምስ ለበሰ፣ ሽዑ፦ “ሞት ብዓወት ተዋሕጠ” ዚብል ጽሑፍ ኪፍጸም እዩ። ምስ ክርስቶስ ሓቢርና ከኣ “ኦ ሞት፣ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ኦ ሞት፣ ኣበይ ኣሎ ምውጋእካ፧” (1ቆሮ.15፡54-55) ክንብል ኢና።
እዚ ካብ ኮነ ኵነታትናን ትጽቢትናን እምበኣር፣ በታ ናብ መንግሥተ ሰማያት እትወስድ፣
ቀጣንን ብርትዕትን መገዲ ክንጕዓዝ፤ “ኣነ መንገድን ሓቅን ሕይወትን” እየ ኣሰረይ ስዓቡ እናበለ፣ በታ ንሱ ዝሓለፋ መንገዲ ክንስዕቦ እታ ቅንዕቲ መገዲ ድሕነት፣ ኣርእዩናን ሓቢሩናን ኣሎ። ስንቕናን መብራህትናን ኮይኑ ምሳና ከምዚጕዓዝ ከኣ በታ ኣደን መምህርን ዝኾነት ቤተክርስቲያኑ ገቢሩ ይመርሓናን ይኣልየናን፡ ይምግበናን ይከናኸነናን ኣሎ። መራሒ ስኢና፣ መገዲ ጠፊኡና ኢልና እነመኽንየሉ የብልናን። ሓደ ጊዜ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዙሕ ጊዜ ደጋጊሙ፤ “እዝኒ ዘለዎ እቲ መንፈስ ቅዱስ ነኣብያተ ክርስቲያን ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ሕይወት ኪበልዕ መሰል ኽህቦ እየ” (ራእ.2፡7) እናበለ የሰምዓልና ኣሎ።
ኵሉ ናይዚ ዓለም ወርቅን ጨርቅን፣ መስተን ብልዕን፣ ጣዕምን ምቾተን ኣብ ምድሪ ኪተርፍ እዩ፣ ንሕና ግን ናብ ዘለዓለም ክንሰግር ኢና። እተን መገዲ ክልተ እያተን፤ እታ ናብ ሕይወትን ታሕጓስን ዓወትን እትወስድ፣ ጸባብን ቀጣንን እያ። እታ ናብ ሞትን ኵነኔን ዘለዓለማዊ ሥቓይን እትወስድ ከኣ ገፋሕን ቀላልን ምችእትን እያ። በየናይ ጐደና ንጕዓዝ ኣሎ፧ በታ ጸባብዶ በታ ገፋሕ፧መወዳእታና ኸኣ ሕጂ በየንአን ንጕዓዝ ከምዘሎና እዩ ዚውሰን።ምናንልባት ተታሊልናን ዘንጊዕናን በታ ገፋሕ መገዲ ንጕዓዝ እንተ ደኣ ኣሊና፣ ሕጂ ዕድል እንከሎና መገዲ ንቐይር። ካብታ ገፋሕ ወጺእና ናብታ ጸባብ መገዲ ክርስቶስ፡ ጐደና ድሕነት ንእቶ።ሎሚ ጽባሕ ክንብል ጊዜ ኣይንውሰድ፤ ጽባሕ እዛ ዓለም እንታይ ከምትኸውን ኣይንፈልጥን ኢና። “ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሢእኩም ኢኹም እሞ ቀልብኹም ኣብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፣ ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ። ኣእምሮኹም ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘየኮነስ፣ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ።ከመይ ሞይትኩም ኢኹም፣ ሕይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሠዊራ ኣላ።እቲ ሕይወትኩም ዝኾነ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ፣ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም።” (ቆላስያስ፡3፡1-4)።

ልዑል እግዚኣብሔር ኣቦ፡ ክብርና ዚሕደሰሉን፣ ሕይወትና ዚቕደሰሉን ርሑስ በዓለ ዕርገት ይግበረልና። ጠለ በረኸቱን ዝናመ ምሕረቱን የፍስሰልና፣ ሰላምን ፍቕርን የንግሠልና፣ ረድኤት ወላዲተ ኣምላኽ ኣይፈለየና። ኣሜን። ካብ ሓውኹም ኣባ ሙሴ ተስፋዮሓንስ -ሲታዊ







All the contents on this site are copyrighted ©.